S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

እታ እምነትኩም ደኣ ኣበይ ኣላ? (ሉቃ 8፡25)

እምነት-እግዚኣብሔር ኣብ ሕይወት እቶም ቅኑዓት ደቂ ሰባት እቲ ዝለዓለ ቦታ ሒዙ ንረኽቦ። እዚ ማለት እምነት ነቲ ብተስፋ እንጽበዮ ነገር ከም እንረኽቦ
ዜረጋግጽ፥ ነቲ ዘይርአ ከኣ ከም ዘሎ ዜረድእ እዩ። ነቶም ናይ ቀደም ሰብውን ብእምነቶም እዩ ዝተመስከረሎም። ዕብ 111 መሠረት ናይ እምነት ኣብ ናይ ኣምላኽ ባሕርይ ርጉጽነትን ምሉእ ተስፋን ዝምርኮስ ክኸውን ከሎ፥ ኣምላኽ ድማ ካብ ፍጥረት ዓለም ጀሚሩ ክሳብ ሎሚ ነቶም ብልቢ ዝኣምንዎ እቲ ዝኣተዎ መብጽዓ ክፍጽመሎም ከሎ ደኣ እምበር ክርስዖም ወይ ክጠልሞም ተራእዩን ተሰሚዑን ኣይፈልጥን እዩ። ምኽንያቱ ልዑል እግዚኣብሔር ዝነገርካዮ ዘይርስዕ፡ ዝለመንካዮ ዘይከልእ ርህሩህ ኣምላኽ ምዃኑ እቶም ብእምነት ዝሰዓብዎ ሰባት ኵሎም ኣረጋጊጾሙልና እዮም። ኣብ ቅዱስ ወንጌልውን ‘’ኣሚንኩም ብጸሎት ዝለመንኩምዎ ዘበለ ኩሉ ነገርውን ክትቅበሉ ኢኹም’’ ዝብል ምሉእ ተስፋ ዝሓዘ ቃል ተዋሂቡና ኣሎ። ማቴ 2122 እሞኸ ደኣ ነቲ ካብ ጊዜ ናብ ጊዜ ዝቀያየር ልቢ ወዲ ሰብ እኳ ንኣምኖ ካብ ኮንናስ፡ ነቲ ብጊዜን ኵነታትን ዘይልወጥ መለኮታዊ እምነት ኣምላኽ ደኣ ብዝያዳ ኣሚንና ዘይንስዕበሉ ምኽንያት እንታይ ኣሎ?


ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ንቅዱሳን ደቀ መዛሙርቱ ‘’ክንዲ ፍረ ኣድሪ እትኣክል እምነት እንተ ኣላትኩምሲ ነዚ እምባ ካብዚ ናብቲ ግዓዝ እንተ በልኩምዎ ይግዕዝ፥ ዘይከኣለኩም ነገር ከኣ የልቦን’’ ዝብል ሕያው መብጽዓ ከም ዝሃቦም ንዝክሮ ኢና። ማቴ 1720 እዚ ቃል እዚ ክትሰምዖ ጥራይ ዘይኮነስ ብልቢ ክትኣምኖ ድማ ብጣዕሚ ኣገዳሲ እዩ። እቶም ቀዳሞት ኣቦታትና ድማ ‘’ሓቀኛ እምነት እንተ ሒዝኩምሲ ዘይከኣሎኩም ነገር የልቦን’’ ዝብል ቀዋሚ ዕላማ ሒዞም እዮም ብሓይሊ መንፈስ ቅዱስ እምባን ኩርባን ዘግዕዙ፡ ባሕርታት ዝመቕሉ፡ ትእምርትን ተኣምራትን ዝገብሩ ዝነበሩ። እወ ብሓቂ ንእግዚኣብሔር ኣሚኑን ኣብ መቕደሱ ተጸጊዑን ዝሓፈረ ወይ ዝተሳዕረ ሰብ ብፍጹም የሎን። ሓዋርያ ጴጥሮስ እኳ ብእምነቱ ኣብ ልዕሊ ማያት ክኸይድ፡ ብምጥርጣሩ ድማ ክሰጥም ከም ዝጀምረ ኣብ ሕይወቱ ስለ ዝረኣዮ ’’ሽሕ እኳ ሕጂ ንቝሩብ ጊዜ ብብዙሕ ዝዓይነቱ ፈተና ክትሓልፉ ግዲ እንተ ኾነ፥ በዚ ክትሕጎሱ ኢኹም፥ እዚ ኸኣ እታ እምነትኩም ሓቂ ከም ዝኾነት ኬረድእ እዩ’’ ክብል ቃል ምስክርነቱ ጽሒፉልና ኣሎ። 1ጴጥ 16


