S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ኖህ ብዛዕባ ገና ዘይተራእየ ነገራት እግዚኣብሄር (ብራእይ) ምስ ገለጸሉ፡ ብፍርሃት እግዚኣብሄር ተደሪኹ፡ ስድራኡ እትድሕነላ መርከብ ብእምነት ሰርሐ። በዚ (ተግባሩ) ኸኣ ንዓለም ኰነና፡ ነታ ብእምነት እትርከብ ጽድቂ ኸኣ ወረሳ።እብ 117 .

እንሆ እዚ ዕለትዚ፡ ራብዓይ ሰንበት ናይ ዘመነ ክረምትዩ። ብመሰረት ስርዓት ቅድስቲ ቤተ ክርስትያና፡ ብኣቈጻጽራ ግእዝ፡ ካብ ሓምለ 15 (ቂርቆስ) ክሳዕ ነሓሰ 10 (ማሕበር) ዘሎ ቕንያት፡ ካልኣይ ንኡስ ክፍለ ዘመን ናይ ዘመነ-ክረምቲ ኰይኑ፡መብረቅ፡ ነጐድጓድ፡ ባሕር፡ አፍላግይብሃል። ካብ ሓምለ 17 ኽሳዕ ሓምለ 23 ዘሎ ዕለታት፡ ኣብ መዓልቲ ሰንበት ምስ ዚውዕል፡ ኣብ ዕለት ዚዝመር መዝሙር ቅዱስ ያሬድ፡በቀዳሚ ገብረ እግዚኣብሔርይኸውን። እዚ ናይ ዕለት ንባብ ቅዱስ ወንጌል፡ ማቴ 2434-51 ብዛዕባ ምጽኣት ጐይታና ኣገዳስን ሃናጽን መልእኽቲ ዜስንቕዩ። ብፍላይ ኣብ ተመሳሳሊ ኽፍሊ ወንጌል ናይ ሉቃ 17 22-37 እተን ብእምነት ዝደሓና ክልተ ስድራ ቤታት ናይ ኖህን ሎጥን ንትምህርትና ተጠቒሰን ኣለዋ። ኣብ ኽፍሊ ወንጌል ብዛዕባቶም ኣብ ስድራ ቤት ኣምላኽ፡ ማለት ኣብ ቤተ ክርስትያን ዝተሸሙ፡ እሙናት መገብቲ ሃናጺ መልእኽቲ ኣቕሪቡልና ኣሎ (ማቴ 2445-51 ሉቃ 1241-46) ኣብ ናይ 2ጴጥ 21-9 ንባብውን፡ ብዛዕባተን ካብ መዓት ዘምለጣ ኽልተ ስድራ ቤታት ዚገልጽ ትሕዝቶ ኣለዎ። እዚ ናይ ምጽኣት ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ስእላዊ መረዳእታ ዝዀነ ናይ ዘመነ ኖህ ታሪኽ መሳዅቲ ሰማይ ተኸፊቱ ብዝተኻዕወ ዝናምን፡ ናይ ዓበይቲ መዓሙቝ ዓይኒ ማያት ተቐዲዱ ብዝፈሰሰ ብርቱዕ ማያትን ዝተፈጸመ ፍርዳዊ ጥፍኣትዩ። ኣብ ዘመን ክረምቲ ከም ምህላውና መጠን፡ ብርቱዕ ዝናም ብዛዕባ ዘውረዶ ዕንወትን ጥፍኣትን ብተደጋጋሚ እንሰምዓሉ ወቕቲዩ። ንልምዓት ዝበልካዮ ንጥፍእት፡ ንበረኸት ዝበልካዮ ንመርገም ኰይኑ ኽትርእይን ክትሰምዕን ከለኻ ኣዝዩ የፍርህዩ። ወቕቱኢልና ዝናም ክንረክብ እናተተስፈና ኢድና ኣጣሚርና ኽንጽበይ ግቡእ ኣይኰነን። እግዚኣብሄር ብምሕረቱን ብኸኣልነቱን መጢኑን ለኪዑን ንበረከትን ንልምዓትን ዚኸውን ዝናም ኪህበና ምጽላይ፡ ናይ ሓደንኣምላኽ እኣምንን እፈርህንኢሉ ዚኣምን ቅኑዕ ክርትያን ሓላፍነታዊ ተግባርዩ። ብዛዕባ ህዝብናን ወገንናን ብሓይሊ ዝናም ተጐዲኡ፡ ሕርሻታት ተደምሲሱ፡ ብዙሓት ጥሪት እንስሳ ብውሒዝ ተገፊዐንን ሞይተንን፡ ኣባይትን ንብረትን ዓንዩ፡ ክንዲ ዚኣኽሉ ሰባትውን ብውሒዝን ብበርቕን ሞይቶም ዚብል ዜና ኽንሰምዕ ከለና፡ ኣዝዩ ኼሕምመናን ኬጕህየናን ባህርያውን ጽቡይንዩ። ኣብ ስርዓት ቅድስቲ ቤተ ክርስትያንና ኣብመስተበቍዕዝተሰምየ ድጋማዊ ጸሎት፡በእንተ ዝናማት (ምእንቲ ዝናማት)” ዚብል ርእሱ ዝኸኣለ ኣርእስቲ ጸሎት ከም ዘሎ ዚፍለጥዩ።ሰዓታትኣብ ዚበጽሓሉ ኵሉ ኣጋጣሚታት ዚጽለይ ድጋማዊ ጸሎት ድማ ኣብ ጊዜ ቅዳሴውንበእንተ ቅዱሳትዘርእስቱ ጸሎት ኪድገም ከሎ። ብዛዕባ ዝናማት ክንጽልይ ይእዝዝዩ። ኣብ ናይ ቤተ ክርስትያን ናይ ጸሎት መደባት ጥራሕ ዘይኰነ፡ ኣብ ናይ ውልቂ ጸሎትና ዀነ ናይ ስድራ ቤት ጸሎትና፡ ኣብ ኣብ ከባቢና ዄንና ምስቶም ዚመስሉና ሰባት እንገብሮ ሓባራዊ ጸሎትውን ብዛዕባ ዝናማት ተገዲስናን ኣዘውቲርናን ክንጽልይ ዚግባእ። ቅድስቲ ቤተ ክርስትያንና ነቲ ዓመት ብዘመናትን ንኡስ ክፍለ ዘመናትን ከፋፊላ ዝሰርዓትልና፡ ንጸሎትናን ንኻልእ ኵሉ መንፈሳዊ ህይወትናን ብእኡ ምእንቲ ኸነማእዝነሉዩ። ብሰንኪ ስእነት ዝናም፡ ደርቅን ጥምየትን ዓጸቦን ምስ ተኸስተ፡ ወይውን ብደምሳሲ ዝናም ዕልቕልቕን ዕንወትን ኣጋጠሙ ናይ ንብረትን ህይወትን ጥፍኣት ምስ ኰነ፡ ተመሪርካ ምጕሃይን ምብካይ፡ ዋላ ምጽላይውን፡ድሕሪ ማይ ናብ በዓልቲዝዓይነቱ፡ ናይ ዘይብሱላት ስጕምቲ ዚኸውን። ስለ እቶም ብኣምላኽ ዝተሰርዑ ወቕትታት፡ ነቲ ስጋዊ መነባብሮና ጥራሕ ዘይኰነ፡ ነቲ መንፈሳዊ ኣተሓሳስባናን ኣካይዳናንውን ኬማእዝን ከም ዚግብኦ ኽንዝንግዖ ኣይግባእንዩ።

