S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ድሕሪ ነዊሕ እዋን ከኣ ጐይታና ናይቶም ገላዉ መጺኡ ምሳኣቶም ኪጸባጸብ ጀመረ፡ እቲ ሓሙሽተ መክሊት ዝተቐበለ ኸኣ፡ጐይታይ፡ ሓሙሽተ መክሊት ሃብካኒ፡ እንሆ ድማ ካልእ ሓሙሽተ መክሊት ረባሕኩእናበለ ኻልእ ሓሙሽተ መክሊት ኣምጽአ፡ ጐይታኡ ድማ፡ጽቡቕ፡ ኣታ ሕያዋይን እሙንን ኣገልጋሊ! ብውሑድ ተኣሚንካ ኢኻሞ፡ ኣብ ልዕሊ ብዙሕ ክሸመካየ፡ ናብ ሓጐስ ጐይታኻ እተው።በሎ።” ማቴ 2519-21 . (መዝ 121)

እንሆ ዕለት ሻድሻይ ሰንበት ናይ ዓብዪ ጾምዩ። ብመሰረት ስርዓት ቅድስቲ ቤተ ክርስትያንና ድማገብርኄር (ገብርሄር)” (ሕያዋይ ባርያ) ተባሂሉ ይጽዋዕ። እዚ ስም ኻብ ጐይታና ንምጽኣቱ ኣመልኪቱ ዝመሃሮምስላ መክሊትዝተወስደዩ። ናይ ዕለት ንባብ ቅዱስ ወንጌልውን ንሱዩ። እዚ ናይ ገብርሄር ሰንበት፡ ናይደብረ ዘይትሰንበት መቐጸልታ ዀይኑ፡ ብዛዕባ ምስጢረ ምጽኣት እንመሃረሉ ሰንበትዩ። እቲ ናይ ማቴዎስ ምዕራፍ 24 ንባብ ብዛዕባ ምልክታትን ኣገባብን ናይ ምጽኣቱ ኺገልጽ ከሎ፡ ማቴዎስ ምዕራፍ 25 ድማ ብኸመይን እንታይ ከም ዚፈርድ ዚገልጽዩ። ነቲ ኣብ ጊዜ ምጽኣቱ ዚህቦ ፍርዲ ብሰለስተ ዓበይቲ ምስላታት ገይሩ ገሊጽዎ ኣሎ።

1. ምስላ ዓሰርተ ደናግል (ማቴ 251-13)

2. ምስላ መክሊት (ማቴ 2514-30 ሉቃ 1911-27

3. ምስላ መወዳእታ ፍርዲ (ማቴ 2531-46)

ስምን ንባብን ናይ ሰንበትን ቅንያት ኪኸውን ተመሪጹ ዘሎ ድማ እቲ ናይ መክሊት ምስላዩ። ኣብ ምስላ ከም ተልእኾ ናይቶም ኣገልገልቲ ዀይኑ ተገሊጹ ዘሎ ተግባር፡ ናይ ንግዲ ስራሕዩ። በቲ ከከም ዓቕሞም ዝተዋህቦም መጠን ናይ ገንዘብ ነጊዶም፡ ነቲ ዝተዋህቦም ገንዘብ ከም ዚበዝሕ ምግባርዩ። ዋላ ብቓል እንተ ዘይተገልጸ፡ ብግብሪ ግን እቲ ገንዘብ ብሚእቲ ሚእታዊት (100%) ኪበዝሕ ምግባር፡ መምዘኒ ናይ ነፍሲ ወከፍ ብዓል ሕድሪዩ። ከምኡ ኺገብር ንዘይከኣለ ድኹም ኣገልጋሊ ግን፡ እንተ ወሓደ ኣብ ሸረፍቲ (ባንክ) ኣቐሚጡ ብወለድ መጠናዊ ረብሓ ኸም ዚርከቦ ምግባርዩ። ኣይ ብንግዳዊ መኽሰብ፡ ኣይ ብወለዳዊ መኽሰብ፡ ዝዀነ ይኹን ረብሓ ከም ዘይርከብ ምግባር ድማ ሕሱም ገበንዩ። ብቐንዱ ነቲ ዝተዋህበካ ርእሰ-ማል (ካፒታል) እንተ ብኽሳራ እንተ ብሓሻሽነት (ብልሽውና) ከም ዚጠፍእ ምግባር ድማ ርእሲ ዅሉ ገበናትዩ። እቲ ዋና ገንዘብ መጢኑ ከከም ዓቕሞም ዝሃበሉ ምኽንያት፡ ነቶም ኣገልገልቱ ናብ ፈተና፡ ናብ ከቢድ ኣበሳ ምእንቲ ኸየእትዎምዩ። ነቲ ኽልተ ዝዓቕሙ ሰብ፡ ሓሙሽተ እንተ ሂብዎነቲ ሰለስተ ኣጥፍኣዮ ኣባኽኖኢሉ ኸም ዝለኣኾ ዚቝጸር። ብኣንጻሩ ትሕቲ ዓቕሞም እንተ ዚህቦምውን ነቲ ገንዘብ እንተ ዘይከሰሮ፡ ነቲ ዓቕሚ (Potential) ናይቶም ኣገልገልቱ ይኸስሮ ስለ ዘሎ፡ ንርእሱ ጐይታ ኸም ድኹም ምተቘጽረ ነይሩ። እዚ ኣብ ምስላ ተጠቒሱ ዘሎ ጐይታ ግን፡ እምብዛ ብልሂ ስለ ዝዀነ ንዅላቶም ከከም ዓቕሞም ሃቦም።

