S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ንብሉይ ኪዳን ካብ መጀመርታ ክሳብ መወዳእታ፡ መጽሓፍ ብመጽሓፍ፡ ምዕራፍ ብምዕራፍ፡ እንተ ኣንበብናዮ፡ ኵሉ መስትያት ናይ ሓድሽ ኪዳን ከም ዝነበረ ኰይኑ ንረኽቦ። እዚ ድማ ኣዝዩ ዘገርምን ዝጭበጥ መንፈሳዊ ሓቅን  ኰይኑ

መስቀል ማለት ሰቐለ ካብ ዝብል ናይ ግእዝ ሡር ቃል ዝወጸ ኮይኑ መስቀሊ ማለት እዩ። ከም ልማድ ሕጊ ኦሪት ድማ ነፍሲ 

ኩሉ ነናቱ መዕቀኒ ከም ዘለዎ፡ ሓዋርያዊት ቤተ ክርስቲያን ድማ፡ ናይ ገዛእ ርእሳ መስርሕ ጸጋ ዝዀነ መዕቀኒ ኣለዋ። ሰይጣን ግና ነዚ ቅዱስ መዕቀኒ ጸጋ እዚ፡ ካብ ጥንቲ ኣትሒዙ ክበታትን ዘይገብሮ ጻዕርታት የልቦን። እንተዀነ ቤተ ክርስቲያን ንጻዕርታት ሰይጣን ብጸጋ መንፈስ ቅዱስ እናተመርሔት ንሓይሊ ሰይጣን እናበናጠሰት ንቕድሚት ድኣ ትስጉም ኣላ እምበር፡ ጠጠው ከብላ ዝኸኣለ ሓይሊ የልቦን። ንኣብነት ካብቶም ንቤተ ክርስቲያን ሓይላን ቅልጽማን ዝዀኑ ብሸውዓተ ምሥጢራት ዝፍለጡ፡ ብጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ተሰርዑ፡ ንኹሉ ሰብ ብነጻ ዝተዓደሉ ጸጋታታ፡ መልህቖም ኣብ መንፈስ ቅዱስ ስለ ዝገተሩ ብበብዓነቱ ዝዀነ ፈተናታት ሰይጣን ከህስሶም እኳ እንተፈነ፡ እዞም ሸውዓተ ምሥጢራት እዚኣቶም ንኽልተ ሽሕ ዓመታት ዝኣኽል ነቕ ኣይበሉን።

እምነት-እግዚኣብሔር ኣብ ሕይወት እቶም ቅኑዓት ደቂ ሰባት እቲ ዝለዓለ ቦታ ሒዙ ንረኽቦ። እዚ ማለት እምነት ነቲ ብተስፋ እንጽበዮ ነገር ከም እንረኽቦ

ብክርስቶስ ዝረኸብናዮ መንፈሳዊ ነጻነት፡ ብዝረኤን ብዝድህሰስን፡ ብዝስማዕን ብዝቕመስን ምሥጢራተ ቤተ ክርስቲያን ኣቢሎ መዋቲ ህይወት፡ ንዝተቐበሎ ዘበለ

ቐዲምና ብዛዕባ ፍልልይ ሕግን ጸጋን ኣሕጽር ኣቢልና ተመልኪትና ኣሎና፡ ካብዚ ንደሓር ድማ፡ ጸጋ ምስ ምሥጢረ ቤተ ክርስቲያን ዘለዎ ርክብ ብታሪኽን ብምሳሌን ከመይ ከም ዝዀነ ብኸምዚ ዝስዕብ ክንምልከቶ ኢና። ጸጋ

