S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ሓዲሽ ዓመት፥ ምስ ኣምላኽ ብእምነት ምምልላስ!

በስመ ኣብ ወወልድ መንፈስ ቅዱስ ሓደ ኣምላኽ! ኣሜን::
መእተዊ
ሓዳስ ዓመት ክትጅምር ከላ ብሓድሽ ተስፋ ኢና ንቕበላ። ነፍሲ ወከፍ ደቒቕ ድማ ኣፍራይትን ጠቓሚትናን ክትከውን ንምነ።ርሑስ ሓዲሽ ዓመት ይግበረልና ብምባል ድማ ነንሕድሕድና ሰላምታ ንለዋወጥ። እሞ ተስፋ ሓዲሽ ዓመት፥ ኣምላኽ ብእምነት ከፈጽመና ብወገና ክንኮኖን ክንገብሮን ዘሎና ከምዚ ዝስዕብ ይመስል።

ቀዳማይ፡ ንነፍስና ባዕልና ሓተትታ ብምዃን ሓላፍነታውያን ንኹን።

ብመጀመርያ ንነፍስና ንመርምር፡ ሕይወትና ከመይ ኣሎ? ምስ ኣምላኽዶ ኣሎና ኢልና ንሕተት። ንአብነት(ራእ 2:3)“ትዕግሥቲ ኸኣ ኣሎካ፡ ስለ ስመይ ኢልካውን ተጻዊርካ፡ ኣይሰልኬኻን። ዝብል ሓይሊ ቃል ነንብብ። እሞ ክምስከረልና ከሎ እንታይ ምተባህለ ብዛዕባና?

ካብ ዝኣስረና ሓጥያት ንርሓቅ።እምብኣርሲ ኻበይ ከም ዝወደቕካ ዘክር እሞ ተነሳሕ፡ ነቲ ቐዳማይ ግብሪውን ግበሮ። እንተ ዘይኰነስ ክመጸካ፡ እንተ ዘይተነሳሕካውን፡ ነቲ ቐዋሚ ቐንዴልካ ኻብቲ ስፍራኡ ኸዝብሎ እየ። ራእ 2:5

ብዛዕባ ነፍሰ-ጠባያትካን መርሚርካ፡ እቲ ጽቡቅ ምሓዝ፡ እቲ ሕማቅ ምልጋስ።

ብሕልናና ተደርኺና  ብምስትብሃልን ሓቂ ካብ መን ኢያ ንበል።

ኣብዚ ግዜ እዚ ብምኽንያት ሓድሽ ዓመት፡ ኣነ ኣቅጣጫይ ክቅይር ኢየ። አካይዳይ ከጸብቕ እየ። ብመገዲ የማን ክጎዓዝ እየ። ብኹሉ ግብረይ ንኽብሪ ኣምላኽ ክገብሮ ኢልና ንወስን::

ኣብ መንፈሳዊ ሕይወትና ዝዕንቅፈኒ ነገራት ምልጋስ።የማነይቲ ዓይንኻ እንተ ኣስሐተትካ፡ ካባኻ ጐጥጒጥካ ደርብያ። ብዘሎ ሥጋኻ ኣብ ገሃነም ካብ ዚኣቱስ፡ ሓንቲ ኣካልካ እንተ ጠፍኤት ይሔሸካ። የማነቲ ኢድካ እንተ ኣስሐተትካውን፡ ካባኻ ቘሪጽካ ደርብያ። ብዘሎ ስጋኻ ኣብ ገሃነም ካብ ዚኣቱ፡ ሓንቲ ኣካልካ እንተ ጠፍኤት ይሔሸካ። ማቴ 5:29-30

 ሕብረት ምስ ቅዱሳን ክህልወና ክንጽዕር ኣሎና። ስለምንታይሲ መገዲ ጻድቃን ከም ብርሃን ወገግታ እዩ። ኩሉ ጉዕዞናውን ምእንቲ ሠናይ ክከውን። ምሳ 418

