በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሓዱ ኣምላክ ኣሜን።
ፍትዋት ኣኅዋተይ ካህናት፡ ዲያቆናትን ምእመናንን፡ እንቋዕ ናብ እዚ ርእሰ በዓላት ዝኾነ በዓል እዚ ብሰላም ኣብጽሓና ኣምላክ።
በቲ መጀመርያ ዘመን ክርስትና ዝነበሩ ሰባት፡ ስለ ትንሣኤ ካብ ምዉታት ኪንገሮም እንከሎ፡ ገለ ይሳለቑ (ይሕጭጩ ) ነበሩ (ግብ.ሓዋ. ፲፯፡ ፴፩)። ይኹን ደኣ እምበር ካብ እቶም መራሕቶም እኳ በቲ ትምህርቲ እቲ ደኣ ይኣምኑ ነበሩ (ግብ.ሓዋ. ፲፯፡፴፬)። ገለ ከኣ ንምንታይ ክርስቶስ ካብ ምዉታት ተንሢኡ፡ ተባሂሉ ትምህርቲ ተዋህበ ኢሎም ነቦታትና ሓዋርያት፡ ኣብ ሓለዋ (ማእሰርቲ) ዘእተዉ፡ ዘጠንቀቑ፣ ዝገረፉ ነበሩ። ቁጽሪ እቶም ኣመንቲ ግና ፴፻ (3000) ኮነ (ግብ.ሓዋ. ፪፡፵፩። ተቓውምኦም ግና ቀጸለ ቁጽሪ ኣመንቲ ከኣ ፶፻ (5000) በጽሐ (ግብ.ሓዋ.፬፡፬)።
ሓደ መዓልቲ ንሓዋርያት ንምቕታል (ግብ.ሓዋ. ፭፡፴፫) ዕዉር ብምራን፣ ሓንካስ ብምንርኩስ ተኣከቡ፣ ሓዋርያት ካብ ሓለዋ ብህጹጽ ተጸውዑ። ብዙኅ ወቀሳታት ተዘርበ።
ከይጸበበ ኣይርሁን እዩ እሞ፡ ኣብ እዚ ኩሉ ጸበባ እዚ፡ ኣይሁድ ዝኣምንዎ ሰብ ንሓዋርያት ዚሕለቕ ሕግን ፍትሕን ዝኽእልን ዝፈልጥን ነታ ሓቂ ዚፈልጣን ዚገብራን እተማህረ ሰብ (ሂለል ሃዛቀን) ዝኾነ መምህር ኦሪት ገማልኤል ተላዒሉ፡ እዚ ምኽሪ እዚን እዚ ግብሪ እዝን ካብ ሰብ እንተ ኾይኑ ክፈርስ እዩ፡ ካብ ኣምላኽ እንተ ኾይኑ ግና ግብሮም ከተፍርሱ ኣይትኽእሉን ኢኹም ምስ ኣምላኽ ከይትበኣሱ( ግብ.ሓዋ. ፭፡፴፬- ፴፱)።
ብካልእ ጊዜ ከኣ ወዲ ጠርሴስ ካብ ነገደ ብንያም ተመሃሪ ገማልኤል (ግብ.ሓዋ.፳፪) ዝኾነ፡ ሳውል ኣነ እንከለኹ እዚ ሃይማኖት እዚ ኣይነብርን እዩ ኢሉ ኣብ ኢየሩሳሌም ዝነብሩ ዝነበሩ ውሒዶም ናብ ደማስቆ ጎየየ። ካብ ሊቃነ ካህናት ነታ ማኅበር ከጥፍእ ፍቓድ ተቐቢሉ (ገላ.፩፡ ፲፫- ፲፬፡ ግብ.ሓዋ. ፱፡፪)(ልቢ ጎበዝ ኣብ ደረቱ ከምዝበሃል)ሰባት ንኽኣስር ናብ ደማስቆ ከደ። ሊቃነ ካህናት፣ ሰብን ስንቅን ከይወሰኹሉውን ኣይተርፉን።
