S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ኃውኻ … ኣበይ ኣሎ?

ክቡራን ሕዝበ ክርስቲያን እስከ ነዚ ዝስዕብ ጥቕሲ ህድእ ኢልና ነንብቦ እሞ ነቲ ኣብ ኣኅዋትና ዘሎና ሓቀኛ ኣረኣእያ ንመርምርን ንተዓዘብን። ሓዋርያ ዮሓንስ ኣብ መልእኽቱ ‘‘ኣብ ብርሃን ኣሎኹ’’ ዚብል ንኃዉ ኸኣ ዚጸልእ ገና ኣብ ጸልማት እዩ ዘሎ። እቲ ንኃዉ ዘፍቅር ኣብ ብርሃን እዩ ዚነብር። ኣብኡውን መዓንቀፊ የልቦን።

እቲ ንኃዉ ዝጸልእ ግና ኣብ ጸልማት እዩ ዘሎ፡ ኣብ ጸልማትውን ይነብር፥ ጸልማት ነዕይንቱ ስለ ዘዕወሮ ድማ ናበይ ከም ዝኸይድ ኣይፈልጥን እዩ። እናበለ ብንጹር ከም ዘብርሃልና እቲ ኣብ መንጎ ብርሃንን ጸልማትን ዘሎ ፍልልይ ንኹልና ይርድኣና እዩ። እምበኣርከስ ሎሚ ነዛ ብኣንነትን ንዓይ ጥራይ ይጥዓመኒ ብዝብል ርኹስ ሕሳባትን ሥጋዊ ስስዕትን ተበላሽያ ዘላ ዓለም ተዓዚብና፡ ናብቲ ቅድሚ ኣሽሓት ዓመታት ልዑል እግዚኣብሔር ንደቂ ሰባት ዝሓተቶም ተመሊስና ንገዛእ ርእስና ኃወይ …… ኣበይ ኣሎ? ኃውኻ ….. ኣበይ ኣሎ? ንዝብል ሕቶ ቅኑዕ መልሲ ንርከበሉ (1ዮሓ 2፡9-11)። 

ቃየል ድማ ንኣቤል ኃዉ ‘‘ንመሮር ንኺድ’’ በሎ። ኣብ መሮር ከለዉ ኸኣ ቃየል ንኃዉ ኣቤል ወቒዑ ቐተሎ። እግዚኣብሔር ከኣ ንቃየል ‘‘ ኃውኻ ኣቤል ኣበይ ኣሎ?’’ ኢሉ ሓተቶ። ቃየል ድማ ‘‘ኣይፈልጥን ኣነዶ ሓላው ኃወይ እየ?’’ ኢሉ መለሰ (ዘፍ 4፡8-9)። እዚ ብሓቂ ዘገርም መልስን ዘስደምም ሓሳባትን እዩ። ናይ ቃየል ዓመጽውን ከቢድ እዩ። ነቲ ባዕሉ ዝቐተሎ ንጹህ ኣቤል ኃዉ ‘‘ኣይፈልጥን ኣነዶ ሓላው ኃወይ እየ’’ ዝብል ውጹእ ሓሶትን ቃል ድፍረትን ንእግዚኣብሔር መለሰሉ። እዚ ዝተፈጸመሉ ድማ ገና ኣብ ምድሪ ደቂ ሰብ ከይተባዝሑ፡ መሬት ባዶ ከላ፡ ገፊሑኒ እምበር ጸቢቡኒ ኣብ ዘይበሃሎ ግዜ፡ ኣብቲ ጎረባብትን ፈተውትን ዘይነበሩሉ ናይ ጽምዋ እዋን፡ ቃየል ነቲ እንኮ ኃዉ ኣቤል ብእምኒ ቀቲሉ ደርበዮ። ብሓቂ ልቢ ወዲ ሰብ ኣዝዩ ሕሱምን ተንኮለኛን እዩ፡ መንከ ኺርድኦ ይኽእል? (ኤር 17፡9) ዝበሃል እምበኣር ከምዚ ምስ ኮነ እዩ። 