ካልኣይ፡ ንነፍስኻ ምኽሳስ፡ ጌጋታትካ ምፍታሽ።

ባዕልና ንነፍስና ብሕልናና እንተዘይከሲስናያን እንተ ዘይመርሚርናያን፥ ሓጢኣትና ክንሳሕ ዕድል ኣይንረክብን ኢና።

1. ብዛዕባ ነፍስኻ ሓቃዊ ሚዛን ምህላው።

ነፍስኻ ብምኽሳስ  ሓቃዊ ሚዛን ትረክብ።

ባዕልኻ ንነፍስኻ እንተዘይመዚንካ ንኻልኦት ዕድል ምሃብ ኢዩ። ጐይታይ፡ ኣብዚ ናይ ብልያል ሰብ፡ ኣብ ናባል ልቡ ኸየውድቕ እልምን ኣሎኹ። ስሙ ናባል እዩ እሞ፡ ጽላለ ኣለዎ፡ ከምቲ ስሙ፡ ንሱ ኸምኡ እዩ። ኣነ ገረድካ ግና ነቶም ዝለኣኽካዮም ናይ ጐይታይ ኣጒባዝ ኣይርኤኽዎምን።1 ሳሙ 25:25

ንእግዚኣብሄር እንተ ትፈርህዎን እንተ ተገልግልዎን ቃሉውን እንተ ትሰምዑ ንትእዛዝ እግዚኣብሔር ከኣ እንተ ዘይኣቤኹምዎ፡ ንስኻትኩምን እቲ ኣብ ልዕሌኹም ዚነግሥ ንጉሥን ንእግዚኣብሔር ኣምላኽኩም እንተ ስዒብኩምዎ ድማ፡ ደሓን ክትረኽቡ ኢኹም። 1 ሳሙ 12:14

2. ንኻልኦት ዘይምፍራድ፡

ብዘለዎ ሓጢኣት ዘስተንትን፡ ንኻልኦት ክፈርድ ጊዜ የብሉን።

ጉድለትካን ሽግርካን ንምሕባእ ንኻልኦት ምክሳስ ኣየድልን እዩ። ንሱ ኸኣ ደቂ እስራኤል ኪዳንካ ሐዲጎም፡ ንመሰውኢታትካ ድማ ኣፍሪሶም፡ ንነብያትካውን ብሴፍ ቀቲሎምዎም እዮም እሞ፡ ስለ እግዚኣብሔር ኣምላኽ ሠራዊት ቅንኣት ቀኒኤ ኣሎኹ። ኣነ ኸኣ በይነይ እየ ተሪፈ ዘሎኹ፡ ንነፍሰይ ድማ ኪወስድዋ ይደልይዋ ኣለዉ፡ በለ። 1ነገ 19:14

ኣብርሃም ከኣ፡ ኣብዛ ቦታ እዚኣ ብርግጽ ፍርሃት ኣምላኽ የልቦን እሞ፡ ብምኽንያት ሰበይተይ ኪቐትሉኒ እዮም፡ ኢለ እየ እዚ ዝሓሰብኩ በለ።ዘፍ 20:11

ነፍስኻ ብምኽሳስ  ድኽመትካ ትመዝን።

ሽዑ ንሱ መሊሱ፡ ኣነስ ሓጥእ ምዃኑ ኣይፈልጥን። ዕዉር ከም ዝነበርኩን ሕጂ እርኢ ኸም ዘሎኹን፡ እዛ ሓንቲ ነገር እዚኣ እየ ዝፈልጥ፡ በሎም። ዮሓ 9:25

3. ነፍስካ ንምጽራይ ይሕግዝ፡

ኣምላኽ፣ ከም ሣህልኻ ምሓረኒ፣ ከምቲ ዓብዪ ርሕራሔኻ ኣበሳይ ደምስስ። ካብ ኣበሳይ ኣጸቢቕካ ሕጸበኒ፣ካብ ሓጢኣተይውን ኣጽርየኒ። መዝ 511-

4. ናይ ነፍስኻ ሚዛን ምፍላጥ ኣብ ንስሓ የብጽሕ። ኣብ ካህንካ ብምንሳሕ ከኣ ካብ ኩሉ ሓጥያትካ ክትነጽህን ሕይወትካ  ክትሕደስን ትኽእል። 1ዮሓ 19

5. ናይ ይቅረታ ህይወት ይረክብ፥ኢየሱስ ግና ሰሚዑ፡ ንሓኪምሲ ሕሙማት እምበር፡ ጥዑያት ኣየድልይዎን እዮም። ኣነ ሓጥኣን እምበር፡ ጻድቃን ክጽውዕ ኣይመጻእኩን እሞ፡ ምሕረት እፈቱ፡ መስዋእቲ ኣይኰነን፡ ዚብል እንታይ ምዃኑ፡ ኪዱ ተመሃሩ፡ በሎም።ማቴ. 9:12-13

