“ድሕሪ ነዊሕ እዋን ከኣ ጐይታና ናይ’ቶም ገላዉ መጺኡ ምሳኣቶም ኪጸባጸብ ጀመረ፡ እቲ ሓሙሽተ መክሊት ዝተቐበለ ኸኣ፡ ‘ጐይታይ፡ ሓሙሽተ መክሊት ሃብካኒ፡ እንሆ ድማ ካልእ ሓሙሽተ መክሊት ረባሕኩ’ እናበለ ኻልእ ሓሙሽተ መክሊት ኣምጽአ፡ ጐይታኡ ድማ፡ ‘ጽቡቕ፡ ኣታ ሕያዋይን እሙንን ኣገልጋሊ! ብውሑድ ተኣሚንካ ኢኻ’ሞ፡ ኣብ ልዕሊ ብዙሕ ክሸመካ’የ፡ ናብ ሓጐስ ጐይታኻ እተው።’ በሎ።” ማቴ 25፡19-21 ካ.ት (መዝ 12፡1)
እንሆ’ዚ ዕለት’ዚ ሻድሻይ ሰንበት ናይ’ዚ ዓብዪ ጾም’ዩ። ብመሰረት ስርዓት ቅድስቲ ቤተ ክርስትያንና ድማ “ገብርኄር (ገብርሄር)” (ሕያዋይ ባርያ) ተባሂሉ ይጽዋዕ። እዚ ስም’ዚ ኻብ’ቲ ጐይታና ንምጽኣቱ ኣመልኪቱ ዝመሃሮ “ምስላ መክሊት” ዝተወስደ’ዩ። ናይ’ዚ ዕለት’ዚ ንባብ ቅዱስ ወንጌል’ውን ንሱ’ዩ። እዚ ናይ ገብርሄር ሰንበት፡ ናይ “ደብረ ዘይት” ሰንበት መቐጸልታ ዀይኑ፡ ብዛዕባ ምስጢረ ምጽኣት እንመሃረሉ ሰንበት’ዩ። እቲ ናይ ማቴዎስ ምዕራፍ 24 ንባብ ብዛዕባ ምልክታትን ኣገባብን ናይ ምጽኣቱ ኺገልጽ ከሎ፡ ማቴዎስ ምዕራፍ 25 ድማ ብኸመይን እንታይ ከም ዚፈርድ ዚገልጽ’ዩ። ነቲ ኣብ ጊዜ ምጽኣቱ ዚህቦ ፍርዲ ብሰለስተ ዓበይቲ ምስላታት ገይሩ ገሊጽዎ ኣሎ።
1. ምስላ ዓሰርተ ደናግል (ማቴ 25፡1-13)
2. ምስላ መክሊት (ማቴ 25፡14-30 ፣ ሉቃ 19፡11-27
3. ምስላ መወዳእታ ፍርዲ (ማቴ 25፡31-46)
ስምን ንባብን ናይ’ዚ ሰንበትን ቅንያት’ዚ ኪኸውን ተመሪጹ ዘሎ ድማ እቲ ናይ መክሊት ምስላ’ዩ። ኣብ’ዚ ምስላ’ዚ ከም ተልእኾ ናይ’ቶም ኣገልገልቲ ዀይኑ ተገሊጹ ዘሎ ተግባር፡ ናይ ንግዲ ስራሕ’ዩ። በቲ ከከም ዓቕሞም ዝተዋህቦም መጠን ናይ ገንዘብ ነጊዶም፡ ነቲ ዝተዋህቦም ገንዘብ ከም ዚበዝሕ ምግባር’ዩ። ዋላ’ኳ ብቓል እንተ ዘይተገልጸ፡ ብግብሪ ግን እቲ ገንዘብ ብሚእቲ ሚእታዊት (100%) ኪበዝሕ ምግባር፡ መምዘኒ ናይ ነፍሲ ወከፍ ብዓል ሕድሪ’ዩ። ከምኡ ኺገብር ንዘይከኣለ ድኹም ኣገልጋሊ ግን፡ እንተ ወሓደ ኣብ ሸረፍቲ (ባንክ) ኣቐሚጡ ብወለድ መጠናዊ ረብሓ ኸም ዚርከቦ ምግባር’ዩ። ኣይ ብንግዳዊ መኽሰብ፡ ኣይ ብወለዳዊ መኽሰብ፡ ዝዀነ ይኹን ረብሓ ከም ዘይርከብ ምግባር ድማ ሕሱም ገበን’ዩ። ብቐንዱ ነቲ ዝተዋህበካ ርእሰ-ማል (ካፒታል)፡ እንተ ብኽሳራ እንተ ብሓሻሽነት (ብልሽውና) ከም ዚጠፍእ ምግባር ድማ ርእሲ ዅሉ ገበናት’ዩ። እቲ ዋና ገንዘብ መጢኑ ከከም ዓቕሞም ዝሃበሉ ምኽንያት፡ ነቶም ኣገልገልቱ ናብ ፈተና፡ ናብ ከቢድ ኣበሳ ምእንቲ ኸየእትዎም’ዩ። ነቲ ኽልተ ዝዓቕሙ ሰብ፡ ሓሙሽተ እንተ ሂብዎ “ነቲ ሰለስተ ኣጥፍኣዮ ኣባኽኖ” ኢሉ ኸም ዝለኣኾ’ዩ ዚቝጸር። ብኣንጻሩ ትሕቲ ዓቕሞም እንተ ዚህቦም’ውን ነቲ ገንዘብ’ኳ እንተ ዘይከሰሮ፡ ነቲ ዓቕሚ (Potential) ናይ’ቶም ኣገልገልቱ ይኸስሮ ስለ ዘሎ፡ ንርእሱ’ቲ ጐይታ ኸም ድኹም ምተቘጽረ ነይሩ። እዚ ኣብ ምስላ ተጠቒሱ ዘሎ ጐይታ ግን፡ እምብዛ ብልሂ ስለ ዝዀነ ንዅላቶም ከከም ዓቕሞም ሃቦም።
