S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ኢየሱስ ስዱድ ተስፋሆሙ ለስዱዳን!

ብኣቆጻጽራ ግእዝ  ካብ መስከረም 26 ክሳብ 5 ሕዳር ወርሓት ጽጌ ይበሃል። ጽጌ ማለት ከኣ ብዕንበባን ጽጌታትን ፍሬታትን ዝወቀበ ጊዜያት ናይ ልምላሜ እዋን

ተባሂሉ ኢዩ። ብባህላዊ ኣዘራርባ ሃገርና ድማ ገልገለ መስቀል ተባሂልውን ይጽዋዕ ኢዩ። ብሓፈሻ ከምቲ ዘራእትን ፍረታትን ካብ ዕንበባ ዝውለዱ፥ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ድማ ካብታ ከም ዕንበባ ትምሰል ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ሕያው ፍረ መድኃኔ ዓለም ተወሊዱ ምሕረት ሂቡና ማለት ኢዩ። ኣብዚ ወርሓት ጽጌ ብዝያዳ ክንዝክሮ ዝግባእ ሓደ ዓቢይ መልእኽቲ ኣሎ። ንሱ ከኣ ኣብዚ ቅንያት ጽጌ ቅድስት ድንግል ማርያምን ዮሴፍን ንኢየሱስ ክርስቶስ ሕጻን ሒዞም ብስደት ናብ ሃገረ ግብጺ ዝኸድሉ ወርሓት፥ ጨካን ንጉሥ  ሄሮድስ ንኢየሱስ ክርስቶስ ንምቕታል ኢሉ ልዕሊ 144,000 ሕጻናት ዝቐተለሉ ከቢድ ናይ ሓዘንን ስደትን እዋን ኢዩ። ማቴ 216 በዚ ምኽንያት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያንና ኢየሱስ ስዱድ ተስፋሆሙ ለስዱዳን ማለት ኢየሱስ ስደተኛ ተስፋ ስደተኛታት እናበለት ብመዝሙር ትዝክሮ።  ኣብዚ ጊዜ እዚ ድንግል ማርያም እቲ ርጉም ንጉሥ ሄሮድስ ንወዳ ከይቀትለላ ኢላ ክትሃድም ክንደይ ስደትን ፈተናን፥ ቁርን ኣስሓይታን፥ ሃሩርን ፀሓይን፥ ጸበባን ድኻምን፥ ጸልማትን ፈተና ኣራዊትን፥ ምህዳን ሸፋቱን ሰራዊትን፥  ዝጋጠማ ኩሉ ናይ ስደት ንብዓት እናዘከርና ብጸሎትን ምህለላን ንጎይታና ኢየሱስ  ክርስቶስ  ክንልምን ሱባኤ ንወስደሉ እዋን ኢዩ።

ስደት ኣብ ሕይወት ደቂ ሰባት ከጋጥሙ ካብ ዝኽእሉ ዓበይቲ ጸገማት ሓደ ኢዩ። ናይ ስደት ምኽንያታት ከኣ ብዙሓትን ዝተፈላለዩን እኳ እንተኾኑ ገለ ንምጥቃስ ዝኣክል ብሰንኪ ጥሜት፥ ብኵናትን ብተፈጥሮኣዊ ጸገማትን ብዝያዳ ድማ ብሰንኪ መንፈሳዊ-እምነት ከጋጥም ይኽእል። ብጊዜ ስደት ኃያል ትዕግሥትን ዘየቋርጽ ጸሎትን ዘድልዮም ዕንቅፋታት፥ ፈተናታት፥ ጭንቀትን መዓልታዊ ስቅያትን ዘለዎ ናብራ ክኸውን ከም ዝኽእል ንምግማቱ ዘጸግም ኣይኮነን። ይኹን እምበር ነቲ ‘’ሺሕ እኳ ሕጂ ንቝሩብ ጊዜ ብብዙሕ ዝዓይነቱ ፈተና ክትሓልፉ ግዲ እንተ ኾነ በዚ ክትሕጎሱ ኢኹም። እዚ ኸኣ እታ እምነትኩም ሓቂ ከም ዝኾነት ኬረድእ እዩ’’ (1 ጴጥ 16) ዝብል ቃል ተስፋ ሒዝና ኣብ እዋን ስደት ንኹሉ ብዓቕሊ እናጾርና እቲ ሕያዋይ ኣምላኽ  ክረድኣና ብትዕግሥቲ ክንጽበ ሠናይ ነገር ምዃኑ ክንዝንግዕ ኣይግባእን። ምኽንያቱ እቲ ክሳብ መወዳእታ ዝዕገሥ ንሱ ክድሕን ኢዩ ዝብል ጥቕሲ ስለ ዘሎ ኣብቲ ትዕግሥቲ ዘለዎ ምሉእ ተስፋን ጽኑዕ እምነትን ከም ዘሎ ዝተረጋገጸ  ሓቂ ኢዩ። 

