S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

እቲ ጻድቕ ግና ኣብ መገዱ ይጸንዕ፡ እቲ ኣእዳዉ ዝንጹሃት ከኣ እናበርትዔ ይኸይድ”ኢዮብ 17፡9.

እቲ ኣብ ደብረብርሃን ቅ. ሥላሴ ዋሽንግቶን ሲያትል ሓምለ 14-15, 2006 (ሓምለ Û- ፰, ፩፺፻፺፰ ግእዝ) ዝተኻየደ ጉባኤ፡ ቤተክርስትያንና ኣብ ሓደገኛ ኩነታት ኣብ ትርከበሉ ኣዝዩ ተኣፋፊ እዋን ብምግባኡ፡ ዘልዓሎምን ዝተማያየጠሎምን ኣርእስትታት እዋናውያን ኣብ ርእሲ ምዃኖም ዓበይትን ንመጻኢ ዝኣመቱውን እዮም። እቲ ጉባኤ ኣብ ልዕሊ ቅዱስ ፓትርይርክ ሊቐ ጳጳሳት ኣቡነ እንጦንዮስ፡ ብመሪሕነት ጭዋ ሰብ ኣቶ ዮፍታሀ ድሜጥሮስ ዝተፈጸመ ገበን፡ ንዓለም ብምልኡ ኣገሪሙ፡ ንናይ ኤርትራ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተክርስትያን ድማ ካብ ኩለን ኣሓት ኦርየንታል ኦርቶዶክስ ቤተክርስትያናት ፍጹም ነጺልዋ ከምዝርከብን፡ ብኣግኡ ኣቦና ናብ ወንበሮም እንተዘይተመሊሶም ከኣ ዝብኣሰ ኩነኔ ክስዕብ ምዃኑ ገምጊሙ።

ብተወሳኺ ኣብ ሰሜን ኣመሪካ ብዘይ ሕጊ ንዝንቀስቀሱ ዘሎዉ ጳጳስ ሲኖዳ፡ ብስመ ሥላሴ፡ ኣብን ወልድን መንፈስ ቅዱስን፡ ብቅዱስ ፓትርያርክ ንዝተኣወጀ ውግዘት ረጊጾም ድያቆን ብምሻሞምን፡ ኣብ ዘመን ካልኣይ ፓትርያርክ ኣቡነ ያዕቆብ ብቅዱስ ሲኖዶስ ምስ ዝተወገዙ ካህናት ብምቅዳሶም፤ ብእምነትን ስርዓትን ተዋሕዶ ቤተክርስትያን ዘይቕየዱ፡ ንማዕርግ ጵጵስና ዘዋርዱ ሰብ ምዃኖም መዚኑ። ብንኡስ ሃገረ ስብከት ኪውሃቦም ንዝጸንሐ ተደጋጋሚ ምሕጽንታ፡ ጸኒሑ ድማ መጠንቀቕታ ዕሽሽ ብምባል ኣብተን ብሓድነት ኪጉዓዛ ዝጸንሓ ኣብ ሰሜን ኣመሪካ ዝርከባ ኣብያተክስትያናትና ንዘውረድዎ ዕንወትን ጽልእን ባእስን ድማ ብሕጋዊ መገዲ ክሕተቱ ምዃኖም ኣረጋጊጹ። ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብተን ብዝተፈላለየ ምኽንያታትት፡ ብዓውታ ናይ ተቓውሞ ድምጸን ዘየስመዓ ኣብያተክርስትያናት፡ ምእመናን ኪዕብወን ኢዱን እግሩን ብምሕጻሩ ኣብ ምቕምሳል ከምዝርከባውን ተፈሊጡ።

ካልእ ጉባኤ ካህናት ንኡስ ሃገረ ስብከት ዓቢ ኣድህቦ ሂቡ ዝዘተየሉ ኣርእስቲ፡ ንዘሎዉ ውሉደ ክህነት ብመንፈሳውን ኣካዳምያውን ዝስልጥንሉ፤ ሓደስቲ፡ ነዚ ኣብ ስደት ዝፋረ ዘሎ ወለዶ ዘገልግሉ፡ ድያቆናትን ካህናትን ንምፍራይ ድማ፡ መሰረተ-እምነትን ስርዓት ቤተክርስትያንን ፈሊጦም ኪስልጥኑ ዘኽእሎም ናይ ስነመሎኮት ትምህርቲ (ኮለጅ) ብስሩዕ ዝውሃበሉ መገዲ ዳህሲሱ።

ኣብ መጨረሻ፡ ኣብ ስደት ዝርከቡ ምእመናን ኣብ ኣዝዩ ጽንኩርን፡ ንእምነትን መንነትን ዝፈታተን ከቢድ ናብራ ተዋሒጦም ከምዘሎዉ ብምግንዛብ፡ ዝሓሸ መንፈሳዊ ጉስንት ኪረኽቡ ከምዘድሊ ብምእማን፡ ካህናትን ድያቆናትን ዓስቦም ካብ ጎይታ መድኃኔ ዓለም ዓቢ ምዃኑ ብምርዳእ፡ ከቢድ ጻዕርን ተወፋይንትን ኪገብሩ ተማሕጺኑ። ምእመናን ድማ ኣብዚ ከቢድ ናይ ፈተነ እዋን ስለ ህላወን ሓድነትን ቤተክርስትያን ኣዘውቲሮም ኪጽልዩ፡ ካብ ጽልእን ባእስን ምክፍፋልን ኪዕቀቡ፡ ጽድቂ ሓቂ ሒዝካ ጥራሕ እያ ትርከብ እሞ ኣብ ሓቂ ደው ኪብሉ ጉባኤ ካህናት ተማሕጺኑ።

ዝርዝር ትሕዝቶ ውሳኔታት ጉባኤ ካህናት፡ ድሕሪ እቲ ዓቢ ምድላዋት ክግበረሉ ዝጸንሐ ኣብ ኦክላንድ ቅድስቲ ማርያም ግብጺ ኣብ ሓምለ 27-30, 2006 ዝካየድ ሻምናይ ዓመታዊ ጉባኤ ኣመንቲ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተክርስትያን ኤርትራ፡ ንኡስ ሃገረ ስብከት ሰሜን ኣመሪካ፡ ብዕሊ ክግለጽ ምዃኑ ነዘኻኻር።

ጉባኤ ካህናት፡ ኤርትራ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ፡ ንኡስ ሃገረ ስብከት ሰሜን ኣመሪካ

ሓምለ 15, 2006 (ሓምለ ፰, ፩፺፻፺፰ ግእዝ)

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div