S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

እቲ መርዓዊ ኪዓቢ ይግባእ!

ኣቕሊብናሎም እንተሊና፡ ናይዚ ዕለት እዚ ንባባትና ብዘይካ ግብረ ሃዋርያት፡ ኵላቶም መርዓዊ-ጠቀስ እዮም። መዝሙር ሊቃውንትናውንትዌድሶ መርዓትዚብልዩ። መጥምቀ መለኮት ቅዱስ ዮሓንስ፡መርዓዊዚብሎ ዘሎ ንጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ እዩ።መርዓትዚብላ ዘሎ ድማ ንቕድስቲ ቤተ ክርስቲያን እዩ። ንገዛእ ርእሱ ድማዓርኪ መርዓዊብምባል ገሊጽዋ ኣሎ። ቅዱስ ዮሓንስ ነዚ ዓብይ መልእኽቲ እዚ ዚዛረቦ ዘሎ ደቀ መዛሙርቱ መጺኦም ንኣታቶምኣሻቓሊዀይኑ ዝረኸብዎ ዜና ምስ ነገርዎ እዩ።

ኣብቲ ዘመን እቲ፡ ዮሓንስ፡ እቲ ህዝቢ ኸም ሓደ ዓብይ ነብዪ ተቐቢልዎስ ኵሉ ህዝቢ ናብኡ ወጺኡ ትምህርቱ ዚስምዓሉን ብእኡ ዚጥመቐሉን ዘመን እዩ ዝነበረ። ቅድሚ ዮሓንስ መጥምቕ ምምጽኡ ዝነበረ 400 ዓመታት፡ እግዚኣብሄር ዝዀነ ነብዪ ዘየተንስኣሉን ንህዝቡ ዘይተዛረበሉን ናይ ስቕታ ዘመን ነበረ። ሊቃውንቲ መጽሓፍ ቅዱስ ነዚ ዘመን እዚዘመነ-ጸልማትኢሎም እዮም ዚጽውዕዎ። ኣብዚ ዓመታት እዚ ኣይሁድ ብኣርባዕተ ወረርቲ ግዝኣታት፡ ማለት ብፋርሳውያን (450-330 .) ብግሪኻውያን (330-166 .) ብሰሌውቃውያን ወይ ሓስምናውያን (166-63 .) ብሮማውያን (63 . ጀሚሮም) ዝተገዝኡሉ፡ ብቐጥታዊ ትእዛዝ ዀነ፡ ብተዘዋዋሪ ጽልዋ ኣምልኾ ጣኦት ኪኣምኑ ዝተስገደዱሉ ኽፉእ ዘመን እዩ ዝነበረ። ሃይማኖት፡ ኣይሁድ ተኸፋፊሉ ኣርባዕተ ጉጅለታት ዝዀነሉ፡ ፈሪሳውያንንን ሰዱቓውያንን ዝበቘሉሉ ዘመን ጸልማት ነበረ። ኣብዚ ዘመን እዚ እዩ እቲ ካብ ኵሎም ነብያት ዝዓበየ ምዃኑ ክርስቶስ ዝመስለረሉ ዮሓንስ ዚለዓል ዘሎ። እቲ ህዝቢ ድማ በቲ ደረቕ፡ መንፈስ ኣምላኽ ዝረሓቖ ስነ መለኮት ናይ ፈሪሳውያንን ሰዱቓውያንን ሰልክይዎ ብጥምየትን ጽምኣትን ናይ ሓቀኛ ቃለ እግዚኣብሄር ዝተሓለሉ ዘመን እዩ። ኣብ ከምዚ ዝበለ ዘመን፡ ቅዱስ ዮሓንስ በቲ ነብዪ ኤልያስ ዝዓየየሉ መንፈስን ሓይልን ተላዒሉ የገልግል ነበረ። ህዝቢ ድማ ፈሪሳውያንን ሰዱቃውያንን ከይተረፉ፡ ሰዓብዎ። ደቀ መዛሙርቱ ድማ በዚ ዕዉት ኣገልግሎት ናይ መራሒኦም ሕጉሳት ነበሩ። ጐይታና ብኢድ ዮሓንስ መጥምቕ ኺጥመቕ ከሎ ስለ ዝረኣይዎ፡ ዮሓንስ መጥምቕ ካብኡ ኸም ዚዓቢ ገይሮም ይርድኡ ነበሩ። ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ኣገልግሎቱ ምስ ጀመረ እሞ ኵሉ እቲ ናባታቶም ዚእከብ ዝነበረ ህዝቢ ንኣታቶም ሓዲጉ ናብኡ ኪኸይድ ርእዮም ቅንኣት ተሰምዖም እሞ፡ ገለ እንተ ገበረ ኢሎም ንመምህሮም ነገርዎ። እቲ መልሰ-ግብሩ ግና ከምቲ ዝተጸብይዎ ዀይኑ ኣይጸንሖምን። እቲ ኼጉህዮ ዝተጸበይዎ ዜና፡ ንእኡ ግና ብስራቱ ኸም ዝዀነ ብዜደንቕ ቃላት ገለጸሎም። እቲ ቕድሚ ሕጂ ንሱ ዝተዛረቦ፡ ግን ከኣ ንሳቶም ዘየስተውዓልዎ ቓላት ኣዘከሮም። ማእከላይ መልእኽቲ ናይቲ ዝሃቦም መልሲ ድማ “ክርስቶስ ኪዓቢ፡ ኣነ ድማ ኽንእስ ይግባእ” ዚብል ነበረ፡ ካብ ኣንስቲ ኻብ ዝተወልዱ ዅሎም ሰባት እቲ ዝዓበየ ዝገበሮ ድማ እዚ ኣተሓሳስባኡን ኣካይዳኡን እዩ። ምኽንያቱ እቲ ርእሱ ዜልዕል ኪዋረድ፡ እቲ ርእሱ  ዜትሕት ግና ልዕል ኪብል ዘይልወጥ መለኮታዊ ሕጊ እዩ።