ኃይሊ ኣሎኒ ኢሉ ካብኡ ዚኅይል ኣብ መገዲ ተጸበዮ። ጐይታና፣ ርእይዎ ዘይፈልጥ ሰማያዊ ባውዛ ፈነወሉ። እዚ ጥራሕ ኣይነበረን ነቶም ምእመናን ዘፋጥጠሎም ዝነበረ ኣዕይንቱ ብርሃኑ ተሰወረ። በቲ ምእመናን ኪኣስረሉ ኢሉ ኂዝዎ ዝነበረ ገመድ፡ ተመሪሑ ናብ ከተማ ደማስቆ በጽሐ (ግብ. ሓዋ. ፱፡፰)። ወዮ "እሩቅ ብእሲ" እዩ፣ ኣይተንሥአን፣ ዝብሎ ዝነበረ ጐይታና ድማ ከም ዝተንሥአ ኣረጋገጸሉ። ጉያኡ ክሳብ ዚውድእ፡ ምእመናን ንምብዛኅ ጐየየ (፪ጢሞ. ፬፡፯)። ወዮም ብዝተንሥአ ጐይታ ዝኣምኑ ከኣ ቁጽሮም ኣእላፋት እናኾነ ከደ(ግብ.ሓዋ.፳፩፡፰)።
በዓል ትንሣኤ ከምቲ ቅዱስ ዮሓንስ ኣፈወርቂ ዝበሎ ርእሰ በዓላት እዩ። ኣልኣዛር ካብ ምዉታት እንተ ተንሥአ ነዓ ውጻእ ተባሂሉ እምበር ባዕሉ ኣይተንሥአን። (ዮሓ.፲፩)። ኣቦታትና ሓዋርያት ናብ ሥራሕ ቅድሚ ምውፋሮም ንሓዋርያ ማትያስ ኣብ ክንዲ ይሁዳ ዝመረጽዎ ብትንሣኤ ክርስቶስ ንኽምስክር እዩ (ግብ. ሓዋ.፩፡፳፪)።
ኣብዚ ኣብ ትንሣኤ ለይቲ እተሰምዕዎ መልእኽቲ ሓዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ (፩ ቈሮን ፲፭) እቲ ኩሉ ምሳሌ ሂቡ ዝተጻሕፈ ንትንሣኤ ንምብራህ እዩ። ሓዋርያ ቅዱስ ጴጥሮስ ከኣ ነቶም ካብ ፍልስጥኤም ወጻኢ ዝነብሩ ዝነበሩ ክርስቶስ ሓንሳእ ስለ ኃጢኣትና ብሥጋ ሞተ ብመንፈስ ግና ሕያው ኮነ ኢሉ ዝተጻሕፈሎም( ፩ጴጥ.፫፡፲፰)ነኣና’ውን ትምህርቲ ኮይኑና ኣሎ። ሓዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ናብ ተማሃሪኡ ቅዱስ ጢሞቴዎስ ኣብ ዚጸሓፎ መልእኽቱ ከምዚ ይብል። “ነቲ ከም ወንጌል ካብ ዘርኢ ዳዊት ዝኰነ ካብ ምዉታት ዝተንሥአ የሱስ ክርስቶስ ዘክሮ።”(፪ጢሞ.፪፡፰)። ቅዱስ ዮሓንስ ሓዋርያውን ኣብቲ ዝጸሓፎ መጽሓፈ ራእይ ፩፡፲፰። “ኣነ እቲ ቀዳማይ እቲ ዳሕራይን እቲ ሕያውን እየ እሞ፡ ኣይትፍራሕ። ሞይተውን ነበርኩ እነሆ ከኣ ንዘለዓለም ዓለም ሕያው እየ።”
እቲ ዝጥመቕ ሰብ ኩሉ ከኣ ብትንሣኤ ምውታን ክኣምን ኣለዎ። ኣብቲ ጸሎተ ሃይማኖት "ወንሴፎ ትንሣኤ ሙታን” ብትንሣኤ ምዉታን ተስፋ ንገብር”። እንብሎ፡ እቲ ትንሣኤ ዓቢይ መልእኽቲ ስለ ዝኾነ እዩ።
ጽቡቕ በዓል ይግበረልና ኣምላኽ።
ነደ ሥዉዕ፡ ኃፍቲ ሥዉዕ፡ ጓል ሥዉዕ ጽንዓት የሃበልና ኣምላክ። ነፍሲ እቶም ሥዉዓት ይምሓረልና።