6. ትሕትና

ንገዛእ ነፍስካ ብምምርማርን ብምኽሳስን ብትሕትና ንኽትነብር ይሕግዘካ።

ትሑት ሰብ ፍቅሪ ሰብ ኣለዎ፡ንእሱራት ከም መተኣስርቶም ኴንኩም፡ መከራ ይጸግቡ ንዘለዉ ኸኣ ንስኻትኩምውን ኣብቲ ሥጋ ኸም ዘሎኹም ኴንኩም ዘክርዎም። ዕብ 13:3

7. ኣወጅቲ ሰላም ንኹን፥ልኡም ምላሽ ንቑጥዓ የህድኦ፡ ተሪር ቃል ግና ኲራ የልዕል። ምሳሌ 15:1

 “ምስ መባእስትኻ ድማ ገና ኣብ መገዲ ኸሎኻ፡ ቀልጢፍካ ምስኡ ተዐረቕ። እንተ ዘይኰነስ እቲ መባእስትኻ ንፈራዲ ኣሕሊፉ ኸይህበካ፡ ፈራዲውን ንጊልያኡ። ናብ ቤት ማእሰርቲ ኸኣ ትኣቱ። ማቴ 5:25

8. ናብ ፍጽምና ገጽና ክንከይድ የድልየና ኢዩ።

እምብኣርሲ ኸም ሕሩያት ኣምላኽን ቅዱሳንን ፍቁራትን ኴንኩም፡ ምሕረት ልቢ፡ ለውሃት፡ ትሕትና፡ ዓቕሊ፡ ትዕግሥቲ ልበሱ። ንሓድሕድኩም እናተጸወርኩም፡ እቲ ሓደ ኣብቲ ሓደ ኽሲ እንተለዎ፡ ይቕረ ተባሃሀሉ። ከምቲ ክርስቶስ ይቕረ ዝበለልኩም፡ ንስኻትኩምውን ከምኡ ይቕረ በሉ። ኣብ ልዕሊ እዚ ዂሉውን ፍቕሪ፡ ማእሰር ፍጻሜ እያ እሞ፡ ልበስዋ። ሰላም ክርስቶስ ከኣ ኣብ ልብኹም ይግዛእ፡ ነዚ ብሓደ ስጋ ተጸዊዕኩም ኢኹም እሞ መማሰውቲ ኹኑ።ቆሎ 3:12-15

9. ጥበብ ኣምላኽ ክንለብስ ይሕግዘና ኢዩ። ፊሊጲ 4:13 በቲ ሓይሊ ዚህበኒ ንዂሉ እኽእሎ እየ።

ሳልሳይ ሓዲሽ ልብን ሓዲሽ መንፈስን ይሃልወና።

ኣቱም ኲልኹም እትጽዕሩን ጾር ዝኸበደኩምን፡ ኣነ ኸዕርፈኩም ናባይ ንዑ።  ኣነ ለዋህ እየ፡ ልበይውን ትሑት፡ ኣርዑተይ ፈኲሽ፡ ጾረይውን ቀሊል እዩ እሞ፡ ኣርዑተይ ጹሩ ኻባይውን ተምሀሩ፡ ንነፍስኹም ከኣ ዕረፍቲ ኽትረኽቡ ኢኺም ማቴ 11:28-30

እቲ ሠናይን ባህ ዜብልን ምሉእን ፍቓድ ኣምላኽ እንታይ ምዃኑ ምእንቲ ኽትምርምሩስ፡ ብምሕዳስ ሓሳብኩም ተለወጡ እምበር፡ ነዛ ዓለም እዚኣ ኣይትምሰልዋ። ሮሜ 12:2

መዝ 87:7 እግዚኣብሄር፣ ጸጋኻ ኣርእየና፣ ምድሓንካውን ሀበና።

1. ሓዲሽ ሕይወት

ምልክት ሓዲሽ ሕይወት ቅኑዕ ስጉምቲ ምውሳድ ኢዩ፥ ከምቲ ኣብ ቅዱስ ወንጌል ዝተጠቕሰቊራጽ ሓድሽ ዓለባ ኣብ ብላይ ክዳን ዚልግብ የልቦን፡ እንተ ዘይኰነስ ነቲ ጥዑይ ይልክሞ፡ ምቕዳዱ ኸኣ ዝገደደ ይኸውን። ንሓድሽ ወይኒ ኣብ ኣረገውቲ ኣሕርብቲ ኣየዕርቕዎን፡ እንተ ዘይኰነስ እቲ ኣሕርብቲ ይቕደድ፡ እቲ ወይኒውን ይፈስስ፡ ኣሕርብቲ ኸኣ ይበላሾ። ንሓድሽ ወይኒ ግና ኣብ ሓደስቲ ኣሕርብቲ የዕርቕዎ፡ ክልቲኦም ድማ ይእርነቡ።ማቴ 9:16-17

