“There will be more joy in heaven over one sinner who repents than over ninety-nine just persons who need no repentance.” (Lk 15:7)
We, Servants of the holy, apostolic and Orthodox Church of Eritrea in North America:
Believing in the atoning power of the blood of Christ, the intercessory prayers of St. Mary and of all the saints,
“መንግስተ ሰማያት ንወዱ መርዓ ዝገበረ ንጉስ ትመስል። ነቶም ናብ መርዓ እተዓደሙ ኺጽውዑ ባሮቱ ለኣኸ፡ ግናኸ ምምጻእ ኣበዩ። . . . ‘(ስለ`ዚ) ናብ ቀራና መገድታት (Cross roads) ኪዱ`ሞ፡ ንዝረኸብኩምዎ (ዅሉ) ናብ መርዓ ጸውዑ’ በሎም። እቶም ባሮት ናብ መገዲ ወጺኦም፡ ንዝረኸብዎ ዅሉ፡ ንሕሱማትን፡ ንሕያዎትን፡ ኣከብዎም። እቲ ዳስ መርዓ ብተቐማጦ መልአ። እቲ ንጉስ ነቶም ተቐማጦ ኺርእይ ናብ`ቲ ዳስ ምስ ኣተወ፡ ክዳን መርዓ ዘይተኸድነ ሰብኣይ ረኣየ`ሞ ፡ ‘ኣታ ዓርከይ፡ ክዳን መርዓ ኸይተኸደንካ ኸመይ ኢልካ ናብ`ዚ ኣተኻ፧” በሎ። ንሱ ግና ኣጽቀጠ። ሽዑ`ቲ ንጉስ ንገላዉኡ፡ ‘ኣእዳውን ኣእጋሩን ኣሲርኩም፡ ናብ ናይ ወጻኢ ጸልማት ደርብይዎ። ኣብኡ ብኽንያት ምሕርቃም ኣስናንን ይኸውን። ጽውዓትሲ ብዙሓት`ዮም፡ ሕሩያት ግና ሒደት`ዮም’። በሎም” ማቴ 22፡2,9,14
ስደት ትባሃል ስደት፡
ዘይብላ ክብረት፡
ብዘይካ ውርደት፡
ኣብ ደቂ ሃገር ቅትለት፡
ብዝተሳሕለ ካራ ንሞት፡
ናይ ስነ-ምግባር ጉድለት፡
ካብ ዘይምርዳእ ሕውነት፡
“ኖህ ብዛዕባ’ቲ ገና ዘይተራእየ ነገራት እግዚኣብሄር (ብራእይ) ምስ ገለጸሉ፡ ብፍርሃት እግዚኣብሄር ተደሪኹ፡ ስድራኡ እትድሕነላ መርከብ ብእምነት ሰርሐ። በዚ (ተግባሩ’ዚ) ኸኣ ንዓለም ኰነና፡ ነታ ብእምነት እትርከብ ጽድቂ ኸኣ ወረሳ።” እብ 11፡7 ካ.ት
““.....ኣቱም ኣጕባዝ፡ ብርቱዓት ስለ ዝዀንኩምን፡ ቃል ኣምላኽ ኣባኻትኩም ይነብር ስለ ዘሎን፡ ነቲ እኩይ’ውን ስዒርኩምዎ ኢኹም’ሞ፡ ጽሒፈልኩም ኣለኹ።” 1ዮሃ 2፡14
ዓመታዊ ጉባኤ [Conference] 2023- ሓበሬታ Announcement:
መበል 25 ዓመታዊ ጉባኤ መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜርካ: ካብ 3 ክሳብ 6 ሓምለ (August 3-6) 2023 ኣብ ቤተ ክርስቲያን ቅድስት ማርያም ኣብ ከተማ ባፍሎ ክፍለግዝኣት ኒው ዮርክ ክካየድ እዩ። ናይዚ ዓመት'ዚ ፍሉይ ዝገብሮ ድማ መበል 25 ዓመት ጉባኤና (silver jubilee) ከነኽብር ኣምላኽ ዕድመ ስለዝሃበና ብፍሉይ እነኽብሮ ጉባኤ እዩ። ብተወሳኺ፡ ከተማ ባፍሎ፡ ሓደ ካብቶም ሰሓብቲ ናይ ተፈጥሮ ሃብቲ (Niagara Falls) ዘለዋ ከተማ'ውን እያ። ምእመናን ህዝበ ክርስቲያን ናይ ስራሕ ዕረፍትኹምን ናይ መገሻ መደባትኩምን ምሳና ኣብዚ ጉባኤ'ዚ ከተሕልፍዎ ብኣኽብሮት ንዕድም።
ጾመ ነነዌ ናይ 2023 ቤተክርስቲያን ኣብ ልዑል ተስፋ ዕርቀ-ሰላም ትርከብ ምህላዋ፡ ነዘን ሰለስተ መዓልቲ በዚ መንፈስ ክንጽሊ ከም ዘሎና ርዱእ እዩ። ዮናስ ነብይ ሓደ ካብቶም ንኡሳን ነብያት ብሉይ ኪዳን ምዃኑ ይፍለጥ። ትንቢት ዮናስ ብሓቂ ክተንብቦ መሳጥን መሃርን እዩ።
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