““.....ኣቱም ኣጕባዝ፡ ብርቱዓት ስለ ዝዀንኩምን፡ ቃል ኣምላኽ ኣባኻትኩም ይነብር ስለ ዘሎን፡ ነቲ እኩይ’ውን ስዒርኩምዎ ኢኹም’ሞ፡ ጽሒፈልኩም ኣለኹ።” 1ዮሃ 2፡14
ዓመታዊ ጉባኤ [Conference] 2023- ሓበሬታ Announcement:
መበል 25 ዓመታዊ ጉባኤ መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜርካ: ካብ 3 ክሳብ 6 ሓምለ (August 3-6) 2023 ኣብ ቤተ ክርስቲያን ቅድስት ማርያም ኣብ ከተማ ባፍሎ ክፍለግዝኣት ኒው ዮርክ ክካየድ እዩ። ናይዚ ዓመት'ዚ ፍሉይ ዝገብሮ ድማ መበል 25 ዓመት ጉባኤና (silver jubilee) ከነኽብር ኣምላኽ ዕድመ ስለዝሃበና ብፍሉይ እነኽብሮ ጉባኤ እዩ። ብተወሳኺ፡ ከተማ ባፍሎ፡ ሓደ ካብቶም ሰሓብቲ ናይ ተፈጥሮ ሃብቲ (Niagara Falls) ዘለዋ ከተማ'ውን እያ። ምእመናን ህዝበ ክርስቲያን ናይ ስራሕ ዕረፍትኹምን ናይ መገሻ መደባትኩምን ምሳና ኣብዚ ጉባኤ'ዚ ከተሕልፍዎ ብኣኽብሮት ንዕድም።
ጾመ ነነዌ ናይ 2023 ቤተክርስቲያን ኣብ ልዑል ተስፋ ዕርቀ-ሰላም ትርከብ ምህላዋ፡ ነዘን ሰለስተ መዓልቲ በዚ መንፈስ ክንጽሊ ከም ዘሎና ርዱእ እዩ። ዮናስ ነብይ ሓደ ካብቶም ንኡሳን ነብያት ብሉይ ኪዳን ምዃኑ ይፍለጥ። ትንቢት ዮናስ ብሓቂ ክተንብቦ መሳጥን መሃርን እዩ።
ወ/ሮ ጽገወይኒ መኮነን: በዓልቲ ቤቶም ንኣቦይ ቀሺ ገብረ-መድህን ገብረ-ጊዮርጊስ፡ ብቀዳም 4 ሰነ 2022 ዓሪፈን። ወ/ሮ ጽገወይኒ፥ ኣደ ጽንዓት ናይ ጸሎት ኣደ ከምዝነበራ ብዙሓት ዝምስክርዎ ሓቂ እዩ። በዓል ቤተን ኣቦይ ቀሺ ገብረ-መድህን ገብረ-ጊዮርጊስ ካብ ዝእሰሩ 18 ዓመታት እኳ እንተቕጸረ፡ ንሰን ግን ንኣምላኽ እናለመና፡ ብጽንዓትን ብጸሎትን “በቲ ሓይሊ ዚህበኒ ክርስቶስ፡ ንዅሉ እኽእሎ እየ።” (ፊሊጲ 4.13) እናበላ ብትዕግስቲ ክጽበያ ጸኒሐን እየን። ንደቀን ክንዲ ኣደን ኣቦን ኮይነን እናዕበያኦም፡ ን18 ዓመታት ገጽ በዓል ቤተን ክርእያ ሃረር እናበላ እንከለዋን እየን ብሞት-ስጋ ተፈልየን።
እግዚኣብሔር ንስድራቤት ምጽንናዕ ይሃቦም። ንኣዴና ወ/ሮ ጽገወይኒ ድማ ኣብቲ ግደ ርስቲ ቅዱሳን ዝኾነ መንግስቲ ብርሃን የዕርፈን። “ኦ እግዚኦ! ኣዕርፍ ነፍሰ ዓመትከ ጽገወይን”
ነቶም ን18 ዓመታት ብዘይ ፍትሒ ተኣሲሮም ዘለዉ ድማ ሓርነት ይኣውጀሎም ኣምላኽ።
መርበብ ሓበሬታ ተዋህዶ
ቀኖናዊ ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ
መደብ ጸሎተ ፍትሓት (ዳግማይ ቀብሪ) 3ይ ፓትርያርክ ቅዱስ እንጦንዮስ
በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሃዱ ኣምላክ ኣሜን።
ቆኖናዊ ኣሕጉረ ስብከታት ሰሜን ኣሜሪካ፥ ኤውሮጳን ማእከላይ ምብራቕን ብምኽንያት ዕረፍቲ ግፉዕ፥ ቅዱስ ኣቡነ እንጦንዮስ 3ይ ፓትርያርክ ሃገረ ኤርትራ ዝተሰመዓና መሪር ሓዘን እንዳገለጽና፥ ንኹሎም ደቂ ቅድስት ኦርቶዶክሳዊት ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያንን ኤርትራውያን ደቂ ሃገርን ኣብ ውሽጥን ወጻእን ዝነብር ህዝብና፥ ልዑል እግዚኣብሔር ጽንዓትን ኑዛዜን ክህበና ብጸሎት ንልምን። ቀጺልና፡-
