S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ክርስትያናዊ ጾም

ጾም ማለት ካብ ዝብላዕ፣ ዝስተን ክፉእ ነገራትን ምሓላው (ምቑጣብ) ማለት እዩ። ጾም ርእስኻ ኣዋሪድካ፣ ናይ ጸሎት፣ ናይ ሓዘን፣ ናይ ንስሓን ምንዛዝን እዋን ከምዝኾነ መጽሓፍ ቅዱስ ከምዚ ይብል፣

1ይ. ኣነ ድማ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣምላኽና ርእስና ከነዋርድ፣ ንዓናን ንህጻናትናን ንኹሉ ጥሪትናን ቅንዕቲ መገዲ ካብኡ ክንልምን ኢለ ኣብ ሩባ ኣሃዋ ጾም ኣወጅኩ (እዝራ 8.21)።

2ይ. ኮነ ድማ እዚ ዘረባ እዚ ምስ ሰማዕኩ፣ ሓያሎ መዓልቲ ሓዚነ እናበኸኹ ተቐመጥኩ። ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ሰማይ ድማ እጸውምን እጽልን ነበርኩ። በልኩ ኸኣ፣ ዎ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ሰማይ፣ ዓቢይን መፍርህን ኣምላኽ፣ ነቶም ዚፈትዉኻን ትእዛዛትካ ድማ ንዝሕልዉን ኪዳንካን ምሕረትካን እትሕሉ፣ እቲ ንዓኻ ዝበደልናዮ ሓጢኣት ደቂ እስራኤል ዝእመኖ ዘለኹ፣ ኣነን ቤት ኣቦይንሲ በዲልና ኢና እሞ፣ እዚ ኣነ ባርያኻ ሕጂ ብዛዕባ ባሮትካ ደቂ እስራኤል ለይትን መዓልትን ኣብ ቅድሜኻ ዝጽልዮ ዘለኹ ጸሎት ክትሰምዕ፣ በጃኻ እዝንኻ ጽን ይበላ፣ ኣዒንትኻውን ይከፈታ። ንሕና ኣዚና ንዓኻ ዓጊብና፣ እቲ ንባርያኻ ሙሴ ዝኣዘዝካዮ ትእዛዛትን ሕጋጋትን ፍርድታትን ድማ ኣይሓሎናዮን (ነህ 1፣ 4-7)።

3ይ. ብማቕን ብሓሙኽሽትን እናጾምኩ ኸኣ ብልማኖን ብምህልላን ገጸይ ናብ እግዚኣብሄር ኣምላኸይ መለስኩ። ኣነ ድማ ናብ እግዚኣብሄር ኣምላኸይ ከምዚ ኢለ ለመንኩን ተናዘዝኩን፣ ዎ ጎይታይ፣ ኣታ ነቶም ዚፈትዉኻን ትእዛዛትካ ዚሕልዉንሲ ኪዳንን ምሕረትን እተጽንዓሎም ዓቢይን እትፍራህን ኣምላኽ፣ ንሕና ሓጢኣት ገበርና፣ ኣበስና፣ ረሲኣንን ዓለውትን ኮንና ካብ ትእዛዛትካን ካብ ፍርድኻን ኣግለስና (ዳን 9፣ 3-20) ይብል። ከምዚ ኣብ ላዕሊ ዘንበብናዮ፣ ብቓል እግዚኣብሄር መሰረት፣ ጾም ርእስኻ ኣሕሲእካ፣ ናይ ሓዘን፣ ናይ ጸሎት፣ ናይ ንስሓን ምንዛዝን እዋን ከምዝኾነ መጽሓፍ ቅዱስ ይነግረና።

ዓይነት ጸወምቲ ሰባት

ጾም ዝጾሙ ሰባት ኣብ ክልተ ይኽፈሉ፣

1ይ. ጾም ክሳብ ዝፍጸም ካብ ዝኾነ ዝብላዕን ዝስተን ነገራት ዝሕረሙ

2ይ. ካብ ጥሉል መግቢ (ውጽኢት ናይ እንስሳ፣ ከም ስጋ ጠስሚ እንቃቁሖ ወዘተ) ካብ ዘስክር መስተ፣ ብምጿም ክሳብ ዝተወሰነ እዋን ብኣፍ ጾሞም ጸኒሖም፣ ዝምገብሉ ሰዓት ምስ ኣኸለ፣ ናይ ጾም መግቢ ዝበልዑ እዮም። ነዚ ድማ መጽሓፍ ቅዱሳዊ ዝኾነ ሰረት ኣለዎ።

