S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

እዚ ሰንበት እዚ (መስከረም 10, 2017 ጳጉመን 5 2009) መወዳእታ መዓልቲ ዓመት ኣብቲ ቤተ ክርስትያን እትኽተሎ ናይ ግእዝ ዓውደ ኣዋርሕ እዩ። ብእኡ መንጽር ድማ፡እቲ ዝተነበ መልእኽቲ ነቲ ናይ ዘመን መወዳእታ ዝኹነ ምምጻእ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ዝምልከት እዩ።

ኣብ መወዳእታ ናይዚ ዘለናዮ ናይ ምሕረት ዘመን፡ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ካብ ሰማያት ክምለስ እዩ። በታ መዓልቲ ድማ ሰማያት ጥዋዕዋዕ እናበለ ክሓልፍ፡ ፍጥረት ሰማይ ብረስኒ ኺመክኽ፡ ምድርን ኣብኣ ዘሎን ኵሉ ድማ ክነድድ እዩ። ነዚ ፍጻሜ እዚ ድማ እዩ መዓልቲ ጐይታ ኢሉ ዝጽውዖ ዘሎ። ንኵሉ መወዳእታ ኣለዎ። ነዛ ዓመት ንውድኣ ከም ዘለና መጠን ድማ፡ መወዳእታካ ምሕሳብ ክሳብ ክንደይ ዓብዪ ብልሓት ምዃኑን፡ ነቲ ሓዲሽ ዘመን ብኸመይ ዝበል ድልውነት ክንቀባበሎ ከም ዘሎና ክንርኢ ኢና።

እግዚኣብሔር ካብ ግዜ ወጻኢ ዝነብር ኣምላኽ እዩ። ንወዲ ሰብ ግና ኣብ ውሽጢ ናይ ግዜ ኣመር እዩ ፈጢርዎ። ቅድሚ ምፍጣር ሰብ፡ ኣምላኽ ንመፈለጥታ ግዜ ዘገልግላ ብርሃናት ኣብ ጠፈር ኣቐመጠ። ብመዓልትን ብለይትን እናሰልጠና ድማ፡ መፈለጥታ መዓልታት፡ ኣዋርሕ ዓመታትን ዘመናትን ክዀና ኣዳለወን። ስለዚ ሰብ ናይ ግዜ ንቑሕነት (consciousness) ዘለዎ ኰይኑ እዩ ተፈጢሩ። ግዜ ክልተ መሰረታዊ ኣገልግሎት ኣለዎ። ቀዳማይ፡ ግዜ ንእንገብሮ ንጥፈታትና መወከሲ ዀይኑ የገልግል። እዚ ማለት ድማ፡ ግዜና ብምምልካት ኣበየናይ እዋን እንታይ ዓይነት ንጥፈት ከም እንገብር ንፈልጥ። ንኣብነት እንዓየሉ ግዜ ከም ዝበጽሐ ጽሓይ ብምብራቓ ንፈልጥ እሞ፡ ናይ ዕዮና ክሳዕ ምዕራብ ጸሓይ ንወጽእ (መዝ 10420-23) ሓረስታይውን ከምኡ ግራውቱ ዘዳልወሉ፡ ዝዘርኣሉን ዝዓጽደሉን ግዜ ወርሓትን ወቕትታትን እንዳተወከሰ እዩ ዝፍጽሞ (ኢሳ 2824-29) ሓዋርያ ቅዱስ ጳውሎስውን ነዚ ከምዚ ዝበለ ግዜካ ብምልላይ፡ ክንገብሮ ዘሎና መንፈሳዊ ንጥፈታት ከም ዘሎ ከመልኽት ከምዚ ይብለና፥ ምድሓን ካብቲ ዝኣመንናሉ ጊዜስ ሕጂ ኣዝዩ ናባና ቐሪቡ ኣሎ እሞ፡ ሕጂ ኻብ ድቃስ ኣትባራበሩሉ ጊዜ ኸም ዝበጽሔ፡ ነዛ ዘመን ፍለጥዋ። (ሮሜ 1311) ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስውን ነዚ ሓሳብ ዝምልኸት ሓቂ ኣብቲ ምስ ፈሪሳውያን ዝነበሮ ዝርርብ ብኸምዚ ተዛሪቡ ኣሎ፥ ንሱ ግና መሊሱ በሎም፡ ምስ መሰየ ሰማይ ይቐይሕ አሎ እሞ፡ ጻሕያ ኪኸውን እዩ፡ ትብሉ። ምስ ወግሐ፡ እቲ እተደበነወ ሰማይ ይቕይሕ አሎ እሞ፡ ሎሚ ዝናብ ኪዘንም እዩ፡ ትብሉ። ገጽ ሰማይ ምፍላጥ ትፈልጡ ትእምርቲ ዘመናትከ ኽትፈልዩዶ ኣይኰነልኩምን፧ (ማቴ 162-3) እዚ ዘመልክተና ነገር እንተ ኣልዩ፡ እቲ እንሓልፎ ግዜ ነቲ ክንገብሮ ዘሎና ምድራዊ ንጥፈታት ዝኸውን ምልክታት ከም ዘለዎ፡ ነቲ መንፈሳዊ ንጥፈታት ዝኸውን ናይ ርእሱ ምልክታት ድማ ከም ዘለዎ እዩ። ሓደ ግሁድ ዝዀነ ምልክት፡ እቲ ምስ ነፍሲ ወከፍ ምሕላፍ ናይ መዓልቲ፡ እታ ንብዘሎ ፍጥረት ከም ሰራቒ ክትመጾ ተቐሪብ ዘላ መዓልቲ ጐይታ ናባና እናቀረበት ትመጽእ ምህላዋ እዩ። ነዚ ድማ እዮም ሓዋርያት፡ ብዝተፈላለየ ምልእኽቶም፡ ከም ደቂ መዓልትን ከም ደቂ ብርሃንን ብምምልላስ፡ በታ መዓልቲ እቲኣ ካብ ዝመጽእ ጉድኣት ክንሞልቕ ዝመዓዱና (1ተሰ 51-10 ኤፌ 58-10)

