ቃል ብቕድሙ ነበረ፥ እቲ ቃል ድማ ኣብ ኣምላኽ ነበረ፥ እቲ ቓልውን ኣምላኽ ነበረ። …. ሕይወት ኣብኡ ነበረት፥ እታ ሕይወት ከኣ ብርሃን ሰብ ነበርት። ብርሃንውን ኣብ ጸልማት የብርህ፥ ጸልማት ከኣ ኣይሰዓሮን። ዮሓ 1፡1-5። እዚ ጥቕሲ ካብ ቅዱስ ወንጌል ዝተወስደ ቃል ኢዩ። ካብዚ ክንመሃሮ ዝግብኣና ድማ ሕይወት ሰብ ካብ ብርሃን ኣምላኽ ከም ዝተፈጥረትን ኣብ ብርሃን ክትነብር ከም ዝተመደበትን ይነግረና። እወ ኣቦና ኣዳምውን ኣብቲ ምሉእ
ኣቕሊብናሎም እንተ’ሊና፡ ናይዚ ዕለት እዚ ንባባትና ብዘይካ ግብረ ሃዋርያት፡ ኵላቶም መርዓዊ-ጠቀስ እዮም። መዝሙር ሊቃውንትና’ውን “ትዌድሶ መርዓት” ዚብል’ዩ። መጥምቀ መለኮት ቅዱስ ዮሓንስ፡ “መርዓዊ” ዚብሎ ዘሎ ንጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ እዩ። “መርዓት” ዚብላ ዘሎ ድማ ንቕድስቲ ቤተ ክርስቲያን እዩ። ንገዛእ ርእሱ ድማ “ዓርኪ መርዓዊ” ብምባል ገሊጽዋ ኣሎ። ቅዱስ ዮሓንስ ነዚ ዓብይ መልእኽቲ እዚ ዚዛረቦ ዘሎ ደቀ መዛሙርቱ መጺኦም ንኣታቶም “ኣሻቓሊ” ዀይኑ ዝረኸብዎ ዜና ምስ ነገርዎ እዩ።
ናይታ ንሕና በዘልማድ ካላሺን እንብላ ብወግዒ ግን ኤኬ- 47 ተባሂላ እትፍለጥ ብረት (ኣፈሙዝ ወይ ጠበንጃ) መሃዚ ዝኾኑ ሩስያዊ ሚኻኤል ካላሺንኮቭ፡ ሒደት ኣዋርሕ ቅድሚ ሞቶም፡ ናብ ናይ ሩስያ ኦርቶዶክስ ፓትርያርክ ቅዱስ ኣቡነ ኪሪል፡ ናይ ጣዕሳ ደብዳቤ ጽሒፎም ምንባሮም፡ ትማሊ ሰኑይ 13 ጥሪ 2014 ዝወጸ ሓበሬታ ኣረጋጊጹ፡ ዝብል ዜና እየ ዘንብብ ዘለኹ። ሓቢርና እሞ ነንብቦ፡-
ናብ ኩሎም ምእመናን ህዝበ ክርስቲያን
ብመጀመርያ ሰላመ እግዚኣብሔር ምስ ኩላትኩም ይኹን እናበልና፤ ብሩኽ በዓለ-ሃዋርያት ይግበረልና።
ብኣቆጻጽራ ግእዝ ካብ መስከረም 26 ክሳብ 5 ሕዳር ወርሓት ጽጌ ይበሃል። ጽጌ ማለት ከኣ ብዕንበባን ጽጌታትን ፍሬታትን ዝወቀበ ጊዜያት ናይ ልምላሜ እዋን
ብኣቛጻጽራ ግዕዝ ካብ ጥቅምት 18 ክሳብ 23 ዘሎ ዕለታት ዝዝመር መዝሙር “በጊዜሁ ኃለፈ ክረምት” (ጊዜኡ ሓልዩ ክረምቲ ሓሊፉ) ኢላ ቤተ ክርስትያና ትሰምዮ። ኣብዚ ሰሙን እዚ ቤተ ክርስትያን ንምእመናን ተመሓላልፎ ትምህርቲ ነቲ ዕቤቱ ብኣሰር ኣሰር ዘይብጻሕ ዕቤቱ ኣብ ኣርያም ዝነብር፡ እቲ ብደበና ተጋሪዱ ዝነበረ ሰማይ ኣብ ጊዜ ክረምት ብዝናብ ንመሬት ዘጥልል፡ ኩሉ ኣብ ኢዱ ሙኻኑ ከምቲ ዘማራይ ዳዊት ዝበሎ “መዓልቲ ናትካ እያ፡ ለይቲውን ናትካ እያ። ንብርሃን ንጸሓይን ገበርካየን። ንብዘሎ ወሰናት ምድሪ ንስኻ ኣጽናዕካዮ፡ ንሓጋይን ክረምትን ፈጠርካዮም።” ግብሩ ክንጥምት ኢዩ። ዝኸበርኩም ህዝቢ ኣምላክ ኣብዚ ጽሑፍዚ ሓቢርና ንርእዮ፡ ነቲ ዘፍርሕ ዝነበረ፡ ክረምቲ ወቅቱ ሓልዩ ክሓልፍ ካብ ገበሮ፡ ነቲ ኣብ ማዕልታዊ ህይወትና ዘይሓልፍ ዝመስል ዝገጥመና ዘሎ ጭንቀት፡ከመይ ኢልና ክንሰግሮ ከም ዝግባእና ክንርኢ ኢና።
በስመ ኣብ ወወልድ መንፈስ ቅዱስ ሓደ ኣምላኽ! ኣሜን::
መእተዊ
ሓዳስ ዓመት ክትጅምር ከላ ብሓድሽ ተስፋ ኢና ንቕበላ። ነፍሲ ወከፍ ደቒቕ ድማ ኣፍራይትን ጠቓሚትናን ክትከውን ንምነ።ርሑስ ሓዲሽ ዓመት ይግበረልና ብምባል ድማ ነንሕድሕድና ሰላምታ ንለዋወጥ። እሞ ተስፋ ሓዲሽ ዓመት፥ ኣምላኽ ብእምነት ከፈጽመና ብወገና ክንኮኖን ክንገብሮን ዘሎና ከምዚ ዝስዕብ ይመስል።
ኩሉ ከም ዝፈልጦ ኣብዚ ዘመን እዚ ዘመን ሓበሬታን ቴክኖሎጂን፡ ንእምነት ክርስትናና ካብ ጫፍ ዓለም ክሳብ ጫፍ ዓለም ንምስፋሕን ምእመናንና ንምምሃር ንኽንጥቀመሉ ድማ ኣምላኽ ዝፈቕዶ እዩ።
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