S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ድሕነት ብጸጋ (4ይ ክፋል)

ኣምላኽ፥ በቲ ሓደ ወዱ ዝኣመነ ዂሉ ናይ ዘለኣለም ህይወት ምእንቲ ኺረክብ እምበር፥ ከይጠፍእሲ፥ ንወዱ በጃ ኽሳዕ ዚህብ፥ ክሳዕ ክንድዚ ንዓለም ኣፍቀራ። ኣምላኽ ንወዱ፥ ዓለም ብእኡ ኽትድሕን እምበር፥ ንዓለም ኪፈርዳስ ኣይለኣን። ብእኡ ንዚኣምን ኣይፍረዶን። ነቲ ዘይኣምን ግና፥ ብስም ሓደ ወዲ ኣምላኽ ስለ ዘይኣመነ፥ ድሮ ተፈሪድዎ ኣሎ (ዮሃ፡ 316-18)

ቅድሚ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ጸጋ ናባና ምምጻኡ፡ ኵሉ ሰብ መንግሥቲ ኣምላኽ ክወርስ፡ ብናይ ገዛእ ርእሱ ክእለትን ዓቅምን ንሕጊ ሙሴ ግዴታ ክፍጸም ከም ዝነበሮ ኣብ ዝሓለፈ ክፋላት ኣንቢብና ኣሎና። እቶም ኣብ ዘመን ሕጊ ሙሴ ዝነብሩ ዝነበሩ ኩላቶም ብምኽንያት ድኽመት ሥጋ፡ ንሕጊ ሙሴ ክፍጽሙ ዓቕሚ ኣይነበሮምን፡ ከመይሲ ካብ ሕጊ ሓንቲ እኳ እንተ ተሳዒራ፡ ብምፍራስ ሕጊ ተኸሲሶም ፍርዶም ንሲኦል ስለ ዝነበረ፡ ብሕጊ ዋላ ሓደ እኳ ክጸድቅ ዝኽእል ኣይነበረን ሕጂውን የልቦን። ክርስቶስ ምስ መጸ ግና፡ ፍጹምነቱ ከርእየና ምእንቲ፡ ነቲ ሓደ ሰብ እኳ ክፍጽሞ ዘይከኣለ ሕጊ ሙሴ፡ ብዘይ ኢንታ ፈጸሞ። ኩላቶም ብፍጽምናኡ ኣሚኖም ብመንፈሱ ዝምርሑ ዘበሉ ድማ፡ ብጸግኡ ከም ፈጸምቲ ሕጊ ተቆጽረሎም እሞ ንመንግሥቲ ኣምላኽ ኣብቕዖም። ስሊዚ ድማ እዩ  እቲ ኣብ ክርስቶስ ኢየሱስ ዘሎ ሕይወት ዚህብ መንፈሳዊ ሕጊ፡ ካብቲ ሕጊ ኃጢኣትን ሞትን ሓራ ኣውጺኡኒ እዩ። ሕጊ፡ ብሥጋ ስለ ዝደኸመ ኺገብሮ ዘይከኣለ፡ ኣምላኽ ንወዱ ብምስሊ ኃጢኣተኛ ሥጋን ከም መሥዋዕቲ ኃጢኣትን ልኢኹ ነቲ ሓጢኣት ብሥጋ ኾነኖ። እዚ ኸኣ፡ እቲ ትእዛዝ ሕጊ፡ ኣባና፡ ማለት ኣብቶም ብመንፈስ እምበር ብሥጋ ዘይንነብር ምእንቲ ኺፍጸም እዩ ተባሂሉ ዝተጻሕፈ። እዚ ድማ ጸጋ ተባህለ (ሮሜ 81-4) እምበኣርከስ ክርስቲያን ብሳላ እምነቶም ኣብ ትሕቲ ጸጋ ክርስቶስ እዮም እምበር፡ ከምቶም ንጸጋኡ ዝተወሙ ኣብ ትሕቲ ሕጊ ሙሴ ዝነበሩን ዘለዉን ኣይሁድ ኣይኰነን። ኣብ ትሕቲ ጸጋኡ ኰይኖም ንትእዛዛቱ ማለት ንዓሰርተ ትእዛዛትን ንትእዛዛት ወንጌልን ፍቕራውን ሞራላውን ሕጊ ከም ዝኸነ ኣሚኖም ብሕልና ጸጋ ክነ ተኣዘዙ። ስለዚ ክርስቲያናት ካብቲ ብበደሎም ዝተላዕለ፡ ናብ ሞት ዘብጽሖም ናይ ሞት ፍርዲ ነጻ እዮም። ምኽንያቱ ንጥምቀትን ንደምን ሥጋን ክርስቶስ ብእምነቶም ዝተረኽበ ጸጋን፡ ካብ ኣዳማውን ተግባራውን በደሎም ምሕረት ከም ዝህቦም ስለ ዝኣምኑ።