ናይ ዕለት ኣርእስትና እንታይ ዚብለና ዘሎ፧ ማያዊ ሓደጋታት ብወዝቢ እንተጋጠመ፡ ነንስድራና ዚዀና መራኽብ ክንሰርሕ ወይ ዓዲግና ኸነጥርይ ድዩ ዚድለይ ዘሎ፧ ወይ ከኣ ከነስተውዕሎ ዝተደልየ መንፈሳዊ መልእኽቲ ኣሎዩ፧ ቃል እግዚኣብሄር ብንጹር ከም ዚነግረና፡ ኵሉ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ሰፊሩ ዘሎ ታሪኽ ጻድቃን ሓጥኣንን ክንመሃረሉን መለበሚ ኪዀነናን ዝተጻሕፈ (ሮሜ 154 1ቈረ 106,11) ብፍላይ መበል 11 ምዕራፍ ናይመልእኽቲ ናብ እብራውያንጠቒሳቶም ዘላ ቅዱሳንን ፍጻመታትን ማእለያ የብሎምን። ሓደ ኻብዞም ቅዱሳን ኣቦታት ከኣ፡ ኣቦና ኖህዩ። እዚ ብእምነቱ ዀነ ብተኣዝዞኡ ኢንታ (መንቅብ) ዘይተረኽቦ ቕዱስ ኣቦዚ፡ ክሳዕ ምጽኣት ክርስቶስ ኪዝከርን ኪስበኽን ዚነብር መስተንክር ዝዀነ መንፈሳዊ ታሪኽን ድሙቕ ኣርኣያን ዝሓደገ ኣቦዩ። ፍሉይነቱ ኸኣ ብዓይነት ህይወቱ ንምልእቲ ስድራ ቤቱ ኼድሕን ኪብጀውን ዝኸኣለ ቐዳማይ ኣቦ ምዃኑዩ። ነቲ ብኣዳምን ሄዋንን ዝተፈጸመ ስድራ ቤታዊ ዕንወትን ሕማቕ ኣርኣያን ዝፈወሰ ግሩም ታሪኽዩ። ብዛዕባ ናይ ኖህምበር፡ ብዛዕባ ደቁ ናይ ቅድሚ ማይ ኣይሂ ዝነበሮም ህይወት እንታይ ከም ዚመስል መጽሓፍ ቅዱስ ኣይትርኸልናንዩ። ድሕነት ናይ ስድራ ቤት ኣብ ህይወት ኖህ ዝተመስረተ ምዃኑ ግን፡ ካብ ታሪኽ ጽቡቕ ጌርና ኽንርዳእ ንኽእል ኢና። ቅዱስ ጳውሎስ በቲ ኣብ መራሕ ጥቕስና ኣስፊርዎ ዘሎ ቓል ኬመሓላልፎ ዝደለየ መልእኽቲ ድማ ንሱዩ።

ስድራ ቤት ኖህ ካብ ናይ ኣምላኽ ፍርዳዊ መዓት ድሒና። ከምኡ ዝበለ ናይ ማይ ኣይሂ መዓት ኣብ ልዕሊ ምድሪ ኸም ዘይፍጽም፡ ኣምላኽ ብማሕላ ኪዳን ስለ ዝኣተወ፡ ካብ ዕልቕልቕ እተድሕነና መርከብ ክንሰርሕ ወይ ክንዕድግ ከም ዘየድልየና ርዱእዩ። ኣቦና ኖህ ናይ ዕንጸይቲ መርከብ ቅድሚ ምስርሑ፡ ናይ እምነት መርከብ ምህናጹ ግን ክንዝንግዖ ዘይግባእዩ። ኸነቕልበሉን ክንስዕቦን ዚድለይ ዘሎ ኣርኣያ ድማ ንሱዩ። እታ ካብ ማይ ኣይሂ ዘድሓነቶ ናይ ዕንጸይቲ መርከብ፡ ዓስቢ ናይ ንኣምላኽ ዘሕጐሰትን ዘስመረትን