ነፍሲ ወከፍ ክርስቲያን ኣገልጋልን ምእመንን ካብ ቅዱስ ዮሓንስ ኪመሃሮ ዚግባእ ዝዓበየ ትምህርቲ እምበኣር፡ ክርስቶስ ኪዓቢ ንሱ ግና ኪንእስ ምድላይ እዩ። እዚ ቕዱስ ድልየት እዚ ግና ብደረጃ ሓሳባዊ ባህጊ ወይ ትምኒት ዘይኰነስ፡ ኣሉ ብዘይ ይበሃል ግብራዊ ስጕምቲ እዩ ኺግለጽ ዚግባእ። ንክርስቶስ ጐይታኻ ንኸተዕብዮ፡ ከም ዮሓንስ መጥምቕ ወይ ከም ነብያትን ሃዋርያትን ናይ ህዝቢ መምህርን መራሕን ክትከውን ናይ ግድን ኣየድልን እዩ። ነዚ ዓብይ ተልእኾ እዚ ኣብ መንበሪ ቤትካ፡ ኣብ ናይ ትምህርትን ናይ ስራሕን ቦታኻ፡ ኣብ ኵሉ ማሕበራዊ ዝምድናታትካን፡ ርክባትካን ክትፍጽሞ ዚከኣል እዩ። ነቲ ናትካ ኣተሓሳስባ ደርቢኻ ሓሳብ ክርስቶስ ኣብ ልብኻን ኣእምሮኻን ኪገዝእ እንተ ኣፍቂድካሉ፡ ንክርስቶስ ኣዕቢኻ ንርእስኻ ኣንኢስካ ኸም ዘለኻ ዘየማትእ መረጋገጺ እዩ። ንሓሳብ ክርስቶስ ካብ ኣእምሮኻ ኣርሒቕካ፡ ኣብ ክንዳኡ ነቲ ሕሱር ሓሳብ ስጋኻ ከተአንግድ እንተ መሪጽካ ግን ንክርስቶስ ኣዋሪድካ ንርእስኻ ኣዕቢኻ ከም ዘሎኻ ኣይትዘንግዕ። ሓሳብ ስጋ ምስ ኣምላኽ ጽልኢ ከም ዝዀነን መወዳእታኡ ድማ ሞት ከም ዚወልድ ቃሉ ነጊሩና እዩ (ሮሜ 8፡5-7 ገላ 5፡16-18)። ነቶም ንሓሳብን ፍልጠትን ናይ ኣምላኽ ኣብ ኣእምሮኦም ኪሓስብዎ ከም ቍም ነገር ዘየቋጸርዎ፡ ዘይንቡር ኪገብሩ ኣምላኽ ንሕሱር ኣእምሮ ኣሕሊፉ ኸም ዚህቦም ብንጹር ተነጊሩና እዩ (ሮሜ 1፡28)። ስለዚ ሓሳብ ክርስቶስ ኣብ ኣእምሮና ኺገዝእ ብምፍቃድ፡ ነቲ መርዓዊ ነዕብዮ (ፊሊ 2፡5 1ቈረ 2፡15,16 ሮሜ 15፡5,6)።