 

ስለዚ ሓቀኛታት ኣመንቲ ኣብ መንፈሳዊ ህይወቶም ዕንቅፋት እንተ ኣጋጠሞም፡ ኣብ ተስፋ ስለ ዝተሰረቱ፡ ተስፋ ኣይቀርጹን። ንበደሎም ብክርስቶስ ብምእማን ንስሓ ስለ ዝኣትዉ፡ ዘጽንዖም ጸጋ መንፈስ ቅዱስ ይወሃቦም እሞ፡ መንፈሳዊ ገድሎም ድማ ይጸንዓሎም። ንትእዛዛቱ ክፈጽምዎ ዘኽእሎም፡ ካብቲ ናይ ቅድም ዝነበሮም ዝዓቢ ጸጋ ክርስቶስን ረዲኤት መንፈስ ቅዱስ ይዓዘሎም። እቶም ብሓቂ ብክርስቶስ ዝኣመኑን ዝተኸተሉዎን ረዲኤት መንፈስ ቅዱስን ሓገዝን ብጸጋ ጐይታ ስለ ዝውሃቦም፡ ይድሕኑ።     

 

ካብ ምንታይ ኢና ክንድሕን

ድሕነት ብጸጋ ክንብል ከሎና እቲ ንወዲ ሰብ ዝተገብኦ ድሕነት ማለትና ኢና። እሞኸ ድሕነት ወዲ ሰብ ካብ ምንታይ እዩ ክድሕን፧ ሓሚሙ ነይሩስ ካብ ሞት ድዩ ክድሕን፧ ንዝብል ሕቶ መልሱ ከምቲ ኣቐዲምና ዝተዓዘብናዮ እዩ። ከመይሲ ሰብ ብምኽንያት ኣዳማዊ ሓጢኣትን፡ ብናይ ገዛእ ራእሱ ጉድለትን ዝተላዕለ ሓማምን መዋትን ዝዀነሉ ምኽንያት ካብ ታሪኽ መፈጠሩ ጀሚሩ እዩ። እዚ ዝዀነሉ ምኽንያት ድማ ዘርኢ ኣዳም ካብ ጥንተ ኣብሶ ጀሚሮም፡ ንሕጊ ፈጣሪኦም ስለ ዘይተኣዘዝዎ፡ ብነፍስን ብሥጋን ዝሳቐ፡ ዝሓምምን ዝመውትን ፍጡር ኰይኑ ተረኽበ። ሕጊ ነዚ ሽግር እዚ መፍትሒ ኣይህብን፡ ምኽንያቱ ሕጊ ምፍራድን ምቕጻዕን እምበር ምድሓን ክህብ ኣይከኣሎን። ሰብ ድማ ካብቲ ዝወደቐሉ ዓዘቕቲ ሞት ብናይ ገዛእ ርእሱ ክእለትን ሓይልን ቃልስን ጥራይ ክገላገል እንተ ሓሰበን እንተፈተነን እኳ ኣይሰመረሉን። ሰብ ንገዛእ ርእሱ ከጥፍኣ እኳ ክእለት እንተሃለዎ፡ ንገዛእ ርእሱ ባዕሉ ከድሕና ግና ፈጺሙ ኣይተኻእሎን።

 

ሰብ ብሰንኪ ኣዳማዊ ሓጢኣት ንፈጣሪኡ ዘይምእዛዙ፡ እቲ ዝነበሮ ዓቕሙ ደኸመ ማለት ሓይሉን ክእለቱን ተቐነሰ። ስለዚ ሰብ ካብቲ ዝወደቐሉ ታኼላ ክትንስእ ዝኽእለሉ ዓቕሚ ኣብ ቅልጽም እግዚኣብሔር ኣምላኹ ጥራይ ኰይኑ ረኸቦ እምበር ኣብ ቅልጽሙ ኣይረኸቦን። እዚ ድማ እቲ ካብ ክርስቶስ ዝርከብ ጸጋ ድሕነት እዩ። እታ ከርታታ ነፍሱን ዝጠፍኤት ሰብኣዊ ክብሩን፡ ብጸጋ ክርስቶስ ጥራይ ክትትንሥእን ክትድሕን ኪኢላ ኣላ። ብጸጋ ኣቢሉ ድማ ምስ ፈጣሪኡ ብምትዕራቑ፡ ከም ብሓድሽ ተወሊዱ ሓድሽ ፍጥረት ኰይኑ ኣሎ። ካብቲ ናብ ናይ ዘለዓለም ሞት ዝወስድ ፍርዲ ስኦልን ዘለዓለማዊ ስቓይን ደጊም ሓራ ኰይኑ ኣሎ።

 