ብድሕሪ ብዛዕባ ዝተዋህቦም መጠን ገንዘብ ክንሓስብ ዚግባእ። ኣብ ዘመን እምበራጦራውያን ገዛእቲ ዝነበሩ ሮማውያን ስለ ዝዀኑ፡ ሽዑ ዚስርሓሉ ዝነበረ ስርዓተ ባጤራውን (Currency) ናታቶም ነበረ። ኣብ ስርዓተ ባጤራመክሊትዚበሃል ጥቕሉል ገንዘብ (Big Note) ነበረ። እቲ ዝነኣሰ ዝርዝር ገንዘብ (Small note) ድማዲናርይብሃል ነበረ። ኣብ ዘመን ናይ ጕልበት ስራሕ ናይ ዚሰርሕ ሰብ ናይ ሓደ መዓልቲ ደሞዝ (Minimum wage) ሓደ ዲናር ነበረ። ሓደ መክሊት ኪሽረፍ ከሎ፡ 6000 (ሽዱሽተ ሽሕ) ዲናይ ይሽረፍ ነበረ። ስለ እቲ ሓሙሽተ መክሊት ዝተቐበለ ሰብ፡ ሰላሳ ሽሕ ዲናር ተቐቢሉ። ስለ ንሰላሳ ሽሕ ሰባት ናይ ሓደ መዓልቲ ስራሕ ኬስርሕ ዚኽእል መጠን ገንዘብዩ። ብደረጃ ሓደ ውልቀ ሰብ ጥራሕ እንተ ሓሲብናዮ ድማ፡ 82 ዓመታትን ክልተ ኣዋርሕን ዓሰርተ መዓልታትን ኬስርሖ ዚኽእልዩ። እቲ ብዓል ክልተ መክሊት ድማ 12 ሽሕ ዲናር ተቐቢሉ። እዚ ድማ ንሓደ ሰብ 32 ዓመታትን 10 ኣዋርሕን ሰለስተ ሰሙናትን ኬስርሖ ዜኽእልዩ። እቲ ብዓል ሓደ መክሊት ድማ ንሓደ ሰብ 16 ዓመታትን ሓሙሽተ ኣዋርሕን ዓሰርተ መዓልታትን ዜስርሕ መጠን ገንዘብ ተቐቢሉ። ብኸምዚ ኣሽሪፍናን ዘርዚርናን ምርኣይና፡ እቲ ዘባኸነ እቲ ብኽነቱ ማዕረ ኽንደይ ከቢድ ከም ዝዀነ፡ እቲ ዝኸሰበውን ማዕረ ኽንደይ ብዙሕ ተቐቢሉ ብዙሕ ከም ዘፍረየ ብስእላዊ መገዲ ዜርእየናዩ። እቲ ንኽንፈርየሉ ብእግዚኣብሄር ዚወሃበና ብዙሕ ዝዓይነቱ ጸጋታት ከኣ፡ ልክዕ ከምኡዩ። ኪወሃበና ኸሎ ውሑድ ዚመስል፡ እሙናት ኴንና ኣብ መዓላኡ ኸነውዕሎ ኸለና ግን ንኣና፡ ነቶም ተቐበልቱ፡ ጥራሕ ዘይኰነስ፡ ነእላፋት ዚጠቅምን ዜናብርን። ብዝተደፍነ ልቢ፡ ሰኣን ምስትውዓል ከነባኽኖ ኸለና ግን፡ ነቲ ብሕያውነቱ ብኸምኡ ዝዓደለና ኽቡር ኣምላኽን ነቲ ኽቡር ጸጋኡን፡ ንስሓን ምሕረትን ብዘይግብኦ ሓጢኣት ንብድል።

ነዚ ኽቡር ዕለትን ቅንያትን ብቕዱስ ያሬድ ዝተዳለወ መዝሙር-ሰንበትመኑ ውእቱ ገብርኄር (መን ሕያዋይ ባርያ፧)” ዘርእስቱ ኰይኑ፡ ነዚ ናይ ዕለት ንባብ ቅዱስ ወንጌል መሰረት ዝገበረ መዝሙርዩ። እቲ ላዕላዊ (ስምዓዊ) መልእኽቱ ብዛዕባቶም ሕያዎትን እሙናትን ኣገልገልቲ ወንጌልን ቤተ ክርስትያንን ዜመልክት ኪኸውን ከሎ፡ እቲ ውሽጣዊ (ወርቃዊ) መልእኽቱ ግን ብዛዕባ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ምዃኑ፡ በቲ፡በሰላም ተቤዘውከ ሕዝበከ፡ ለዕረፍት ሰንበተ ሠራዕከ፡ ወመኑ መሓሪ ዜከማከዚብል ቃል ኣመልኪቱና ኣሎ። ምኽንያቱ ነዚ ዝገበረ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስምበር፡ ዝዀነ ኻልእ ባርያን ኣገልጋልን ኣይኰነን። እግዚኣብሄር ብኣፍ ነብዪ ኢሳይያስ ባርያኡ ገይሩ፡እንሆ ዝድግፎ ባርያይ ሕሩየይ ነፍሰይ ብእኡ ባህ ዚብላ፡ መንፈሰይ ኣብ ልዕሊኡ ኣሕዲረ ኣለኹ፡ . . . ኢሉ ብዛዕባ ብስጋ ዚግለጽ ናይ ባህርይ ወዱ ቃል ትንቢት ሂቡ (ኢሳ 42 1-4) እዚ ትንቢት ብዛዕባ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ምዃኑ ድማ ኣብ ማቴ 1217-21 ተገሊጹልና ኣሎ። ቅዱስ ጳውሎስውንመልክዕ ባርያ ወሲዱ ርእሱ ኣሕሰረ። ብምባል ዓብይ ምስጢር ገሊጹልና (ፊል 26-8) ስለ እቲ ቐንዲሕያዋይ እሙን ባርያዚበሃል ዘሎ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ኰይኑ፡ እቶም ኣሰሩ ስዒቦም ብኣገልግሎቶምን ብባህርዮምን ዝመሰልዎ ዅሎም ድማ፡ ኣብ መዓልቲ ፍርዲ ነታ ንእኡ ዝተባህለት ንሱ ብዛዕባኦም ከም ዚብላ ዚነግረናዩ። ነዚ ህያው ቃል መሰረት ብምግባር፡ ንመሪሕ ጥቕስና ምስ መዝ 121 ብምዝማድ ብዛዕባ እሙንነትን ኣገዳስነቱን ክንመሃር ኢና።

