S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ሓበሬታ ንኩሎም ምእመናን

ኩሉ ከም ዝፈልጦ ኣብዚ ዘመን እዚ ዘመን ሓበሬታን ቴክኖሎጂን፡ ንእምነት ክርስትናና ካብ ጫፍ ዓለም ክሳብ ጫፍ ዓለም ንምስፋሕን ምእመናንና ንምምሃር ንኽንጥቀመሉ ድማ ኣምላኽ ዝፈቕዶ እዩ።

በዚ መሠረት፡ ኣብ መራከቢ ፓል ቶክ (Pal talk) Eritrea Orthodox Tewahdo haymanot Abew ኣማሓደርቲ (Administrators) ናይዚ ክፍሊ ምስ ኩሎም ኦርቶዶክሳውርያን ምሁራት ስነ-መለኮት (Theology) ብምዝርራብ፡ ካብ ሰኑይ 27 ሰነ 2011 ጀሚሩ ብምዱብ ሰዓታት ካብ ሰኑይ ክሳብ ሰንበት፡ ብኣቆጻጽራ ምብራቓዊ ዞባ ኣሜሪካ ካብ ሰዓት 2:00 pm ክሳብ 7:00 pm ድሕሪ ቀትሪ፡ ኣብ ኤውሮጳ ንዝርከቡ፡ ካብ ሰዓት 8፡00pm ክሳብ ሰዓት 1:00 am ኣብ ማእከላይ ምብራቕን ኣብ ኤርትራን ንዝርከቡ ተኸታተልቲ ድማ ካብ ሰዓት 10፡00pm ክሳብ 3፡00 am ክኸውን እዩ።

ኣብዚ ክፍሊ እዚ ዝወሃብ ትምህርቲ።

ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ብሉይ ኪዳንን ሓዲሽ ኪዳንን። ትምህርቲ ኣቦታት ቤተ ክርስቲያን ካብ 1ይ ሚእቲ፡ ክሳብ 5ይ ሚእቲ ዝነበሩ ኣቦታት ጥራይ ይኸውን።

  1. ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ብሉይ ኪዳንን ሓዲሽ ኪዳንን።
  2. ትምህርቲ ኣቦታት ቤተ ክርስቲያን ካብ 1ይ ሚእቲ፡ ክሳብ 5ይ ሚእቲ ዝነበሩ ኣቦታት ጥራይ ይኸውን።
  3. ሠለስተ ጉባኤታት ቤተ ክርስቲያን።
  4. ትውፊት ቤተ ክርስቲያን መንፈሳዊ መልእኽቱ ካብ ትምህርትን ትሕዝቶን መጽሓፍ ቅዱስ ዘይወጸ።
  5. 5 ኣዕማደ (ኣዕኑድ) ቤተ ክርስቲያን።
  6. 7 ምሥጢራተ ቤተ ክርስቲያን።
  7. ዶግማ ቤተ ክርስቲያን።
  8. ትምህርቲ ቀኖና ቤተ ክርስቲያን ዘተኮረ ይከውን።

መተሓሳሰቢ።

ኣብዚ ክፍሊ እዚ ዝኾነ ጽሑፋት ካብዚ ሥሩዕ ናይ ትምህርቲ እዚ ወጻኢ ኣይቀርብን። ዝኾነ ናይ ወቐሳን ምጽራፍን ንኣቐረብቲ ይኹን ንኻልእ እምነታት ኣይፍቀድን እዩ።

ተሳተፍቲ እዚ ክፍሊ እዚ፡ ብዝተፈላለየ ምኽንያት ካብ እምነት ቤተ ክርስቲያንኩም፡ ርሒቕኩም እትርከቡ ኩልኹም ደቂ ቤተ ክርስቲያን ብኽብሪ ዕዱማት ኢኩም።

ጸጋ እግዚኣብሔር ኣቦ፡ ፍቕሪ እግዚኣብሔር ወልድ፡ኅብረት መንፈስ ቅዱስ ምስ ኩልና ይኹን።

ኣዳለውቲ ደምበ ፓልቶክ

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div