ኵልና ከም ንርእዮ ዘሎና ሎሚውን እንተ ኾነ ዓለምና ብሰይጣናዊ ቅንኢ ስለ ዝተበከለት ኣብ መንጎ ኣኅዋትን ስድራ ቤታትን፡ ኣብ መንጎ ብዙሓት ሃገራትን መንግሥታትን ጽልእን ቅርሕንትን በዚሑ፡ ጥልመትን ምትህልላኽን ገኒኑ፡ ወረ ኵናትን ቅትለትን ኣብ ኩሉ ማዕከናት ዜና ዝስማዕ መዓልታዊ ተርእዮ ኮይኑ ኣሎ። ከምቲ “ብሰንኪ ብዝሒ ክፍኣት ከኣ ፍቕሪ ብዙሓት ክትዝሕትል እያ’’ ዝብል ጽሑፍ ዘሎ ካብ ሕድሕዳዊ ምትህልላኽ ጥፍኣትን ውድቀትን ደኣ’ምበር ንዓለም ዓወትን ቅሳነትን ከምጽኣላ ከም ዘይክእል ኵልና ክንርዳእ ብጣዕሚ ኣገዳሲ እዩ። እቶም ሰዓብቲ ኢየሱስ ክርስቶስ ዝኾንና ህዝበ ክርስቲያን ድማ ክርስቶስ ‘‘ነንሕድሕድኩም ፍቕሪ እንተ ኣላትኩም በዚ ደቀ መዛሙርተይ ምዃንኩም ኵሉ ኪፈልጥ እዩ’’ ብዝበሎ መሠረት፡ ትዕግሥትን ኅውነታዊ ምጽውዋር ኣዘውቲርና ብስምምዕ ክንነብር መንፈሳዊ ግዴታና ምዃኑ ምፍላጥ የድሊ። ኣብ መኣዲ ፍቕሪ ሠሚርና ምስ ኩሉ ሰብ ብስምምዕ እንተ ነበርና ድማ ከምቲ ጎይታ ‘‘ንስኻትኩም ጨው ምድርን ብርሃን ዓለምን ኢኹም’’ ዝበለና ብደገፍ ኣምላኽ ኣብዚ ምድሪ ዘይጠፍእ መብራህትን ናይ ሕይወት ጨው መቐረትን ብምዃን ንጽልኢ ዲያብሎስ ከነፍርስ ክንክእል ኢና።

ኃውኻ መን እዩ?

ዝኾነ ሰብ ኃዉ መን ምዃኑ ብግቡእ ይፈልጥ እዩ። ይኹን እምበር ሓባራዊ መረዳእታ ምእንቲ ክህልወና እዚ ዝስዕብ ክንዝርዝር ሰናይ ኮይኑ ይስምዓና።  ኃውና እንብሎ ብሥጋ ካብ ኣቦናን ኣዴናን ዝተወልደ እዩ። ከምኡውን ብጸጋ እግዚኣብሔር ካብ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ሓንቲ ቅድስት ቤተ ክርስቲያንን ዳግም ዝተወልደ ሰብ ኃውና እዩ። ብተወሳኺ ድማ ጎረቤትና፥ መሳርሕትና፥ ወዲ ሃገርና፥ ብሓፈሻ ድማ ካብ ኣቦና ኣዳምን ኣዴና ሔዋንን ዝተወልደ ብመልክዕን ምስልን ልዑል ኣምላኽ ዝተፈጥረ ኵሉ ኣብዚ ዓለም ዘሎ ወዲ ሰብ ኃውና እዩ።  በዚ ምኽንያት ዝኾነ ለባም ሰብ ንሰብ ክምህሮን ክጾሮን ባህርያውን መንፈሳውን ግዴታ ከም ዘለዎ ከነስተውዕል ግቡእ እዩ።  

ገለ ሰባት ግና ብቅንእን ሓሶትን ኣኅዋቶም ዝቐትሉ፡ ምእንቲ ስሞም ከዕብዩ ስም ብጻዮም ዘጸልሙ፡ ምእንቲ ሽመትን ሃብትን ክረኽቡ ብዓመጽ ፈተውቶም ዘሳቕዩን ዝጠልሙን ከም ዘለዉ ዝከሓድ ኣይኮነን። ኣብ ልዕሊ እዚ ከኣ ‘’ተጋጊና፡ ኣብ ሕማቕ ሓሳብ ውዒልና፡ ንኃውና በዲልና!’’ ዝብል ጣዕሳን ናይ ሕሊና ኑዛዜን ክንዲ ዝስምዖም ከም ቃየል እናፈለጡ ‘’ኣይፈልጥን! ኣነዶ ሓላው ኃወይ እየ? ኣነዶ ሓላው ብጻየይ እየ?’’ ዝብል ናይ ክድዓት መልሲ ይህቡ። ይኹን እምበር ሰብ ዝዘርኦ ስለ ዝዓጽድ፡ እቲ ንኃዉ ዝፈርዶ ክፍረዶ እዩ። ከምታ ንኃዉ ዝሰፈረሉ ድማ ክስፈረሉ እዩ። ካብ ደም ኣቤል ጻድቕ ጀሚሩ ክሳብ ሎሚ ዝፈስስ ዘሎ ደም ንጹሃት ኣኅዋትና ከኣ ንቃየልን ሰዓብቱን ሞትን ኵነኔን ከም ዘስዕበሎም ንማንም ሰብ ብሩህ ክኸውን ይግባእ። ነቶም በደል ኣኅዋቶም ይቕረ ዝብሉ ግና ኵሉ በደሎም ኣምላኽ ይቕረ ክብለሎም ምዃኑ ኣብ ዕለታዊ ጸሎትና ‘’ኣብ ሰማያት ትነብር ኣቦና’’ ተገሊጹ ስለ ዘሎ በዚ ክሕጎሱ ሰናይ እዩ።  

 ንኃውኻ ክንደይ ጊዜ ይቕረ ትብለሉ?

