S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

መስቀል ማለት ሰቐለ ካብ ዝብል ናይ ግእዝ ሡር ቃል ዝወጸ ኮይኑ መስቀሊ ማለት እዩ። ከም ልማድ ሕጊ ኦሪት ድማ ነፍሲ 

ዝቐተለን ከቢድ ምጥሓስ ሕጊ ዝፈጸመን ኣብ ጕንዲ መስቀል ብምስቃል ናይ ሞት ፍርዲ ይውስንሎም ነበሩ። መጽሓፈ ኣስቴር 710 መስቀል እቲ ናይ ገበነኛታት መቕጽዒ ዝነበረ፥ ጎይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ንሓለቓታት ኣይሁድ ብኃጢኣት ረኺሶምን ኣብ ሕማቕ ግብሪ ወዲቖምን ስለ ዝነበሩ ‘’ …… ኣቱም ግቡዛት መምህራን ሕግን ፈሪሳውያንን፥ ካብ ጨና ኣዳም፥ ካብ ሽላን፥ ካብ ከሙን ዕሽር እተውጽኡ፥ እቲ ኣብ ሕጊ ዘሎ ኣውራ ነገር፥ ፍትሒ፥ ምሕረት፥ እምነት ግና እትሓድጉ ኢኹም እሞ ወይለኹም፥ …….. ኣቱም ቃርማ መጺጽኩም ጡፍ እትብሉ፥ ገመል ግና እትውሕጡ ዕዉራት መራሕቲ….. ወይለኹም!’’ (ማቴ 2313-36) እናበለ በቲ እኩይ ግብሮም ስለ ዝገሰጾም ነቲ ‘’ኢትቅትል ብእሴ ጻድቀ’’ ዝብል ኣብ ኢዶም ዝነበረ ሕጊ ጥሒሶም፥ ኣብ ልቦም ሰይጣናዊ ቂምን መሪር ጽልእን ሒዞም ነቲ ኸታርን ቀታልን ዝኾነ በርባን ሽፍታ ይፈታሕ ኢሎም፡ ነቲ ጻድቕን ወሃቢ ሕይወትን ዝኾነ ኢየሱስ ክርስቶስ ግና ኣብ ዕንጸይቲ መስቀል ሰቒሎም ከም ዝቐተልዎ ኣብ ቅዱስ ወንጌል ብዝርዝር ተጻሒፉ ዘሎ ነባሪ ሓቂ ኢዩ። ሉቃ 2325

ይኹን እምበር ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ መስቀል ተሰቒሉ ‘’ወገብረ ሰላመ በመስቀሉ’’ ማለት ‘’ኣብ መስቀል ተሰቒሉ ብሙማት ነቲ ጽልኢ ደምሰሶ፥ ንኽልቲኦም ሓደ ብምግባር ከኣ ብመስቀሉ ምስ ኣምላኽ ኣተዓረቖም’’( ኤፈ 216) ተባሂሉ ከም ዝተጻሕፈ ክርስቶስ ንዓና ንደቂ ኣዳም ንሞትን ንሰይጣንን ስዒሩ ዓወትን ዘለዓለማዊ ሕይወትን ስለ ዝሃበና፡ ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያንና መስቀል ኃይልነ፥ መስቀል ጽንዕነ፥ መስቀል ቤዛነ፥ መስቀል መድኃኒተ-ነፍስነ’’ እናበለት መልእኽቲ ዕርቅን ኣዋጅ ብሥራትን እንዳ ኣስተምሃረት ትነብር ኣላ። እቲ ብርሃን ቤተ ክርስቲያን ዝኾነ ሓዋርያ ጳውሎስውን ኣብ መልእኽቱ ‘’ቃል መስቀል ነቶም ዚጠፍኡ ዕሽነት ኢዩ፥ ንኣና ነቶም እንድኅን ግና ኃይሊ ኣምላኽ እዩ’’ (1 ቆሮ 118) ክብል ብዛዕባ ትርጉም መስቀል ኣስፊሑ ገሊጹልና ንረኽቦ። ስለዚ ዓመት መጸ በዓል መስቀል ከነኽብር ከሎና ብዛዕባ ኣብ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ዝወረደ 13 ሕማማተ መስቀልን ግፍዕን እናዘከርና፥ ንሕና ከኣ እቲ ብመገዲ መስቀል ዝረኸብናዮ ምሕረትን ሕድገት ኃጢኣትን እናኣመስገንና ወትሩ ብፍቕሪ እግዚኣብሔርን ብፍቕሪ መስቀልን ክንጎዓዝ ናይ ነፍሲ ወከፍና ክርስቲያናዊ ሓላፍነት ምዃኑ ክንዝንግዕ ኣይግባእን።

እምበኣር ብምኽንያት ናይ ሎሚ ዓመት 2003 . ግእዝ በዓል መስቀል መሠረት ብምግባር እቶም ብመንፈሳዊ ሕጊ ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ተኸቲልና ብስም እግዚኣብሔር እንኣምንን ንጸጋ መስቀል እንሳለምን ህዝበ ክርስቲያን ነዚ ዘሎናዮ ናይ ፈተና እዋን ክንፈልጦን ብግቡእ ከነስተውዕሎን ብጣዕሚ ኣገዳሲ ምዃኑ ከነዘኻኽር ንደሊ። ምኽንያቱ ሓቀኛ ዕላማ መስቀል ንጽልኢ ብፍቕሪ፥ ንሓሶት ብሓቂ፡ ንውድቀት ብዓወት፥ ንሞት ብሕይወት ዝትክእ መለኮታዊ ኃይሊ ኢየሱስ ክርስቶስ ዝተገልጸሉ ዓቢይ ውዕለት ደኣ እምበር፥ ብኣንጻር እዚ ዝተጠቕሰ ንፍቕሪ ብጽልኢ፥ ንሓቂ ብሓሶት፥ ንእምነት ብኽሕደት እናተካእካ ንሃይማኖት ክርስትና መጋበርያ ምድራዊ ረብሓ ንምግባር፥ ሕጊ ቤተ ክርስቲያን ብምፍራስ፥ ኣንጻር ሕጊ እግዚኣብሔር ተዓጢቕካ ዝኽየድ መገዲ መስቀል ከምዘየለ ኩሉ ሰብ ክርድኦ የድሊ። ምኽንያቱ ኢየሱስ ክርስቶስ ባዕሉ ‘’እቲ መስቀሉ ፀይሩ ደድሕረይ ዘይስዕብ ንኣይ ኣይበቅዕን እዩ! (ማቴ 1038) ከም ዝበለና ዘኪርና ምእንቲ ቅድስቲ ተዋህዶ ሃይማኖትና ናይ እምነት ፈተናን መከራ መስቀልን ባዕልና ክንጸውር ደኣ እምበር፥ ፈተና ይኹን ጸርፍን ውርደትን ፈሪሕና ንኻልኦት መከራ መስቀል ከነሰክሞምን ስሞም ከነጸልምን ብፍጹም ኣይግባእን እዩ። ልዕሊ ኹሉ ድማ ነቲ ሓዋርያ ጳውሎስ እናነብዐ ‘’ኣሕዋተየ ከምቲ ብዙሕ ጊዜ ዝነገርኩኹም ሕጂ ኸኣ እናነባዕኩ እነግረኩም ኣሎኹ። ብዙኃት ጸላእቲ መስቀል ክርስቶስ ኮይኖም ይነብሩ ኣለዉ። መወዳእታኦም ጥፍኣት እዩ፥ ክብረቶምውን ኣብ ነውሮም እዩ፥ ሓሳቦም ከኣ ምድራዊ ኢዩ። ንሕና ግና ሃገርና ኣብ ሰማያት እያ። ካብኣ ድማ ንመድኃኒናን ንጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ንጽበ ኣሎና’’ ዝበሎ ሕያው ቃል ኣምላኽ ንዘክር። ፊሊ 318-20

ብተወሳኺ ኣብዚ ክንገልጾ እንደሊ ንዕላማ ቅዱስ መስቀል ዘፍቅር፥ ንመከራ መስቀል ድማ ዝጸውር ካህን ይኹን ምእመን እንተሎ ንመስቀል ክርስቶስ ተቢዑን ብልቢ ኣሚኑን ይቀበሎ። ዝኾነ ሰብ ንጸጋ ቅዱስ መስቀል ዘየፍቅር ብጊዜ ፈተናን መከራን ድማ ፈሪሑ ዝጠራጠር ኣማኒ እንተሎ ከኣ ንመስቀል ኣይሰከሞ ከምኡውን ኣይስዓሞ። ‘’ከመይ እቲ ዝጠራጠር ከምቲ ንፋስ ንየው ነጀው ዚደፍኦ ማዕበል ባሕሪ እዩ ዝመስል። እዚ ከምዚ ዝበለ ሰብ ካብ ጎይታ ገለ ዚቕበል ኣይምሰሎ’’ ክብል ሓዋርያ ያዕቆብ ብንጹር ገሊጹልና ስለ ዘሎ። (ያዕ 16) እሞኸ ደኣ እስከ ነፍሲ ወከፍ ኣነ ኦርቶዶክሳዊ ኣማኒ ኢየ ዝብል ኣብቲ ሓቀኛ እምነት ምህላውናን ዘይምህላውናን ንገዛእ ርእስና ንመርምር። እወ! ንመስቀል ኢየሱስ ክርስቶስ ብልቢ ኣሚንና ንባዕልና ከይተባረኽናሉ ንኻልኦት ሰባት ክንባርኸሉ ኣይንኽእል ኢና። ኣብ ሓዋርያዊ ዕላማ ቅዱስ መስቀል ንገዛእ ርእስና እንተ ዘይጸናዕና ንኻልኦት ሰባት ኣብ ቅኑዕ እምነት ከነጽንዖም ኣይንክእልን ኢና። ብፍላይ ድማ እቶም ውሉደ ክህነት እንበሃል ጳጳሳት፡ ካህናት፥ ዲያቆናትን መዘምራንን ናይ ኢየሱስ ክርስቶስ ኣምባሳደራት ዝተሰመና መልእኽቲ ዕርቅን ሕድርን ድማ ዝተቐበልና ብምድራዊ ርብሓን ብስጋዊ ፍርሕን ተኣሲርና ንዕዮ ወንጌልን ንቃል ኣምላኽን ዕሽሽ እንተበልና ብሥጋን ነፍስን ድርብ ፍርድን ኵነኔን ከም ዘሎና ክንስሕቶ ዝግባእ ኣይኮነን። ሆሴ 46