ካብ ዝኾነ ዓይነት መግብን መስተን ዝጾሙ ሰባት

እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ፣ በዚ ቓላት እዚ ምሳኻን ምስ እስራኤልን ኪዳን ኣትየ እየ እሞ፣ እዚ ቓላት እዚ ንዓኻ ጸሓፎ፣ በሎ። እንጌራ ከይበልዔን ማይ ከይሰተየን፣ ኣብኡ ምስ እግዚኣብሄር ኣርብዓ መዓልትን ኣርብዓ ለይትን ገበረ። ድማ ናይቲ ኪዳን ቃላት እቲ ዓስርተ ቓላት፣ ኣብተን ጽላት ጸሓፎ (ዘጽ 34.27)።

1ይ. ሙሴ ካብ ዝኾነ እኽለ-ማይ ንኣርብዓ መዓልትን ኣርብዓ ለይትን ተሓሪሙ። እዚ ጾም እዚ ድማ ነተን ክልተ ጽላታት ካብ እግዚኣብሄር ንምቕባል ኢሉ ዝገበሮ ጾም እዩ።

2ይ. እስራኤላውያን ኣብ ፋርስ ባቢሎን ኣብ ስደት ኣብ ዝነበርሉ እዋን፣ ብጸላእቶም ተሃዲኖም ክቕተሉ ፍርዲ ምስ ተወሰነሎም፣ ፍቓድ እግዚኣብሄር ኮይኑ ካብቶም ስድተኛታት እስራኤላውያን ሓንቲ ኣስቴር እትበሃል ሰበይቲ ኩሎም እስራኤላውያን ተኣኪቦም ንሰለስተ መዓልትን ሰለስተ ለይትን ከይበልዑን ከይሰተዩን ስለ ዝጾሙ፣ እቲ ዝተዋህበ ናይ ሞት ኣዋጅ ናብ ምሕረት ተቐየረ (ኣስቴር 4.13-17)

3ይ. ነቢይ ዮናስ ንህዝቢ ነነዌ ካብ ክፉእ ግብሮም ክምለሱ ምስ ነገሮም፣ ንስብከቱ ሰሚዖም፣ ንሶምን እንስሳታቶምን ንሰለስተ መዓልትን ሰለስተ ለይትን ከይበልዑን ከይሰተዩን ስለ ዝጾሙ፣ እቲ ክወርድ ዝተሓስበ መዓት ናብ ምሕረት ተቐየረ (ዮናስ 3.1-10)።

4ይ. ንጎይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ናብዛ ዓለም ንኽመጽእ ዝደረኽኦ ክልተ ዓበይቲ ነጥብታት ኣለዋ። ንሳተን ድማ ቀዳማይ ህይወቱ በጃ ብምሕላፍ ከድሕነና ኢሉ ኪኸውን ኮሎ፣ እቲ ካልኣይ ድማ ንዓና ነቶም ሰዓብቱ ኩሉ ነገር ብግብሪ ክምህረናን ከርእየናን ኢሉ እዩ ብስጋ ዝተገልጸ። ብኣብነት ካብ ዝመሃረናን ዘርኣየናን ነገራት ሓደ ጾም እዩ። ጎይታና እየሱስ ክርስቶስ ስሌና ብዘይ እኽለ-ማይ ንኣርብዓ መዓልትን ኣርብዓ ለይትን ጾመ። ወንጌላውያን ማቴዎስን ሉቃስን ብዛዕባኡ ክምስክሩ ከለዉ ከምዚ ይብሉ፣"ሽዑ መንፈስ ንየሱስ፣ ብድያብሎስ ኪፍተን ናብ በረኻ ኣውጽኦ። ኣርብዓ መዓልትን ኣርብዓ ለይትን ምስ ጾመ፣ ድሕሪዚ ጠመየ። እቲ ፈታኒ ድማ መጺኡ፣ ወዲ ኣምላኽ እንተዄንካስ፣ እዚ ኣእማን እንጌራ ኪኸውን በል በሎ። ኢየሱስ ግና ሰብ ካብ ኣፍ ኣምላኽ ብዚወጽእ ኹሉ ቃል እምበር ብእንጌራ ጥራይ ኣይነብርን ጽሑፍ እዩ ኢሉ መለሰሉ (ማቴ 4.1-7፣ ሉቃ 4.1-14)።