እምበኣር እምነት ኣእጋር ኣለዋ። እዚ ክንብል ከሎና ግና ቅድሚ ናይ እምነት ኣእጋርና ጉዕዞ ምጅማረን ነቲ ፈተና ዝበዝሖ ጸቢብ መገዲ ሕይወት ዝጥምታ መንፈሳውያን ኣዕይንቲ ከም ዘድልየና ክንዝግዕ የብልናን። እቶም ዘለዓለማዊ ተስፋን ጽኑዕ እምነትን ዝሓዙ ቅኑዓት ኣገልገልቲ ኣምላኽ ከኣ ንምእመናን ብሓላፍነት ከመርሕዎም ይግባእ። እቶም ጎደሎ እምነትን ፍርሓትን ዘለዎም ሰባት ድማ ነቶም ጽኑዓት ናይ ሃይማኖት ጀጋኑ ርእዮም ክንስሑ ይግብኦም። እዚ እንተ ዘይኮነ ግና ተጠራጠርቲ ዝኾኑ ሰባት እንተ መርሑኻ መወዳእታኻ ኣበይ ምዃኑ ብኣግኡ ምፍላጥ የድሊ። ቅዱስ ወንጌልውን ‘’ዕዉር ንዕዉር እንተ መርሖ ክልቲኦም ኣብ ጉድጓድ ይወድቁ’’ እናበለ ውጽኢቱ ብንጹር ገሊጹልና እዩ። ማቴ 1514 እሞኸ ደኣ ኣሰር መን ንስዕብን በየናይ መገዲ ንጓዓዝን ከም ዘሎና ተረዲኡናዶ ንነብር ኣሎና? ኢየሱስ ክርስቶስ ነቲ ተጠራጣሪ ቶማስ ‘’መገድን ሓቅን ሕይወትን ኣነ እየ’’ ኢሉ እዩ ዝነገሮ። ንስኻትኩምውን ነዚ ኢኹም ዝተጸዋዕኩም፥ ክርስቶስ ድማ ኣሰር ኣሰሩ ምእንቲ ኽትስዕቡ ኢሉ ምእንታኹም መከራ ተቐበለ፥ ኣርኣያውን ኃደገልኩም። 1ጴጥ 221


ሓደ መዓልቲ ሓዋርያት ብባሕሪ ክጎዓዙ ከለዉ ብፈተና ምስ ተሰነፉ፡ ኢየሱስ ክርስቶስ ነቶም ብማዕበል ባሕርን ብብርቱዕ ንፋስን ተጨኒቖም ኣብ ከቢድ ፍርሓትን ሻቕሎትን ዝነበሩ ሓዋርያት ‘’ኣበይ ደኣ ኣላ እታ እምነትኩም? ኢሉ ሓተቶም። እዚ ሕቶ ሎሚ ንነፍሲ ወከፍ ኣማኒ ክርስቲያን ዝምልከት እዋናዊ ሕቶ እዩ። ‘’ናትና እምነትከ ኣበይ ኣላ!? ዘሎናዮ እዋን ሓቢርና ንዕዘቦ ከም ዘሎና ብዙሓት ሰባት ንእምነቶም ብሓላፊ ንብረት፡ ብከንቱ ሽመትን ዓለማዊ ጣኦታትን ለዊጦማ እዮም። ገሊኦም ሰባትውን ንእምነቶም ከምታ ብማዕበል ባሕሪ እትጠፍእ መርከብ ኣጥፊኦምዋ እዮም። 1ጢሞ 119 ስለዚ እምበኣር እቲ ‘’ደው ኢሉ ዘሎ ከይወድቕ ይጠንቀቕ’’ ከም ዝበሃል ንሕና ህዝበ ክርስቲያን ድማ ከም ሰበይቲ ሎጥን ዴማስን ንድሕሪት ክንጥምት ዘይኮነስ፡ ከም ዲያቆን እስጢፋኖስን ቅዱስ ጊዮርጊስን ናብቲ ሰማያዊ ዕላማና መከራ መስቀል ተሰኪምና ክንጎዓዝ ድርብ ረብሓታት ከም ዘለዎ ክንጠራጠር ኣይግባእን። እቲ ሓቂ እዚ ስለ ዝኾነ ብሥጋን ነፍስን ረቢሕና ምእንቲ ክንዕወት ናብቲ ጀማርን ደምዳምን እምነትና ዝኾነ ኢየሱስ ክርስቶስ ብእምነት ንሰማይ ንጠምት።