ጸሎት ምዝወታር፡ ሓዋርያ ጳውሎስ“ “ብክርስቶስ ኢየሱስ እተጠመቕና ዘበልና ዂላትና ብሞቱ ኸም እተጠመቕናዶ ኣይትፈልጡን ኢኹም፧ እምብኣርሲ ኸምቲ ክርስቶስ ብኽብሪ ኣቦኡ ኻብ ምዉታት ዝተንስኤ፡ ከምኡ ኸኣ ንሕና ብሓዳስ ሕይወት ምእንቲ ኽንመላለስ፡ ናብ ሞት ብጥምቀት ምስኡ ተቐበርናይብል ሮሜ 6:3 ብተወሳኺ ኣቦና ዳዊት እግዚኣብሄርሲ ንዅሎም ጥቑዓት ጽድቅን ፍትሕን ይገብር እዩ። መዝ 103:6

2. መንፈሳዊ ለውጢ ብኸመይ? መዝ 62:1-2 ነፍሰይ ኣብ ኣምላኽ ጥራይ ሀዲኣ ትጽበ፣ምድሓነይ ካብኡ ይመጽእ አሎ።   ከውሔይን ምድሓነይን እምባይን ንሱ ጥራይ እዩ፣ኣዝየ ኣይናወጽን።

3. ምእንቲ ክትባረኽ ቅልስ ምስ ኣምላኽ፡

 “ኣብ መጽሓፈ-ምሳሌሕያውነትን ሓቅን ካባኻ ኣይፈለያ፡ ኣብ ክሳድካ እሰረን፡ ኣብ ጽላት ልብኻውን ጽሓፈን። ሽዑ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽን ሰብን ሞጎስን ጽቡቕ ልቦናን ክትረክብ ኢኻይብል። ምሳ 3:4-5 ኣብ ዘፍ፡32:26 “እቲ ሰብኣይ ድማ ምድሪ ይወግሕ ኣሎ እሞ፡ ሕደገኒ በለ። ንሱ ኽኣ ኸይባረኽካንስ ኣይሓድገካን እየ፡ በለ።

ብሕሉፍ ጌጋታት ተኣሲርካ ዘይምንባር። እንታይ ደኣ ንቕድሚት ምጥማት፡ ከም ሰበይቲ ሎጥ ንድሕሪት ጥራይ ምጥማት ሞት የስዕብ።  ዘፍ 19:17 ““ናብ ወጻኢ ምስ ኣውጽእዎም፡ ነፍስኻ ኣድሕን፡ ንድሕሪት ገጽካ ግልጽ ኣይትበል፡ ኣብ ብዘሎ እዚ ጎልጎል ድማ ደው ኣይትበል። ምእንቲ ኸይትጠፍእ፡ ናብ ከረን ኣቢልካ  ድሓን በለ።

ምሕረት ኣምላኽ መወዳእታ የብሉን። ኣሕዋተየ፡ ኣነ ብርእሰይ ከም ዝረኸብክዎ ኣይመስለንን ኣሎ። ሓደ ነገር ደኣ ኣሎኒ፡ ኣብ ድሕረይ ዘሎ እናረሳዕኩ፡ ነቲ ኣብ ቅድመይ ዘሎ እናተመጣጠርኩ፡ ....... ብክርስቶስ ኢየሱስ እጎዪ ኣሎኹ። ፊልጲ 3:13-14

ራብዓይ፡  ብሠናይ ዜና ምሕጓስን ምስትንታንን፥

መድሓኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ብልደቱ ንኹሎም ደቂ ኣዳም ድኅነት ሂቡና እዩ። ነዚ ሠናይ  ዜና ንኻልኦት ከነበሥሮውን ግቡእና እዩ። እቲ መልኣኽ ድማ፡ እንሆ፡ ሎሚ መድሓኒ ኣብ ዓዲ ዳዊት ተወሊዱልኩም ስለ ዘሎ፡ - ንሱ ኸኣ ክርስቶስ ጐይታ እዩ፡ - ንዂሉ ህዝቢ ዚኸውን ዓብዪ ሓጐስ ኤበሥረኩም ኣሎኹ እሞ፡ ኣይትፍርሁበሎም። ሉቃስ 2:10-11

