ብስም ኣቦን ወልድን መንፈስ ቅዱስን ፩ደ ኣምላኽ ኣሜን።
ኣብ ትግራይ ዝካየድ ንዘሎ ኲናት ንምኹናን ዚወጸ መግለጺ መንበረ ጵጵስና።
“እምበኣርስከ እዚ ቃል እዚ ንገሮም፥ እታ ድንግል ጓል ሕዝበይ ብብርቱዕ መውቃዕቲ፥ ብዘሰቂ ቁስሊ ተሰቢራ እያ እሞ፥ ኣዕይንተይ ለይትን መዓልትን ከየቋረጻ ንብዓት የውሕዛ ኣለዋ። ናብ መሮር እንተ ወጻእኩ እነሆ ብሰይፊ ዝሞቱ፥ ናብ ከተማ እንተ ኣቶኹ ድማ፥ እነሆ ብጥሜት ዝቓህመሙ፥ ክሳዕ ነቢይን ካህንን እኳ ናብ ዘይፈልጥዎ ሃገር ይኸዱ ኣለዉ።” ኤር. 14:17-18።
በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሓዱ ኣምላክ ኣሜን።
ቀኖናዊ ኣሕጉረ ስብከታት ሰሜን ኣሜሪካ፥ ካናዳን ኤውሮጳን ማእከላይ ምብራቕን ኣብ ህሉው ኩነታት ኣድሂቡ ዘውጸኦ መግለጺ እንሆ።
ንስኻ ግና ክሳዕ ሞት እሙን ኩን እሞ: ኣነ ድማ ኣኽሊል ሕይወት ክህበካ እየ! ራእ/ዮሓ 2፡10
ሰማዕት ቅዱስ እንጦንዮስ ቀዳማዊ፥ ብማዕርግ ሓዋርያዊ ሰንሰለት ካብ ቅዱስ ማርቆስ ወንጌላዊ መበል 120: ብናይ ኤርትራ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ከኣ፥ 3ይ ፓትርያርክ ኮይኖም፥ ሓዋርያዊ ሕግን ክርስቶሳዊ ሥርዓትን ኣኽቢሮም፥ ብመሪሕነት መንፈስ ቅዱስ ብምልኣት ድምጺ ዝተሓርዩ፥ ፓትርያርክ እዮም።
በስመ ኣብ ወወልድ፥ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሃዱ ኣምላክ፡ ኣሜን።
ናብ ኵሎም ኦርቶዶክሳውያን ኣመንትን ምሉእ ህዝቢ ኤርትራን ኣብ ውሽጥን ወጻእን!
ቅዱስ ኣቡነ እንጦንዮስ 3ይ ፓትርያርክ ሃገረ-ኤርትራ፥ ዝኾነ ሕክምና ኣይደልን እንዳበሉ፥ ብዘይ ፍቓዶም፥ ብልኡኻት መንግሥቲ ተገዲዶም፥ ካብ ወርሒ ሓምለ ጀሚሮም መድሃኒት ክወሃቦምን መርፍእ ክውግእዎምን ከም ዝጸንሑ ዝበጽሓና ሓበሬታ የረድእ።
በዓል-ልደት፥ ዓርቢ 7 ጥሪ 2022 (፳፱ ታሕሳስ ፳፻፲፬) ስለዝኽበር፥ ዓርቢ ብልዖት ምዃኑ ንምእመናን ንሕብር። በዓል-ልደትን በዓል-ጥምቀትን ዝኽበርሉ መዓልቲ ብዘየገድስ ኵሉ ጊዜ ብልዖት ምዃኖም ደጊምና ንሕብር። ብተወሳኺ፥ በዓል-ልደት ዓርቢ ወይ ረቡዕ ምስ ዝኽበር እታ ንጽባሒታ ዘላ መዓልቲ ጾም ኣይኮነትን። በዓል-ጥምቀት ኣብ ዓርቢ ወይ ኣብ ረቡዕ ምስ ዝኽበር ግና እታ ድሮ ዘላ መዓልቲ (ገሃድ) ጾም እያ።
ብሩኽ በዓለ ልደት ይግበረልና።
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