ኣብ ሕሉፍ ታሪኽ ደቂ ሰባት እንተ ኣንበብና ኣብ መንጎ ኣመንትን ተጠራርጠርትን ኣብ መንጎቶም ዕርፊ ሒዞም ንድሕሪት ዝጥምቱን፡ ኣብ መንጎቶም ክቡር መስቀል ተሰኪሞም ንቕድሚት ዝጎዓዙን፡ በብእዋኑ ዓቢይ ምፍልላይ ከም ዝነበረ ዝዝከር እዩ። ኣብዚ ዘሎናዮ ዘመንውን ገሊኦም ብመገዲ ጸጋም ዝጎዓዙ ‘’ክሳብ ሰማይ ንብላዕ ስርናይ’’ ዝብሉ ንረብሓ ሥጋ ዝነብሩ፥ ገለ ድማ ብመገዲ የማን ዝመላለሱ ‘’ሓቂ ይጸንሕ ንደቂ’’ ዝብሉ ንረብሓ ነፍሲ ዝሓስቡ፡ ስለ ዝኾኑ ናይ ምርጫ ምፍልላይ ክህሉ ግድን እዩ። ይኹን እምበር ከምቲ ጽኑዓት ኣእጋር ዘይብሉ ነዊሕ መገዲ ክጎዓዝ ዘይክእል፥ ጽኑዕ እምነት ዘይብሉ ድማ ብፈተና ሓሊፉ ናብ ኢየሩሳሌም ሰማያዊት ተጓዒዙ ክኣቱ ዝከኣል ኣይኮነን። ኣብዚ ምድሪ ከኣ ንእግዚኣብሔር ካብ ምእማን ንላዕሊ ዝዓቢ ረብሓ ከም ዘየለ ዝተረጋገጸ ሓቂ እዩ። እቶም ቀዳሞት ቅዱሳንውን ‘’ናብ መንግሥቲ ኣምላኽ ክንኣቱ ዝግብኣና ብብዙሕ ጸበባ እዩ’’ ዝብል ሓዋርያዊ ማዕዳ እዮም ገዲፎሙልና። ግሓ 1422 ስለዚ እምበኣር ናይ ሰብ ምስክርን ሕድርን ነኽብር ካብ ኮንና፡ ናይቲ ሰማይን ምድርን ዝፈጠረ ልዑል እግዚኣብሔር እምነትን ሕድርን ኣጽኒዕና ንኸይንጎዓዝ ደኣ እንታይ ዘፍርሓና? ኣምላኽ እኮ መንፈስ ሓይልን ፍቕርን ገዛእ ርእስኻ ምግታእን እምበር መንፈስ ፍርሓት ኣይሃበናን። 2 ጢሞ 17


ብተወሳኺ ሓዋርያ ጳውሎስ ኣብ መልእኽቱ ‘’ብእምነት እምበር ብምርኣይ ኣይኮናን ንነብር (ንጎዓዝ) ዘሎና’’ ክብል ንትርጉም መንፈሳዊ ጉዕዞ ጠቒስዎ ኣሎ። 2ቆሮ 57 ከምቲ ብዓይንና ክንርእዮም ንዘይከኣልና ነገራት ኣብ ላባላቶሪ ኬድና ብማይክሮስኮብ ምስ ጠመትናዮ ኣብ ሓንቲ ነጥቢ ማይ ማእለያ ዘይብሎም ባእታታት ከም ዘለዉ ዝበርሃልና፡ ብመንፈሳዊ ዓይኒ ልቦና እንርእዮም ምሥጢራት ድማ ካብቶም ብዓይኒ ሥጋ እንርእዮም ነገራት ከም ዝበዝሑ ምፍላጥ የድሊ። እቲ ሎሚ ልዕሊ ዓቕምና ኮይኑ ዝስምዓና ማዕበል ዓለምን ፈተና ሰይጣንን ከኣ ጽባሕ ተሳዒሩ ብርግጽ ኣይክህሉን እዩ። ኣብ መዓልታዊ ሕይወትና ንዘጋጥመና ኩሉ ናይ ዲያብሎስ ዕንቅፋት ብእምነት እንተ ሰዓርናዮ ኢና ድማ ናይ እምነት ሰባት ምዃንና ከነመስክር ንኽእል። ኣቦታትናውን ጸባ ብድሕሪ ጸበባ ዝርከብ እናበሉ ነቶም ጓሶት ደቆም ይምዕድዎም ነበሩ። መንፈሳውያን ጓሶት ከኣ መከራን ጸበባን፡ መስቀልን መስገደልን ምስ ተሳገሩ ኢዮም ኣብ ሰማያዊ ዝፋን ገጽ ሕያው ኣምላኽ ክርእዩ ዝኽእሉ። እወ ከይጸዓርካ ዋጋ ከተዋረድካ ጸጋ ብቐሊሉ ኣይርከብን እዩ።


