ሕጋውን ቀኖናውን ሣልሳይ ፓትርያርክ ዘሃገረ ኤርትራ፡ ቅዱስ እንጦንዮስ ቀዳማዊ፡ ኣብታ ቅድስቲ መንበሮም ይምለሱ እሞ፡ ዕርቀ-ሰላም ክወርድ፥ ብተስፋ ንብዙሕ እዋን ክጽበ ጸኒሑ እዩ። ይኹን እምበር እቲ ብወገን ኣሥመራ ብ13 ግንቦት 2021 ዓ.ም.ፈ ዝተኣወጀ፡ ቀኖና ቤተ-ክርስቲያን ዝጠሓሰ፡ ምርጫ ዘይሕጋዊ 5ይ ፓትርያርክ፡ መንበረ ጵጵስና ኣኅጉረ ስብከታት ሰሜን ኣመሪካ፡ ኤውሮጳን ማእከላይ ምብራቕን፡ ብትሪ ከም ዝነጽጎን ከም ዝቃወሞን እናሓበረ፡ ኣብ ደረት ሓቅን ሕግን ቈይሙ ኸኣ፡ ከም ቀደሙ፡ ንሓዋርያዊ መሪሕነት 3ይ ፓትርያርክ ቅዱስ እንጦንዮስ ጥራይ ከም ዝቕበል፡ ንመላእ ማኅበረ ምእመናን፡ ውሉደ ክህነት፥ ኣኃት ኦሬንታል ኣብያተ ክርስቲያናትን ንኹሎም ዝምልከቶም ኣካላትን፡ ጽኑዕ መርገጺኡ የፍልጥ።
በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሐዱ አምላክ ኣሜን!
ቀኖናዊ መንበረ ጵጵስና ኣኅጉረ ስብከታት፡ ሰሜን ኣመሪካ፡ ኤውሮጳን ማእከላይ ምብራቕን፡ ኣብ ውሽጢ ዓድን ኣብ ወጻኢ ሃገራትን ንዝርከቡ፡ ኩሎም ደቂ-ቤተ-ክርስቲያንን ደለይቲ ጽቡቕን፡ ብፍላይ ድማ ንኣበው ገዳማውያን፡ ንኣቦታት ካህናትን ዲያቆናትን፡ ንመላእ ማሕኅበረ ምእመናንን ምእመናትን፡ ከምኡውን ንምሉእ ሕዝቢ ኤርትራ መንፈሳዊ ሰላምታኡ የቕርብ።
“ሰብ ኣብ ውግእ እተዓጥቆ ዘበለ ኣጽዋርን፡ ብደም እተዓለሰ ኽዳንን ኪነድድ፡ ሓዊ ድማ ኪበልዖ እዩ (ኢሳ. 9፡5)።
መግለጺ መንበረ ጵጵስና ኣህጉረ ስብከታት
25 የካቲት 2021 (የካቲት ፲፰, ፳፻፲፫ ዓ.ም ግእዝ)
ብስም ኣቦን ወልድን መንፈስ ቅዱስን ፩ደ ኣምላኽ ኣሜን።
መንበረ ጵጵስና ኣህጉረ ስብከታት ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ፡ ብመንግሥቲ ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ትግራይ ዝተኣወጀ ኲናት ኣብ ዝጀመረሉ እዋን፥ “ውግእ ሰብ እዩ ዝቕለብ፥ ስለዚ፥ ኲናት ደው ክብል፥ ብምርድዳእን ልዝብን ክፍታሕ፡ መንግሥቲ ኤርትራ ድማ ኣብ ዘይምልከቶ ዶብ ተሳጊሩ ምስ ኃዉ ዝኾነ ሕዝቢ ትግራይ ውግእ ከይገብር መጸዋዕታኡ ኣቕሪቡ ነይሩ እዩ [Link]።
ሊቀ ካህናት ኣቦይ ቀሺ ገብረሕወት ኃይለ ኣገልጋሊ ገዳም ኣቡነ ተክለሃይማኖት ወገሪቆን ኪዳነ ምሕረትን ኣብ ነሓሰ 11/2017 ኣብ መበል 90 ዕድሚኦም ብሰላም ዓሪፎም።
ሰንበት 4 ጥቅምቲ 2020፡ ንዝኽሪ ኤርትራውያን ግዳያት ላምፐዱሳ፡ ኣብ ኩለን ኣህጉረ ስብከታትና ጸሎት ፍትሓት ተኻይዱ። እዚ ጸሎት ፍትሓት'ዚ: ስለቶም ኣብ 2013 ዓመት ኣብዚ እዋን'ዚ ህልቂት ዘጋጠሞም ልዕሊ 325 ዜጋታትና ኮይኑ፡ ስለቶም ድሕሪኡን ቅድሚኡን ኣብ ዝተፈላለየ እዋንን ቦታን ህይወቶም ዝሰኣኑ ኤርትራውያን ብሓባር ጸሎት ፍትሓት ተኻይዱ።
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