S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ኣብዚ ዕለተልደት ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ እነኽብረሉ በዓል'ዚ፥ ሰማያውያን መላእክትን ምድራውያን ሰባትንክብሪ ንኣምላኽ ኣብ ሰማያት ሰላም ድማ ኣብ ምድሪ ኣብ መንጎ እቶም ስምረት ኣምላኽ ዘለዎም ሰባትይኹን (ሉቃ. 214) እናበሉ ሓቢሮም ዝዘመርሉ ዕለት እዩ። እዚ መዝሙር ልደት ክርስቶስ: ንኽልተ ነገድ (ሰማያውያንን ምድራውያንን) ሓደ ዝገበረ: ሎሚ ንዓለምና ካብ ዝኾነ እዋን ንላዕሊ ዘድልያ እዋናዊ መዝሙር-ሰላም እዩ: ስለምንታይሲ: ሰብ ብዝፈጠሮ ዓመጽን በደልን ዓለምና ትርበጽ ስለዘላ። እዚ ድማ: ሰብ: እቲ ኣብ ህይወቱ ዘድልዮ ዝዓበየ ነገር ሰላም ስለዝሓረሞ እዩ። ሠለስተ ዓይነት ሰላም ድማ የድልዮ።

 ሰላመ እግዚኣብሔር ምሳኻትኩም ክኸውን ንምነ።

እዚ ሒዝናዮ ዘለና ናይ ትምህርቲ ግዜ፥ ኣብዚ ወርሒ እዚ ክዛዘም ምዃኑ ንሕብር። ፈተና ዘይወሰድኩም፥ ክሳብ መወዳአታ ነሓሰ 2021 ክትወስዱ ብመንፈሳዊ ኣኽብሮት ንሕብር። ዝቕጽል ምዱብ ትህምህርቲ፥ 1 መስከረም 2021 ዓ.ም ክጅመር እዩ።

ዓይነት ዝወሃብ ትምህርቲ።

1. ታሪኽ ቤተ ክርስቲያን - Church History

2. ቀኖና ቤተ ክርስቲያን - Canon of the Church

3. ምሕደራ ቤተ ክርስቲያን - Church Administration

ምምሕዳር ክፍሊ ተመሃሮ: ኮለጅ ሥነ መለኮት ተዋሕዶ።

ብዝተወገዙ ፓትርያርክ ዝሽየሙ ጳጳሳት: ንመርገም እምበር ንበረኸት ኣይኮኑን።

“ኣቦኻ ቀቲሎም ኣቦ ኣይሃቡኻ” ዝብል ብሂል ኣበው፥ ሎሚ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ኦርቶዶክስ ኤርትራ ተራእዩ ኣሎ። ኣብ ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ ተፈጺሙ ዘሎ ገበን ኣብ ታሪኽ ዓለም መጀመርታ ዝተፈጸመ ግፍዒን ብድዐን እዩ። ከመይሲ ብመሪሕነት ዝለዓለ ሥልጣን ቤተ ክርስቲያን፥ ብዕድመ ወዲ 96 ዓመት፥ ብግፍዒ ተኣሲሮም ብፖሊስ ዝሕለዉ፥ ከሰስቶም፥ ዳነይቶም ፈረድቶም፥ ሓደ ዝኾኑ፥ ኣብ ታሪኽ ቅዱስ ኣቡነ እንጦንዮስ እዮም።

 ኣብዚ እዋን' ኣብ ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶን ኣብ ሕዝብን ወሪዱ ዘሎ ከቢድ ጸገምን ኣደራዕን፥ ይትረፍዶ ዓሚጽካን ገፊዕካን፥ ሓደ ኮንካውን ምስጋሩ ከቢድ ኮይኑሉ ዘሎ እዩ።

  • በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ፡ ኣሜን!
  • መላእ ገዳማውያን ኣቦታት፡ ውሉደ ክህነትን ማኅበረ ማእመናንን ምእመናትን ብኃበራ፡

ሕጋውን ቀኖናውን ሣልሳይ ፓትርያርክ ዘሃገረ ኤርትራ፡ ቅዱስ እንጦንዮስ ቀዳማዊ፡ ኣብታ ቅድስቲ መንበሮም ይምለሱ እሞ፡ ዕርቀ-ሰላም ክወርድ፥ ብተስፋ ንብዙሕ እዋን ክጽበ ጸኒሑ እዩ። ይኹን እምበር እቲ ብወገን ኣሥመራ 13 ግንቦት 2021 .. ዝተኣወጀ፡ ቀኖና ቤተ-ክርስቲያን ዝጠሓሰ፡ ምርጫ ዘይሕጋዊ 5 ፓትርያርክ፡ መንበረ ጵጵስና ኣኅጉረ ስብከታት ሰሜን ኣመሪካ፡ ኤውሮጳን ማእከላይ ምብራቕን፡ ብትሪ ከም ዝነጽጎን ከም ዝቃወሞን እናሓበረ፡ ኣብ ደረት ሓቅን ሕግን ቈይሙ ኸኣ፡ ከም ቀደሙ፡ ንሓዋርያዊ መሪሕነት 3 ፓትርያርክ ቅዱስ እንጦንዮስ ጥራይ ከም ዝቕበል፡ ንመላእ ማኅበረ ምእመናን፡ ውሉደ ክህነት፥ ኣኃት ኦሬንታል ኣብያተ ክርስቲያናትን ንኹሎም ዝምልከቶም ኣካላትን፡ ጽኑዕ መርገጺኡ የፍልጥ።

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div