መቓውሐይ ዘክሩ! ቆላ 4፡18 ብዝብል መሪሕ ጥቕሲ ተሰንዩ፡ ብመንበረ ጵጵስና ሃገረ ስብከት ሰሜን ኣሜሪካ ዝተጸውዐ ቦኽሪ ሰላማዊ ሰልፊ ዋሽንግቶን ዲሲ ብዓርቢ ዕለት 8 ሕዳር 2019 ኣ.ፈ (፳፰ ጥቅምቲ ፳፻፲፪ ዓ.ም) ብጽቡቕ ኣገባብ ተፈጺሙ። እዚ ልዕሊ 30 ዝኾኑ ውሉደ-ክህነት ዝመርሕዎ ሰላማዊ ሰልፊ፡ ካብ ዝተፈላለያ ክፍለ-ግዝኣታት ሕቡራት መንግሥታት ኣሜሪካ ብመካይንን ብነፈርትን ተጓዒዞም ብዝመጹ ኦርቶዶክሳውያን ኣመንቲ፥ ግዱሳት ሰብ ሠናይ ሕሊናን ደለይቲ ፍትሕን ኤርትራውያን ኣሜሪካውያንን ከምኡውን ገለ ነበርቲ ዋሽንግቶን ዲሲ ወሲኽካ ብኣማኢት ዝቑጸር ብዝሒ ህዝቢ ተሳቲፎም ነይሮም።
ሰንበት ዕለት 17 ሓምለ 2017 ኣ.ፈ (11 ሓምለ 1997 ዓ.ም ግእዝ) 3ይ ፓትርያርክ ሃገረ ኤርትራ ቅዱስ ኣቡነ እንጦንዮስ ንኽልተ ኤጲስ ቆጶሳት ማለት ንብፁዕ ኣቡነ ኣትናቴዎስን ንብፁዕ ኣቡነ ባስልዮስን ብማዕርግ ጵጵስና ክቐብኡ ወዓሉ። በጀካ ብፁዕ ኣቡነ ቄርሎስ ድማ ብምልኦም 8ተ ጳጳሳት ተዋሕዶ ምስ ቅዱስ ፓትርያርክ ኣብቲ ጸሎተ ቅዳሴን ሥርዓተ-ሽመትን ሓቢሮም ክሳተፉ ውዒሎም እዮም። ብድሕሪኡውን ኩሎም ጳጳሳት ኣብቲ ብምኽንያት በዓለ-ሲመት ንኽብሪ 2ተ ጳጳሳት ተባሂሉ ዝተዳለወ መኣዲ-ምርፋቕ (ምሳሕ) ብየማነ-ጸጋም ቅዱስ ኣቡነ እንጦንዮስ ኮይኖም ብፍሱሕ ገጽን ብጥዑም ዘረባን ዝተዳለወሎም ሽሻይ ምስ ኩሎም ዕዱማትን ሠራሕተኛታት መንበረ ፓትርያርክን ብሰላም ተመገቡ። ስዒቡ መዝሙር ምስጋናን መግለጺ ሓጎስ ማዕዳታትን ምስ ተዋህበ፥ ስብሓት ለኣብ! ተባሂሉ ብጸሎተ ቡራኬ ቅዱስ ኣቡነ እንጦንዮስ ድማ መዛዘሚ ጸሎት ተገይሩ ፍጻሜ ናይ ሰንበት በዚ ኣብቂዑ ኩሉ ሰብ ብደሓነ ሰላም ተፋነወ።
On November 30, 2010 Fr. Athanasius Ghebre-Ab celebrated his first Divine Liturgy at Saint Nicholas and Holy Trinity Greek Orthodox Church in Cincinnati, Ohio. As our readers recall, Fr. Athanasius (formerly Prof. Habtu Ghebre-Ab) was ordained a priest on July 24, 2010.