ክሳብ ሕጂ ዝጠቐስናዮም ነገራት ዓቕሚ ንዘለዎምን ብዘይ ዝብላዕን ዝስተን ክጾሙ ንዝኽእሉ ሰባት ዘድሃበ ጽሑፍ እዩ። እንተኾነ ኣብዚ ዘለናዮ እዋን፣ ነዚ ዝተገልጸ ዓይነት ጾም ዝኽተሉ ሰባት ኣዝዮም ውሑዳት'ዮም። እንተለዉ'ውን ብውልቂ እምበር ብቤተ ክርስትያን ደረጃ ዝከኣል ኣይኮነን።

ናይ መነንቲ ግቢ (ናይ ጾም ግቢ)

ክሳብ ሕጂ ዝረኣናዮ ኣብነት ናይቶም ጾም ክሳብ ዚውዳእ ካብ ዝኾነ ዝብላዕን ዝስተን ተሓሪሞም ዘሕልፍዎ ሰባት ኢና ርኢና። እጂ ድማ ኣብነት ናይቶም ካብ ጥሉል መግቢን ዘስክር መስተን ተኸልኪሎም ናይ መነንቲ መግቢ (ናይ ጾም መግቢ) ጥራይ ብምብላዕ ዝጾሙ ሰባት ክንርኢ ኢና።

1ይ. በቲ ጊዜ እቲ ኣነ ዳንኤል ሰለስተ ሰሙን ምሉእ ሓዚነ ነበርኩ። እተን ሰለስተ ሰሙን ክሳብ ዚፍጸማ፣ ጥዑም መባልዕ ኣይበላዕኩን፣ ስጋን ወይንን ናብ ኣፈይ ኣየእተኹን፣ ዘይቲውን ኣይተለኼኹን(ዳን 10.2-3)። ኣብ መጽሓፍ ነህምያ 1፣4 ዘሎ፣ ጾም ማለት ናይ ሓዘን እዋን ምዃኑ ክምህረና ከሎ፣ ነቢይ ዳንኤል ኣብ 9.3 ድማ "ብማቕን ብሓሙኽሽትን እናጾምኩ ኸኣ ብልማኖን ብምህልላን ገጸይ ናብ እግዚኣብሄር ኣምላኸይ መለስኩ" ድሕሪ ምባሉ፣ ኣብ ዳንኤል ምዕራፍ 10.2 ድማ "ንሰለስተ ሰሙን ምሉእ ሓዚነ ነበርኩ" እናበለ ጾም ናይ ሓዘን እዋን ምዃኑ ይገልጽ። እዚ ድማ ናይቶም ኣብ እዋን ጾም ካብ ጥሉል መግቢን መስተን ዝኽልከሉ ሰባት መጽሓፍ ቅዱሳዊ ኣብነት እዩ።

2ይ. ከም ዚነውሕ ጽላሎት እኸይድ፣ ከም ኣንበጣውን እስጎጒ ኣለኹ። ኣብራኸይ ብጾም ራዕራዕ በለ፣ ስጋይ ከኣ ካብ ስብሑ ዓበረ (መዝ 109፣23-24፣ 69፣10)። ነዚ ቃል እዚ ዝተዛረቦን ብተግባር ዝተመኮሮን ነቢይ ዳዊት እዩ። ካብ ጥሉል መግቢ ብምሕሳሙ ኣብራኹ ከምዝደከመን ኣዝዩ ከም ዝሓስአን (ዓበረን) ይምስክር ኣሎ።

3ይ. ናይ ህይወትናን ኩሉ መንፈሳዊ ምልምማድናን መምሪሒ መጽሓፍ ቅዱስ እዩ። ስለዚ እቶም ካብ ዝኾነ ዓይነት መግቢን መስተን ተሓሪሞም ጾም-መመላእታ ዝጾሙ ይኹን፣ ናይቶም ካብ ጥሉል መግቢን ዘስክር መስተን ጥራይ ዝኽልከሉ ሰባት ኣጻውማ መጽሓፍ ቅዱሳዊ መሰረት ኣለዎ።