ብድሕሪ’ዚ ብዛዕባ’ቲ ዝተዋህቦም መጠን ገንዘብ ክንሓስብ’ዩ ዚግባእ። ኣብ’ቲ ዘመን’ቲ እምበራጦራውያን ገዛእቲ ዝነበሩ ሮማውያን ስለ ዝዀኑ፡ ሽዑ ዚስርሓሉ ዝነበረ ስርዓተ ባጤራ’ውን (Currency) ናታቶም ነበረ። ኣብ’ቲ ስርዓተ ባጤራ’ቲ “መክሊት” ዚበሃል ጥቕሉል ገንዘብ (Big Note) ነበረ። እቲ ዝነኣሰ ዝርዝር ገንዘብ (Small note) ድማ “ዲናር” ይብሃል ነበረ። ኣብ’ቲ ዘመን’ቲ ናይ ጕልበት ስራሕ ናይ ዚሰርሕ ሰብ ናይ ሓደ መዓልቲ ደሞዝ (Minimum wage) ሓደ ዲናር ነበረ። ሓደ መክሊት ኪሽረፍ ከሎ፡ 6000 (ሽዱሽተ ሽሕ) ዲናይ ይሽረፍ ነበረ። ስለ’ዚ እቲ ሓሙሽተ መክሊት ዝተቐበለ ሰብ፡ ሰላሳ ሽሕ ዲናር’ዩ ተቐቢሉ። ስለ’ዚ ንሰላሳ ሽሕ ሰባት ናይ ሓደ መዓልቲ ስራሕ ኬስርሕ ዚኽእል መጠን ገንዘብ’ዩ። ብደረጃ ሓደ ውልቀ ሰብ ጥራሕ እንተ ሓሲብናዮ ድማ፡ 82 ዓመታትን ክልተ ኣዋርሕን ዓሰርተ መዓልታትን ኬስርሖ ዚኽእል’ዩ። እቲ ብዓል ክልተ መክሊት ድማ 12 ሽሕ ዲናር’ዩ ተቐቢሉ። እዚ ድማ ንሓደ ሰብ 32 ዓመታትን 10 ኣዋርሕን ሰለስተ ሰሙናትን ኬስርሖ ዜኽእል’ዩ። እቲ ብዓል ሓደ መክሊት ድማ ንሓደ ሰብ 16 ዓመታትን ሓሙሽተ ኣዋርሕን ዓሰርተ መዓልታትን ዜስርሕ መጠን ገንዘብ’ዩ ተቐቢሉ። ብኸምዚ ኣሽሪፍናን ዘርዚርናን ምርኣይና፡ እቲ ዘባኸነ እቲ ብኽነቱ ማዕረ ኽንደይ ከቢድ ከም ዝዀነ፡ እቲ ዝኸሰበ’ውን ማዕረ ኽንደይ ብዙሕ ተቐቢሉ ብዙሕ ከም ዘፍረየ ብስእላዊ መገዲ ዜርእየና’ዩ። እቲ ንኽንፈርየሉ ብእግዚኣብሄር ዚወሃበና ብዙሕ ዝዓይነቱ ጸጋታት ከኣ፡ ልክዕ ከምኡ’ዩ። ኪወሃበና ኸሎ ውሑድ’ዩ ዚመስል፡ እሙናት ኴንና ኣብ መዓላኡ ኸነውዕሎ ኸለና ግን ንኣና፡ ነቶም ተቐበልቱ፡ ጥራሕ ዘይኰነስ፡ ነእላፋት’ዩ ዚጠቅምን ዜናብርን። ብዝተደፍነ ልቢ፡ ሰኣን ምስትውዓል ከነባኽኖ ኸለና ግን፡ ነቲ ብሕያውነቱ ብኸምኡ ዝዓደለና ኽቡር ኣምላኽን ነቲ ኽቡር ጸጋኡን፡ ንስሓን ምሕረትን ብዘይግብኦ ሓጢኣት ንብድል።
ነዚ ኽቡር ዕለትን ቅንያትን’ዚ ብቕዱስ ያሬድ ዝተዳለወ መዝሙር-ሰንበት “መኑ ውእቱ ገብርኄር (መን’ዩ ሕያዋይ ባርያ፧)” ዘርእስቱ ኰይኑ፡ ነዚ ናይ’ዚ ዕለት’ዚ ንባብ ቅዱስ ወንጌል መሰረት ዝገበረ መዝሙር’ዩ። እቲ ላዕላዊ (ስምዓዊ) መልእኽቱ ብዛዕባ’ቶም ሕያዎትን እሙናትን ኣገልገልቲ ወንጌልን ቤተ ክርስትያንን ዜመልክት ኪኸውን ከሎ፡ እቲ ውሽጣዊ (ወርቃዊ) መልእኽቱ ግን ብዛዕባ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ምዃኑ፡ በቲ፡ “በሰላም ተቤዘውከ ሕዝበከ፡ ለዕረፍት ሰንበተ ሠራዕከ፡ ወመኑ መሓሪ ዜከማከ” ዚብል ቃል ኣመልኪቱና ኣሎ። ምኽንያቱ ነዚ ዝገበረ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ’ምበር፡ ዝዀነ ኻልእ ባርያን ኣገልጋልን ኣይኰነን። እግዚኣብሄር ብኣፍ ነብዪ ኢሳይያስ ባርያኡ ገይሩ፡ “እንሆ ዝድግፎ ባርያይ ሕሩየይ ነፍሰይ ብእኡ ባህ ዚብላ፡ መንፈሰይ ኣብ ልዕሊኡ ኣሕዲረ ኣለኹ፡ . . . ።” ኢሉ ብዛዕባ’ቲ ብስጋ ዚግለጽ ናይ ባህርይ ወዱ ቃል ትንቢት ሂቡ’ሎ (ኢሳ 42፡ 1-4)። እዚ ትንቢት’ዚ ብዛዕባ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ምዃኑ ድማ ኣብ ማቴ 