እሙንነት ንምንታይ ኽሳዕ ክንዲ ኣገዳሲ ባህርይ ኰይኑ፧ እሙንነት እንታይ ማለትዩ፧ ነዚ እሙንነት ብኸመይ ወይ ካበይ ኢናንረኽቦ፧ እሙን ማለት ዝተዛረብካዮ ቓል፡ ዝኣተኻዮ መብጽዓ ወይ ተስፋ ምኽባር ኪዳንካ ምሕላው፡ ከተብጽሖ ዝተዋህበካን ክትገብሮ ዝተኣዘዝካን ብዘይ መንቅብ ምትግባር ወዘተ ዜጠቓልልዩ። እሙንነት፡ ናይ እግዚኣብሄር ተወራሲ መለኮታዊ ባህርይ (ዘጸ 2:24 2ሳሙ 7:21; 1ቈረ 1:9; 10:13; 2ቈረ 1:18; 1:20; እብ 6:18; 11:11; 1ጴጥ 4:19; 2ጴጥ 3:9) እግዚኣብሄር ብዅሉ ተግባሩን ኵሉ ጊዜን እሙንዩ። ኣብ እግዚኣብሄር ዓመጻ ዀነ ጥልመት ፈጺሙ የልቦን (ዘዳ 25:16; 2ሳሙ 11:27; መዝ 5:4; 11:5; 36:2; 53:5; ምሳ 6:16;  ኢሳ 43:24; 61:8; ህዝ 13:20; ኣን 1:13; ዘካ 8:17; 11:8; ሉቃ 16:15; ራእ 2:6; 2:15; 18:4) እግዚኣብሄር፡ ንኻልእ ኣካል ዘይኰነ፡ ንርእሱ እሙን ዚኸውን። እዚ ማለት ከኣ፡ እሙን ንኪኸውንሲ ካልእ ደራኺ ምኽንያት ኣየድልዮንዩ። ኣብ መጽሓፍ ቅዱስና እግዚኣብሄር ዜዘውትሮ፡ስለ ርእሰይ ኢለ ስለ ስመይ ኢለ ስለ ኽብረይ ኢለዚብል ዜገርም ቃል ኣሎ (ኢሳ 4325 489 4811) እዚ ባህርዩ ኸኣ ተጠሊሙ ኽነሱስ፡ ንሱ ግን እሙን ኰይኑ ኺነብር ዚገብሮ (2ጢሞ 213 ሮሜ 33 ዘሁ 2319) ንሕና ሰባት እሙናት ንኽንከውን ካባና ወጻኢ ዝዀነ ኻልእ ደራኺ ምኽንያት ንደልይ ኢና። እግዚኣብሄር ከይፈርደና ፈሪህና ወይ ከኣ ካብኡ ዓስቢ ኽንረክብ ብሂግና፡ ወይውን ብሰባት ኣብ ትዕዝብቲ ኸይንወድቕ ተሰኪፍና፡ሰብከ እንታይ ክብለኒ፧ብምባል፡ ከምኡውን ሰባት ብዛዕባና ጽቡቕ መረዳእታ ኼሕድሩ ዓሊምና፡ ዚበዝሕ ጊዜ ብኻልኣዊ ምኽንያት ኢና እሙናት ክንከውንንድረኽ። እዞም ደረኽቲ ኣካላት፡ ብቑዕ ይኹን ኣይኩን፡ ብገለ ምኽንያት ካብ ስእለ-ኣእምሮና ምስ ዚርሕቑ ወይ ምስ ዚኽወሉ ግና፡ ካብ ንነዊሕ ጊዜ ኸም መለለዩና ዀይኑ ዝጸንሐ ባህርይ እሙንነት ክንዕንቀፍን ክንበኵርን ንርኣይ ኢና። ካብ እሙንነት ዚዕንቅፉና ዝውቱራት ጠንቅታት፡ ከም ኣብነት ክቱር ፍርህን ሕሉፍ ስሰዐን ክንጠቅስ ንኽእል ኢና። በዚ ባህርይ ዕዉታትን ፍጹማትን ጽኑዓትን ክንከውንንኽእል፡ ልክዕ ከም እግዚኣብሄር ካልእ ደራኺ ምኽንያት ከይደለናሉ፡ ካልእ ኣማራጺ ባህርይ ኣወጊድና ንርእስና ኢልና እሙናት ምስንኸውንዩ።