“እዞም ኵላቶም (ቅዱሳን’ዚኣቶም) ነተን (ኣብ’ዛ ምድሪ’ዚኣ ኸለው ዝተዋህባኦም ተስፋታት ኣይረኸብወንን፡ ግናኸ (ብዓይኒ እምነት) ካብ ርሑቕ ርእዮም ተሳለምወን’ሞ፡ ኣብዛ’ ምድሪ’ዚኣ ኣጋይሽን ስድደተኛታትን ምዃኖም እናተኣመኑ፡ ብእምነት ሞተ። እቶም ከም’ዚ (ዚገብሩ) ኸኣ፡ (ነታ ሰማያዊት) ሃገሮም ከም ዚደልዩ፡ የርእዮ ኣለው። ነታ ዝወጹላ (ምድራዊት) ሃገር ሓስቦም እንተ ዚዀኑ፡ (ናብኣ) ኺምለሱ ጊዜ ነይሮም’ዩ። ሕጂ ግና (ነታ ዝበለጸት ማለት ነታ ሰማያዊት ሃገር) ይናፍቑ ኣለው። ስለ’ዚ ድማ ኣምላኽ (ሰማያዊት) ከተማ ኣዳሊወሎም ኣሎ’ሞ፡ “ኣምላኾም” ኪበሃል ብኣታቶም ኣይሓፍርን’ዩ።” እብ 11፡13-16,47 ካ.ት
እዚ ጸሎተ ሰርክ፥ ብዘይካ ሰንበት መዓልታዊ ካብ ሰዓት 7:00 - 8:00 ምሸት ብምብራቓዊ (4:00 - 5:00 ድ. ቀትሪ ብምዕራባዊ ) ኣቆጻጽራ ይመሓላለፍ።
Divine Liturgy on Palm Sunday from Holy Trinity Eritrean Orthodox Church,Seattle, WA (April 12, 2020).
ሥርዓተ ቅዳሴ ሆሳዕና ካብ ቤተ ክርስቲያን ቅድስት ስላሴ ስያትል ዝተዘርግሐ።
Divine Liturgy on Palm Sunday from St Mary, Eritrean Orthodox Church,Bay Area, CA (April 12, 2020).
ሥርዓተ ቅዳሴ ሆሳዕና ካብ ቤተ ክርስቲያን ቅድስት ማርያም, ኦክላንድ ካሊፎርንያ ዝተዘርግሐ።
እዛ ቃል እዚኣ ንመጀመርታ ጊዜ (ቦኽሪ እዝነይ) ዝሰማዕክዋ ኣብቲ ምድረ በዳን ምድረ ፍዳን ዝኾነ ሳዋ ዝበሃል ቦታ መደንዘዝን መልመስን መንእሰያት ኤርትራ ኣብ መወዳእታ ወርሒ ታሕሳስ 1997 ዓ.ም.ፈ እዩ ዝነበረ። ሓደ ወተሃደራዊ በዓል ሥልጣን ኤርትራ ከቢድ መልእኽቱ ከመሓላልፍ ከሎ፡ ከምዚ ኮይነ፥ ከምዚ ኣሎኒ፥ ዝብል ዝኾነ ምኽንያት ቅቡል ኣይኮነን። ንኽትፈልጡ ኣብዚ ክልተ ትእዛዝ ጥራይ እየን ዘለዋ “ግበር ወይ ኣይትግበር ” ዝብላ፥ "ካብዚ ወጻኢ ንዝኸደ ምሕረት ዝበሃል የሎን። ካብ ኢድ ሰይጣን ምሕረት ኣይትጸበ።" ክብል ኃይለ-ቃል ዘለዎ ከቢድ መጠንቀቕታ ሂቡና ናብ ቦትኡ ተዓዝረ። ካብታ መዓልቲ እቲኣ ድማ፡ እምበኣር ኣብ ኢድ ሰይጣን ኢና ኣቲና ዘሎና ብዝብል ሓሳብ ብሓቂ ልበይ ስለ ዝተጎድአ ኣምላኽ ብምሕረቱ ካብቲ ዘፍርሕ ዓዘቕትን ከቢድ መግዛእትን መዋጽኦ ክፈጥረልና ወትሩ ብጸሎት ይልምን ነበርኩ። ነታ ከባድ ቃል በዓል ሥልጣን ህግደፍ ዝተዛረባ ክኣ እንሆ ክሳብ ሎሚ ንልዕሊ 22 (ዕስራን ክልተን) ዓመታት ብፍጹም ክርስዓ ኣይከኣልኩን።
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