12፡17-21 ተገሊጹልና ኣሎ። ቅዱስ ጳውሎስ’ውን “መልክዕ ባርያ ወሲዱ ርእሱ ኣሕሰረ። ብምባል ዓብይ ምስጢር ገሊጹልና’ዩ (ፊል 2፡6-8)። ስለ’ዚ እቲ ቐንዲ “ሕያዋይ እሙን ባርያ” ዚበሃል ዘሎ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ኰይኑ፡ እቶም ኣሰሩ ስዒቦም ብኣገልግሎቶምን ብባህርዮምን ዝመሰልዎ ዅሎም ድማ፡ ኣብ’ታ መዓልቲ ፍርዲ ነታ ንእኡ ዝተባህለት ንሱ ብዛዕባኦም ከም ዚብላ ዚነግረና’ዩ። ነዚ ህያው ቃል’ዚ መሰረት ብምግባር፡ ንመሪሕ ጥቕስና ምስ መዝ 12፡1 ብምዝማድ ብዛዕባ እሙንነትን ኣገዳስነቱን ክንመሃር ኢና።
እሙንነት ንምንታይ’ዩ ኽሳዕ ክንዲ’ዚ ኣገዳሲ ባህርይ ኰይኑ፧ እሙንነት እንታይ ማለት’ዩ፧ ነዚ እሙንነት’ዚ ብኸመይ ወይ ካበይ ኢና ‘ንረኽቦ፧ እሙን ማለት ዝተዛረብካዮ ቓል፡ ዝኣተኻዮ መብጽዓ ወይ ተስፋ ምኽባር ኪዳንካ ምሕላው፡ ከተብጽሖ ዝተዋህበካን ክትገብሮ ዝተኣዘዝካን ብዘይ መንቅብ ምትግባር ወዘተ ዜጠቓልል’ዩ። እሙንነት፡ ናይ እግዚኣብሄር ተወራሲ መለኮታዊ ባህርይ’ዩ (ዘጸ 2:24 ፣ 2ሳሙ 7:21; 1ቈረ 1:9; 10:13; 2ቈረ 1:18; 1:20; እብ 6:18; 11:11; 1ጴጥ 4:19; 2ጴጥ 3:9)። እግዚኣብሄር ብዅሉ ተግባሩን ኵሉ ጊዜን እሙን’ዩ። ኣብ እግዚኣብሄር ዓመጻ ዀነ ጥልመት ፈጺሙ የልቦን (ዘዳ 25:16; 2ሳሙ 11:27; መዝ 5:4; 11:5; 36:2; 53:5; ምሳ 6:16; ኢሳ 43:24; 61:8; ህዝ 13:20; ኣን 1:13; ዘካ 8:17; 11:8; ሉቃ 16:15; ራእ 2:6; 2:15; 18:4)። እግዚኣብሄር፡ ንኻልእ ኣካል ዘይኰነ፡ ንርእሱ’ዩ እሙን ዚኸውን። እዚ ማለት ከኣ፡ እሙን ንኪኸውንሲ ካልእ ደራኺ ምኽንያት ኣየድልዮን’ዩ። ኣብ መጽሓፍ ቅዱስና እግዚኣብሄር ዜዘውትሮ፡ “ስለ ርእሰይ ኢለ ፣ ስለ ስመይ ኢለ ፣ ስለ ኽብረይ ኢለ” ዚብል ዜገርም ቃል ኣሎ (ኢሳ 43፡25 ፣ 48፡9 ፣ 48፡11)። እዚ ባህርዩ’ዚ ኸኣ’ዩ ተጠሊሙ ኽነሱስ፡ ንሱ ግን እሙን ኰይኑ ኺነብር ዚገብሮ (2ጢሞ 2፡13 ፣ ሮሜ 3፡3 ፣ ዘሁ 23፡19)። ንሕና ሰባት እሙናት ንኽንከውን ካባና ወጻኢ ዝዀነ ኻልእ ደራኺ ምኽንያት ንደልይ ኢና። እግዚኣብሄር ከይፈርደና ፈሪህና ወይ ከኣ ካብኡ ዓስቢ ኽንረክብ ብሂግና፡ ወይ’ውን ብሰባት ኣብ ትዕዝብቲ ኸይንወድቕ ተሰኪፍና፡ “ሰብከ እንታይ ክብለኒ፧” ብምባል፡ ከምኡ’ውን ሰባት ብዛዕባና ጽቡቕ መረዳእታ ኼሕድሩ ዓሊምና፡ ዚበዝሕ ጊዜ ብኻልኣዊ ምኽንያት ኢና እሙናት ክንከውን ‘ንድረኽ። እዞም ደረኽቲ ኣካላት፡ ብቑዕ ይኹን ኣይኩን፡ ብገለ ምኽንያት ካብ ስእለ-ኣእምሮና ምስ ዚርሕቑ ወይ ምስ ዚኽወሉ ግና፡ ካብ’ቲ ንነዊሕ ጊዜ ኸም መለለዩና ዀይኑ ዝጸንሐ ባህርይ እሙንነት ክንዕንቀፍን ክንበኵርን ንርኣይ ኢና። ካብ እሙንነት ዚዕንቅፉና ዝውቱራት ጠንቅታት፡ ከም ኣብነት ክቱር ፍርህን ሕሉፍ ስሰዐን ክንጠቅስ ንኽእል ኢና። በዚ ባህርይ’ዚ ዕዉታትን ፍጹማትን ጽኑዓትን ክንከውን ‘ንኽእል፡ ልክዕ ከም እግዚኣብሄር ካልእ ደራኺ ምኽንያት ከይደለናሉ፡ ካልእ ኣማራጺ ባህርይ ኣወጊድና ንርእስና ኢልና እሙናት ምስ ‘ንኸውን’ዩ።