ንክርስቶስ ጐይታና፡ ነቲ ቕዱስ መርዓዊ፡ ኸነዕብየሉ እንኽእል ካልእ መገዲ ድማ በቲ ብልሳንና እንዛረቦ ቓላት እዩ። ብልሳንና ኸነዕብየሉ እንኽእል ሓደ መገዲ፡ እቲ ንእኡ ዚግባእ ምስጋናን ውዳሴን ብምቕራብ እዩ። ብምስጋናን ውዳሴን ኸተዕብዮ ኸም ዚከኣል ቅዱስ ዳዊት፡ “ንእግዚኣብሄር ኵሉ ጊዜ እባርኾ፡ ውዳሴኡ ንሓዋሩ ኣብ ኣፈይ እዩ፡ . . . ንእግዚኣብሄር ምሳይ ኣዕብይዎ፡ ንስሙ ሓቢርና ልዕል ነብሎ” ብምባል ገሊጹልና ኣሎ (መዝ 34፡1,3)። ክርስቶስ፡ ጐይታን መድሓንን ምዃኑ ኣብ ቅድሚ ሰባት ብምእማንን ብምስባኽንውን ከነዕብዮ ይግብኣና። እንተ ብፍርሃት እንተ ብሕፍረት ንእኡ ከይሰበኽናዮ እንተ ተረፍና ግና ነንእሶን ነዋርዶን ኢና ዘሎና። ሃዋርያ ጳውሎስ፡ “እቲ ጽሑፍ፡ “ብእኡ ዚኣምን ዘበለ ኣይሓፍርን” ይብል እዩ እሞ፡ ሰብ ብልቡ ኣሚኑ ይጸድቅ፡ ብኣፉ ተኣሚኑውን ይድሕን እዩ። ስለዚ ብኣፍካ ኢየሱስ ጐይታ ምዃኑ እንተ ነገርካ፡ ብልብኻ’ውን ኣምላኽ ካብ ምውታት ከም ዘተንስኦ እንተ ኣመንካ፡ ክትድሕን ኢኻ።” ዝበሎ ቓል፡ ጐይትነት ናይ ክርስቶስ ከይሓፈርና ኽንሰብኮ ኸም ዚግብኣና ኣነጺሩልና እዩ (ሮሜ 10፡9-11)። ሃዋርያት ብወንጌል ኣይሓፈሩን፡ ንሕናውን ከይሓፈርና ብዛዕባኡ ብምምስካር ከነዕብዮ ይግብኣና (ሮሜ 1፡16 2ጢሞ 1፡8,12 1ጴጥ 4፡13-16)። እቲ ሳልሳይን ኣዝዩ ኣገዳስን ብልሳንና ኸነዕብየሉ እንኽእል መገዲ ድማ፡ በቲ ኣብ ንሓድሕድና እንገብሮ ማሕበራዊ ዝርርብ እዩ። እቲ እንዛረቦ ቓላት፡ ክርስቶስ ኪዛረቦ ዚኽእል ቅዱስን ብጸጋ ዝተቐመመን ዝርርብ እንተ ዀይኑ ብልሳንና ነዕብዮ ከም ዘሎና ኸነስተውዕሎ ይግባእ። እቲ ነብዪ ሚልክያስ፡ “ሽዑ እቶም ንእግዚኣብሄር ዚፈርሁ ንሓድሕዶም ተዛራረቡ፡ እግዚኣብሄር ከኣ ጽን በለ ሰምዐ’ውን፡ ነቶም ንእግዚኣብሄር ዚፈርሁን ንስሙ ኸኣ ዚሓስቡን ዚኸውን መጽሓፍ መዘከርታ ኣብ ቅድሚኡ ተጻሕፈ” ዝበሎ ቓል፡ ንሱ ጽን ኢሉ ኺሰምዖ ዚፈቱ ኣብ መጽሓፍ መዘከርታኡ ድማ ኬስፍሮ ዚደል ዘረባ ምዝራብ ንእግዚኣብሂር ከም ዜዕብዮ ዘመልክተና እዩ (ሚል 3፡16)። ዝመሰለካን ኣብ ኣፍካ ዝመጸልካን ትዛረብ እንተ ዄንካ ግና፡ ንእኡ ኸተዕብዮን ከተኽብሮን ፈጺምካ ዘይከኣል እዩ። ስለዚ ድማ፡ “ኦም ካብ ፍሪኡ ይፍለጥ እዩ እሞ፡ ነቲ ኦም ጽቡቕ ግበርዎ፡ ፍሪኡ ድማ ጽቡቕ፡ ወይስ ነቲ ኦም ክፉእ ግበርዎ፡ ፍሪኡ ድማ ክፉእ ይኸውን። ኣቱም ውሉድ ኣትማን፡ ኣፍ ካብ ምልኣት ልቢ ይዛረብ እዩ እሞ፡ ክፉኣት ክነስኹምከ፡ ከመይ ጌርኩም ጽቡቕ ምዝራብ ክትክእሉ፧ እቲ ሕያዋይ ሰብ ካብቲ ጽቡቕ መዝገብ ልቡ ጽቡቕ የውጽእ። ክፉእ ሰብ ከኣ ካብቲ ኽፉእ መዝገብ ልቡ ኽፉእ እዩ ዜውጽእ። ኣነ ግና፡ ብዘረባኻ ኢኻ እትጸድቕ፡ብዘረባኻውን ኢኻ እትዂነን እሞ፡ሰባት ዝዛረብዎ ዘበለ ዘይጠቅም ኲሉ ቓል ብመዓልቲ ፍርዲ ጸብጻብ ኪህቡሉ እዮም፡ እብለኩም ኣሎኹ።” ብምባል ጐይታ ኣጠንቀቐና። (ማቴ 12፡33-37) ሃዋርያ ጳውሎስ ድማ፡ “ንኣምላኽ ምስጋና እንተ ዘይኰይኑ፡ ዜሕንኽ ወይ ዜነውር ዘረባ ወይ ብዕሉግ ዋዛ ኻባኻትኩም ኪስማዕ ኣይግባእን እዩ። . . . ንነፍሲ ወከፍ ብቝዕ መልሲ ሂብኩም ምእንቲ ኽትክእሉ፡ ኣዘራርባኹም ኵሉ ሳዕ ብጸጋ ዝመልአ፡ ብጨው ዝተቓመመ ይኹን። . . . እቲ ንሰማዕቱ ንበረኸት ዚኸውን ከከም ዜድልዮም ከኣ ኪሃንጽ ዚኽእል ሰናይ ዘረባ ደኣ ተዛረቡ እምበር ዘይጠቅም ዘረባስ ካብ ኣፍኩም ኣይውጻእ።” ብምባል ብከመይ ንጐይታና ኸነዕብዮን ከነኽብሮን ከም እንኽእል ገሊጹልና ኣሎ (ኤፌ 4፡29 5፡4 ቈሎ 4፡6)። ከምቲ “እቲ ኻብ ርእሱ ዚዛረብ ክብረት ርእሱ እዩ ዚደሊ ግና፡ ንሱ ሓቀኛ እዩ፡ ኣብኡ ኸኣ ዓመጻ የልቦን። . . . ኣነ ኽብሪ ርእሰይ ኣይደልን እየ፡ . . . ምኽንያቱ ኣነ እቲ ዝለኣኸኒ ኣቦ ባዕሉ እንታይ ከም ዝብልን እንታይ ከም ዝዛረብን ዝኣዘዘኒ’የ ዝዛረብ ዘለኹ እምበር ካብ ርእሰይ ኣይኰንኩን።” ኢሉ ጐይታና ነቦኡ ኸም ዘኽበሮን ከም ዘዕበዮን ዝሓበረና፡ ንሕና’ውን ክንዛረቦ ዝተፈቕደልናን ዝተኣዘዝናዮን፡ ካብኡ ዝተቐበልናዮን ዝሰማዕናዮን ቃላት ጥራይ ብምዝራብ ንጐይታና ነዕብዮ (ዮሃ 5፡8 8፡50,54 12፡49)።

እቲ ሳልሳይን ኣገዳስን ንጐይታና ኣብ ህይወትና እነዕብየሉ መገዲ ድማ ብግብርና እዩ። ብኣፍና ኣዕቢናዮ ከነብቅዕ ብግብርና እንተ ኣዋሪድናዮ ዝኸፍአ ስለ ዝዀነ ብግብርናውን ከም ዘዕበናዮ ርግጸኛታት ክንከውን ይግባእ። ብከናፍርካ ኣኽቢርካ፡ ብግብርኻ ምጽራር ናብ ከቢድ ፍርዲ ኸም ዜውድቕ ኣብ ምሉእ መጽሓፍ ቅዱስ ዝተረጋገጸ ሓቂ እዩ (ኢሳ 29፡13,14) ብዛዕባ እስራኤል፡ “ብኣፎም ኣቀባጠሩሉ፡ ብመልሓሶም ድማ ሓሰውሉ። ልቦም ግና ናብኡ ኣይቀንዐን፡ ብኺዳኑውን እሙናት ኣይነበሩን።” ዚብል ዜሕፍር ምስክርነት ተዋሂቡ ኣሎ (መዝ 78፡36,37)። ብዛዕባ ይሁዳ፡ “ንስኺ ግና ገጽ ኣመንዝራ ስለ ዘሎኪ ምሕፋር ኣበኺ፡ ሕጂ ኸ፡ ‘ኣቦይ ንስኻ መሓዛ ንእስነተይ ኢኻ’ ኢልኪዶ ትጽውዓኒ ኣየሎኽን፡ እንሆ ከምዚ ኢልኪ ትዛረቢ፡ ግናኸ ክሳዕ ዚኣኽለኪ ኽፉእ ትገብሪ ኣለኺ።” ብዛዕባ ሰብ ቅሬጥስ’ውን፡ “ንኣምላኽ ከም ዚፈልጥዎ ባዕሎም ይብሉ፡ ፍንፉናት ዘይእዘዙን ንሰናይ ግብሪ ዘበለ ኵሉ ዘይጠቕሙን ብምዃኖም ግና በቲ ግብሮም ይኽሕድዎ ኣለው” ከም ዝተባህለ ንዘክር (ኤር 3፡3-5 ቲቶ 1፡16)። እግዚኣብሄር ድማ፡ ነዕብዮን ነኽብሮን ምህላውና ንኺመዝን ንልብናን ንግብርናን ከም ዚርኢ ብቓሉ ገሊጹልና እዩ (ዮና 3፡10)። ስለዚ ኣርኣያ ቕዱስ ዮሃንስ ስዒብና ብኣተሓሳስባናን ቃላትናን ተግባራትናን፡ ነቲ ቕዱስ መርዓዊ ነዕብዮን ነኽብሮን። ቅድስቲ ድንግል ማርያም’ውን “ታዐብዮ ነፍስየ ለእግዚኣብሔር (ነፍሰይ ንእግዚኣብሄር ተዕብዮ)’ ከም ዝበለት፡ ምስ ኵሎም ቅዱሳን ኴንና ብዅለንትናና ንርእስና እናኣዋረድና፡ ንእኡ ንበይኑ ነዕብዮ (ሉቃ 1፡46)። ምኽንያቱ እቲ ጻድቕ ጐይታ ኣብ ምድሪ ንዘዕበይዎ እሙናቱ ኣብ ሰማያት፡ ንዘለኣለም ዜዕብይን ዜኽብርን እሙንን ፍትሓውን ኣምላኽ እዩ እሞ። ኣብ ህይወትና ንእኡ ኸም ዚዓብይ ምግባር ምርጫና ንግበሮ