እቲ ካልኣይ ናይ ግዜ ጥቕሚ ድማ፡ ከም መገምገምን መዐቀንን ዝህቦ ኣገልግሎት እዩ። ንሓደ ከም ዕላማ ጌርና ክንሰርሓሉ ንዝጸናሕና ወይውን ንስርሓሉ ንዘሎና ንጥፈት፡ ዕዉትነቱ ወይ ዕላምኡ ምህራሙ ካብ እንግምግመሎም መገድታት ሓደ ግዜ እዩ። ጥዕናን ኣድማዕነት ሓደ ንጥፈት ድማ፡ ነቲ ዝድለ ዕላም ክሳብ ዝሃርም ብዝወሰዶ ንውሓት ግዜ ከም እንመዝኖ ርዱእ እዩ። ሓደ መዓልቲ ክወስድ ዝግብኦ ስራሕ፡ ንኣዋርሕ ክምጠጥ ከሎ ገለ ጸገም ከም ዘሎ ስለ ዝነግረካ፡ ነቲ ዕንቅፋት ዝዀነ ነገር ኣለሊካ ክትኣልዩ ይሕግዘካ። ብተወሳኺ ንዕላማኻ ወይውን ነቲ ንጥፈት ብመሰረቱ ምኽላስ ዘድልዮ እንተዀይኑ ክትርእይ ይሕግዘካ እዩ። ምስቲ መንፈሳዊ ንጥፈታትና ዝኸይድ ናይ ግዜ ናይ ምግምጋም ኣገግሎት ድማ፡ ነቲ ሓዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ኣብቲ ንሰብ እብራውያን ዝጸሓፎ መልእኽቲ ዝበሎ ቃል ምጥቃስ ኣኻሊ እዩ። እቲ ጽሑፍ ከምዚ ይብለና፥ ከም ምንዋሕ ዘመንስ መምህራን ክትኰኑ እኳ ምተገብኣኩም ነይሩ፡ ነቲ ናይ መጀመርታ ትምህርቲ ቘልዑ ናይ ቃል ኣምላኽ ከም ብሓድሽ ኪምህሩኹም የድልየኩም አሎ እሞ ጸባ ደኣ እምበር፡ ዕጹም ብልዒ ኣየድልየኩምን እዩ። (እብ 512) ኣብዚ ከም እንርእዮ፡ እቲ ዘሕለፍዎ ግዜ መገምገሚ መንፈሳዊ ኵነታቶም ዀይኑ የገልግል ከም ዘሎ እዩ። እቲ ኣብ ባይታ ዘሎ ክውንነት ምስቲ ዝባኸነ ግዜ ክነጻጸር ከሎ ዘየሳኒ ዀይኑ ስለ ዝተረኽበ፡ ገለ ንምዕባዮም ዕንቅፋት ዝዀነ ጸገም ከም ዘሎ ኣግሃዶ።