እሙንነት፡ ብዘይካ ኻብ እግዚኣብሄር ካብ ዝዀነ ካልእ ኣካል ኪረኽቦ ኣይከኣልን’ዩ። ኣቐዲምና ኸም ዝጠቐስናዮ፡ እሙንነት ተወራሲ መለኮታዊ ባህርይ’ዩ። ብመልክዕን ምስልን ናይ ኣምላኽ፡ ብኣርኣያ ቅድስት ስላሴ ስለ ዝተፈጠርና፡ እሙንነት ናትና ዝዀነ ባህርያዊ ትዕድልትናን ኣካል ተፈጥሮናን’ዩ። እሙንነት፡ ንደቂ ኣዳም ጋሻን ጓናን ባህርይ ኣይኰነን። ንኣና ኻብ ሰይጣን ዝወረስናዮ ዝተለቃሕናዮን ዘይናትና ዝዀነ ጋሻን ጓናን ድቓላን ባህርይ፡ ጥልመት’ዩ። ፈጺሙ ዘይኰነልና፡ ኣብ ጐሮሮ ኸም ዝተቐርቀረ ዓጽሚ ዀይኑ ዘይወሓጠልና ባህርይ ኪዀነና ዚግብኦ፡ ጥልመት ጥራሕ’ዩ። እሙንነት ኪኸብደና፡ “ኣይከኣልክዎን፡ ኣይኰነለይን፡ ከመይ ገይረ ኽገብሮ” ኽንብል ከቢድ ውርደትን መሪር ስዕረትን’ዩ። ምኽንያቱ በርኣያ ስላሴ ስለ ዝተፈጠርና፡ ተማቐልቲ ኣምላኻዊ ባህርይ ኢና። እሙንነት ድማ ኣምላኻዊ ባህርይ’ዩ፡ ጥልመት ከኣ ሰይጣናዊ ባህርይ’ዩ።
ነዚ ናይ እሙንነት ናይ ባህርይ ትዕድልትና ደኣ ብኸመይ ኣጥፋእናዮ፧ ብኸመይ ኢናኸ ደጊምና ኸነጥርዮ ‘ንኽእል፧ እታ ኣብ ገነት ኤድን ብኣዳምን ሄዋንን ዝተፈጸመት ቀዳመይቲ ሓጢኣት፡ ጥልመት’ያ። ናይ’ቲ ፈጣሪኦም ናይ እግዚኣብሄር ትእዛዝ ጥሒሶም፡ ቃል ሰይጣን ኬኽብሩ ምስ መረጹ፡ ሓደ ኢሎም ነቲ ናይ ጥልመት ታሪኽ ጀመርዎ። ክሳዕ’ዛ ዘለናያ ሰዓት ከኣ ንቕጽሎ ኣለና፡ ክሳዕ ምጽኣት ጐይታናን መወዳእታ ዓለም ከኣ ኪቕጽል’ዩ። ስለዚ ዝዀነት ትኹን ትእዛዝ ናይ ኣምላኽ ከነፍርስ ከለና፡ ናይ ጥልመት ሓጢኣት ንፍጽም ከም ዘለና ኽንፈልጥ ይግባእ። ምኽንያቱ ብኣምላኽ ክንኣምንን ንእኡ ኽንስዕብን ክንውስን ከለና፡ ምስ ኣምላኽ ኪዳን ንኣትው ኣለና ማለት’ዩ። እቲ ኺዳን ከኣ ንሕና ትእዛዛቱ ኽንሕልው ንሱ ከኣ ኪባርኸናን ዓስቢ ኺህበናን’ዩ። ስለ’ዚ ትዕበይ ትንኣስ፡ ሓንቲ ኻብ ትእዛዛቱ ምስ ‘ነፍርስ፡ ኪዳን ዜፍርሱ ጠለምቲ ንኸውን። ትእዛዛቱ ኽንፍጽም ከለና ድማ ኪዳኖም ዜኽብሩን ዚሕልውን እሙናት ንኸውን።
ንሕና ከም መናፍስቲ ረቀቕቲ ዘይኰነስ፡ ስጋ ዝለበሱ ግዙፋት ፍጥረት ኢና። ባህርይ ናይ’ቲ ዘይረኣይ ኣምላኽ፡ ኣብዛ ዓለም’ዚኣ ብዚረኣይ መገዲ ኸነንጸባርቕን ከነግህድን ዝተፈጠርና ኢና። እግዚኣብሄር ንዓና ተማቐልቲ ናይ’ቲ ተወራሲ መለኮታዊ ባህርዩ ገይሩ ብመልክዑን ብምስሉን ዝፈጠረሉ ምኽንያት ከኣ ንሱ’ዩ። ብትኽክል ነቲ ዝተፈጠርናሉ ዕላማ እንተ ነበርናዮ፡ እሙናት ንኸውን። ነቲ ዝተዋህበና ባህርይን ትእዛዝን ገዲፍና፡ ዘይናትና ዘይተዋህበና ባህርይን ግብርን ከነዘውትር እንተ ጀሚርና ድማ ጠለምቲ ንኸውን። ቅዱስ ጳውሎስ፡ ነቲ ዘይናትና ጓና ባህርይ ለቢሱ ዚነብር መንነትና፡ “ኣረጊት ሰብ”፡ ነቲ ኣምላኽ ዝሃበና ባህርይ ንዚነብር መንነትና ድማ “ሓድሽ ሰብ” ብምባል ሰምይዎ ኣሎ (ሮሜ 6፡6,7 ፣ 2ቈረ 5፡17 ፣ ኤፌ 4፡22-24 ፣ ቈሎ 2፡11 ፣ 3፡9,10)። ነቲ ኣረጊት ሰብና (ሓጥእ ባህርይና) ለቢስና ‘ንመላለስ እንተ ዄንና፡ ብዘይካ ጥልመት ካልእ ታሪኽ ኣይህልወናን’ዩ። ነቲ ሓድሽ ሰብና (ኣምላኻዊ ባህርይና) ለቢስና ‘ንመላለስ እንተ’ሊና ኸኣ፡ ብዘይካ እሙንነት ካልእ ታሪኽ ኣይህልወናን’ዩ። ጐይታና ኻብ ሰማየ ሰማያት ወሪዱ፡ ካብ ቅድስቲ ድንግል ተወሊዱ ምእንታና ዝሞተን ዝተንስአን ነቲ ጠላሚ ኣረጊት ሰብና ቐንጢጥና፡ ነቲ እሙን ሓድሽ ሰብና ኽንለብስ ምእንቲ ኽንክእል’ዩ። ስለ’ዚ እቲ ብክርስቶስ ዝኣመነን ኣብኡ ዚነብርን ክርስትያን፡ እሙን ናይ ምዃን ጸገም የብሉን። ኪጠልም ኣይኰነሉን’ዩ፡ እሙን ምዃን ድማ ኣይከብዶን’ዩ። ክንፍጠር ከለና ባህርይ ጥራሕ ኢና ወሪስና፡ ብኻልኣይ ልደት ክርስትያን ክንከውን ከለና፡ ግን ባህርይ ጥራሕ ዘይኰነስ፡ ብዓብዪ ንክርስቶስ’ውን ኢና ‘ንወርስ። እዚ ማለት ከኣ ክርስቶስ ኣብ ውሽጥና ሓዲሩ ነቲ ናይ እሙንነት ባህርዩ ብኣና ገይሩ ይገብሮ ማለት’ዩ።
“ግናኸ ክርስቶስ’ዩ ኣባይ ዚነብር ዘሎ’ምበር፡ ደጊም ኣነ ኣይኰንኩን ዚነብር ዘለኹ። እዚ ሕጂ ብስጋ ዝነበሮ ዘለኹ ድማ፡ ብእምነት በቲ ዘፍቀረኒ ምእንታይ’ውን ነፍሱ ዘሕለፈለይ ወዲ ኣምላኽ’የ ዝነብር ዘለኹ።” ገላ 2፡20
ስለ’ዚ ኸኣ’ዩ፡ “እቲ ወልድ ዘለዎ ህይወት ኣላቶ፡ ወዲ ኣምላኽ ዘይብሉ ህይወት የብሉን።” ዝተባህለልና (1ዮሃ 5፡12 ፣ ዮሃ 3፡36)። ክርስቶስ ዘይብሉ ሰብ ግን እሙን ኪኸውን ፈጺሙ ኣይክእልን’ዩ። ምኽንያቱ እቲ ክርስቶስ ዘይብልካ ምዃን፡ ንርእሱ እቲ ዝኸፍአን ሕውየት ዘይብሉን ጥልመት’ዩ። ቅዱስ ጳውሎስ ብዛዕባ ገዛእ-እሙንነቱ ኣዝዩ ደስ ዜብልን ዜለብምን ተኣምኖ ተኣሚኑ ኣሎ።
“ኣነ ነቲ ሓይሊ ዝሃብኻኒ ክርስቶስ ኢየሱስ ጐይታና፡ ነገልግሎቱ መዲቡ፡ እሙን ክኸውን ስለ ዘብቅዓኒ፡ አመስግኖ ኣለኹ።” 1ጢሞ 1፡12
ምኽንያቱ ጐይታና ባዕሉ’ውን፡ “ብዘይካይ ሓንቲ’ኳ ኽትገብሩ ኣይትኽእሉን ኢኹም” ኢሉና’ዩ (ዮሃ 15፡5)። እቲ እሙናት ኴንና ናይ ምንባር ተልእኾና ኻብ ኣምላኽ ስለ ዝተቐበልናዮ፡ ካብኡን ብእኡን ንእኡን ኢና እሙናት ንኸውን። ምስ ክርስቶስ ዘይኰንና ዄንና እነርእዮ እሙንነት፡ ተራ ማሕበራዊ ባህርይ’ምበር ኣምላኽ ዚጻምዎ መንፈሳዊ ባህርይ ኣይኰነን። ነቲ ዓይኒ ማይ ገዲፍካስ ብነቓዕ ሓጽቢ ምትእምማን ዝዓይነቱ ጥልመታዊ ባህርይ’ዩ (ኤር 2፡10-13)።
እሙንነትና ዀነ ጥልመትና፡ ኣብ’ቲ ዕለታዊ ማሕበራዊ ናብራና ዀነ ኣብ’ቲ መንፈሳዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን ብኸመይ’ዩ ዚግለጽ፧ ኣቐዲምን ኸም ዝበልናዮ፡ ነቲ ዘይረኣይ ባህርይ እግዚኣብሄር ኣብ’ዛ ዓለም’ዚኣ ከነግህድ ኢና ተፈጢርና። ስለ’ዚ እቲ ኣብ’ዛ ምድሪ’ዚኣ ኣብ ማሕበራዊ ዀነ ኣብ መንፈሳዊ ህይወትና እነርእይ ባህርይ፡ ንእግዚኣብሄር ብእሙንንት ዜኽብር ወይ ብጥልመት ዜሕስር ባህርይ’ዩ ዚኸውን። እቲ ሓሶት ዚጽየፍን ሓቂ ጥራሕ ዚዛረብን ክርስትያን፡ ንኣምላኹ ዚመስል ነቲ ናይ እግዚኣብሄር ሓቅነት ዜንጸባርቕ እሙን ሰብ’ዩ። ብኣንጻሩ እቲ ብዚጠቅምን ዘይጠቅምን ምኽንያት ሓሶት ዜዘውትር ሰብ ግና፡ ሰይጣናዊ ባህርይ ለቢሱ፡ ነቲ ናይ እግዚኣብሄር ሓቅነት ኪዋጋእ ዝተዓጥቀ ጠላምን ዓለወኛን ሰብ’ዩ። ዋላ ዘይሰልጥ ሃቐና ይኹን፡ እቲ ናይ ምሕሳው ዕላማ ግን ነቲ ናይ ኣምላኽ ሓቅነት ምድፋን’ዩ። እንተ ዀነ እቲ ሓሶትናን ጥልመትናን ደኣ’ዩ ብዝኸፍአ መልክዕ ዚገሃድ’ምበር፡ ናይ ፈጣሪ ሓቅነት ብናይ ፍጡራት ሓሶት ኣይድፈንን’ዩ። ናይ ሰይጣንን ኣጋንንቱን፡ ናይ ኵሉ ዘርኢ ሰብን ኵሉ ሓሶት ብሓባር ተደሚሩ፡ ንሓንቲ ንጽል ናይ ኣምላኽ ሓቂ’ኳ ኺደፍን ኣይክእልን’ዩ (ሮሜ 3፡4-7)። ስለ’ዚ ኣምላኽ “ኣይትሓስው” ዚብለና፡ ነቲ ናቱ ሓቂ ኸይንደፍነሉ ሰጊኡ ንርእሱ ኺንሕፍ ኢሉ ዘይኰነስ፡ ንኣና ኻብ ጥልመትን ዕልወትን ምእንቲ ኼድሕነና ጥራሕ’ዩ። ብፍትወት ኣዒንቲ ይኹን ብኣካል ብምዝማውን ብምምንዛርን ክንረክስ ከለና፡ ኣንጻር ቅድስና እግዚኣብሄር ኢና ‘ንዋጋእ። ስለ’ዚ ነቲ ቕድስና ናይ ኣምላኽ ኣብ’ዛ ምድሪ’ዚኣ ናይ ምንጽብራቕ ተልእኾና ብጥልመት ዛዚምናዮ ኣለና ማለት’ዩ። ብዛዕባ ነፍሲ ወከፍ ሓጢኣት፡ እቲ ሓቂ ንሱ’ዩ። ነፍሲ ወከፍ ሓጢኣት ናይ ጥልመት ፍረን መግለጽን’ዩ። ዝዀነ ይኹን ንሕና እንገብሮ ግብሪ ጽድቂ ድማ፡ ናይ ጽድቂ ኣምላኽ ፍረን መግለጽን’ዩ። በቲ እግዚኣብሄር ብሕያውነቱ ዝሃበና ገንዘብን ንብረትን ንጽጉማት ብልግሲ ኽንረድእ ከለና፡ ነቲ ናይ ኣምላኽ ናይ መጋቢነት ባህርይ ኢና ‘ነገልግል። ስለ’ዚ ነቲ ምድራዊ ተልእኾና ብእሙንነት ተግቢርና ኣለና። ብዛዕባ ነፍሲ ወከፍ ዝገበርናዮ ግብሪ ጽድቂ፡ እቲ ሓቂ ንሱ’ዩ። እቲ ጸገም እቲ ህይወትና ዝተሓናፈጸ’ዩ። ዚበዝሕ ትሕዝቶ ህይወትና ጥልመት፡ እቲ ዝወሓደ ኸኣ እሙንነት’ዩ። ከም’ዚ ዝዓይነቱ ህይወት ከኣ ንኣምላኽ ኪገልጾን ኪውክሎን ኣይክእልን’ዩ። ስለ’ዚ ኸኣ’ዩ ቃል እግዚኣብሄር መንቅብ፡ ኣበር፡ ሕፍቲ፡ እንታ ዘይብሉ ፍጹም ህይወት ክንነብር ብተደጋጋምን ብኣጽንዖትን ዚእዝዘና (1ተሰ 5፡23 ፣ 1ጢሞ 3፡2 ፣ 3፡10፡ 5፡7 ፣ 6፡13-14 ፣ ቲቶ 2፡7-8፡ 2ጴጥ 3፡14 )።
ንመንፈሳዊ ኣገልግሎት ብዚምልከት’ውን ዝተፈልየ ኻልእ ኣሰራርሓ የለን። ናይ’ዚ ዕለት’ዚ ንባብ ቅዱስ ወንጌል ድማ ሓይሊ መልእኽቱ ናብ ኣገልግሎት ዘድሃበ’ዩ። ጐይታ ከከም ዓቕምና ናይ ኣገልግሎት ተልእኾን፡ ተልእኾና ኽንገብር ዜኽእለና ጸጋን ሂቡና ኣሎ። እሙንነትናን ጥልመትናን ከኣ ብኣተገባብራ ኣገልግሎትና ኢን ንገልጾ። እዚ ምስላ መክሊት ድማ ነዚ ሓቂ’ዚ ብስእላዊ መገዲ ኼርእየና ዝተመሰለ’ዩ። እቲ ሓሙሽተ መክሊትን እቲ ኽልተ መክሊትን ዝተቐበሉ ኣገልገልቲ፡ ብዓቕሞም ዓብይ ፍልልይ ዝነበሮም ሰባት’ዮም። በቲ ዘርኣይዎ ናይ እሙንነት ባህርይ ግን ዝዀነ ፍልልይ ዘይብሎም ማዕረ ዀይኖም ተረኽቡ፡ ጐይታና ግና ብመጠን ናይቲ ዝተዋህቦም ቍጽሪ መክሊት ዘይኰነስ፡ በቲ ዘርኣይዎ መጠን እሙንነት ፈረዶም። ስለ’ዚ ኸኣ ንኽልቲኦም ብማዕረ፡ “ኣታ ሕያዋይ እሙን ኣገልጋሊ ናብ ሓጐስ ጐይታኻ እተው” ኢሉ ሓደ ዓይነት ማዕርግን ዓስብን ሃቦም። ምኽንያቱ ንሱ ነቲ ዝሃለኹሉ ዕዮ ዘይኰነስ፡ ነቲ ብምልኣት ዘንጸባረቕዎ ናይ እሙንነት ባህርዩ’ዩ ዚመዝን። እቲ ብዓል ሓሙሽተ ኽልተ ጥራሕ እቲ ብዓል ክልተ ድማ ሓንቲ መክሊት ጥራሕ እንተ ዚረብሕ ግን ካብ’ቲ ዝዀነ ረብሓ ዘየምጽአ ኽፉእ ባርያ ዜሕሹ’ኳ እንተ ዀኑ፡ ንናእዳ ግን ኣይምበቕዑን። ምኽንያቱ ጐደሎነት ንእግዚኣብሄር ኣይውክሎን ኣይምጥኖን ከኣ’ዩ። ናይ’ቶም ግቡኦም ዘይፍጽሙ ኣገልገልቲ ብኽነት ድርብ’ዩ። እቲ ቐዳማይ ብኽነት፡ ናይ’ቲ ዝተዋህቦም ዓቕምን ጸጋን ብኽነት ኪኸውን ከሎ፡ እቲ ኻልኣይ ብኽነት ድማ ናይ’ቲ ኺርከብ ዝነበሮ ረብሓን ናይ’ቲ ኺንጸባረቕ ዝነበሮ ባህርይ ብኽነትን’ዩ። ስለ’ዚ ኸም’ቲ ኽፉእ ባርያ ባዶ ምዃንን፡ ጐደሎ ፍረ ምፍራይን ተደራራቢ ናይ ጥልመት መርኣያ’ዩ። እቲ ኣብ ማቴ 24፡45-51 ተገሊጹ ዘሎ ምስላ ናይ እሙንን ዘይእሙንን ኣገልጋሊ ኣገልግሎትካ ብግቡእ ናይ ምፍጻምን ዘይምፍጻምን ተግባር፡ ናይ እሙንነትን ጥልመትን ባህርይ መርኣያ ምዃኑ ዜረጋግጸልና’ዩ። ኣብ’ዛ ምስላ መክሊትን ኣብ’ዛ ዝተጠቕሰት ምስላን ነቶም እሙናት ኰይኖም ዘይተረኽቡ ክልተ ኣገልገልቲ ዝተዋህበት ኣዝያ ኣሰካፊት መጸውዒት ቅጽል ኣላ። ንሳ ኸኣ “ክፉእ ባርያ” እትብል’ያ (ማቴ 24፡48 ፣ 25፡26)። “ክፉእ” ድማ ናይ ድያብሎስ መጸውዒ ቕጽል’ዩ (ማቴ 5፡37)። ጐይታና ነቲ ምስላ ስርናይን ክርዳድን ኪትርጕም ከሎ፡ ነቶም ብኽርዳድ ዚምሰሉ ሰይጣን ዚዘርኦም ሓጥኣን “ደቂ’ቲ ኽፉእ” ብምባል ገሊጽዎም ኣሎ (ማቴ 13፡38)። ስለ’ዚ ኣገልግሎትካ ብግቡእ ብዘይ ምፍጻም ዓቕምኻን ጸጋኻን ምብኻን፡ በቲ ዝተዋህበካ ዕዮ እሙን ዘይምዃን፡ ናይ’ቲ ሰይጣናዊ ባህርይ፡ ናይ ክፍኣት መግለጺ’ዩ። ነዞም “ክፉእ ባርያ” ተሰምዮም ዘለው ኣገልገልቲ ተዋሂቡ ዘሎ ፍርዲ ድማ ኣዝዩ ዜሰክሕ’ዩ (ማቴ 24፡51 ፣ 25፡30 ፣ 13፡40-42)።
መልእኽትን ሳዕቤንን ናይ ዘይእሙንነት እንታይ’ዩ፧ ናይ ጥልመት ሓደጋን ሳዕቤንን እንታይ ምዃኑ ጽቡቕ ገይሮም ዚፈልጥዎ እቶም እሙናት ጥራሕ’ዮም። ካብ ጥልመት ኣዝዮም ኪርሕቑ፡ ኣብ’ቲ እሙን ባህሪኦም ኣዝዮም ኪጸንዑ ዚገብሮም ከኣ እዚ ምስትውዓሎም’ዚ’ዩ። ናይ’ዚ ዕለት’ዚ ኣርእስቲ ትምህርትና፡ እዚ ምስትውዓል’ዚ ዝወለዶ ናይ ቅዱስ ዳዊት ናይ ጸሎት መዝሙር’ዩ። ንሱ ነታ ኣብ ልቢ ኣምላኽ ዘላ፡ ነታ ኣምላኽ ዚደልያ ጥራሕ ዚገብር፡ እሙን ምዃኑ ዝተመስከረሉ ሰብ ስለ ዝነበረ፡ እሙናት ኪጠፍኡን ኪሰኣኑን ከለው እንታይ ከም ዚስዕብ ተራእይዎ፦ “ኦ እግዚኣብሄር ቅኑዕ ሰብ ተሳኢኑ፡ ካብ ማእከል ደቂ ሰብ’ውን እሙናት ጠፊኦም’ዮም’ሞ፡ ኣድሕን። ንሓድሕዶም ኪዛረቡ ኸለው ይሕስው፡ ብጠባሪ ኸንፈርን ብኽልተ መልሓስን ከኣ ይዛረቡ።” ብምባል ብዛዕባ ዝተሰምዖ መንፈሳዊ ስግኣት ገለጸ (መዝ 12፡1,2 ካ.ት)። እሙናት ጠፊኦም ማለት ጠለምቲ ጥራሕ መሊኦም ኣለዉ ማለት’ዩ። ምብዛሕ ጠለምቲ ድማ፡ ንግስነት ሰይጣን ዓብሊሉ’ሎ ማለት’ዩ። ስለ’ዚ ኣምላኽ ነቲ ህዝቢ ዚምሕረሉን ዚንሕፈሉን ምኽንያት ስኢኑ’ሎ። ምኽንያቱ እግዚኣብሄር እቲ መሓሪ ኣምላኽ ምእንቲ’ቶም ውሑዳት ጻድቃን ኢሉ’ዩ ነቲ እልቢ ዘይብሉ ሓጥእ ህዝቢ ብህይወት ይንበር ዚሓድጎ። ጻድቃንን እሙናትን ኪስእን ከሎ ድማ ልክዕ ከም’ቲ ኣብ ሰዶምን ጎመራን ዝገበሮ ንፍርዲ’ዩ ዚለዓል (ዘፍ 18፡20-33 ፣ 19፡4-29)። ስለ’ዚ ጥልመትና መቕዘፍትን ጥፍኣትን’ዩ ዚጽውዕ። ጐይታና’ውን፡ ንሱ ኣብ ዘይብሉ፡ ብዘይምእማን ንደቀ መዛሙርቱ ኼጨንቕዎም ምስ ረኣየ፦