እሙንነት፡ ብዘይካ ኻብ እግዚኣብሄር ካብ ዝዀነ ካልእ ኣካል ኪረኽቦ ኣይከኣልንዩ። ኣቐዲምና ኸም ዝጠቐስናዮ፡ እሙንነት ተወራሲ መለኮታዊ ባህርይዩ። ብመልክዕን ምስልን ናይ ኣምላኽ፡ ብኣርኣያ ቅድስት ስላሴ ስለ ዝተፈጠርና፡ እሙንነት ናትና ዝዀነ ባህርያዊ ትዕድልትናን ኣካል ተፈጥሮናንዩ። እሙንነት፡ ንደቂ ኣዳም ጋሻን ጓናን ባህርይ ኣይኰነን። ንኣና ኻብ ሰይጣን ዝወረስናዮ ዝተለቃሕናዮን ዘይናትና ዝዀነ ጋሻን ጓናን ድቓላን ባህርይ፡ ጥልመትዩ። ፈጺሙ ዘይኰነልና፡ ኣብ ጐሮሮ ኸም ዝተቐርቀረ ዓጽሚ ዀይኑ ዘይወሓጠልና ባህርይ ኪዀነና ዚግብኦ፡ ጥልመት ጥራሕዩ። እሙንነት ኪኸብደና፡ኣይከኣልክዎን፡ ኣይኰነለይን፡ ከመይ ገይረ ኽገብሮኽንብል ከቢድ ውርደትን መሪር ስዕረትንዩ። ምኽንያቱ በርኣያ ስላሴ ስለ ዝተፈጠርና፡ ተማቐልቲ ኣምላኻዊ ባህርይ ኢና። እሙንነት ድማ ኣምላኻዊ ባህርይዩ፡ ጥልመት ከኣ ሰይጣናዊ ባህርይዩ።

ነዚ ናይ እሙንነት ናይ ባህርይ ትዕድልትና ደኣ ብኸመይ ኣጥፋእናዮ፧ ብኸመይ ኢናኸ ደጊምና ኸነጥርዮንኽእል፧ እታ ኣብ ገነት ኤድን ብኣዳምን ሄዋንን ዝተፈጸመት ቀዳመይቲ ሓጢኣት፡ ጥልመትያ። ናይ ፈጣሪኦም ናይ እግዚኣብሄር ትእዛዝ ጥሒሶም፡ ቃል ሰይጣን ኬኽብሩ ምስ መረጹ፡ ሓደ ኢሎም ነቲ ናይ ጥልመት ታሪኽ ጀመርዎ። ክሳዕ ዘለናያ ሰዓት ከኣ ንቕጽሎ ኣለና፡ ክሳዕ ምጽኣት ጐይታናን መወዳእታ ዓለም ከኣ ኪቕጽልዩ። ስለዚ ዝዀነት ትኹን ትእዛዝ ናይ ኣምላኽ ከነፍርስ ከለና፡ ናይ ጥልመት ሓጢኣት ንፍጽም ከም ዘለና ኽንፈልጥ ይግባእ። ምኽንያቱ ብኣምላኽ ክንኣምንን ንእኡ ኽንስዕብን ክንውስን ከለና፡ ምስ ኣምላኽ ኪዳን ንኣትው ኣለና ማለትዩ። እቲ ኺዳን ከኣ ንሕና ትእዛዛቱ ኽንሕልው ንሱ ከኣ ኪባርኸናን ዓስቢ ኺህበናንዩ። ስለ ትዕበይ ትንኣስ፡ ሓንቲ ኻብ ትእዛዛቱ ምስነፍርስ፡ ኪዳን ዜፍርሱ ጠለምቲ ንኸውን። ትእዛዛቱ ኽንፍጽም ከለና ድማ ኪዳኖም ዜኽብሩን ዚሕልውን እሙናት ንኸውን።

ንሕና ከም መናፍስቲ ረቀቕቲ ዘይኰነስ፡ ስጋ ዝለበሱ ግዙፋት ፍጥረት ኢና። ባህርይ ናይ ዘይረኣይ ኣምላኽ፡ ኣብዛ ዓለምዚኣ ብዚረኣይ መገዲ ኸነንጸባርቕን ከነግህድን ዝተፈጠርና ኢና። እግዚኣብሄር ንዓና ተማቐልቲ ናይ ተወራሲ መለኮታዊ ባህርዩ ገይሩ ብመልክዑን ብምስሉን ዝፈጠረሉ ምኽንያት ከኣ ንሱዩ። ብትኽክል ነቲ ዝተፈጠርናሉ ዕላማ እንተ ነበርናዮ፡ እሙናት ንኸውን። ነቲ ዝተዋህበና ባህርይን ትእዛዝን ገዲፍና፡ ዘይናትና ዘይተዋህበና ባህርይን ግብርን ከነዘውትር እንተ ጀሚርና ድማ ጠለምቲ ንኸውን። ቅዱስ ጳውሎስ፡ ነቲ ዘይናትና ጓና ባህርይ ለቢሱ ዚነብር መንነትና፡ኣረጊት ሰብ ነቲ ኣምላኽ ዝሃበና ባህርይ ንዚነብር መንነትና ድማሓድሽ ሰብብምባል ሰምይዎ ኣሎ (ሮሜ 66,7 2ቈረ 517 ኤፌ 422-24 ቈሎ 211 39,10) ነቲ ኣረጊት ሰብና (ሓጥእ ባህርይና) ለቢስናንመላለስ እንተ ዄንና፡ ብዘይካ ጥልመት ካልእ ታሪኽ ኣይህልወናንዩ። ነቲ ሓድሽ ሰብና (ኣምላኻዊ ባህርይና) ለቢስናንመላለስ እንተሊና ኸኣ፡ ብዘይካ እሙንነት ካልእ ታሪኽ ኣይህልወናንዩ። ጐይታና ኻብ ሰማየ ሰማያት ወሪዱ፡ ካብ ቅድስቲ ድንግል ተወሊዱ ምእንታና ዝሞተን ዝተንስአን ነቲ ጠላሚ ኣረጊት ሰብና ቐንጢጥና፡ ነቲ እሙን ሓድሽ ሰብና ኽንለብስ ምእንቲ ኽንክእልዩ። ስለ እቲ ብክርስቶስ ዝኣመነን ኣብኡ ዚነብርን ክርስትያን፡ እሙን ናይ ምዃን ጸገም የብሉን። ኪጠልም ኣይኰነሉንዩ፡ እሙን ምዃን ድማ ኣይከብዶንዩ። ክንፍጠር ከለና ባህርይ ጥራሕ ኢና ወሪስና፡ ብኻልኣይ ልደት ክርስትያን ክንከውን ከለና፡ ግን ባህርይ ጥራሕ ዘይኰነስ፡ ብዓብዪ ንክርስቶስውን ኢናንወርስ። እዚ ማለት ከኣ ክርስቶስ ኣብ ውሽጥና ሓዲሩ ነቲ ናይ እሙንነት ባህርዩ ብኣና ገይሩ ይገብሮ ማለትዩ።