ኣብ ቅዱስ ጽሑፍ እመን እሞ ክትድሕን ዝብል ኣብ ሓያሎ ቦታታት ተጻሒፉ ስለ ዘሎ፡ ገለ ሰባት ሰብ ብእምነት ጥራይ እዩ ዝጸድቕ” ዝብል ሕጽር ዝበለ ኣረኣእያ ስለ ዝረኣዮም፡ ንጸጋ ክርስቶስ ካብ መጀመርታ ክሳዕ መወዳእታ ክረኣዮም ስለ ዘይክእል፡ ንእምነት ከም ድሕነት ንጸጋ ከም ተደራቢ መስርሕ ድሕነት ገይሮም ዝርእይዎ ሰባት ኣይተሳእኑን፡ እንተዀነ እምነት ናብ ጸጋ ዘብጽሕ መገዲ ድኣ’ምበር እምነት ጸጋ ኣይኰነን። እምነት ግና ጸጋ ከም ዝተጋህደ፡ ኣብ ክንዲ ብዓይኒ ሥጋ፡ ብዓይኒ ልቦና ክትርኢ እተኽለካ ናይ ሕልና ኣፍደገ እያ። እቲ ዝእመን ድማ ጸጋ እዩ እምበር፡ ካልእ ጽውጽዋይ ኣብ ሰማይ ዝተጠልጠለ የልቦን። ንጸጋ ጋህዲ ከም ዝዀነ ብዓይኒ እምነት ንቕበሎ እሞ ንፍጽሞ ድማ፡ ብጥምቀት ምስ ክርስቶስ ምስ ተቐበርና፡ ነቲ ዘድሕን ደምን ሥጋን ምስ በላዕና ድማ ህይወት ረኺብና ንድሕን።

 

እምብኣርከስ እቶም ብክርስቶስ ኣሚኖም ብጸጋ ዝተመላለሱ፡ ካብዛ ዓለም እዚኣ ዝተሳናበቱን ብሕጂውን ዝሰናበቱን ከምቲ ጐይታ ነቲ ኣብ የማኑ ዝተሰቕለ ሰብኣይሎሚ ሎሚ ኣብ ገነት ምሳይ ኣሎኻዝበሎ ከምኡውን ነቶም ናቱ ኣብ ገነት ብደስታ ናይ ምንባር ተስፋ ኣለዎም። ነቶም ዘይኣምኑሉን ጸጋ ክርስቶስ ዘየብሎምን ግና፡ ናይ ሥቓይ ሲኦልን ፍርድን ይጽበዮም እምበር፡ ጸጋ ኣብኣቶም ኣይዓዝዝን። ከመይሲ እቲ ዘድሕን ጸጋ ነቶም ዝኣምኑ ጥራይ ድኣ ተዋህበ እምበር፡ ነቶም ዘይኣምኑስ ኣይተዋህበን (ዮሃ፡3,18-21) ኣመንቲ ግና ነፍሶም ጥራይ ዘይኰነስ፡ ሥጋኦምውን ክድሕን እዩ። ብግዜ ትንሳኤ ብነፍሶም መንግሥቲ ኣምላኾም ክወርሱ ብዘይመውት ሰማያዊ ሥጋ ተለዊጦም ናብ ክብሪ ብሥጋኦም ክትንሥኡ እዮም። ከመይሲ ምድሓን ብጸጋ ማለት፡ ምድሓን ነፍስን ሥጋን ስለ ዝዀነ።

 

ብክርስቶስ ኣሚንና ብህያብ ጸግኡ ንድሕን፡ ናይ እግዚኣብሔር ምሕረት ድማ ንምድሓን ምስክር እያ። ነታ ናይ ተስፋና ርስቲ ክንሕዝ ድማ መንፈስ ቅዱስ ብምግላጹ ኣብቅዓና (ኤፈ፡ 113-14) ብፍላይ ድማ ሰማያዊ ኣቦና፡ ነቶም ብልቢ ኣሚኖም ዝልምንዎ ዘበሉ ኣዕዚዙ መንፈሱ ከም ዝህቦም፡ ኣብ ወንጌሉ ከምዚ ዝብል ተጻሒፉ ኣሎ። እምብኣርሲ ንስኻትኩም እኳ ክፉኣት ክነስኹም፥ ንደቅኹም ጽቡቕ ህያብ ምሃብ ካብ ፈለጥኩም፥ እቲ ኣብ ሰማይ ዘሎ ኣቦኹም ግዳ ንዚልምንዎ ኽንደይ ኣብዚሑ መንፈስ ቅዱስ ዘይህቦም፧  (ሉቃ፡ 1113) ከም ዝበዝሕ ማለት፡ ኣባና ከም ዝሓደረ ካብ ሓዋርያ ጳውሎስ ንመሃሮ። (ሮሜ 55) እቲ ዘጸናንዓናን ዘጽንዓናን ናይ ቅዱስ ጸጋ ዝህበናን ንሱ ባዕሉ እዩ።