“ኣታ ዘይእሙንን ቄናንን ወለዶ፡ ክሳዕ መዓስ ምሳኻትኩም ክነብር’የ፡ ክሳዕ መዓስሲ ኽዕገሰኩም’የ . . .” ብምባል ብምርረት ተዛሪቡ ኣሎ (ማቴ 17፡17)። ስለ’ዚ ዘይእሙን ምዃን ትዕግስቲ ኣምላኽ ዚጽንቅቕ መዓት ዚጽውዕ ኣዝዩ ሓደገኛ ኣበሳ’ዩ። ሒደት ማይ ብሒቝ ንብምሉኡ’ቲ ዝተለውሰ ብሑቕ ቀልጢፉ ኸም ዜብኵዖ፡ ንእሽቶ ጥልመት ድማ ንዅለንተናና’ዩ ዜበላሽዎን ብኣምላኽ ጽዩፍ ዚገብሮን ንኣምላኽ ዜጽርፍ እኩይ ኣበሳ ድማ’ዩ። እቲ ብመልክዕ ኣምላኽ ዝተፈጥረ ሰብ ዘይእሙንን ጠላምን እንተ ዀይኑ፡ ብቐንዱ’ቲ ፈጣሪ’ውን ጠላሚ ኸም ዝዀነ ዜስምዕ ዘይቅኑዕን ዘይተደላይን መልእኽቲ’ዩ ዜመሓላልፍ። እቲ ብእሙንነቱ መዳርግቲ ዘይብሉ ፍጹም ኣምላኽ ብሰሪ’ቶም ጥልመት ዝመረጹ ፍጡራቱ ዘይባህርዩ ኺወሃቦ ምርኣይ ኣዝዩ ኸቢድ ኣበሳ’ዩ። ስለ’ዚ ኸኣ “ብሰርኹም ስም ኣምላኽ ኣብ ማእከል ኣህዛብ ይጽረፍ ኣሎ፡ . . . ኣታ ብሕጊ እትምካሕ፡ ሕጊ ብምፍራስካዶ ንኣምላኽ ተሕስሮ ኣለኻ፧” ተባህለልና (ሮሜ 2፡23,24 ፣ 2ሳሙ 12፡14)። ጥልመት፡ ኣብ ልዕሊ’ቲ እሙን ኣምላኽ ዚስንዘር ግብራዊ ጸርፊ’ዩ። እቲ ናትና ኸይኣክል ከኣ እቶም ዘይኣምንዎ ኺጸርፍዎ በሪ ዚኸፍት ነውራም ኣበሳ’ዩ። ስለ’ዚ ጥልመት ኪሰርጸናን ኪመልከናን እንተ ጀሚሩ፡ ኣብ ካልኦት ተመሳሳሊ ባህርይ ኪዕብልል እንተ ተዓዚብና፡ ምስ ዳዊት ኴንና “ኣድሕነና” ኢልና ብጸሎት ክንጭርሕ’ዩ ዚግባእ።
እምበኣር ናብ ገዛእ ህይወትና ንመለስ’ሞ፡ ልብናን ኣካይዳናን ብዘይ ንሕስያ ግርም ጌርና ንመርምር። እቲ መዓልታውን ናይ ምሉእ ዕድመን ታሪኽና፡ ናይ እሙንነት ድዩ ናይ ጥልመት ኣርጊጽና ንፍለጥ። ምኽንያቱ፡ ከም’ዚ ነዞም ሰብ መክሊት ዝገበሮም፡ ንኣና’ውን “ጸብጻብኩም ሃቡኒ” ኺብለና’ዩ። ድሮ ድማ ዘመነ ምጽኣት በጺሑስ፡ ኣብ ኣፍ ደገ ዀይኑ ኣበርቲዑ ይዅሕኵሓና ኣሎ። እምበኣር ንህይወትና ኻብ’ቲ ድሮ ዝፈጸምናዮ ስዉርን ግሁድን ጥልመት ብንስሓ ነጽርያ። ኣብ’ዚ ተሪፉ ዘሎ ሓጺርን ፈታንን ዘመን ከኣ ጥልመት ዘይርከቦ ናይ እሙንነት ናብራ ንንበር፡ ነቲ ዝወረስናዮ ባህርይ ኣምላኽ ኣብ ዓለም ነግህዶ።
ጸጋ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ፍቕሪ ኣምላኽን ሕብረት መንፈስ ቅዱስን ምስ ኩላትና ይኹን።
ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ - መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜርካ።
30 መጋቢት 2025 | መጋቢት 20, 2016 ግዕዝ (መበል 29 ሰንበት: ቊ.፳፱/29) |
||
ምስባክ መዝ. ፴፱(፵)፡፯.፰ “ከመ እንግር ፈቃደከ መከርኩ አምላኪየ። ወሕግከኒ በማእከለ ከርሥየ። ዜኖኩ ጽድቀከ በማኅበር ዓቢይ።” ዓዲ፡ መዝ.፻፴፫(፻፴፬)፣፩-፪ “ናሁ ይባርክዎ ለእግዚአብሔር።ኵሎሙ አግብርተ እግዚአብሔር።እለ ይቀውሙ ውስተ ቤተ እግዚአብሔር።”
|
ንባባት |
ኣንባቢ |
1ቈረ 4፡1-9 |
ዲያቆን |
|
1ጴጥ 2፡11-19 |
ንፍቅ ዲያቆን |
|
ግብ 16፡9-18 |
ንፍቅ ካህን |
|
ማቴ 25፡14-30 |
ሰራዒ ካህን |
|
ቅዳሴ ፦ ዘባስልዮስ | መዝሙር፦ መኑ ውእቱ ገብር ኄር |
|
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