ዝጐዪ መንእሰይ፡ ዝመክር ዝገንሕ ዘጸናንዕ ሽማግለ፡ ፍርዲ ዘየጉድል በላዕቲ ጉቦ ዘርሕቕ መራሕ ሃገር ኣየጥፍእ ኣምላክ።
ብጸሎት እዞም ኣቦታት።
ፖፕ ሺኖዳ 3ይ ናይ እስክንድርያ።
ቀዳማይ ቅዱስ ኣቡነ እንጦንዮስ ፓትርያርክ ናይ ኤርትራ ኦርቶዶክስ ቤተ ክርስቲያን ።
ጸጋ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ምስ ኩልና ይኩን።
መቃርዮስ ኣቡን።
ኣብዚ ሎሚ ዝተነበበ ወንጌል፡ (ማቴ 1፡1-18) ማቴዎስ ኣብ ጽሑፍ ብዛዕባ ፍጻሜ ትንቢታት ኣዝዩ ዝተገደሰ ሰብ እዩ። ማለት ንብሉይ ኪዳንን ሓድሽ ኪዳንን እናተሓሓዘ እዩ ጽሒፉ። እዚ ከኣ ነቲ መለኮታዊ መበቆል ናይቲ ጽሑፍ የረጋግጸልና። ማቴዎስ ኣብ ወንጌል ናይ 12 ትንቢታት ፍጻሜ ጠቒሱ ኣሎ (ማቴ 1፡22፣ ማቴ 2፡15,23፣ ማቴ 3፡1-5፣ ማቴ 4፡14፣ ማቴ 5፡17፣ ማቴ 8፡17፣ ማቴ 12፡17፣ ማቴ 13፡14,35፣ ማቴ 21፡4፣ ማቴ 27፡9)። ኣቐዲሙ መንፈስ ቅዱስ ብኣፍ ነብዪ ኢሳይያስ ዝገለጾ ትንቢት ነይሩ (ኢሳ 7፡14)። ኣብዚ ትንቢት እዚ ክርስቶስ ዝጽወዓሉ ካልእ ስም፡ ኣማኑኤል ዝብል፡ ተጠቒሱ ኣሎ። ኣማኒኤል ማለት ኣምላኽ ምሳና ማለት እዩ። ክርስቶስ ማለት መድሓኒት ማለት ኮይኑ፡ ተግባሩ ክገልጸልና ከሎ፡ ኣማኒኤል ከኣ መለኮታዊ መንነቱ ይገልጸልና። ጐይታ ብዘይካ እዚኣቶም ኻልኦት ኣዝዮም ብዙሓት ዝጽወዓሎም ስማት ኣለውዎ። ብስሙ ሰባት ካብ ፍርዲ ይድሕኑ (ዮሃ 3፡18) ኣጋንንቲ ይወጹ (ማር 16፡17) መከራ ይቕበሉ (ግብ 5፡41) ድሌቶም ይረኽቡ (ዮሃ 16፡24)። ምኽንያቱ እዚ ስም እዚ ልዕሊ ዂሉ እዩ (ፊሊ 2፡9-11)።
እቲ ኣብ ትሕቲ ገማልኤል ኰይኑ ሕጊ ኦሪት ብግቡእ ዝተማህረ ሳኦል ዝተባህለ ራባይ፡ ዳሕራይ ሓዋርያ ጳውሎስ ዝተባህለ “እቲ ቀዳማይ ሥርዓት እኹል ነይሩ እንተ ዝኸውን፡ እቲ ዳሕረዋይ ድኣ ንምንታይ ኣድለየ”፧ (እብ፡7፡11) ክብል ሕቶ ዘቕረበሉ ምኽንያት፡ ቅድም በቲ ኣብ ትሕቲ ገማልኤል ኰይኑ ክመሃር ከሎ ኣድላይነት ሕጊ እምበር ኣድላይነት ጸጋ ኣይተራእዮን። ኣድላይነት ሕጊ ደረት ከም ዝነበሮ ኣብ ጸጋ ኰይኑ ምስ ረኣዮ ግና፡ እቲ ቀዳማይ ሥርዓት ንምልእቲ ዓለም ዘይኰነስ ንድሩት ዓሌት ጥራይ ከም ዝመጸ ምስ ኣስተውዓለ፡ እኹል ኣይነበረን ጥራይ ዘይኰነ፡