 

መንፈስ ቅዱስ ጸጋ እዩ

እቶም ኣብ ኣብ ሕጊ ሙሴ ዝነበሩ ሰባት፡ ጽድቅን ሓጢኣትን ከም ዘሎ፡ መንግሥተ ሰማያትን ገሃንመ እሳትን ከም ዘሎ ኣሚኖም ብሥርዓት ሕጊ ክጸድቑ ይጋደሉ ከም ዝነበሩ ድሮ ኣንቢብናዮ ኣሎና። እንተዀነ ከም ዘይኰነሎም ድማ ተመልኪትና ኣሎና። እቲ ቀንዲ ንሕጊ ክፍጽምዎ ዝጋደልሉ ዝነበሩ ምኽንያት፡ እምነት ስለ ዝነበረቶም ድኣ እምበር እምነት እንተ ዘይነብሮምሲ፡ ከምቶም ዘይኣምኑ ምዀኑ ነይሮም። እንተዀነ እምነቶም ህያው ኰይና ክነሳ ጸጋ ስለ ዘይነበራ፡ ግብሮም ፍጽምና ሰኣነት። ንመንግሥቲ ኣምላኽ ድማ ኣይበቑዑዋን። እታ ዝጐደለቶም እዛ ሕጂ ጸጋ እንብላ ዘሎና እያ። እምብኣርከስ ጸጋ ምስ መጸ፡ ወዲ ሰብ ብክርስቶስ ተስፋ ረኸበ እኳ እንተበልና፡ ነቲ ተስፋ ህያው ዝገብሮ መንፈስ ቅዱስ በይኑ እዩ። እቶም ኣብ ዘመነ ሕጊ ዝነበሩ፡ ብግብሮም ክቕደሱ ግዴታ ነበሮም፡ ብግብሮም እንተዘይተቐደሱ ግና፡ እምነት ጥራይ እኽልቲ ስለ ዘይኰነት ክጠፍኡ ግድን ነበረ። ከመይሲ ኣብቶም መንፈስ ቅዱስ ዝሓረዮም ንሱ’ውን ይመርጾም ነበረ እምበር፡ ኣብኦም ሓደረ ዝብል ፈጺምና ኣይነንብብን። ሕጂ ግና፡ ኣብቶም ቅድም ኣሚኖም፡ ቀጺሎም ንጸጋ ጥምቀት ሥጋን ደምን ብግብሪ ኣተግቢሮም ዝነብሩ ዘበሉ፡ መንፈስ ቅዱስ ኣብኣቶም ክሓደር ተዋህቦም። ስለዚ ድማ እያ ቤተ ክርስቲያን ነቲ ንቅዱስ ቁርባን ተባሂሉ ዝግበር ጽምብል፡ ቅዳሴ እትብሎ። ቅዳሴ ማለት እቲ ዝቕድስ መንፈስ ቅዱስ ተጸዊዑ፡ ነቲ ዝተቐረበ ደምን ሥጋን ይቅድሶ’ሞ፡ ህይወት ይህብ። እቲ ዝቕድስ መንፈስ ድማ ህያው ዝገብር ጸጋ ኰነ።

   

ክርስቲያን ብእምነቶም ንሕማምን ሞትን ክርስቶስ፡ ብህያብ ጸጋ ጥምቀትን ብሥጋን ብደምን ብምሕረትን ስርየት ሓጥኣት ከም ዘሎ እኳ እንተ ኣመኑ፡ ብዘይ እቲ ዝቅድሶም ጸጋ መንፈስ ቅዱስ፡ ናብታ ክበጽሕዋ ኢሎም ዝጋደልዋ ኣኽሊል ዓወት፡ ክበጽሑ ኣይክእሉን። ከመይሲ መንፈስ ቅዱስ ኣብዛ ዓለም እዚኣ ከሎና፡ ነቲ ካብ ክርስቶስ ዝረኸብናዮ በብዓይነቱ ዝዀነ ህያባት ጸጋ፡ ኣብ ከቢድ ናይ ፈተና ታኬላ ከይንወድቕ ዝሕግዘናን ዝረድኣናን መንፈስ ቅዱስ ጥራይ እዩ። ብጐደና ቅድስና ዝመርሓናን ካብ ኩሉ ክፉእ ዘበለ ተግባራት ኩሉ ክንርሕቕ ብጽቡቕ ኣነባብራ ክንነብር፡ ርእስና ክንጻጸር፡ ብፍቕሪ እግዚኣብሔር ክንግዛእ ክገብረና ዝኽእል መንፈስ ቅዱስ ጥራይ እዩ።


ይቕጽል

1 ክፋል | 2 ክፋል | 3 ክፋል

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div