“ኣብ ሕግኹም፡ ኣነ፡ ‘ኣማልኽቲ ኢኹም’ በልኩ” ዚብልዶ ኣይተጻሕፈን’ዩ፧ ነቶም ቃል ኣምላኽ ዝመጸሎም ኣማልኽቲ ኻብ ዚብሎም፦ ጽሑፍ ኪፈርስ ኣይከኣልን’ዩ፦ ነቲ ኣቦ ዝቐደሶ ናብ ዓለማውን ዝለኣኾ ግዳ፡ ‘ወዲ ኣምላኽ’የ’ ስለ ዝበልኩኹም፡ ከመይ ኢልኩም፡ ‘ትጻረፍ ኣለኻ’፡ ትብሉኒ ኣለኹም።” ዮሃ 10፡34-36።
“እምበኣርሲ ጊዜ ኸሎና ንዅሉ ሰብ ምናዳ ግና ነቶም ኣመንቲ ስድራ ቤት ሰናይ ንግበር” (ገላ 6፡10)
ናብ ምእመናንን ህዝበ ክርስቲያንን ብሩኽ በዓል ልደት መድሓኒና ክርስቶስን ርሑስ ሓድሽ ዓመትን ይግበረልና።
ኩልና ከም ንፈልጦ ዝኾነ ሰብ ኣብ ዝመረጾ ቦታ ክህሉን ክነብርን እግዚኣብሔር ነጻ ምርጫ ሂቡና ከም ዘሎ ዘጠራጥር ኣይኮነን። ይኹን እምበር እቲ ዝጠቕመናን መንፈሳዊ ረብሓ ዘለዎ ስፍራን ግና ኣብ ቤት ኣምላኽ ምዃኑ
“ዎ ጐይታይ፡ ነቲ ንምብራህ ኣህዛብ ብርሃን፡ ንህዝብኻ እስራኤልውን ክብረት ምእንቲ ኪኸውን፡ ኣብ ቅድሚ ዅሉ ህዝቢ ዘዳሎኻዮ ምድሓንካ ኣዒንተይ ካብ ረኣያስ፡ ሕጂ ኸምቲ ዘረባኻ ንባርያኻ ብሰላም ተፋንዎ ኢኻ፡ በለ።” ሉቃ 2፡29-32።
ብፁዕ ኣቡነ ማቴዎስ ጳጳስ ንኡስ ሃገረ ስብከት ድባርዋን ከባቢኣን ብዕለት 27 ሕዳር 2011 ኣ.ፈ ኣብ መበል 79 ዓመት ዕድሜኦም ከም ዝዓረፉ ዝበጽሓና ሓበሬታ የረድእ።
ኩሉ ወዲ ኣዳም ናይ ባሕርይ ስሙ ሰብ ከም ዝበሃል ዘካትዕ ኣይኮነን። ይኹን እምበር ናይ ግብሪ ስሙ ግና ዝተፈላለየ ክኸውን ዝከኣል ነገር እዩ።ምኽንያቱ ገለ ኣብ ሥራሕ ጽድቂ ገለ ድማ ኣብ ሥራሕ ጸይቂ፥ ገለ ኣብ ህንጸት፥ ገለ ድማ
“ንሳ ሰማንያን ኣርባዕተን ዓመት ዝዕድሚኣ መበለት’ያ። ካብ ቤት መቕደስ ከይወጸት፡ ብጾምን ብጸሎትን ለይትን መዓልትን ንኣምላኽ ተገልግል ነበረት።” ሉቃ 2፡37።
እዛ ናይ’ዚ ዕለት ንባብ ቅዱስ ወንጌል ጠቒስዋ ዘሎ ቅድስቲ ኣደ፡ ብኣገልግሎታ ነብዪት’ያ። ድሕሪ ናይ ሾብዓተ ዓመት ሓዳር፡ በዓል ኪዳና ብሞት ተፈልይዋ ምስ መብለወት፡ ኣብ ቤት መቕደስ ተኸቲታ፡ ካብኡ ኸይወጸት ንኣምላኽ ተገልግል ነበረት። ኣብቲ ናይ ብሉይ ኪዳን ቤት መቕደስ ንደቀንስትዮ ዝተሰርዐ ኣገልግሎት ከም ዝነበረ፡ ኣብ መጻሕፍቲ ኦሪት ኣይንረክብን ኢና። ስለዚ ካብ ቤት መቕደስ ከይወጸት ኪበሃል ከሎ ናብቲ ውሽጢ ቤት መቕደስ ትኣትው ከም ዝነበረት ዜመልክት ኣይኰነን።
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