ኩልና ከም ንፈልጦ ዝኾነ ሰብ ኣብ ዝመረጾ ቦታ ክህሉን ክነብርን እግዚኣብሔር ነጻ ምርጫ ሂቡና ከም ዘሎ ዘጠራጥር ኣይኮነን። ይኹን እምበር እቲ ዝጠቕመናን መንፈሳዊ ረብሓ ዘለዎ ስፍራን ግና ኣብ ቤት ኣምላኽ ምዃኑ
መልእኽቲ ናብ ኵሎም ኦርቶዶክሳውያን ምእመናን፡
ካብ እግዚኣብሔር ኣቦናን ካብ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ጸጋን ሰላምን ምስ ኵላትና ይኹን እናበልና፡ ናይ ኤርትራ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን መንበረ ጵጵስና ሃገረ ስብከት ሰሜን ኣሜርካ ብዘውጽኦ መደብ መሠረት፡ ሠናይ ድሌት ምእመናን ምስ ምምሕዳር ሰበኻ ጉባኤ ቅዱስ ገብርኤል ቤተ ክርስቲያን ኒው ዮርክ ኮይኑ፡ እቲ ዓቢይ መበል 12 ዓመታዊ ጉባኤ ሰሜን ኣሜሪካ ኣብታ ዓባይ ከተማ ኒው ዮርክ ብኤርትራዊ ጳጳስ ብፁዕ ኣቡነ መቃርዮስ እናተመርሐ ብምዕሩግ ኣገባብ ክካየድ ሰፊሕ ምድላው ይግበር ከም ዘሎ ብሓጎስ ክንሕብር ንፈቱ።
ብኣቛጻጽራ ግዕዝ ካብ ታሕሳስ 21 ክሳብ ታሕሳስ 27 “ኖላዊ” ተባሂሉ ይጽዋዕ። “ኖላዊ ዘመጽአ ውስተ ዓለም ( ናብ ዓለም ዝመጸ ሕያዋይ ጓሳ) ማለት እዩ። እዛ ሰንበት እዚኣ ሳልሰይቲ ሰንበት ኮይና፡ ኖላዊ ማለት ሓላዊ ጓሳ ኮይኑ ነብያት ሓቀኛ ጓሳ ኮይኑ ወዲ እግዚኣብሄር ክመጽእ እዩ፡ ኢሎም ምንባዮምን፡ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ከኣ ሓቀኛ ጓሳ ምኳኑን እንዳዘከረት ቅድስቲ ቤተ ክርስትያን ትዝምሮን፡ ትቅድሶን፡ ተመስግኖን መዓልቲ እዩ። ኣብዚ ሰሙን እዚ እምበኣር፡ ቤተ ክርስትያን ንምእመናን ተመሓላልፎ ትምህርቲ ከምቲ ዘማራይ ዳዊት “ዎ ጓሳ እስራኤል፡ ጽን በል። ንዮሴፍ ከም መጓሰ እትመርሖ፡ ኣታ አብ ልዕሊ ኪሩቤል እትቕመጥ፣ በሪህካ ተገለጽ።” እዚ ማለት እቲ ነብያት ዝተነበይዎ ትማልን፡ ሎምን፡ ንዘልኣለም ህያው ዝኮነ፡ ሓቀኛን እሙንን ጓሳ ጐይታ፡ ብርሃንን ሓቅን ኮይኑ ይምርሓና፡ከምቲ ንህዝብካ ኣብ ዘመናት ዝመራካ ምርሓና፡ በሪህካ ተገለጽ ንምባል እዩ። ሎሚ እቲ ንዓና ዝተዋህበና ሕያዋይ ጓሳ ኣነ ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ህይወትና ከመይ ከም ዘሎ፡ ብመሰረት ቃል እግዚኣብሄር ንህወትና ምርኣይ ኣገዳሲ ስለዝኮነ እዩ፡ እዚ ጽሑፍ ተዳልዩ ዘሎ እሞ ሰናይ ንባብ ይግበረልና።
