መራሒ 3 ሚልዮን ህዝቢ ኤርትራ ዓሰርተ ዓመት ኣብ ማሕዩር ብዘይ ገበን።
ኣቱም ኣሕዋተይ እቲ ወሪዱኒ ዘሎ ነገር ንምስፋሕ ወንጌል ከም ዝኾነ ክትፈልጡ እደሊ ኣሎኹ። ስለዚውን ምእንቲ ክርስቶስ ተኣሲረ ከም ዘሎኹ በቶም ቤት መንግስቲ ዝሕልዉ ወተሃደራትን በቶም ኩሎም ዝተረፉን ተፈሊጡ ኣሎ።
ክርስቶስ ማለት ክቡር ኢየሱስ ድማ ፈውሲ ማለት እዩ። እምበኣር ኢየሱስ ክርስቶስ ማለት ክቡር ጎይታ ሰማይን ምድርን ፈውሲ ኩሉ ፍጡርን ማለት እዩ። ትእዛዝ ክርስቶስ ዝፍጽምን ኣሰሩ ዝስዕብን ድማ ክርስቲያን ይበሃል።
ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ንሓዋርያት ጸዊዑ ርኹሳት መናፍቲ ኬውጽኡን ንብዘሎ ሕማማት ኬሕውዩን ሥልጣን ሂቡ ክልእኮም ከሎ ‘’እንሆ ኣነ ከም ኣባጊዕ ናብ ማእከል ተዃሉ እሰደኩም ኣሎኹ፡ ደጊም ብልህታት ከም ተመን ገርህታት ከኣ ከም ርግቢ ኩኑ’’ (ማቴ 10፡16) ኢሉ ኣጠንቀቖም። ሓዋርያት ድማ ቅዱስ ማዕዳ ናይ ክርስቶስ ስለ ዘጽንዑ ኣብ ዕዮ ወንጌል ዕዉታትን ንቑሓትን ብምዃን ሰላሳ፡ ሱሳ፡ ሚእቲ እናፈረዩ ግብኦም ፈጺሞም ሓሊፎም እዮም።
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