እምበኣርከስ ነታ እግዚኣብሔር ወልድ ብክቡር ደሙ ዝመሥረታ ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ሓዋያት ብስብከቶም ሰማእታት ብሕይወቶም በጃ ሓሊፎም ዝዓቀብዋ ቅንዕቲ እምነት፡ ንሕና ድማ ተስፋ ከይቆረጽና ንመጻኢ ወለዶ ከነመሓላልፋ ሕድርን ግዴታን ተቐቢልና ኢና። እቲ እሙን ኦርቶዶክሳዊ ክርስቲያን ዝበሃልውን ብጊዜ ኵነታትን፡ ብሰብን ኣከባብን ብማእሰርትን ስደትን ዘይነቓነቕ እምነት ዝሓዘ ሓቀኛ ኣማኒ እግዚኣብሔር ማለት ምዃኑ ክበርሃልና ኣለዎ። እዞም ናይ ዓለም መንግሥታት እኳ ንምድራዊ መደባቶም ከዐውቱ መዓልትን ለይትን ዝጽዕሩ፡ ወተሃደራቶም ከኣ ንምድራዊ ዕላማ ክብሉ ክብርቲ  ሕይወቶም ንሞት ከወፍዩ ድልዋት ካብ ኮኑስ፡ እቶም ኣብዚ ምድሪ ጥራይ ዘይኮነ ኣብ ሰማያት ከይተረፈ ዘለዓለማዊ ሕይወትን ዘይሓልፍ መንግሥትን እንጽበ ክርስቲያን ደኣ ንሃይማኖትናን ሓዋርያዊ ተልእኾናን ብልቢ ውፉያት ዘይንኾነሉ ምኽንያት እንታይ ኣሎ? እምበኣር እቲ ቅዱስ ጽሑፍ ‘’ኣብርሃም ንኣምላኽ ኣመኖ ጽድቂ ኮይኑውን ተቖጽረሉ’’ እዩ ዚብል እሞ ከምቲ ቅዱስ ኣቦና ኣብርሃም ናይ እምነት ሰባት ኮንና ክነብር ኣምላኽ ይደልየና ኣሎ።


ኣብ መደምደምታ ክንብሎ እንደሊ እምነት-እግዚኣብሔር ብሓላፊ ወርቂ ይኹን ብዝበሊ ጨርቂ፡ ወይ ድማ ብስድራ ቤት ይኹን ብንብረት፡ ክንልውጦ ፈጺምና ኣይንኽእል ኢና። ምኽንያቱ ንሕና ብምድራዊ ወርቅን ብሩርን ብንብረትን ጥሪትን ዘይኮነስ ብመልክዕ  እግዚኣብሔር ዝተፈጠርና፡ ብክቡር ደም ክርስቶስ ድኅነት ዝረኸብና፡ ደቂ ዓዶም ንቕዱሳንን ስድራ ቤቱ ንኣምላኽን ስለ ዝኾንና፡ ነቲ ወሃቢ ሕይወት ፈጣሪና ብእምነት ክንእዘዝ  ክርስቲያናዊ ጻውዒትና እዩ። ስለዚ ንሕና ንከማና ሰብ እናኣኽበርና ንኣምላኽ ከነሕስር፡ ኣብ ሰብ እናተወከልና ብእግዚኣብሔር ክንጠራጠር፡ ናብ ባይቶ ዓለም እናተጓየና ኣብ ጉባኤ ቤተ ክርስቲያን ከነድሓርሕር፡ ዝጠቕመና መገዲ ኣይኮነን። ኢየሱስ ክርስቶስውን ‘’ነቲ ኣብ ቅድሚ ሰብ ዝተኣመነኒ ዅሉ ኣነ ኸኣ ኣብ ቅድሚ እቲ ኣብ ሰማያት ዘሎ ኣቦይ ክእመኖ እየ። ኣብ ቅድሚ ሰብ ንዝኸሓደኒ ግና ኣነ ድማ ኣብ ቅድሚ እቲ ኣብ ሰማያት ዘሎ ኣቦይ ክኽሕዶ እየ’’ ኢሉ ኣሎ። ማቴ 1032 እምበኣር ካብ ክሕደትን ውድቀትን ምእንቲ ክንድሕን ኣብ ትሕቲ እቲ ዘይታኸስ እሙን ኣምላኽ ብእምነት ጸኒዕና ንንበር። እዛ ናይ ሕጂ እምነትና ምስ ጸንዐት ከኣ ብሓይሊ መንፈስ ቅዱስ ናብ ኣኽሊል ክብርን ጸጋ ዘለዓለምን ከተብጽሓና እያ። ብዘየቋርጽ ተስፋ-እምነት ክንመላለስ እግዚኣብሔር ይደግፈና!

ንስኻ ግና ክሳዕ ሞት እሙን ኩን!

ካብ ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን ዝተወስደ

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div