1) ሰንበት 13 የካቲት 2022 (፮ የካቲት ፳፻፲፬ ግእዝ) ኣብ ኩለን ኣብያተ-ክርስቲያን ኣሕጉረ ስብከታት መስዋዕተ-ቅዳሴን ጸሎተ-ፍትሓትን (እግዚኣ-ሕያዋን) ክግበር።
2) ሰንበት 20 የካቲት 2022 (፲፫ የካቲት ፳፻፲፬ ግእዝ) ብብፁዕ ኣቡነ መቃርዮስን ናይ ኦሬንታል ብፁዓን ኣቦታትን ዝመርሕዎ፥ ናይ ኣሜሪካን ካናዳን ኩሎም ውሉደ-ክህነትን ኦርቶዶክሳውያን ኣመንትን ዝሳተፍዎ ወግዓዊ -ጸሎተ-ፍትሓት (ካልኣይ-ቀብሪ) ኣብ ደብረ ሰላም ቤተ ክርስቲያን መድኃኔ-ዓለም ዋሽንግቶን ዲሲ (Map & Address) ክግበር ስለኾነ፥ ኩሉ ሰብ ፈነዋን ቡራኬን ቅዱስ ኣቡነ እንጦንዮስ ክካፈል ብኽብሪ ንዕድም። ሃገረ ስብከት ኤውሮጳ፥ እስራኤል፥ ኣውስትራልያን'ውን ተመሳሳሊ መድባት ተሰሪዑ ስለዘሎ በብኸባቢኡ ህዝቢ ክሳተፍ ንዕድም።
3) ን40 መዓልቲ ኣብ ኩለን ቤተ ክርስቲያን ዝግበር ጸሎተ-ቅዳሴ፥ ስም 3ይ ፓትርያርክ ቅዱስ ኣቡነ እንጦንዮስ ክዝከር መንፈሳዊ መልእኽትና ነመሓላልፍ።
“ኦ እግዚኦ! ኣዕርፍ ነፍሰ ቅዱስ እንጦንዮስ፥ ወኣንብር ለነ ህየንቴሁ ሔረ ወመራሔ”
ቀኖናዊ ኣሕጉረ ስብከታት ሰሜን ኣሜሪካ፥ ኤውሮጳን ማእከላይ ምብራቕን
11 የካቲት 2022 ዓ.ፈ (፬ የካቲት ፳፻፲፬ ግእዝ)
ዕረፍቲ 3ይ ፓትርያርክ ቅዱስ እንጦንዮስ
ቅዱስ ኣቡነ እንጦንዮስ፥ 3ይ ፓትርያርክ ኦርቶዶክሳዊት ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ: ረቡዕ 9 የካቲት 2022 ዓ.ም. ፈ.(2 የካቲት 2014 ዓ.ም.ግ) ዓሪፎም። "...መዘከርታ ጻድቕ ንዘለአለም ይነብር።" መዝ ዳዊት 112. 6።
እግዚኣብሔር ዘለዓለማዊ ዕረፍቲ ይሃቦም። ንተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ ድማ ምጽንናዕ ይሃባ።
እቲ ኣብ ልዕሊ ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ገበን
Day 42 (6th Sunday of the Holy Great Fast)
1 Now as [Jesus] passed by, He saw a man who was blind from birth. 2 And His disciples asked Him, saying, “Rabbi, who sinned, this man or his parents, that he was born blind?” 3 Jesus answered,
Day 20 (3rd Saturday of the Great Fast)
“For I say, through the grace given to me, to everyone who is among you, not to think of himself more highly than he ought to think, but to think soberly, as God has dealt to each one a measure of faith.” (Rom 12:3)
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