ግናኸ ክርስቶስ ኣባይ ዚነብር ዘሎምበር፡ ደጊም ኣነ ኣይኰንኩን ዚነብር ዘለኹ። እዚ ሕጂ ብስጋ ዝነበሮ ዘለኹ ድማ፡ ብእምነት በቲ ዘፍቀረኒ ምእንታይውን ነፍሱ ዘሕለፈለይ ወዲ ኣምላኽ ዝነብር ዘለኹ።ገላ 220

ስለ ኸኣዩ፡እቲ ወልድ ዘለዎ ህይወት ኣላቶ፡ ወዲ ኣምላኽ ዘይብሉ ህይወት የብሉን።ዝተባህለልና (1ዮሃ 512 ዮሃ 336) ክርስቶስ ዘይብሉ ሰብ ግን እሙን ኪኸውን ፈጺሙ ኣይክእልንዩ። ምኽንያቱ እቲ ክርስቶስ ዘይብልካ ምዃን፡ ንርእሱ እቲ ዝኸፍአን ሕውየት ዘይብሉን ጥልመትዩ። ቅዱስ ጳውሎስ ብዛዕባ ገዛእ-እሙንነቱ ኣዝዩ ደስ ዜብልን ዜለብምን ተኣምኖ ተኣሚኑ ኣሎ።

ኣነ ነቲ ሓይሊ ዝሃብኻኒ ክርስቶስ ኢየሱስ ጐይታና፡ ነገልግሎቱ መዲቡ፡ እሙን ክኸውን ስለ ዘብቅዓኒ፡ አመስግኖ ኣለኹ።” 1ጢሞ 112

ምኽንያቱ ጐይታና ባዕሉውን፡ብዘይካይ ሓንቲ ኽትገብሩ ኣይትኽእሉን ኢኹምኢሉና (ዮሃ 155) እቲ እሙናት ኴንና ናይ ምንባር ተልእኾና ኻብ ኣምላኽ ስለ ዝተቐበልናዮ፡ ካብኡን ብእኡን ንእኡን ኢና እሙናት ንኸውን። ምስ ክርስቶስ ዘይኰንና ዄንና እነርእዮ እሙንነት፡ ተራ ማሕበራዊ ባህርይምበር ኣምላኽ ዚጻምዎ መንፈሳዊ ባህርይ ኣይኰነን። ነቲ ዓይኒ ማይ ገዲፍካስ ብነቓዕ ሓጽቢ ምትእምማን ዝዓይነቱ ጥልመታዊ ባህርይ (ኤር 210-13)