ሓደ መዓልቲ ሓዋርያ ጴጥሮስ ንጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ከምዚ ክብል ሓቲትዎ። ‘‘ጎይታይ! ኃወይ እንተ በደለንስ ክንደይ ሳዕ ይቕረ ኽብለሉ? ክሳዕ ሾብዓተዶ?’’ በሎ። ኢየሱስ ድማ ‘‘ሾብዓተ ሳዕ ሰብዓ ደኣ እምበር ክሳዕ ሾብዓተ ኣይብለካን’’ በሎ (ማቴ 18፡21)። ካብዚ እንርድኦ ቁም ነገር ኢየሱስ ክርስቶስ 7 ግዜ 70 ማለት 490 ግዜ ንኃውኻ ይቕረ በለሉ ኢሉ እኳ እንተ መለሰ፡ እቲ ቀንዲ ትእዛዝሲ ንኃውኻ ብፍጹም ኣይትሓዘሉ ዝብል መልእኽቲ እዩ ሂብዎ። ብሓቂ ድማ ንኃውና ብከቢድ ይኹን ፈኵስ ዝበደለና ክንቅየመሉ ዘይኮነስ ይቕረ ክንብለሉን ካብ መገዲ ጌጋኡ ክንመልሶን ናይ ነፍሲ ወከፍና መንፈሳዊ ዕዮን ጻዕርን ክኸውን ኣለዎ። እዚ እንተ ዘይገበርና ግና ‘’ክትቍጥ ከሎኹም ኣብ ኃጢኣት ከይትበጽሑ ተጠንቀቑ። ኣብ ቍጥዓኹምውን ፀሓይ ኣይትዕረብኩም። ንዲያብሎስ ከኣ መገዲ ኣይትሃብዎ’’ (ኤፈ 4፡26) ዝብል ጠቓሚ መምርሒ ገና ኣይፈለጥናዮን ኣሎና ማለት እዩ።

እምበኣር እስከ ክንሓትት ንሕና ንዝበደሉና ክንደይ ግዜ ይቕረ ንብል ንኸውን?። ንምዃኑኸ ምእንቲ ሰይጣን ከይብለጸልና ኢልና ብሓቂ ንበደልን ድኻምን ኣኅዋትና ንጸውርዶ ኣሎና? እስከ ንገዛእ ርእስና ኃወይ …. ኣበይ ኣሎ? ኃፍተይ …. ኣበይ ኣላ እናበልና ንጉዕዞ ሕይወትና ነስተንትን። እቲ ኣቦታትና ሓዋርያት ዝሃቡና ማዕዳ ‘‘ጾር ሕድሕድ ጹሩ፥ በዚ ኸኣ ሕጊ ክርስቶስ ፈጽሙ’’። ዝብል ቅዱስ ዕላማ እዩ። ስለዚ እምበኣር ብሕጊ ክርስቶስ ምእንቲ ክንመላለስ ጾር ሕድሕድ ንጹር፥ ብሓቅን ብግብርን እምበር፡ ብቃልን ብልሳንን ኣይንፋቐር። ንሕና ብድኻምና ዝበደልናዮም ሰባት እምበር ዝኾነ በደል ኣኅዋትና ከኣ ኣይንዘክር (ገላ 6፡2)። 

ቅዱሳን ሓዋርያት ከም ዝጸሓፍዎ ንሕና ነኅዋትና ነፍቕሮም ስለ ዝኾንና ካብ ሞት ናብ ሕይወት ከም ዝተሳገርና ንፈልጥ ኢና። እቲ ዘየፍቅር ግና ብደዉ ኸሎ ዝሞተ እዩ። ንኃዉ ዝጸልእ ዘበለ ኹሉ ቐታሊ ነፍሲ እዩ። ቀታሊ ነፍሲ ዝኾነ ድማ ናይ ዘለዓለም ሕይወት ከም ዘይብሉ ትፈልጡ ኢኹም። ነቲ ምሳና ዘሎ እንርእዮ ኃውና ከየፍቀርና ድማ ብኣካል ንዘይንርእዮ እግዚኣብሔር ኣምላኽ ይፈልጦን የፍቅሮን እየ! እንተ በልና ንሕሱ ኢና ዘሎና፡ ስለዚ ኵላትና መገድና ንተዓዘብን ንመርምርን እሞ ናብ ኣምላኽናን ኣኅዋትናን ብክርስቲያናዊ ፍቕሪ ንመለስ። ከምቲ ኣምላኽ ይቕረ ዝበለልና ድማ ምስ ኵሉ ሰብ ይቕረ ተበሃሂልና ብሓጎስን ሰላም ንንበር (1ዮሓ 3፡14)። 

እግዚኣብሔር ማለት ፍቕሪ እዩ!

ካህን ሓለፎም ዓ/ማርያም

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div