ብሩኽ በዓል ንኹልና ህዝበ ክርስቲያን! ዓመት መጸ በዓል ቅዱስ ዮሓንስ ከነብዕል ከሎና ነቲ ብበረኸቱ ኣጽጊቡ ብጸጋ ሓለዋኡ ኣዕቝቡ ኣብ 2001 ዓ.ም ግእዝ ዘብጽሓና ልዑል እግዚኣብሔር
ኣብዚ ናይዚ ዕለተ ሰንበት ንባብ ወንጌል፡ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ሂቡና ዘሎ መጠንቀቕታ ኻብዚ ናይ ግብዝነት ኣበሳ ርእስና ብንጽህና ኽንሕልው እዩ። ግብዝነት ማለት ኣምሰሉ ምዃን፡ ውሽጥኻን ደጌኻን ነንበይኑ ዀይኑ ድርብ መንነት ምሓዝ፡ ዕላማኻን ተግባርካን ዝተፈላለየ ምዃን ማለት እዩ። ጐይታና ብዛዕባ ኽብደት ናይዚ ኣበሳ ኣብቲ ናይ መጀመርታ ናይ ከረን ስብከቱ ኺምህሮ ምድላዩ፡ ንዕቱብነት ናይቲ መልእኽቱ ዜመልክተና እዩ። ኣብዚ ጥራይ ዘይኰነ ኣብ ካልእ ኣጋጣሚታትውን ደጋጊሙ ካብ ግብዝነት ኪሕለዉ ንደቀ መዛሙርቱን ነቲ ህዝብን ይዛረቦም ነበረ።
ናይ ምስጋና ጸሎት:- ንገባሬ ሠናያትን መሓርን ኣምላኽ፥ ኣቡኡ ንጐይታናን ኣምላኽናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ። ሰቲሩናን ረዲኡናን፥ ዓቂቡናን ተቐቢሉናን፥ ራኅሪኁልናን ደጊፉናን ክሳዕ እዛ ሰዓት እዚኣውን ኣብጺሑና እዩ እሞ ነመስግኖ ኣሎና። ሕጂውን ንዕኡ በዛ ቕድስቲ ዕለት እዚኣን፥ ብዅሉ ዘመን ሕይወትናን ብፍጹም ሰላም ኪዕቅበና ንዅሉ ዝመልኽ እግዚኣብሔር ኣምላኽና ንለምኖ። ኦጐይታ እግዚኣብሔር፥ ኩሉ እትመልኽ ኣቦኡ ንጐይታናን ኣምላኽናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ፥ ልዕሊ ኵሉ ኩነታትን፤ ምእንቲ ኵሉ ኩነታትን፤ ኣብ ውሽጢ ኵሉ ኩነታትን ነመስግነካ ኣሎና።ስለ ዝሰተርካናን ዝረዳእካናን ዘዕቖብካናን፤ ናባኻውን ስለ ዝተቐበልካናን። ስለ ዝራኅራኅካልናን ዝደገፍካናን፡ ክሳዕ እዛ ሰዓት እዚኣ እውን ስለ ዘብጻሕካናን ነመስግን ኣሎና።ኦ መፍቀር-ሰብ ካብቲ ሠናያትካ ንሓትትን ንልምንን ኣሎና። ነዛ ቅድስቲ ዕለት እዚኣን፤ ኵሉ ዘመን ሕይወትናን፤ ንዓኻ ብምፍራህ ብፍጹም ሰላም ክንፍጽም ሃበና።ኵሉ ቅንኣትን፤ ኩሉ ፈተናን፤ ኵሉ ግብረ-ሰይጣንን ምኽሪ ክፉኣት ሰባትን፤ ኅቡእን ግሁድን ዝኾነ ምልዓል ጸላእን፤ ኦ ጐይታ ካባይ ኣርሕቕ፥ ካብ ኵሉ ሕዝብኻውን ኣርሕቕ፥ ካብዚ ቅዱስ ቦታኻ እዚውን ኣርሕቕ።ኵሉ ሠናያትን ዘድሊ ነገርን ዓድለና። ምኽንያቱ ንስኻ ኢኻ ተመንን ዕንቅርቢትን ኵሉ ኃይሊ ጸላእን ክንረግጽ፥ ሥልጣን ዝሃብካና። ካብ ኵሉ ክፉእ ኣድኅነናን ባልኃናን እምበር፥ ናብ ፈተና ኣይተእትወና።
በቲ ሓደ ወድኻ ጐይታናን ኣምላኽናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ፥ ምእንቲ ፍቕሪ ሰብ ኢሉ ብዝገበሮ ጸጋን ምሕረትን፥ ምሳኻ ማዕረ ምስ ዝኾነ ወሃቢ ሕይወት መንፈስ ቅዱስን፥ ክብርን ግርማን ውዳሴን ኣምልኾን ብኅብረት ምስኡ ናትካ እዩ። ሎምን ኵሉ ሳዕን ንዘለዓለም ዓለም ኣሜን።
ምንጪ ጽሑፍ: መዓልታዊ ሾብዓተ ጸሎተ ሰዓታት
posted November 25, 2008
ኣብ ሃገርና፡ ኣብ ምድሪ ሓበሻ (ኤርትራን ኢትዮጵያን)፡ ኣብዚ ዘሎናዮ ቕንያት እቲ ኣብ ወቕቲ ክራማት ተዘሪኡ ናብ ፍረ ዝበቕዐ በብዓይነቱ እኽልታት ዚእከበሉ ናይ ቀውዒ ወርሓት እዩ። ስለዚ ድማ ሊቃውንቲ ቤተ ክርስትያን፡ ኣብዚ ዕለት እዚ፡ “ጸገየ ወይን፡ ወፈርየ ሮማን” እናበሉ መዝሙር ሰንበት ሰንበት ብምዝማር ነቲ ብፍርያት ምድሪ ዝባረኸና እግዚኣብሄር ኬመስግንዎ ይስምንዑ።
ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ 22 ገዳማት፡ ልዕሊ 2,200 ኣብያተ ክርስቲያናትን 1.8 ሚልዮን ሰዓብትን ዘለውዋ ብ325 ዓ.ም ብስብከት ኣባ ሰላማ ከሳቴ ብርሃን (ፍረሚናጦስ) ዝተመስረተት ሃዋርያዊት ቤተ ክርስቲያን እያ። መንፈሳዊ እምነት ህዝቢ ኤርትራ ጥራይ ዘይኮነ: ታሪኻውን ባህላውን ውርሻታት ሃገርና ብግቡእ ዓቒባ ንወለዶታት ዘመሓላለፈት ኣደ እያ። መበቆል ግእዛዊ ስነ ጽሑፍን ምንጪ ስነ ፍልጠትን ብምዃን ንወለዶታት እምነትን ፍልጠትን ዘስነቐት እንኮ ወላዲት ኩልና እያ እንተበልና ካብ ሓቂ አይረሓቕናን።
ማእከላይ ንባብ መልእኽቲ ወንጌል ናይዚ መዓልቲዚ: ካብ ህይወትና ጭንቀት ከነወግድ እዩ ዚእዝዘናን ዚምዕደናን። እቲ ጭንቀት ኣብ ምግብን መስተን ክዳንን ኣተኵሩ እኳ እንተ ተጻሕፈ፡ ኣብኡ ጥራይ ዚድረት ግን ኣይኰነን። ኣብኡ ጥራሕ እንተ ደረትናዮ፡ ነቶም ብዛዕባ ዚምገብዎን ዚኽደንዎን ዝዀነ ይኹን ጸገም ዘይብሎም ሰባት እዚ መልእኽቲ እዚ ኣይምልከቶምን እዩ ማለትና እዩ። ጭንቀት ግን ደረጃ ቝጠባ ኸይፈለየ ንዅሉ ዚምልከት ኵነተ ኣእምሮ እዩ። ነቲ ስኡን ድኽነቱ ኼጨንቖ ኸሎ ነቲ ርኹብ ድማ ሃብቱ የጨንቖ።
እቲ ብዅሉ ነገር ኣርኣያና ምእንቲ ኪኸውን፡ ካብ ሰማያት ወሪዱ፡ ካብ ቅድስቲ ድንግል ተወሊዱ ስጋና ለቢሱ ኣብ ማእክከልና ዝተመላለሰ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ እዩ፡ ነዚ ኸም ኣርእስትና ሒዝናዮ ዘሎና ህያው ቃል እተዛረበ። እቲ ነዚ ቓል እዚ ዝተዛረበሉ ኣጋጣሚ ድማ፡ ኣብቶም ብህዝቢ ኣይሁድ ኣዝዮም ጽዩፋት ዝነበሩ ሳምራውያን፡ ብሓንቲ ኣመንዝራ ኽትስመይ እትኽእል ሽዱሽተ ኣሰብኡት እተመርዓወት ሰበይቲ ገይሩ ዕዉት ናይ ወንጌል ስራሕ ዝሰረሓሉ መዓልቲ እዩ።
እቲ ዝተፈልየ ቅርጻ ዘሎዎ፥ ነባሪ ሕይወት ዘለዎ ፈጣርን ፍጡራቱን ዝነብርሉ ቦታ ብረድዮን ብቴሌስኮብን ክርከብ ዝኽኣል ኣይኰነን።
እዚ ናይ ሎሚ ንባብ ወንጌል፡ ክፋል ናይቲ “ናይ ከረን ስብከት” ተባሂሉ ዚፍለጥ ጐይታና ዝመሃሮ ትምህርቲ እዩ። በቲ መስተንከርን ዜደንቕን ጥበቡ ገይሩ፡ ብኸመይ ነቶም ብኣምሳሉ ዝተፈጠርና ዘርኢ ኣዳምን፡ ንእንስሳታትን ንኣታኽልትን ከም ዜንብር ዚገለጸልና ድማ እዩ። ከምቲ ምስላ ኣቦታትና፡ “ሽሕ ፈልጺ መጥመሪተን ሓንቲ ልሕጺ” ዝብሎ፡ ናይዚ ኽቡር መልእኽቲ ጠማሪት ሓሳብ ድማ፡ እዚ ኣርእስቲ መልእኽቲ ጌርና ወሲድናዮ ዘሎና፡ “ንኽልተ ጐይተት ኪግዛእ ዚኽእል የልቦን። ወይ ነቲ ሓደ ጸሊኡ፡ ነቲ ሓደ ይፈትው። ወይ ከኣ ነቲ ሓደ ተኣዚዙ፡ ነቲ ሓደ ይንዕቕ። ንኣምላኽን ንገንዘብን ክትግዝኡ ኣይኰነልኩምን እዩ።” ዚብል ቓል እዩ።
ኣብቲ ናይዚ ዕለት ንባብ ወንጌል ተገሊጹ ኸም ዘሎ፡ ነዚ ቓል እዚ ዝተዛረበ፡ እቲ "ካብ ኣንስቲ ኻብ እተወልዱ ኻብ ዮሃንስ ዚዓብይ ሓደ እኳ ከም ዘይተንስአ ብሓቂ እብለኹም ኣለኹ” ተባሂሉ ብልሳን እግዚኣብሔር ወልድ፡ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ፡ ዝተመስከረሉ ቅዱስ ዮሃንስ መጥመቕ እዩ።
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