እሙንነትና ዀነ ጥልመትና፡ ኣብ ዕለታዊ ማሕበራዊ ናብራና ዀነ ኣብ መንፈሳዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን ብኸመይ ዚግለጽ፧ ኣቐዲምን ኸም ዝበልናዮ፡ ነቲ ዘይረኣይ ባህርይ እግዚኣብሄር ኣብ ዓለምዚኣ ከነግህድ ኢና ተፈጢርና። ስለ እቲ ኣብ ምድሪዚኣ ኣብ ማሕበራዊ ዀነ ኣብ መንፈሳዊ ህይወትና እነርእይ ባህርይ፡ ንእግዚኣብሄር ብእሙንንት ዜኽብር ወይ ብጥልመት ዜሕስር ባህርይ ዚኸውን። እቲ ሓሶት ዚጽየፍን ሓቂ ጥራሕ ዚዛረብን ክርስትያን፡ ንኣምላኹ ዚመስል ነቲ ናይ እግዚኣብሄር ሓቅነት ዜንጸባርቕ እሙን ሰብዩ። ብኣንጻሩ እቲ ብዚጠቅምን ዘይጠቅምን ምኽንያት ሓሶት ዜዘውትር ሰብ ግና፡ ሰይጣናዊ ባህርይ ለቢሱ፡ ነቲ ናይ እግዚኣብሄር ሓቅነት ኪዋጋእ ዝተዓጥቀ ጠላምን ዓለወኛን ሰብዩ። ዋላ ዘይሰልጥ ሃቐና ይኹን፡ እቲ ናይ ምሕሳው ዕላማ ግን ነቲ ናይ ኣምላኽ ሓቅነት ምድፋንዩ። እንተ ዀነ እቲ ሓሶትናን ጥልመትናን ደኣ ብዝኸፍአ መልክዕ ዚገሃድምበር፡ ናይ ፈጣሪ ሓቅነት ብናይ ፍጡራት ሓሶት ኣይድፈንንዩ። ናይ ሰይጣንን ኣጋንንቱን፡ ናይ ኵሉ ዘርኢ ሰብን ኵሉ ሓሶት ብሓባር ተደሚሩ፡ ንሓንቲ ንጽል ናይ ኣምላኽ ሓቂ ኺደፍን ኣይክእልን (ሮሜ 34-7) ስለ ኣምላኽኣይትሓስውዚብለና፡ ነቲ ናቱ ሓቂ ኸይንደፍነሉ ሰጊኡ ንርእሱ ኺንሕፍ ኢሉ ዘይኰነስ፡ ንኣና ኻብ ጥልመትን ዕልወትን ምእንቲ ኼድሕነና ጥራሕዩ። ብፍትወት ኣዒንቲ ይኹን ብኣካል ብምዝማውን ብምምንዛርን ክንረክስ ከለና፡ ኣንጻር ቅድስና እግዚኣብሄር ኢናንዋጋእ። ስለ ነቲ ቕድስና ናይ ኣምላኽ ኣብ ምድሪዚኣ ናይ ምንጽብራቕ ተልእኾና ብጥልመት ዛዚምናዮ ኣለና ማለትዩ። ብዛዕባ ነፍሲ ወከፍ ሓጢኣት፡ እቲ ሓቂ ንሱዩ። ነፍሲ ወከፍ ሓጢኣት ናይ ጥልመት ፍረን መግለጽንዩ። ዝዀነ ይኹን ንሕና እንገብሮ ግብሪ ጽድቂ ድማ፡ ናይ ጽድቂ ኣምላኽ ፍረን መግለጽንዩ። በቲ እግዚኣብሄር ብሕያውነቱ ዝሃበና ገንዘብን ንብረትን ንጽጉማት ብልግሲ ኽንረድእ ከለና፡ ነቲ ናይ ኣምላኽ ናይ መጋቢነት ባህርይ ኢናነገልግል። ስለ ነቲ ምድራዊ ተልእኾና ብእሙንነት ተግቢርና ኣለና። ብዛዕባ ነፍሲ ወከፍ ዝገበርናዮ ግብሪ ጽድቂ፡ እቲ ሓቂ ንሱዩ። እቲ ጸገም እቲ ህይወትና ዝተሓናፈጸዩ። ዚበዝሕ ትሕዝቶ ህይወትና ጥልመት፡ እቲ ዝወሓደ ኸኣ እሙንነትዩ። ከም ዝዓይነቱ ህይወት ከኣ ንኣምላኽ ኪገልጾን ኪውክሎን ኣይክእልንዩ። ስለ ኸኣ ቃል እግዚኣብሄር መንቅብ፡ ኣበር፡ ሕፍቲ፡ እንታ ዘይብሉ ፍጹም ህይወት ክንነብር ብተደጋጋምን ብኣጽንዖትን ዚእዝዘና (1ተሰ 523 1ጢሞ 32 310 57 613-14 ቲቶ 27-8 2ጴጥ 314 )