ኩሉ ምንጪ ሓጎስና ካብ ኣምላኽ እዩ። ብጐይታ ዂሉ ሳዕ ተሐጐሱ፡ ደጊመ፡ ተሐጐሱ፡ እብል ኣሎኹ። እቲ ለውሃትኩም ኣብ ኲሉ ሰብ ይፈለጥ፡ እግዚኣብሔር ቀረባ እዩ።  ድሌትኩም ዘበለስ ብጸሎትን ልማኖን ምስናይ ምስጋና ኣብ ኣምላኽ ይፈለጥ እምበር፡ ብገለ እኳ ኣይትጨነቑ። እቲ ኻብ ኲሉ ኣእምሮ ዚበልጽ ሰላም ኣምላኽ ድማ ንልብኹምን ሓሳብኩምን ብክርስቶስ ኢየሱስ ኪሕልዎ እዩ።ፊሊጲ 4:4-7 ነቢይ ኤርምያስውን እግዚኣብሔር ምዃነይ ኪፈልጡንስ፡ ልቢ ኽህቦም እየ፡ ብምሉእ ልቦም ናባይ ኪምለሱ እዮም እሞ፡ ንሳቶም ህዝበይ ኪዀኑ እዮም፡ ኣነውን ኣምላኾም ክኸውን እየይብል። .ኤር 24 7.

ብተወሳኺንትሑታት ብሥራት ከበሥርሲ እግዚኣብሔር ቀቢኡኒ እዩ እሞ፡ መንፈስ እግዚኣብሔር ኣምላኽ ኣብ ልዕለይ እዩ። ንስቡራት ልቢ ኽዘንን፡ ንምሩኻት ሓርነት፡ ንእሱራት ከኣ ምፍታሕ ክእውጅ ለኣኸኒ።  ዓመት ጸጋ እግዚኣብሄርን መዓልቲ ሕነ ኣምላኽናን ክእውጅ፡ ንዂሎም ሕዙናት ከጸናንዕ፡ ኣእዋም ጽድቂ፡ ንኽብሩ ዚኸውን ተኽሊ እግዚኣብሄር፡ ተባሂሎም ምእንቲ ኺስመዩ ድማ፡ ንሕዙናት ጽዮን ኣብ ክንዲ ሓመዂስቲ ዘውዲ ኽደፍኣሎም፡ ኣብ ክንዲ ሓዘን ከኣ ዘይቲ ሓጐስ፡ ኣብ ክንዲ መንፈስ ጓሂውን ክዳን ምስጋና ኽህቦም ለኣኸኒ።ት.ኢሳ 611-3

ከም ክርስቲያን መጠን፡ ጽቡቕ ኣብነትን ደስታን ናይ አህዛብ ክንከውን ይግባእ፥

ፈገግታን ተስፋን ካባና ናብ ህዝቢ ከንጸባርቅ ይግባእ። ንዝኾነ ጸገም ብኣምላኽ መፍትሒ አለዎ። ንዝኮነ ዕጹው ማዕጾውን ብጎይታ ነናቱ መፍትሕ አለዎ። በዚ ምኽንያት እዩ ሓዋርያ ጳውሎስ ብተስፋ ተሐጐሱ፡ ብጸበባ ተዐገሱ፡ ጸሎት ኣዘውትሩእናበለ ዝምዕደና።ሮሜ 12:12

ንዝደኸሙ አሕዋትና ብሓይሊ አምላኽ  ብቃል-ተስፋ ምትብባዕን ምብርባርን።

ነተን ዝሰነፋ ኣእዳው ኣበርትዑ፡ ነተን ወለል ዝበላ ኣብራኽ ድማ ኣደልድሉ። ነቶም ፈራህ ዝልቦም፡ ኣጆኹም፡ ኣይትፍርሁ፡ እንሆ፡ ኣምላኽኩም ምስ ሕነን ምስ ናይ ኣምላኽ ምፍዳይ ኢድን ኪመጽእ፡ ባዕሉ ኼድሕነኩም ኪመጽእ እዩ፡ በልዎም።ት.ኢሳ 35:3-4