ቅድሚ ውድቀት ሰብ፡ ግዜ ኣብቲ ዕለታዊ ንጥፈት ሰብ ዘገልግል ባእታ እዩ ዝነበረ። ድሕሪ ውድቐት ኣዳምን ስዒቡ ዝመጸ ዕልወት ደቂ ሰብን፡ ክልተ ዓበይቲ ለውጥታት ኣጋጢሙ። እቲ ናይ መጀመርታ ለውጢ፡ ኣብቲ መንፈሳዊ ህይወት ደቂ ሰባት፡ ዕላማ ንጥፈታቶም ኣብቲ ኣምላኽ ዘንበሮም ቦታ (ሕብረት ምስ ፈጣሪኦም) ምቕማጥ ዘይዀነስ፡ ናብቲ ዝነበርዎ ቦታ (ሕብረት ምስ ፈጣሪኦም) ንምምላስ ዝዓለመ ዀነ። እቲ ካልኣይ ለውጢ ድማ፡ በዚ ከምዚ ናይ ውድቐት ኵነታት፡ እቲ ሰብ ብስጋ ዝነብረሉ ግዜ ደረት ዘለው ክኸውን ምጅማሩ እዩ። ካብኡ ናብኡ ሰባት ድሕሪ ውድቐት ንኣማኢት ዓመታት ይጸንሑ ነበሩ። ስዒቡ ግና፡ እቲ ግዜ ናብ 120 ካብኡ ቀጺሉ ድማ ናብ ሰብዓ ሰማንያ ዓመት ምውራዱ ንምልኸት (ዘፍ 63 መዝ 9010) ነዘን ድሕሪ ውድቀት ዝመጻ ክልተ ለውጥታት ግና፡ እግዚኣብሔር ብዘገርም መገዲ ምትእስሳር ገበረለን። እዚ ማለት ድማ፡ ዕላማ ናይቲ ዳሕራዋይ ለውጢ (ምውሳን ግዚ ንሰብ) እቲ ቀዳምይ ለውጢ ዕላምኡ ንኽወቕዕ ንኽሕግዝ ገበሮ። ሓዋርያ ቅዲስ ጳውሎስ ነዚ ሓቂ ኣነጺሩ ገሊጽዎ ኣሎ፡ ከምዚ ብምባል ካብቶም ተቐነይትኹም ድማ ሓያሎ፡ ንሕና ኻብ ዓሌት ኣምላኽ ኢና፡ ኢሎም ከም ዘለዉ፡ ብእኡ ኢና እንነብርን እንዋሳወስን ብእኡ ኸኣ ኢና ዘሎና እሞ፡ ንሱ ኻብ ሓደ ሰብ ኣብ ርእሲ ዂላ ምድሪ ኺነብሩ ዂሉ ዓሌት ሰብ ፈጠረ። ንሱ ኻብ ነፍሲ ወከፍና ዘይረሐቐ ኽነሱ፡ ምናልባሽ ሃሰስ ኢሎም እንተ ረኸብዎ፡ ንኣምላኽ ምእንቲ ኺደልዩ፡ ንመናበሪኦም ድማ ውሱን ዘመናትን ድዉብ ደረትን ሐገገሎም። (ግብ 1726-28) ስለዚ እቲ ድሕሪ ውድቀት ዝመጸ ምሕጻር ዕድመ ደቂ ሰባት፡ ዕላምኡ ንኣምላኽ ኣብ ምርካብ ሃሰስ ክንብል ምእንቲ ክሕግዘና እዩ።