ኣብ መደምደምታ ንጉዕዞ መስቀል ብዓይኒ ሕሊና ከነስተንትኖ ከሎና ኩሎም ቅዱሳን ሓዋርያት፥ ሰማዕታትን ጻድቃንን ንዕላማ ቅዱስ መስቀል ተኸቲሎም ገሊኦም ብብልሒ ሰይፉ ሰማዕትነት ዝተቐበሉ፥ ገሊኦም ኣብ መስቀል ንቑልቑል ዝተሰቕሉ፥ ገሊኦም ቅዱሳን ድማ ከም በዓል ቅዱስ እስጢፋኖስ ብዳርባ እምኒ ዝተቐትሉ ምዃኖም ኹሉ ሰብ ክዝክሮ ዘለዎ ሕያው ምስጢር እምነትና ኢዩ። ብመንፈሳዊ ኃይሊ መስቀል ድማ ብዙሓት ምዉታት ተንሲኦም፥ ኣጋንንቲ ወጺኦም፥ ዕዉራት ርእዮም፥ ለምጻማት ነጺሆምን ሕሙማት ተፈዊሶምን ኢዮም። ዝኾነ ክርስቲያን ድማ ንቅዱስ መስቀል ትእምርቲ ናይ ዕርቂ፡ ናይ ሰላምን ፍቕርን ምዃኑ ተገንዚብና ንኣገልግሎት ሓቅን ጽድቅን ክንጥቀመሉ ይግባእ። ከምኡውን መስቀል ሒዝካ ክትረግም ዘይኮነ ክትምርቕ፥ ከተባእስ ዘይኮነስ ክትዓርቕ፥ ክትጽይቕ ዘይኮነስ ከተጸብቕ፥ ኣብ ኃጢኣት ክንወድቕ ዘይኮነስ ክንጸድቕ ኢና ተጸዊዕና እሞ፥ ነቲ እሙን ኣምላኽ ‘’መገድን ሓቅን ሕይወትን ዝኾነ ኢየሱስ ክርስቶስ‘’ ኣሰሩን ኣሰር ኩሎም ቅዱሳንን እናሰዓብና ሥጋና ካብ ጉድኣት፥ ነፍስና ድማ ካብ መዓት ከነድኅን ግዴታን ሓላፍነትን ናይ ኩልና ምኳኑ ከነዘኻኽር ንደሊ። ስለ ምንታይሲ ‘’እቲ ተዋሂቡኩም ዘሎ ጸጋ ኸኣ ብእኡ ክትኣምኑ ጥራይ ዘይኾነስ ምእንትኡውን መከራ ክትቅበሉ እዩ’’ ዝብል ሓዋርያዊ ማዕዳን ሕድሪ እምነትን ንኹልና ኢዩ ተዋሂቡና ዘሎ። (ፊሊ 129) ስለዚ እምበኣር ዝኾነ ኣማኒ ‘’ኣነ ግና በቲ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ዝተሰቕለሉ መስቀል እንተ ዘይኮይኑ ኣይምካሕን እየ!’’ ዝብል ሠናይ ዕላማ ተኸቲልና ብጸሎትን ትዕግሥትን ብመገዲ መስቀል ንንበር። ገላ 614

ንዕላማ ቅዱስ መስቀል ክንነቅሕ ኢየሱስ ክርስቶስ ጸጋ የብዝሓልና!

በረኸትን ረድኤትን መከራ መስቀል ይጾሩ ንዘለዉ ፓትርያረክ ኣቡነ እንጦንዮስ ምስ ሰዓብቶም!

ቀሲስ ሓለፎም ዓንደማርያም ሃገረ ስብከት ሰሜን ኣሜሪካ

10/01/2010

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div