ብመሠረቱ እምነት ክርስትና ኣብ ስደት ተወሊዱ ብስደት ድማ ዘስፋሕፍሐ ቅኑዕ መገዲ እግዚኣብሔ ንፈልጠሉን ዘለዓለማዊ ሕይወት ንወርሰሉን ኣሰር እቲ ‘’መገድን ሓቅን ሕይወትን ዝኾነ ኢየሱስ ክርስቶስ ንስዕበሉ ኣፍ ደገ መንግሥተ ሰማያት ምዃኑ ብተደጋጋሚ ዝንገረና መንፈሳዊ ኣዋጅ ኢዩ። ምድራዊ ሕይወት ናይ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ካብ ልደቱ ጀሚርና እንተ ተዓዘብና ኣብ ስደት (ኣብ መብልዕ-ማል) ተወሊዱ፥ ብስደት ንግብጺ ወሪዱ፥ ብደቂ ዓዱን ኣኮታቱን ግፍዕን መከራን ተቐቢሉ፥ ኣብ ዕንጨይቲ መስቀል ምእንታና ተሰቒሉ ብሞቱ ሕይወት ከም ዝረኸብና ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተጻሒፉ ንረኽቦ። ኢየሱስ ክርስቶስ ድማ ንደቀ መዛሙርቱ ቅድሚ ገዲፍዎም ምዃዱ ብጊዜ ፈተናን ስደትን መጸናንንዒ ዝኾኖም መንፈስ ቅዱስ ከም ዝሰደሎም ቃል ኣተወሎም። እዚ መጸናንዒ ዝብል ቃል ትርጉሙ ‘’ኩሉ ሳዕ ዝሕግዘካ ኃይሊ’’ ማለት ኢዩ። እቲ ንዓና ዝወሃበና ሰማያዊ ኃይሊ ድማ ናይ ቅድስት ሥላሴ ኣካል ዝኾነ ጸጋ መንፈስ ቅዱስ ኢዩ። ብደገፍ መንፈስ ቅዱስ ድማ ኢና ኣብ ግዜ ፈተና ይኹን ኣብ እዋን ስደት ‘’ብፍቕሪ፥ ሓጎስ፥ ሰላም፥ ትዕግሥቲ፥ ሕያውነት፥ ለውሃት፥ እምነት፥ ትሕትና፥ ይኣኽለኒ ምባልን ዘለዎ ናብራ ሕይወት እንነብር። ነዚ ፍረ እዚ ብገዛእ ኃይልና ከነምጽኦ ፍጹም ዝከኣል ኣይኮነን። እንታይ ደኣ በቲ ኣብ ልብና ብእምነት ዝሓደር መንፈስ ቅዱስ ልዕሊ ኣእምሮ ብዝኾነ መገዲ ኣብ ውሽጥና ብዘገርም ምሥጢር ይፈስስ ማለት ኢዩ። ገላ 522

ኣብዛ ንነብረላ ዘሎና ዓለም ካብ ዘመን ኦሪት ጀሚሩ ክሳብ ኣብዚ ዘሎናዮ ጊዜ ኣብ ልዕሊ ቅኑዓት ኣመንቲ እግዚኣብሔር ብርቱዕ ስደትን መከራን በጺሕዎምን ገና ሕጂውን ይበጽሖም ከም ዘሎ ብዓይንና ንርእዮን ብእዝንና ንሰምዖን ዘሎና ግሁድ ሓቂ ኢዩ። ብዛዕባ እዚ ኣብ ቅዱስ ወንጌልካብ ነቢያትከ ኣቦታትኩም ዘይሰጎጉዎ መን እዩ? ንሳቶም ነቶም ብዛዕባ ምምጻእ እቲ ጻድቕ ኣቐዲሞም ዘበሠሩ ቀተልዎም። ሕጂውን ንስኻትኩም ኣሕሊፍኩም ወሃብቱን ቀተልቱን ኢኹም። ግሓ 752 ተባሂሉ ከም ዝተጻሕፈ ቅድም ኣብ ልዕሊ ነቢያት ደሓር ኣብ ልዕሊ ሓዋርያት፥ ሰማዕታትን ቅዱሳንን ዝበጽሐ ስደትን ሞትን ስፍርን ቁጽርን የብሉን። ግናኸ እግዚኣብሔር ዝኸፈቶ ኣፍደገ ብዓቕሚ ድኹም ሰብ ክዕጾ ዘይክእል ስለ ዝኾነ ብመጠን እቲ ስደት ዝበዝሖ መንፈሳዊ ዕዮ ወንጌል ከኣ ብዝያዳ እናሰፍሐን እናተዘርግሐን ኢዩ ዝኸይድ ዘሎ። ስለዚ እምበኣር ዝኾነ ኣማኒ ክርስትና ምድራዊ ስደት ከጋጥሞ ከሎ ነቲ ‘’ኣነ ዝሓስበልኩም ዘሎኹ ሓሳብ እፈልጦ ኢየ፥ መፈጸምታን ተስፋን ክህበኩምሲ ሓሳብ ደሓን እምበር ሓሳብ ክፉእ የብለይን’’ ዝብል ቃል ተስፋ እናዘከረ ስደትና ከም ስደት ዮሴፍ ንብዙሕ ህዝቢ ዝኸውን በረኸትን ሞገስን ምእንቲ ከምጽኣልና ወትሩ ብጸሎት ተጊህና ኣብ ሃይማኖትና ክንጸንዕ ይግብኣና። ኤር 2911   