ንመንፈሳዊ ኣገልግሎት ብዚምልከትውን ዝተፈልየ ኻልእ ኣሰራርሓ የለን። ናይ ዕለት ንባብ ቅዱስ ወንጌል ድማ ሓይሊ መልእኽቱ ናብ ኣገልግሎት ዘድሃበዩ። ጐይታ ከከም ዓቕምና ናይ ኣገልግሎት ተልእኾን፡ ተልእኾና ኽንገብር ዜኽእለና ጸጋን ሂቡና ኣሎ። እሙንነትናን ጥልመትናን ከኣ ብኣተገባብራ ኣገልግሎትና ኢን ንገልጾ። እዚ ምስላ መክሊት ድማ ነዚ ሓቂ ብስእላዊ መገዲ ኼርእየና ዝተመሰለዩ። እቲ ሓሙሽተ መክሊትን እቲ ኽልተ መክሊትን ዝተቐበሉ ኣገልገልቲ፡ ብዓቕሞም ዓብይ ፍልልይ ዝነበሮም ሰባትዮም። በቲ ዘርኣይዎ ናይ እሙንነት ባህርይ ግን ዝዀነ ፍልልይ ዘይብሎም ማዕረ ዀይኖም ተረኽቡ፡ ጐይታና ግና ብመጠን ናይቲ ዝተዋህቦም ቍጽሪ መክሊት ዘይኰነስ፡ በቲ ዘርኣይዎ መጠን እሙንነት ፈረዶም። ስለ ኸኣ ንኽልቲኦም ብማዕረ፡ኣታ ሕያዋይ እሙን ኣገልጋሊ ናብ ሓጐስ ጐይታኻ እተውኢሉ ሓደ ዓይነት ማዕርግን ዓስብን ሃቦም። ምኽንያቱ ንሱ ነቲ ዝሃለኹሉ ዕዮ ዘይኰነስ፡ ነቲ ብምልኣት ዘንጸባረቕዎ ናይ እሙንነት ባህርዩ ዚመዝን። እቲ ብዓል ሓሙሽተ ኽልተ ጥራሕ እቲ ብዓል ክልተ ድማ ሓንቲ መክሊት ጥራሕ እንተ ዚረብሕ ግን ካብ ዝዀነ ረብሓ ዘየምጽአ ኽፉእ ባርያ ዜሕሹ እንተ ዀኑ፡ ንናእዳ ግን ኣይምበቕዑን። ምኽንያቱ ጐደሎነት ንእግዚኣብሄር ኣይውክሎን ኣይምጥኖን ከኣዩ። ናይቶም ግቡኦም ዘይፍጽሙ ኣገልገልቲ ብኽነት ድርብዩ። እቲ ቐዳማይ ብኽነት፡ ናይ ዝተዋህቦም ዓቕምን ጸጋን ብኽነት ኪኸውን ከሎ፡ እቲ ኻልኣይ ብኽነት ድማ ናይ ኺርከብ ዝነበሮ ረብሓን ናይ ኺንጸባረቕ ዝነበሮ ባህርይ ብኽነትንዩ። ስለ ኸም ኽፉእ ባርያ ባዶ ምዃንን፡ ጐደሎ ፍረ ምፍራይን ተደራራቢ ናይ ጥልመት መርኣያዩ። እቲ ኣብ ማቴ 2445-51 ተገሊጹ ዘሎ ምስላ ናይ እሙንን ዘይእሙንን ኣገልጋሊ ኣገልግሎትካ ብግቡእ ናይ ምፍጻምን ዘይምፍጻምን ተግባር፡ ናይ እሙንነትን ጥልመትን ባህርይ መርኣያ ምዃኑ ዜረጋግጸልናዩ። ኣብ ምስላ መክሊትን ኣብ ዝተጠቕሰት ምስላን ነቶም እሙናት ኰይኖም ዘይተረኽቡ ክልተ ኣገልገልቲ ዝተዋህበት ኣዝያ ኣሰካፊት መጸውዒት ቅጽል ኣላ። ንሳ ኸኣክፉእ ባርያእትብል (ማቴ 2448 2526)ክፉእድማ ናይ ድያብሎስ መጸውዒ ቕጽል (ማቴ 537) ጐይታና ነቲ ምስላ ስርናይን ክርዳድን ኪትርጕም ከሎ፡ ነቶም ብኽርዳድ ዚምሰሉ ሰይጣን ዚዘርኦም ሓጥኣንደቂ ኽፉእብምባል ገሊጽዎም ኣሎ (ማቴ 1338) ስለ ኣገልግሎትካ ብግቡእ ብዘይ ምፍጻም ዓቕምኻን ጸጋኻን ምብኻን፡ በቲ ዝተዋህበካ ዕዮ እሙን ዘይምዃን፡ ናይ ሰይጣናዊ ባህርይ፡ ናይ ክፍኣት መግለጺዩ። ነዞምክፉእ ባርያተሰምዮም ዘለው ኣገልገልቲ ተዋሂቡ ዘሎ ፍርዲ ድማ ኣዝዩ ዜሰክሕ (ማቴ 2451 2530 1340-42)

መልእኽትን ሳዕቤንን ናይ ዘይእሙንነት እንታይዩ፧  ናይ ጥልመት ሓደጋን ሳዕቤንን እንታይ ምዃኑ ጽቡቕ ገይሮም ዚፈልጥዎ እቶም እሙናት ጥራሕዮም። ካብ ጥልመት ኣዝዮም ኪርሕቑ፡ ኣብ እሙን ባህሪኦም ኣዝዮም ኪጸንዑ ዚገብሮም ከኣ እዚ ምስትውዓሎምዩ። ናይ ዕለት ኣርእስቲ ትምህርትና፡ እዚ ምስትውዓል ዝወለዶ ናይ ቅዱስ ዳዊት ናይ ጸሎት መዝሙርዩ። ንሱ ነታ ኣብ ልቢ ኣምላኽ ዘላ፡ ነታ ኣምላኽ ዚደልያ ጥራሕ ዚገብር፡ እሙን ምዃኑ ዝተመስከረሉ ሰብ ስለ ዝነበረ፡ እሙናት ኪጠፍኡን ኪሰኣኑን ከለው እንታይ ከም ዚስዕብ ተራእይዎ፦ እግዚኣብሄር ቅኑዕ ሰብ ተሳኢኑ፡ ካብ ማእከል ደቂ ሰብውን እሙናት ጠፊኦምዮምሞ፡ ኣድሕን። ንሓድሕዶም ኪዛረቡ ኸለው ይሕስው፡ ብጠባሪ ኸንፈርን ብኽልተ መልሓስን ከኣ ይዛረቡ።” ብምባል ብዛዕባ ዝተሰምዖ መንፈሳዊ ስግኣት ገለጸ (መዝ 121,2 .) እሙናት ጠፊኦም ማለት ጠለምቲ ጥራሕ መሊኦም ኣለዉ ማለትዩ። ምብዛሕ ጠለምቲ ድማ፡ ንግስነት ሰይጣን ዓብሊሉ ማለትዩ። ስለ ኣምላኽ ነቲ ህዝቢ ዚምሕረሉን ዚንሕፈሉን ምኽንያት ስኢኑሎ። ምኽንያቱ እግዚኣብሄር እቲ መሓሪ ኣምላኽ ምእንቲቶም ውሑዳት ጻድቃን ኢሉ ነቲ እልቢ ዘይብሉ ሓጥእ ህዝቢ ብህይወት ይንበር ዚሓድጎ። ጻድቃንን እሙናትን ኪስእን ከሎ ድማ ልክዕ ከም ኣብ ሰዶምን ጎመራን ዝገበሮ ንፍርዲ ዚለዓል (ዘፍ 1820-33 194-29) ስለ ጥልመትና መቕዘፍትን ጥፍኣትን ዚጽውዕ። ጐይታናውን፡ ንሱ ኣብ ዘይብሉ፡ ብዘይምእማን ንደቀ መዛሙርቱ ኼጨንቕዎም ምስ ረኣየ፦