ጸጋ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ፍቕሪ ኣምላኽን ሕብረት መንፈስ ቅዱስን ምስ ኩላትና ይኹን።

ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜሪካ።

ዕለት፥  ሰንበት 13 ጥቅምቲ 2019 (ጥቅምቲ 2 , 2012 ግእዝ)

ናይቲ መዓልቲ ስብከት

መዝ 127/1282,3

ፍሬ ፃማከ ተሴሰይ ብፁእ ኣንተ ወሠናይ ለከ ብእሲትከ ከመ ወይን ሥሙር ውስተ ጽርሐ ቤትከ

ዕዮ ኣእዳውካ ኽትበልዕ ኢኻ እሞ፡ ብጹእ ኢኻ፡ ደሓንውን ክትረክብ ኢኻ። ሰበይትኻ ኣብ ውሽጢ ቤትካ ኸም ፈራይት ወይኒ ኽትከውን። ውሉድካ ኣብ ዙርያ መኣድኻ ኸም ተኽሊ ኣውሊዕ ኪዀኑ እዮም።

ኣብ ጊዜ ቅዳሴ ዝንበቡ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ንባባት

ንባብ

ኣንባቢ

ኤፌ 521-ፍጻሜ

ዲያቆን

ቅዳሴ  ዘእግዝእትነ። (ጐሥዓ))

ራእ 211-9

ንፍቀ ዲያቆን

ወንጌል ዮሃንስ 3 25-ፍጻሜ

ግሃ 2131-ፍጻሜ

ንፍቀ ካህን

 

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div