 ካብ ዘድክም ጾር ሓጢኣት ክናገፉ ብቃል ክርስቶስ ነተባብዓዮም። ኣቱም ኲልኹም እትጽዕሩን ጾር ዝኸበደኩምን፡ ኣነ ኸዕርፈኩም ናባይ ንዑ።ማቴ 11:28

ብሓቂ ንሱ ንሕማምና ጾሮ፡ ንስቓይና ኸኣ ኣብ ነፍሱ ጸዐኖ፡ ንሕና ግና ከም እተወቕዔን ብእግዚኣብሔር ከም እተቐዝፈን ከም እተዋረደን ጌርና ኣቋጸርናዮ።ት.ኢሳ 53:4

ንሕዙናት ከነጸናንዕ ግቡእና እዩ። ገጽ እንተ ሐዘነ፡ ልቢ ይበርህ እዩ እሞ፡ ካብ ሰሓቕስ ሓዘን ይሐይሽ። ልቢ ጠበብኛታት ኣብ ቤት ሐዘን፡ ልቢ ዓያሱ ግና ኣብ ቤት ሓጎስ እዩ እሞ ናብ ቤት መርዓ ካብ ምኻድ ናብ ቤት ሓዘን ምኻድ ይሓይሽ።መክብብ 7:2-4 ሰበይቲ ኽትወልድ ከላ፡ ጊዜኣ ስለ ዝበጽሔ ትጒሂ። ቈልዓ ምስ ወለደት ግና፡ ሰብ ኣብ ዓለም ስለ እተወልደ፡ ተሐጒሳ፡ ነቲ ጻዕራ ኣይትዝክሮን እያ። ዮሓ 16:21

መሠረታዊ ደስታ ብጻዕሪ ከምዝርከብ ከነስተብህል ይግብአና።

ብፈተና ከይሓለፍካ ጸጋ፥ ሥራሕ ከይሰራሕካ ዋጋ ክትረክብ ኣይሕሰብን እዩ። ክርስቲያን ማለት ድማ ሰዓብቲ ክርስቶስ ማለት እዩ። ስለዚ ናብቲ፡ ሕፍረት ንዒቑ፡ ስለቲ ኣብ ቅድሚኡ ዘሎ ሓጐስ ኢሉ መስቀል እተዐገሰን ኣብ የማን ኣምላኽ እተቐመጠን ጀማሪ እምነትናን  ደምዳሚኣን ኢየሱስ ንጠምት።ዕብ 12:2 እቲ ዚተክልን እቲ ዜስትን ሓደ እዮም፡ ነፍሲ ወከፎም ከኣ ከከም ጻዕሩ ዓስቡ ኪቕበል እዩ።1 ቆረ 3:8 ኣሕዋተየ፡ በበይኑ ዝዀነ ፈተና እንተ በጽሓኩም፡ ንዂሉ ኸም ሓጐስ ቊጸርዎ። እቲ ምፍታን እምነትኩም ትዕግስሥቲ ኸም ዘምጽኣልኩም  ፈሊጥኩምሲ፡ ብሓንቲ እኳ ኸይጐደልኩም ፍጹማትን ምሉኣትን ምእንቲ ኽትኰኑ፡ እታ ትዕግሥቲ ፍጹም ግብሪ ይሃልዋይብለና።ያዕቆብ 1 2-4ስለዚንስኻትኩምሲ ዂለን ጸጒሪ ርእስኹም እኳ ቚጹራት እየን። እምብኣርከ ኻብ ብዙሓት ኣዕዋፍ ትበልጹ ኢኹም እሞ ኣይትፍርሁ ሉቃስ 12:7 እምበኣር ሓቀኛ እምነት ነቢያትን ሓዋርያትን ሒዝና ብመገዲ ሕይወት ንጎዓዝ። ብሰንኪ እምነትና ንዝመጸና መከራ ድማ ከም ጸጋ ንቑጸሮ። ምኽንያቱ ቅዱሳን ሓዋርያት ፈተና ምስ ኣጋጠሞም፥““ንሳቶም ግና ምእንቲ ስሙ ኺሐስሩ ብቑዓት ኰይኖም ስለ እተቘጽሩ፡ ካብ ቅድሚ እቶም ዋዕላ እናተሐጐሱ ኸዱእዩ ዝብለና። .ሓዋ 5:41   