ሓድሽ መቓልሕ ብሉይ እዩ

ብክርስቶስ ዝረኸብናዮ መንፈሳዊ ነጻነት፡ ብዝረኤን ብዝድህሰስን ብዝስማዕን ብዝቕመስን ምሥጢራተ ቤተ ክርስቲያን ኣቢሎ መዋቲ ህይወት፡ ንዝተቐበሎ ዘበለ ህይወት ዘውህብ እዩ። ኣመጻጽኣኡን ታሪኹን ምሳሌኡን ድማ፡ ኣብ ውሽጢ መጻሕፍቲ ኦሪት ኢና ንረኽቦ። ነዚ ድማ ምስ መጻሕፍቲ ሓድሽ ኪዳንን ትውፊት ቤተ ክርስቲያንን እናኣነጻጸርና፡ ክንመሃሮ ክንፍትን ኢና። እስራኤላውያን ኣብ ባርነት ኣብ ግብጺ ከለዉ ካብ ሰይፊ መልኣከ ሞትን መከራኡን ክድሕኑ ምእንቲ፡ ኣብ ልዳት ቤቶም ደም ገንሸል ፈሲካ፡  ክለኽዩ ከም ዝተኣዘዙ፡ ብሉይ ኪዳን ይዛረብ። እቲ ደም ገንሸል እቲ ድማ፡ ንሓቀኛ ደም ክርስቶስ ዝምስል ነበረ። እቲ ደም ገንሸል እቲ ግዝያዊ ነበረ። ማለት እቲ ናይ ሓቂ ገንሸል ፋሲካ ክሳዕ ዝመጽእ። ነቶም ኣሚኖም ደም ገንሸል ፍሲካ ዝገበሩ እስራኤላውያን ድማ እቲ ብማእከል ግብጺ ዝሓለፈ መልኣኽ እግዚኣብሔር ኣይቀዘፎምን። ነቶም ብሰንኪ ዘይምእማኖም ወይ ብኻልእ ምኽንያቶም ደም ገንሸል ኣብ ልዳቶም ዘይለኸዩ እስራኤላውያን ግና፡ ምልክት ስለ ዘይረኣየሎም ክቐዝፎም ግድን እዩ። ሕጂውን ነቶም ኣሚኖም ብግብሪ ንደም እቲ ገንሸል ፈሲካ ዝዀነ ክርስቶስ ዘይበልዑን ዘይሰትዮን ምልክት ሓድነት ምስ ክርስቶስ ስለ ዘየብሎም፡ መንፈስ ቅዱስ ስለ ዘይቅድሶም፡ መንግስቲ ኣምላኽ በየናይ ማሕተም ክኣትዉ። እምነት በይና ንመንግስተ ሰማያት ከተእቱ እተኽል ነይራ እንተ ትኸውንሲ፡ በልዓምውን ይኣምን ነይሩ፡ ወረ ሰይጣንን ኣጋንንቱን ልዕሊ እምነት ኣብ ቅድሜኡ ይርዕዱን ይንቀጥቀጡን እዮም። እሞ ብእምነቶም ክጸድቑ ድዮም፧ እዚ እሞ ዘይመስል እዩ። ኣብርሃም ድማ እታ እምነቱ ንጽድቒ ተቖጽረትሉ ስለ ዝበለ ናይ ኣብርሃም እምነት በይና ጥራይ ኣይነበረት፡ ምስኣ ድማ ካብ ኡር ናብ ከንኣን ስለ ዝተጓዕዘ፡ ግብሪ ነይራታ እያ።

ኣምላኽ፥ በቲ ሓደ ወዱ ዝኣመነ ዂሉ ናይ ዘለኣለም ህይወት ምእንቲ ኺረክብ እምበር፥ ከይጠፍእሲ፥ ንወዱ በጃ ኽሳዕ ዚህብ፥ ክሳዕ ክንድዚ ንዓለም ኣፍቀራ። ኣምላኽ ንወዱ፥ ዓለም ብእኡ ኽትድሕን እምበር፥ ንዓለም ኪፈርዳስ ኣይለኣን። ብእኡ ንዚኣምን ኣይፍረዶን። ነቲ ዘይኣምን ግና፥ ብስም ሓደ ወዲ ኣምላኽ ስለ ዘይኣመነ፥ ድሮ ተፈሪድዎ ኣሎ (ዮሃ፡ 316-18)

ዓሰርተ ትእዛዛት ዘለኣለማዊ ሕጊ እግዚኣብሔር እዩ፡ ሕጊ ሙሴ ግና ጊዝያዊ ነበረ።

ሕጊ ማለት ብሥልጣን ሓጋጊኡ ዝተሰርዔ፡ ክትገብሮ ዚግብኣካን ክትገብሮ ዘይግብኣካን ፈልዩ ዚእዝዘካን ዝሰርዓካን፡ ሕጊ

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div