ኣታ ዘይእሙንን ቄናንን ወለዶ፡ ክሳዕ መዓስ ምሳኻትኩም ክነብርየ፡ ክሳዕ መዓስሲ ኽዕገሰኩም . . .” ብምባል ብምርረት ተዛሪቡ ኣሎ (ማቴ 1717) ስለ ዘይእሙን ምዃን ትዕግስቲ ኣምላኽ ዚጽንቅቕ መዓት ዚጽውዕ ኣዝዩ ሓደገኛ ኣበሳዩ። ሒደት ማይ ብሒቝ ንብምሉኡ ዝተለውሰ ብሑቕ ቀልጢፉ ኸም ዜብኵዖ፡ ንእሽቶ ጥልመት ድማ ንዅለንተናና ዜበላሽዎን ብኣምላኽ ጽዩፍ ዚገብሮን ንኣምላኽ ዜጽርፍ እኩይ ኣበሳ ድማዩ። እቲ ብመልክዕ ኣምላኽ ዝተፈጥረ ሰብ ዘይእሙንን ጠላምን እንተ ዀይኑ፡ ብቐንዱ ፈጣሪውን ጠላሚ ኸም ዝዀነ ዜስምዕ ዘይቅኑዕን ዘይተደላይን መልእኽቲ ዜመሓላልፍ። እቲ ብእሙንነቱ መዳርግቲ ዘይብሉ ፍጹም ኣምላኽ ብሰሪቶም ጥልመት ዝመረጹ ፍጡራቱ ዘይባህርዩ ኺወሃቦ ምርኣይ ኣዝዩ ኸቢድ ኣበሳዩ። ስለ ኸኣብሰርኹም ስም ኣምላኽ ኣብ ማእከል ኣህዛብ ይጽረፍ ኣሎ፡ . . . ኣታ ብሕጊ እትምካሕ፡ ሕጊ ብምፍራስካዶ ንኣምላኽ ተሕስሮ ኣለኻ፧” ተባህለልና (ሮሜ 223,24 2ሳሙ 1214) ጥልመት፡ ኣብ ልዕሊ እሙን ኣምላኽ ዚስንዘር ግብራዊ ጸርፊዩ። እቲ ናትና ኸይኣክል ከኣ እቶም ዘይኣምንዎ ኺጸርፍዎ በሪ ዚኸፍት ነውራም ኣበሳዩ። ስለ ጥልመት ኪሰርጸናን ኪመልከናን እንተ ጀሚሩ፡ ኣብ ካልኦት ተመሳሳሊ ባህርይ ኪዕብልል እንተ ተዓዚብና፡ ምስ ዳዊት ኴንናኣድሕነናኢልና ብጸሎት ክንጭርሕ ዚግባእ።

እምበኣር ናብ ገዛእ ህይወትና ንመለስሞ፡ ልብናን ኣካይዳናን ብዘይ ንሕስያ ግርም ጌርና ንመርምር። እቲ መዓልታውን ናይ ምሉእ ዕድመን ታሪኽና፡ ናይ እሙንነት ድዩ ናይ ጥልመት ኣርጊጽና ንፍለጥ። ምኽንያቱ፡ ከም ነዞም ሰብ መክሊት ዝገበሮም፡ ንኣናውንጸብጻብኩም ሃቡኒኺብለናዩ። ድሮ ድማ ዘመነ ምጽኣት በጺሑስ፡ ኣብ ኣፍ ደገ ዀይኑ ኣበርቲዑ ይዅሕኵሓና ኣሎ። እምበኣር ንህይወትና ኻብ ድሮ ዝፈጸምናዮ ስዉርን ግሁድን ጥልመት ብንስሓ ነጽርያ። ኣብ ተሪፉ ዘሎ ሓጺርን ፈታንን ዘመን ከኣ ጥልመት ዘይርከቦ ናይ እሙንነት ናብራ ንንበር፡ ነቲ ዝወረስናዮ ባህርይ ኣምላኽ ኣብ ዓለም ነግህዶ።

ጸጋ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ፍቕሪ ኣምላኽን ሕብረት መንፈስ ቅዱስን ምስ ኩላትና ይኹን።

ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ - መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜርካ

30 መጋቢት 2025 | መጋቢት 20, 2016 ግዕዝ (መበል 29 ሰንበት: ቊ.፳፱/29)

ምስባክ

መዝ. ፴፱(፵)፡፯.፰ “ከመ እንግር ፈቃደከ መከርኩ አምላኪየ። ወሕግከኒ በማእከለ ከርሥየ። ዜኖኩ ጽድቀከ በማኅበር ዓቢይ።”

ዓዲ፡ መዝ.፻፴፫(፻፴፬)፣፩-፪

“ናሁ ይባርክዎ ለእግዚአብሔር።ኵሎሙ አግብርተ እግዚአብሔር።እለ ይቀውሙ ውስተ ቤተ እግዚአብሔር።”

 

ንባባት

ኣንባቢ

1ቈረ 4፡1-9

ዲያቆን

1ጴጥ 2፡11-19

ንፍቅ ዲያቆን

ግብ 16፡9-18

ንፍቅ ካህን

ማቴ 25፡14-30

ሰራዒ ካህን

ቅዳሴ ፦ ዘባስልዮስ መዝሙር፦ መኑ ውእቱ ገብር ኄር

   

 

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div