ኩሉ ወዲ ኣዳም ናይ ባሕርይ ስሙ ሰብ ከም ዝበሃል ዘካትዕ ኣይኮነን። ይኹን እምበር ናይ ግብሪ ስሙ ግና ዝተፈላለየ ክኸውን ዝከኣል ነገር እዩ።ምኽንያቱ ገለ ኣብ ሥራሕ ጽድቂ ገለ ድማ ኣብ ሥራሕ ጸይቂ፥ ገለ ኣብ ህንጸት፥ ገለ ድማ
ብብፁዕ ኣቡነ መቃርዮስ ሊቀ ጳጳስ ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ መንበረ-ጵጵስና ሰሜን ኣሜሪካ
ብኣቛጻጽራ ግዕዝ ካብ ታሕሳስ 14 ክሳብ ታሕሳስ 20 “ ብርሃን” ተባሂሉ ይጽዋዕ። ኣብዚ ዕለታት ዝዝመር መዝሙር ከአ፡ “ዘብርሃን አቅዲሙ ነገረ በኦሪት” (እቲ ብርሃን ብኦሪት ኣቐዲሙ ተነግረ) ዝብል እዩ። እዚ ካብቲ ዘመነ ስብከት ተባሂሉ ዘሎ ካልኣይ ሰንበት እዩ። ኣብ ኦሪት ነብያት ናይ ነብሶም ብርሃን ዝኮነ ክወርድ ፡ ክውለድ እዩ ኢሎም ስለ ምስባኮም፡ ሓቀኛ ብርሃን ክመጽእ እዩ፡ ኢሎም ስለ ምንባዮም፡ ዝዝከረሉ መዓልቲ ኮይኑ ፡ኢየሱስ ክርስቶስ ሓቀኛ ብርሃን ሙዃኑ ብመዛሙር ይስብክን ይምስገን ። ኣብዚ ሰሙን እዚ እምበኣር፡ ቤተ ክርስትያን ንምእመናን ተመሓላልፎ ትምህርቲ ከምቲ ዘማራይ ዳዊት ዝበሎ “ብርሃንካን ሓቅኻን ልአኽ፡ ንሳተን ይምርሓኒ፡ ናብ ቅድስቲ ኸረንካን ናብ ማሕደራትካን የብጽሓኒ። ሽዑ ናብ መሰውኢ ኣምላኽ፡ ናብ ኣምላኽ ደስታይን ታሕጓሰይን ክአቱ እየ።” እዚ ማለት እቲ ነብያት ዝተነበይዎ ትማልን ፡ ሎምን፡ ንዘልኣለም ህያው ዝኮነ፡ ብርሃን ሓቂ ጐይታ፡ ብርሃንን ሓቅን ኮይኑ ይምርሓና፡ ናብቲ ሰማይ ዘእትዋ ንሳተን እየን እሞ ንምባል እዩ። ሎሚ እቲ ንዓና ዝተዋህበና ብርሃን ዝኾነ መሰል ውልድነት ነብያትን ሃዋርያትን ኩሉ ኣብ ዘመናት ዝሓለፉ ኣገልግልቲ ኣምላክ ዝመሃርዎ፡ ኣብ ህይወትና ከመይ ከም ዘሎ፡ ብመሰረት ቃል እግዚኣብሄር ንሂወትና ምርኣይ ኣገዳሲ ስለዝኾነ እዩ፡ እዚ ጽሑፍ ተዳልዩ ዘሎ እሞ ሰናይ ንባብ ይግበረልና።
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