ሓቀኛ ጾም

"...ኣብ ሓምሳይን ሳብዓይን ወርሒ እትጾሙን እትበኽዩን ዝነበርኩምሲ ብሓቂዶ ንዓይ ኢኹም ዚጾምኩምለይ? (ዘካር 7፣5፣) ጾም ማለት ካብ ዝብላዕን ዝስተን ምኽልካል ጥራይ ኣይኮነን፣ ካብ ክፉእ ግብሪ፣ ካብ ምሕማይ፣ ካብ ክፉእ ሓሳብን ዘረባን ምኽልካል ማለት እዩ (ስንክ ታሕ 13 ፊሊክ 240)።

ኢሳይያስ 58፣3-12 ድማ ከምዚ ይብል "ስለምንታይ ድኣ ጾምና፣ ንስኻ ድማ ዘይርኤኻና፣ ስለምንታይከ ነፍስና ኣሕሳእና፣ ንስኻውን ግዱ ዘይገበርካ፣ እንሆ ብመዓልቲ ጾምኩምሲ ተግባርኩም ኢኹም እትገብሩ፣ ንግዙኣትኩም ድማ ትገፍዕዎም ኣለኹም። እንሆ ብባእስን ብምክርኻርን ብሕሱም ምውቃዕ ጉስጢትን ኢኹም እትጾሙ። ድምጽኹም ኣብ ላዕሊ ኸም ዚስማዕ ጌርኩም ሎሚ ኣይትጾሙን ኢኹም ዘሎኹም። እቲ ኣነ ዚፈትዎ ጾምን፣ እታ ሰብ ንነፍሱ ዜሕስኣላ መዓልትን ከምዚ ዚመሰለ ድዩ? ከም ሰልሰላ ርእስኻ ምድናንን ክሻን ሓሙኽሽትን መንጸፍካ ምግባርን፣ ነዚ ዲኻ ጾምን እግዚኣብሄር ዚቕበሎ መዓልትን እትብሎ ዘሎኻ? እቲ ኣነ ዚፈትዎ ጾምሲ፣ ነመኣስር እከይ ምፍታሕ፣ ንማእሰርቲ ኣርዑት ምዝላቕ፣ ንጥቑዓት ምውጻሕ ሓራ፣ ኣርዑት ዘበለ ኹሉውን ምስባርዶ ኣይኮነን? እንጌራኻ ንጥሙይ ክትመቅል፣ ነቶም እተሰዱ ድኻታት ናብ ቤትካ ኸተእቱ፣ ዕሩቕ እንተ ርኤኻ ክትከድኖ፣ ካብ ስጋኻውን ከይትሕባእዶ ኣይኮነን? ሽዑ ብርሃንካ ከም ወጋሕታ ኮይኑ ኺወጽእ፣ ምሕዋይካ ኸኣ ቀልጢፉ ኺበቁል፣ ጽድቅኻ ድማ ቀቅድሜኻ ኪኸይድ፣ ክብሪ እግዚኣብሄርውን ደጀንካ ኪኸውን እዩ። ሽዑ ኽትጽውዕ፣ እግዚኣብሄር ከኣ ኪመልሰልካ፣ ኬተእዊ ንሱ ድማ እኔኹ ኪብል እዩ። ነርዑት፣ ንምውጥዋጥ ኣጻብዕ፣ ንሕማቕ ዘረባ ኸኣ ካብ ማእከልካ እንተ ኣርሓቕካ፣ ካብ ናይ ነፍስኻ ንጥሙይ እንተ መቐልካ፣ ንጭንቕቲ ነፍሲ እንት ኣጽገብካ፣ ሽዑ ብርሃንካ ኣብ ጸልማት ኪወጽእ፣ ጸልማትካውን ከም ቀጥሪ ኪኸውን እዩ። እግዚኣብሄር ንኹሉ ጊዜ ኪመርሓካ፣ ኣብ ምድሪ ኣጻምእ ንነፍስኻ ኬጽግባ፣ ነዕጽምትኻ ድማ ኬበርትዖ እዩ። ንስኻ ኸኣ ከም ዚሰተየ ኣታኽልትን ከምቲ ማዩ ዘይነጽፍ ዓይኒ ማይን ኪትከውን ኢኻ። ደቅኻ ነቲ ቀደም ዚዓነወ ኺንድቁ እዮም፣ ንመሰረት ብዙሓት ወለዶ ከተቕውም ኢኻ። ነዳቕ ፍሩስን መሳፍሮ ዚኸውን መገዲ መዓረይን ተብሂልካ ኽትስመ ኢኻ።”

እግዚኣብሄር ንበረኸትን ምሕረትን ዝኸውን ጾም ይግበረልና።

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div