“እቲ ኻብ እግዚአብሔር ዝተነግረኪ ቓል ከም ዚፍጸም ስለ ዝኣመንኪ ብጽእቲ ኢኺ።” ሉቃ 1፡45 ካ.ት
ረቡዕ 31 ጥሪ 2018: ህይወት ቅዱሳን፡ ህይወት ሃና - 3ይ ክፋል
ብቐዳምነት ባሕርይ ማለት እንታይ ማለት’ዩ-? ብምባል ንዝቐርብ ሕቶ፥ ባሕርይ ማለት ናይ ሓደ ነገር እንታይነት ዝገልጽ ቃል’ዩ፥ ዝብል መልሲ ክወሃቦ ዝሰማማዕ’ዩ። ቤተ-ክርስቲያን ናይ ቅዱሳን-መጻሕፍቲ መረዳእታትን፥
ብምኽንያት ሓዲሽ ዓመት ቅዱስ ዮሓንስ 2009 (፳፻፱ ዓመተ ምሕረት) ኣብ ከተማ ዙሪክ ስዊዘርላንድ ብዲያቆን ዶክተር ብርሃነ ስዩም መንፈሳዊ ኣስተምህሮ ክወሃብ እዩ። እቲ መንፈሳዊ ኣስተምህሮ ነዞም ዝስዕቡ ኣርእስቲ ዝሓቖፈ እዩ።
ድሕረ ባይታ በዓል ቅዱስ ዮሓንስ
እዚ ቅዱስ ዮሓንስ እንበልና ኣብ ሃገርና ዓመት ዓመት እነብዕሎ ዘለና ዕለት፡ ኣቦታትና ንስለ በዓል ኢሎም ዘብዕልዎ ዝነበሩ ዘይኸነስ፡ ሓቀኛን መንፈሳውን
“ስለ’ዚ ኸኣ፡ ኣቱም ፍቁራተይ፡ (ንምጽኣቱ) እናተጸበኹምሲ፡ ብዘይ ነውርን ብዘይ መንቅብን ብሰላም ኣብ ቅድሚኡ ኽትርከቡ ተጋደሉ።” 2ጴጥ 3፡14
ናይ ዕድመ በዓል ጸጋ ዝኾኑ፡ ወዲ 91 ዓመት ክቡር ኣቦና 3ይ ፓትርያርክ ቅዱስ ኣቡነ እንጦንዮስ፡ ብዘይ ገበን
ብጥልመት ጳጳሳትን ትእዛዝ መንግሥትን መንፈሳዊ መንበሮም ካብ ዝሕደጉ ድሮ 12 ዓመታት ኣቑጺሩ ኣሎ። ቅዱስ ኣቦና ካብ 13 ጥሪ 2006 ኣ.ፈ ጀሚሮም ክሳብ ሎሚ ንልዕሊ 12 ዓመታት፡ ካብ ሰብን ቤተ ክርስቲያንን ካብ ቅዱስ ቁርባንን ዕጣንን ተገሊሎም፥ ብዘይ ፍትሕን ብዘይ ሕጋዊ ፍርድን ኣብ ናይ ገዛ ማሕዩር እንዳ ተሓለዉ፡ ብብዝሒ ደም፥ ሕማም ሽኮር፥ ቃንዛ ኵርምትን ምኹራዕ እዝንን እንዳተሳቐዩ ዝነብሩ ሽማግለ (ናይ ዘመንና ሓዋርያ)፡ ብሕይወት ዘለዉ ሰማዕተ-ክርስቶስ ኣቦ እምነት እዮም።
ረቡዕ 27 መስከረም 2017 - መስቀል ጎይታ
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