ናይ እምነት መርከቡያ። ኣብ ዓለምና ኽንዲ ጉድ ተበላሽያትሉ ዝነበረት ኣዝዩ ሕሱም ዘመን፡ ብዘይካ ኖህን ስድራ ቤቱን ብኣምላኽ ዚኣምንን ዚእዘዝን ካልእ ሰብን ካልእ ስድራ ቤትን ኣብ ምልእቲ ዓለም ኣይነበረን። ፈውሲ ማሕላ ዚዀኑ ምናልባት ብህላውነቱ ዚኣምኑ ገለ ሒደት ሰባት ነይሮም ይዀኑ ኣበር ዝበዝሓ ዘይግብራዊት እምነት ግዲ ዀይና ግን፡ ይትረፍ መርከብ ኪሰርሑምስቶም እንስሳታት ናብ ናይ ኖህ መርከብ ደዪቦም ዚድሕኑሉ ኽብርን ፍቓድን ኣይረኸቡን።

ናይ ማይ ኣይሂ ጥፍኣት ኪፍጸም ከሎ፡ ኖህ ወዲ 600 ዓመት ሽማግለ ዝነበረ። ነታ ናይ ድሕነት መርከብ በይኑ ዀይኑ ኸም ዘይሰርሓ ድማ ፈጺሙ ዘየጠራጥርዩ። ዋላ ኸምኡ እንተ ዘይተጻሕፈልና፡ ነታ መርከብ ኣብ ምስራሕ፡ ንዅሉ ተጓዳእን ዘይተጓዳእን እንስሳ ኣብ ምእካብን ምምሕዳርን፡ ንርእሶም ኰነ ንዅሎም እንስሳታት ዚኸውን ቀለብ ኣብ ምእካብን፡ እቲ ዝዓበየ ግደ ናይ ስድራ ቤቱ ኸም ዝነበረ ዘየጠራጥርዩ። ውቅያኖስ፡ ባሕሪ፡ ወይ ቀላያት ኣብ ዘይብሉ ቦታ ኽንድኣ እትኣክል ዓባይ መርከብ ክትሰርሕ ፍቓደኛ ምዃንን ምትግባሩን ንርእሱ፡ ኣብ ደቁውን ቀሊል ዘይኰነ ግብራዊ እምነት ከም ዝነበረ ዜመልክትናዩ። እንተ ብዓሰባ ተዓሲቦም እንተ ብወፈራ ተዓዲሞም ኣብ ምስራሕ መርከብን ኣብ ምእካብ እንስሳታትን ቀለቦምን ብኣማኢትን ብኣሽሓትን ዚቝጸሩ ሰባት ከም ዝተሳተፉ ርዱእ ሓቂዩ። ምኽንያቱ እዚ ኸቢድ ዕዮ ብሸሞንተ ኣባላት ናይ ሓንቲ ስድራ ጥራሕ ኪዕመም ኣይክእልንዩ። ካብቶም ኣብ ዕዮ ዝተሳተፉ ሰባት ግን፡ ንማለቱ ሓደ ሰብ ናብ ናይ ድሕነት መርከብ ኪኣትው ዝተፈቕደሉ ሰብ ኣይነበረን። ኖህ ግን ቅድሚ መርከብ-ድሕነት ምስርሑ፡ ንድሕነት እትበቅዕ ስድራ ቤት ኣብ ምህናጽ ዝተዓወተ ዕውት ናይ ኣምላኽ ሰብ ነበረ።

