S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ጸልማት ቦታ ሞት ኢዩ፥ ብርሃን ድማ ቦታ ሕይወት ኢዩ!

ቃል ብቕድሙ ነበረ፥ እቲ ቃል ድማ ኣብ ኣምላኽ ነበረ፥ እቲ ቓልውን ኣምላኽ ነበረ። …. ሕይወት ኣብኡ ነበረት፥ እታ ሕይወት ከኣ ብርሃን ሰብ ነበርት። ብርሃንውን ኣብ ጸልማት የብርህ፥ ጸልማት ከኣ ኣይሰዓሮን። ዮሓ 11-5 እዚ ጥቕሲ ካብ ቅዱስ ወንጌል ዝተወስደ ቃል ኢዩ። ካብዚ ክንመሃሮ ዝግብኣና ድማ ሕይወት ሰብ ካብ ብርሃን ኣምላኽ ከም ዝተፈጥረትን ኣብ ብርሃን ክትነብር ከም ዝተመደበትን ይነግረና። እወ ኣቦና ኣዳምውን ኣብቲ ምሉእ

ዕረፍትን፥ ሰላምን፥ ሓጎስ ዝርከቦ ገነት ዝበሃል ቅዱስ ስፍራ ምስ ልዑል እግዚኣብሔር እናተዛረበ ብጸጋ መንፈስ ቅዱስ ጉዕዞ ሕይወቱ ከም ዝጀመረ ንኹልና ይርድኣና ኢዩ። እንተኾነ ግና ኣቦና ኣዳም በቲ ናብ ጸልማት ሞት ዝተደርበየ ሰይጣን ተታሊሉ ካብ ሰማያዊ ርስቱ ገነት ከም ዝወጸ ቅዱስ ጽሑፍ የገልጸልና።

ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ቅድሚ ናብዛ ዓለም ምምጽኡ ኣብዛ ዓለም ብርሃን ሓቂ ኣይነበረን። ከምኡውን ጎይታ ካብዛ ዓለም ናብ ሰማይ ክዓርግ ከሎ ጸልማት ኣይሓደገን። ምኽንያቱ እቲ ‘’ብርሃንውን ኣብ ጸልማት የብርህ፥ ጸልማት ግና ኣይሓዞን’’ ዝብል ጥቅሲ ስለ ዘሎ። ወላ እዃ እግዚኣብሔር ኣምላኽ ኣብዛ ምድሪ ንኹሉ ዝኸውን ብርሃን ሕይወት እንተ ኣወጀ፥ ሕጂውን ጸገም ናይዛ ዓለም ኣብቲ ‘’ብርሃን ናብ ዓለም መጸ፥ ደቂ ሰብ ግና ግብሮም ክፉእ ስለ ዝኾነ ካብ ብርሃን ጸልማት ፈተዉ’’ ዝብል መልእኽቲ ዝጠቓለል ኢዩ። ናይ ወዲ ሰብ ተደጋጋሚ ጌጋ ምርጫ ካብ ሓቂ ሓሶት፥ ካብ እምነት ጥልመት፥ ካብ ሕይወት ሞት፥ ካብ ብመገዲ ጽድቂ ብመገዲ ኃጢኣት እናተጓዕዘ ንጸጋ ብርሃን ተሓሲሙ ኣብ ረብሓ ዘይርከቦ ምድራዊ ምርጫ ኮለል ይብል ከም ዘሎ ካብ ማንም ሰብ ዝተሰወረ ኣይኮነን። ዮሓ 319

እምበኣር ሕጂውን ኣብ ዝጸልመተ ኣእምሮኻ፥ ዝሰንከለ ፍቓድካ፥ ዝደኸመ ሕልና ነፍስኻ ንልዑል ኣምላኽ ዝኸውን ንእሽቶይ ጊዜን ቦታን እንተ ፈቒድካሉ ናብቲ ዝጸልመተ ሕይወትካ ኃይሊ ብርሃኑ ብምስዳድ ናብ ብርሃን መዓልቲ ክልውጦ ይኽእል ኢዩ። ሕያዋይ ጎይታ ‘’እንሆ ኣብ ኣፍ ደገ ኮይነ ማዕጾ ኳሕኳሕ አብል ኣሎኹ፥ ሓደ እኳ ድምጸይ ሰሚዑስ ማዕጾ እንተ ኸፈተለይ፥ ናብኡ ኽኣቱ ምስኡ ኣብ መኣዲ ኺቕመጥ እየ፥ ንሱውን ምሳይ ክቕመጥ ኢዩ’’ ይብል ኣሎ።ራ.ዮሓ 320. ይኹን እምበር ብዙሓት ሰባት ካብ መንፈሳዊ ብርሃን ርሒቖም ኣብ መገዲ ጸልማት፥ ተጨኒቖም፥ ፈሪሖም፥ ሓዚኖም፥ ዕውንውን እናበሉ ይነብሩ ኣለዉ። ግደ ሓቂ ክንዛረብ እንተ ኾንናውን ጥቕሚ ናይ ብርሃን ዝያዳ እዞም እንርኢ እቶም ዓይነ ስዉራን ምተዛረቡ ነይሮም። ኣምላኽ ከድሕነና ምስ መደበ ካብ ጸልማት ናብ ብርሃን ምእንቲ ክንወጽእ መድኃኒ ክርስቶስ ሂቡና ኣሎ።

ስለዚ ነቲ ነቢይ ኢሳይያስ ‘’እቲ ኣብ ጸልማት ዝመላለስ ህዝቢ ዓቢይ ብርሃን ረኣየ፥ ነቶም ኣብ ምድሪ ድነ-ሞት ዚነብሩውን ብርሃን ኣብርሃሎም’’ (ኢሳ 92) እናበለ ኣቐዲሙ ብትንቢት ዝተነግረ ናይ ተስፋ መልእኽቲ ተረዲእና፥ ካብ ጸልማት ብርሃን፥ ካብ ሞት ሕይወት፥ ካብ ምስ ሰይጣን ምስ ኣምላኽ  ክንመርጽ ሎሚ ልባዊ ጣዕሳን ንስሓን የድልየና ኣሎ። ከመይሲ ‘’እግዚኣብሔር ብርሃን ኢዩ፥ ኣብኡ ኸኣ ጸልማት ዝብልዎ ከቶ የልቦን። ምስኡ ሕብረት ኣሎና እናበልና ኣብ ጸልማት እንተ ነበርና ንሕሱ፥ ሓቂውን ኣይንገብርን ኢና ዘሎና። ከምቲ ንሱ ኣብ ብርሃን ዘሎ፥ ኣብ ብርሃን እንተ ነበርና ግና ንሓድሕድና ኅብረት ኣሎና’’ ብመገዲ ብርሃን ሓቢርናውን ናብ መንግስቲ ኣምላኽ ክንኣቱ መሰል ክወሃበና ኢዩ።( 1ዮሓ 15)

ፊልጶስ ዘደብረ ቢዘን

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div