መጽሓፍ ቅዱስ፡ ብዛዕባ ጥበብ (ልቦና) ክዛረብ ከሎ መብዛሕቲኡ እዋን ምስ ንግዜ ዘሎና ኣረዳድኣን ኣጠቓቕማን እዩ ዘተኣሳስሮ። ስለዚ እቲ ብዛዕባ ግዜ ዘሎና ርድኢ ካብኡ ተላዒልና ድማ ኣጠቓቕማና ምስቲ ንኣምላኽ ናይ ምርኻብ ዕላማ ምትእስሳር ዘለዎ ኰይኑ ክርከብ ይግብኦ። ጥበበኛ ልቢ ምእንቲ ኽንረክብሲ መዓልትታትና ኽንቈጽር ምሃረና። (መዝ 9012) ጥበበኛ ልቢ ኣብዚ እዩ ዘሎ፡ መዓልታትና ኣብ ምቘጻር። እቲ ግዜ ሓሊፉ ዘይምለስ፡ እቲ ዝተዋህቦ ግዜ ድማ ውሱን፡ ምዃኑ ዝሓስብ ልቢ ነቲ ዝተዋህቦ ግዜ ዅሉ ኣብ ረብሓ እናውዓለ፡ በቲ ዝሓልፍ ግዜ ዘይሓልፍ ሰማያዊ መዝገብ ኣብ ምዝጋብ እዩ ዝርከብ። ኣብዚ መወዳእታ መዓልቲ ናይዚ ዓመት ክንሓስብ ከልና፡ በዚ ዝሓለፈ ዓመት ንዝረባሕናዮ ሰማያዊ መኽሰብ እንግምግመሉ ኣገዳሲ ግዜ እዩ። ዘይሓስብ ኣይንገድ ከም ዝብሃል፡ ንኸምዚ ዝበለ ግዜ፡ ኵነታት መንፈሳዊ ወፍርና ክንግምግም እዋኑ እዩ። ከምቲ ነብዪ ኤርምያስ ኣብ ድጕዓኡ ዝበሎ መገድና ንተዐዘብን ንመርምርን እሞ ናብ እግዚኣብሄር ንመለስ። ( ኤር 340) መገድና ምዕዛብ ወሳኒ እዩ። ብተመሳሳሊ ሓዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ከምዚ ህብለና ብእምነት እንተ አሊኹም፡ ርእስኹም ፈትኑ፡ ርእስኹም መርምሩ (2ቈረ 135) ስለዚ ከም ዘማራይ ዳዊት ብዛዕባ መገድና ንሕሰብ እሞ ንእጋርና ናብ ምስክራቱ ንምለስ (መዝ 11959)