ብዛዕባ እዚ ኣቦና ዳዊት ኣብ መዝሙሩ ‘’ኣብ ቅድሜኻ ጋሻ፥ ከም ኩሎም ኣቦታተይ ስደተኛ እየ እሞ፥ ጎይታይ ጸሎተይ ስማዕ፥ እዝንኻ ናብ ኣውያተይ ምለስ፥ ክነብዕ ከሎኹ ንዓ ርድኣኒ’’ ኢሉ ለመነ። መዝ 3912 ሓዋርያ ጳውሎስውን ብወገኑ ‘’ካብ ፍቕሪ ክርስቶስ ዝፈልየና መን ኢዩ? ……. መከራዶ፥ ጸበባዶ፥ ስደትዶ፥ ጥሜትዶ፥ ዕርቃንዶ፥ ድንገትዶ ወይስ ሞት ………ካብታ ኣብ ክርስቶስ ኢየሱስ ጎይታና ዘላትና ፍቕሪ ኣምላኽ ከቶ ክፈልየና ዚኽእል ከም ዘየልቦ ኣረጋጊጸ ኣሎኹ’’ ክብል ኣብ ኣምላኽ ዘለዎ ሓቀኛ ፍቕሪ ዝኾነ ኵነታት ንጽኑዕ እምነቱ ክልውጦ ከም ዘይክእል የዘንትወልና። ሮሜ 8 36-39 እወ! ኣብ ዓድኻ ይኹን ኣብ ስደት፥ ብግዜ ሰላም ይኹን ኣብ እዋን ኵናት፥ ብጊዜ ራህዋ ይኹን ኣብ እዋን ጥሜት፥ እግዚኣብሔር ዘይብሉ ሕይወት ረብሓ ከም ዘይብሉ ተረዲእና ጎይታየ! ‘’ንዓኻ ካብ ረኸብኩስ ካልእ ኣብ ምድሪ ዝደልዮ የብለይን’’ ዝብል ዕላማ ሒዝና ብሠናይ ግብርን ልባዊ ፍቕርን ክንነብር እግዚኣብሔር ዝሕጎሰሉ መገዲ ምዃኑ ምፍላጥ የድሊ። መዝ 7325

ኣብ መደምደምታ ነቲ ካብ መምህሩ ዝዓቢ ተመሃራይ፥ ካብ ጎይትኡ ዝበልጽ ኣገልጋሊ የልቦን፥ ዝብል ምሳሌ ዘኪርና ‘’ንስኻትኩምውን ነዚ ኢኹም ተጸዊዕኩም፥ ክርስቶስ ድማ ኣሰር ኣሰሩ ምእንቲ ክትስዕቡ ኢሉ ምእንታኹም መከራ ተቐበለ፥ ኣርኣያውን ሓደገልኩም’’ (1 ጴጥ 221) ኢሉ ዝሓደገልና ናይ ሕድሪ ትእዛዝ ተቐቢልና ኣብ ሓጻር ኢድ ሰብ ካብ ምውካል፥ ኣብታ ሕያወይቲ ኢድ ኣምላኽ ከነዕቁብ ከም ዝግብኣና ክንስሕቶ የብልናን። ኣብ እዋን ስደትና ስዱድ ክርስቶስ ከም ዝርሕርሓልና፥ ኣብ ግዜ መከራና መከራ ዝጸገበ ኢየሱስ ከም ዝረድኣና፥ ኣብ ኩሉ ምድራዊ ጉዕዞ ሕይወትና ዘይታኸስ እሙን ሓላዊ እግዚኣብሔር ከም ዘሎና ተረዲእና ብሓጎስን ሰላምን ክነብር ክርስቲያናዊ ህያብ ጎይታ ምዃኑ ክንኣምን ኣሎና። ስለዚ እምበኣር ስደት ምስ እምነት እንተ ኾይኑ ኣብ መወዳእታኡ ዓወትን በረኸትን ኣለዎ። ስደት ምስ ተስፋ ምቝራጽን ጭንቀትን እንተ ኾይኑ ግና መወዳእታኡ ጉድኣትን ሞትን ከም ዘስዕብ ዘጠራጥር ኣይኮነን። ብዝያዳ ኸኣ ዝኾነ ሰብ ከስተውዕሎ ዝግባእ ነገር፥ ንሕና ኣብዛ ሓላፊት ምድሪ-ዓለም ስደተኛታትን ኣጋይሽን ምዃንና ኣሚንና ሓደ መዓልቲ ናብታ ሰማያዊት ቤትና ገነት-መንግሥተ ሰማያት ግድን ክንምለስ ምዃንና ክንዝንግዖ ኣይግባእን። ስለዚ ኣብዛ ገዛ ኽራይ ዝኾነት ዓለም ብተስፋ እምነት ክንነብር ኣምላኽ ጸግኡ የብዝሓልና!

ፊልጶስ ዘደብረ ቢዘን

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div