መደባት መበል 22 ዓመታዊ ጉባኤ መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜርካ ጉባኤ፥ ሓሙስ ሓምለ (July) 30 - ክሳብ ቀዳም 1 ነሓሰ (August) 2020 ካብ ርሑቕ ብቐጥታ (Live) ክዝርጋሕ እዩ። ካብ ሰዓት 12:00 - 8:00 ምሸት ብምብራቓዊ (10:00 - 6:00 ድ. ቀትሪ ብምዕራባዊ ) ኣቆጻጽራ ይመሓላለፍ።
Live https://www.facebook.com/EritreanOrthodoxChurch
Live https://www.facebook.com/tewahdoChurch
መሪሕ ጥቕሲ - Theme Verse:-
“ብተስፋ ተሓጐሱ፡ ብጸበባ ተዓገሱ፡ ጸሎት ኣዘውትሩ” ሮሜ 12፡12
ዝርዝር መደባት ፕሮግራም- Program Detail
በዚ ዘሎ ሕማም-ለበዳ ምኽንያት: መበል 22 ዓመታዊ ጉባኤ መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜርካ (2020) ኣብቲ ዝተመደበሉ ቦታ ከምዘይካየድ ጉባኤ ካህናት ሰሜን ኣሜርካ ንምእመናን ብኣኽብሮት ይሕብር። ኣብ ክንድኡ ግና: ዝተፈላለዩ መደባት ኣገልግሎት ዝሓቖፈ ጉባኤ-ብርሕቀት (Virtual Conference) ክህሉ'ዩ። ምእመናን ነዚ ብርሑቕ ዝወሃብ ትምህርቲ ክትከታተልዎን ብጸሎት ክትሓብሩናን ብኣኽብሮት ንዕድም። ጉባኤ-ብርሕቀት፥ ካብ ሓሙስ 30 ሓምለ - ክሳብ ሰንበት 2 ነሓሰ ((July 30 - August 2) 2020 ዓ. ም ኣብቲ ዝተመደበሉ ዕለት ክካየድ እዩ።
እግዚኣብሔር ነዚ ዘሎ ሕማም-ለበዳ ይቐንጥጠልና። ኣሜን።
ኣብ ውሽጥን ኣብ ስደትን እትርከቡ ክርስቶሳውያን ምእመናን
ናይ ኤርትራ ኣብያተክርስቲያናት ተዋሕዶ:ሰንበት ዕለት 21 ሰነ 2020 ምእንቲ እቶም ንፍትሕን ናጽነትን ሰላምን ኢሎም ክብርቲ ህይወቶም ዝወፈዩ ስዉኣት ኤርትራ ጸሎተ ፍትሓት ከካይዳ እየን።
በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሓዱ ኣምላክ፣ ኣሜን።
ክርስቶስ ተንሥአ እሙታን-----------> በዓቢይ ኃይል ወሥልጣን
አሰሮ ለሰይጣን-----------------------> አግዓዞ ለአዳም
ሰላም---------------------------------> እምይእዜሰ
ኮነ------------------------------------> ፍስሐ ወሰላም።
ኣብ ስደትን ኣብ ውሽጢ ኤርትራን እትነብሩ ዘለኹም ክቡራት ምእመናን፣
እንቋዕ ናብ በዓል ትንሣኤ-ጎይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ 2020 (2012 ዓም ግእዝ) ኣብጽሓና እናበልና: በዓል ሓጎስን ፍስሓን ክኾነልና ጸሎትናን ሰናይ ትምኒትናን ንገልጽ።
Divine Liturgy on Palm Sunday from Holy Trinity Eritrean Orthodox Church,Seattle, WA (April 12, 2020).
ሥርዓተ ቅዳሴ ሆሳዕና ካብ ቤተ ክርስቲያን ቅድስት ስላሴ ስያትል ዝተዘርግሐ።
Divine Liturgy on Palm Sunday from St Mary, Eritrean Orthodox Church,Bay Area, CA (April 12, 2020).
ሥርዓተ ቅዳሴ ሆሳዕና ካብ ቤተ ክርስቲያን ቅድስት ማርያም, ኦክላንድ ካሊፎርንያ ዝተዘርግሐ።
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