ሎጥውን፡ ልክዕ ከም ኖህ፡ ምስናይ ስድራ ቤቱ ናይ ምድሓን ዕድል ዝተዋህቦ ኽቡርን ዕድለኛን ሰብ ዝነበረ። ንምድሓን እትበቅዕ ስድራ ቤት ስለ ዘይሃነጸ ግን ነተን ኣብ ቤቱ ዝነበራ ኽልተ ደናግል ደቁ ጥራሕ ደኣምበር፡ ነተን ምስ ሓዳርን ዝነበራ ደቁን ንሰብኡተንን ደቀንን ኬድሕን ኣይከኣለን። እቶም ንሰዶምን ጎመራን ኬጥፍኡ ዝተላእኩ ብኣርኣያ ሰብ ዝተጋህዱ ኽልተ መላእኽቲ፡ ኣወዳትን ኣዋልድን ደቁን መዋስብቲ ደቁን ካብ ኸተማ ኼውጽእ ዕድል ሂቦምዎዮም። እንተ ዀነ ኣይሰለጦን እቶም ንደቁ ዝተመርዓው ሰብኡት ኣዋልዱ፡ ነቲ ናይ ድሕነት ዕድልን ዕድመን፡ ከም ናይ ዋዛ ዘረባ ቈጺሮም ምስማዕ ስለ ዝኣበዩ፡ ምስ ኣንስቶምን ደቆምን ተሃመኹ። እተን ደናግል ዝተባህላውን፡ ሓድጊ ሰዶም ዘይተጋደፈን፡ ኣብ ምድሪ ሰብኣይ ዚበሃል ከም ዝጸነተ ያኢ፡ ነቦኣን ብመስተ ኣደንዚዘን ካብ ኣቦአን ዚወልዳ፡ ደናግል ኪበሃላ ዘይበቕዓ ነውራማት ነበራ። ይዋኣዩ ሎጥ፡ ካብ ምውታት ኰነ ካብ ህልዋት ደቁ ዋላ ሓንቲ ኣይረብሐን (ዘፍ 191-38) ንመጓሰ ዚጥዕምምበር፡ ንምህናጽ ስድራ ቤት ዚኸውን ዓዲ ስለ ዘይመረጸ፡ ኣይ ካብ ስድራ ኣይ ካብ መጓሰ ካብ ኵሉ ሓዲግ ተረፈ (ዘፍ 310-13) ንናይ ሰበይቱ ናይ ጥፍኣት ታሪኽውን ኣይንረስዓዮ ናይ ሎጥ ምድሓንሲ ምስ ድሕነት ኪቝጸር ይከኣልዶ፧ ንኖህምበር፡ ንሎጥ መሲልና ጉድ ምእንቲ ኸይንኸውንዩ፡ ንድሕነት ዚበቅዕ ስድራ ቤት ክንሃንጽ ዜለብም ኣስተምህሮ ተሰሪዑልና ዘሎ።

ናይ ምሉእ ስድራ ቤት ናይ መንፈሳዊ ህይወት ሓላፍነት ብኸመይ’ዩ ናትና ናይ ወለዲ ሓላፍነት ዚኸውን፧ እቲ ሓላፍነትናን ተሓታትነትና እምብዛዶ ኣይተጋነነን፧ ጸገማትና ዚፍጠርን ዚዓብይን ዘሎ፡ ኣብ ምውላድን ምዕባይን ናይ ቈልዑ ዘይኰነስ፡ ገና ቃል ኪዳን ኪሕሰብን ኪፍጸምን ከሎ ዚጅምር። ለቘታ ወይ ዓይበት ኪስርሑ ዝደለዩ ቀዳሞት ኣቦታት፡ ነታ ቘርበት ምስ ነፍሕዋ ምንፋሕ ኣበየቶም። ሽዑ ንሓድሕዶም ኣብ ክርክር ተጸምዱ። እታ ጸገም ኣብ ጊዜ ምንፋሕ ስለ ዝተጋህደት፡ ገሊኦምእዛ ቘርበት ኣብ ምንፋሕ ተበላሽያኢሎም ደምደሙን መጐቱን። እቶም ኣስፊሖም ዝሓሰቡን ኣርሒቖም ዝጠመቱን ለባማት ግና።እቲ ጸገም ኣብ ጊዜ ምንፋሕ ደኣ እግሃድምበር ዝተፈጥረሉስ ኣብ ጊዜ ምጥባሕኢሎም መጐቱ። እዚ ጥንታዊ ታሪኽ ኸኣቈርበት ኣብ ምንታይ ተበላሽያ፧ ኣብ ምጥባሓ፡ ኣየብምጥባሓን ