S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

እንቋዕ ብደሓነ ሰላም ናብ ዕለተ ልደተ ክርስቶስ ኣብጽሓና

ኣብ ስደትን ኣብ ን እትርከቡ ፍቁራን ምእመናንን ምእመናትን። 

"ሕፃን ተወልደ ለነ ወልድ ተውህበ ለነ" ሕፃን ተወሊዱልና ወዲ ተዋሂቡና (ኢሳ 9:6)። ጐይታናን ኣምላኽናን ኢየሱስ ክርስቶስ ትንቢት ነቢያት፡ ፍጹም ንምግባር ኣብ ምዱብ ጊዚኡ፡ ካብ ሰማየ ሰማያት ወሪዱ ካብ ቅድስት ድንግል ማርያም ተወሊዱ፡ ብሥራት ሓጎስን ሓርነትን ዝለበስናሉ ዕለተ ልደተ ክርስቶስ (2001 .ም.ግእዝ) እንቋዕ ብደሓነ ሰላም ኣብጽሓና።

ዝለመንካዮ ዘይከልእ፡ ዝሓተትካዮ ዘይርስዕ ኣምላኽና፡ ዓሚ ናብዚ ዕለት’ዚ ንኸብጽሓና፡ ብዝለመናንዮን ዝሓተትናዮን ኣብዚ ቅዱስ ዕለት ኣብጺሑና ኣሎ። እዚ ሎሚ እነብዕሎ ዘሎና ዕለተ ልደት ክርስቶስ፡ ካብ ኩሉ በዓላት ፍሉይን ብሉጽን ዝገብሮ፡ ድኹም ስጋ ኃይል ዝለበሰሉ፡ ኃያል መለኮት ድማ ምስ ድኹም ሥጋ ዝተወሃደሉ ክቡርን ኣዝዩ ዓሚ መለኮታዊ ምሥጢር ዝኃዘ ዕለት እዩ።

እቲ ሰማይ ዝፋኑ ምድሪ መርገጽ እግሩ ዝኾነ ክርስቶስ፡ ኩሉ ክብሩ ገዲፉ ኣብ መብልዕ ማል ዝተወልደሉ፡ ብእስትንፋስ ኣድግን ላሕምን ዝሞቖሉ፡ ኣዝዮም ንዑቓት ዝበሃሉ ኅብረተ ሰብ ጓሶት ምስ መላእኽቲ ሓቢሮም ዝዘመሩ፡ ድኹምን ንዑቕን ዝተባህለ ካብ ሓመድ ዝተላዕለሉ ቅዱስ ዕለት እዩ። ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብቲ ጽንኩር ጊዜ ዘመን ጸልማት፡ ሰብ ንሰብ ኣራዊት ዝኾነሉ ዘመን፡ ቁሊሕ ኢልካ ረዳኢ ኣብ ዘይርከቦ እዋን፡ ብኽያት መሳኪን ሰሚዑ ምእንቲ ፍቕሪ ሰብ ካብ ሰማያት ወረደ።

ፍቁራን ምእመናንን ምእመናትን፡ በዚ ዕለት እዚ እምበኣር ኣብ ልቢ ኩላትና ክሰፍር ዝግብኦ ጉዳይ፡ እቲ ኣብ መብልዕ-ማል ዝኃደረ ክርስቶስ፡ ከምቲ ቅዱስ ሓዋርያ ጳውሎስ ዝተቐሶ "ንስኻትኩም ማኅደር መንፈስ ቅዱስ ቤት መቕደስ ሕያው ኣምላኽ ኢኹም" ዝተባህለ፡ ልብና ማኅደር ኣምላኽ ከም መብልዕ ማል ዝዓረፈሉ ክዓርፈሉ ክፉት ልቢ ንጹህ ሕልና፡ ቅኑዕን ሓቀኛን እምነት ሒዝና ደው እንብለሉ ዕለት እዩ።

ፍቁራን ምእመናንን ምእመናትን፡ ኣብዚ ጥልመትን ክሕደትን፡ ሓሶትን ጥበራን፡ ምትላልን ዓመጽን፡ ኲናትን ስንክልናን፡ ጥሜትን ስእነትን፡ ማእሰርትን ሞትን ወረ-ኲናትን ስደትን ዝገነነሉ ሰዓት፡ ኣብ ሃይማኖትና ጸኒዕና ብእምነት ደው ክንብል ብፍቕርን ጸሎትን ክንነቅሕ ሓደራ ል።

ኣብ ቅድስት ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ወሪዱ ዘሎ ሰይጣናዊ ፈተና፡ ብጸሎትን ምህልላን ክንፈትሖ፡ እግዚኣብሔር ንብፁዕ ወቅዱስ ኣቡነ እንጦንዮስ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ወፓትርያርክ ዘሃገረ ኤርትራ ብጥዕናን ሰላምን ክሕልዎም ብጸሎት ክንተግህ መንፈሳዊ መልእኽትና ነመሓላልፍ።

ደጊምና, ቅዱስ በዓል ልደተ-ክርስቶስ ይግበረልና።
ቆሞስ ከሰተ ገብረሚካኤል,
ኣቦ መንበር ንኡስ ሃገረ ስብከት ሰሜን ኣሜሪካ።

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div