ነዚ ኣብ ቅድሜና ዘሎ ሓዲሽ ዓመት ድማ፡ ብኵሉ መንፈሳዊ በረከት ክንሓልፎ ኣብ እግዚኣብሔር ክንምዕቆብ ይግብኣና። ኣቦና ዘማራይ ዳዊት፥ ንዓመት ብሳህልኻ ትኽልላ፣ ኣሰርካ ስብሒ የንጠብጥብ። (መዝ 6511) ኢሉ ከም ዝዘመረ ንሕናውን ብሳህልን ምሕረትን ኣምላኽ ዝተኸለለት ዓመት ምእንቲ ክትህልወና ምስኡ ምስ ኣቦና ዳዊት ሓቢርና ኵለን መዓልትታትና ኽንሕጐስን ባህ ኪብለናንሲ፣ ንግሆ ጸጋኻ ኣጽግበና። ብምባል ነቲ ኣምልኽ ዝህበና ጸጋ ክንናፍቅ ይግብኣና (መዝ 9014) ኣምላኽ ብጸግኡ ቀቂድሜካ ሓሊፉ ዘይመርሓካ መዓልቲ እንታይ ረብሓ ኣለዎ፧ ሙሴ እቲ እሙን ናይ ኣምላኽ ሰብ እዚ ስለ ዝተረደአ፡ ገጽካ ምሳና ዘይኸይድ እንተ ዀይኑስ፡ ካብዚ ኣይተደይበና። ኢሉ ጸለየ (ዘጽ 3315) ስለዚ ልዕሊ ኵሉ ኣምላኽ ቐቒድሜና ክሓልፍ፡ ንስጕምትና ድማ ኣብ ኣሰሩ ኣጽኒዕና ክንመላልስ ብጸሎት ነዚ ሓዲሽ ዓመት ክንቕበሎ ይግበኣና። ቤተ ክርስትያን ነቲ መእተዊ ሓዲሽ ዓመት፡ በቲ ጸራጊ መገድን ዓዋጂ ምምጻእ ናይቲ ንነፍሲ ወከፍ ዘብርህ ብርሃን ዓለም ዝዀነ ጐይታና ኢየሱስ ዘበሰረ፡ መጥምቁ ቅዱስ ዮሃንስ ሰምያቶ ኣላ (ዮሃ 16-9) እዚ ምስማይ እዚ ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ። ምክንያቱ፡ ምምጻእ ቅዱስ ዮሃንስ ምውዳእ ዘመን ኵነኒ፡ ምእታው ዘመነ ምሕረት ዘበሰረ ዓብዪ ፍጻሜ ስለ ዝዀነ። ሰለዚ ቅዱስ ዮሃንስ ክንዝክር ከሎና እቲ ዝመጸልና ናይ ምሕረት ዘመን ክንዝኽርን ኣብኡ ኣብ ምሕረት ንነብር ከም ዘሎና ክነስተብህልን ይግብኣና። ኣብ ናይ ምህረት ዘመን እናሃለኻ ኣብ ኵነኔ ካብ ምንባር ዘሕዝን መግደራ እዩ። ከምቲ ሓዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ እምብኣርሲ ሕጂ ነቶም ብክርስቶስ ኢየሱስ ዘለዉ ዂነኔ የብሎምን። ዝበሎ ክርስቶስ ዕዳና ብምኽፋል ካብ ኵነኔ ሓራ ዘውጽኣና፡ ንሕናውን ብመገዲ ጥምቀት ንሞቱ ሓቢርና፡ ብትንሳኤኡ ብሓዳስ ህይወት ምእንቲ ክንመላለስ እዩ (ሮሜ 81 ሮሜ 64) እምበኣር በዚ ሓዲሽ ዓመት፡ ነቲ ኣረጊት ኣካይዳና ደርቢና ብሓዲሽ ህይወት ክመላለስ ንዳሎ። በዚ ሓዲሽ ዓመት ድማ፡ ኣራኣያ ቅዱስ ዮሃንስ መጥምቕ ውሲድና፡ ብትሕትናን ኩሉ ትብዓትን ግብሪ ጽድቂ ክንፍጽም ኣምላኽ ይደግፈና።

እንቛዕ ብጥዕና ዓቚሩ፡ ካብ ዘመነ ማቴዎስ ናብ ዘመነ ማርቆስ ብሰላም ኣሰጋገረና። ኣሜን።

ጸጋ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ፍቕሪ ኣምላኽን ሕብረት መንፈስ ቅዱስን ምስ ኩላትና ይኹን።

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ኤርትራ መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜሪካ

ዕለት፥ ሰንበት መስከረ 10, 2017       ጳጉመን 5, 2009 (ግእዝ)

ናይቲ መዓልቲ ስብከት

መዝ 50:3

እግዚኣብሔርሰ ገሃደ ይመጽእ። ወኣምላክነሂ ኢያረምም። እሳት ይነድድ ቅድሜሁ።

ኣምላኽና ይመጽእ ስቕ ድማ ኣይብልን፣ ኣብ ቅድሚኡ ዚባላዕ ሓዊ ኣሎ፣ ህቦብላ ንፋስውን ይኸቦ

ኣብ ጊዜ ቅዳሴ ዝንበቡ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ንባባት

ንባብ

ኣንባቢ

1ቈረ 1፡1-10

ዲያቆን

ወንጌል፡  17፡11-ፍጻሜ

2ጴጥ 3፡10-ፍጻሜ

ንፍቀ ዲያቆን

ቅዳሴ፡ ያዕቆብ ዘሥሩግ። (ተንሥኡ)

ግሃ 9፡1-10

ንፍቀ ካህን

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div