ብኃይሊ አምላኽና ብሓቂ ንስዕርን ንዕወትን ኢና።

ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ዓለም ፈተና ኣሎኩም፥ ግናኸ ኣብ ፈተናኹም መዋጽኦ ክህበኩም እየ ኢሉና እዩ።ኣባይ ሰላም ምእንቲ ኽትረኽቡ፡ እዚ ነገርኩኹም። ኣብ ዓለም ጸበባ ኣሎኹም። ግናኸ ኣጆኹም፡ ኣነ ንዓለም ስዒረያ እየ፡ ኢሉ መለሰሎም። ዮሓ 16:33 እምበኣር ኣብ ልዕሊ እዚ ዅሉ በቲ ዘፍቀረና ክርስቶስ ዓወት ብምርካብ ካብቶም ዝሰዓሩ ኣዚና ንበልጽ ኢና። ሮሜ 837ኣቦና ዳዊትውን “”እቶም ሓይሎም ብኣኻ ዝዀነ፣ ብልቦም ንመገድኻ ዚሐስቡ ሰባት ብጹኣን እዮምይብል። መዝ. 84:5 ስለዚ ወላኳ ቀናእ ሰይጣን መጻርርቲ እንተ ኣሎና ኣይንፈርሕን ኢና። ግናኸ ሰይጣን ከይብለጸልና፡ ውዲቱ ኣይንስሕቶን ኢና እሞ፡ ኣነ ንገለ ይቕረ ኢለ እንተ ዀይነ፡ ብዛዕባኹም ኣብ ቅድሚ ክርስቶስ ይቕረ ኢለ እየ።2 ቆረ 211-12 ግናኸ ነቲ ብጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ገይሩ ዓወት ዝህበና ኣምላኽ ስብሓት ይኹኖ። 1ቆሮ 1557

ሓምሻይ፡ ግዜና፡

ግዜ ማለት ሕይወት ማለት ኢዩ። ግዚኡ ብኸንቶ ዘጥፍእ ብሕይወቱ ምጽዋት ማለት እዩ። ነፍሲ ወከፍና ጊዜ ንኽብሪ አምላኽ ክንህብ ይግባእ እዩ።

 መብዛሕቶም ቅዱሳን ሓጺር ግዜ እዮም አብዛ ዓለም ኔሮም፡ ግንከ ሠናይ ፍረ ዘለዎ ንአምላኽ ዘኽበረ ኢዩ። ማቱሳላ 969 ዕድመ ጌሩ ኮይኑ ግን ብዛዕባ ብዝሒ ዕድሚኡ እንተዘይኮይኑ ዝገበሮ ነገር አይንገረናን። ቅዱስ ዮሓንስ መጥምቅ ግን አብ ንኡስ ዕድመኡ ብዓቢ ዓወትን ብሰማዕትነት እዩ ሓሊፉ። ማቴ 1410

ግዜ ብጻይና ድዩ ወይስ ጸላኢና? ዘይምፍጣረይ ምሕሸኒ ኢልና ነማርር ንኸውን? እዚ ግን ጌጋ እዩ።

ገለ ሰባት ከምዘይ ተወልዱ ንዓለም በጀካ ክሳራ ሓንቲኳ ከየበርከቱላ ዝሓልፉውን ኣለዉ።

ግዜና፡ ንዓናን ንሕብረሰብናን ንጠቀመሉ፡ ልዕሊ ዅሉ ኸኣ ምስ ኣምላኽና ብእምነት ንመላለስ።

 

ምንጪ ጽሑፍ፡ መምሃሪ ትምህርቲ ሰንበት።

ምስጋና ንእግዚኣብሔር ኣምላኽ ይኹን!

ንቅዱስ ፖትርያርክ ኣቡነ እንጠንዮስ ብጥዕናን ሰላምን ይሓልወልና!

ንብፁዕ አቡነ መቃርዮስ አብ አገልግሎቶም አሳልጦ ይሃበልና!

ንቤተ ክርስቲያናን ሃገርናን ሰላሙ ይሃብ። ኣሜን!

 

ብሩኽ ሓድሽ ዓመት! በረኸትን ሰላምን ዝበዝሖ ናይ ቅሳነት ዓመት ይግበረልና!!!

 

ዲያቆን ጸሃየ መድኃኔ ዓለም ኣትላንታ  

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div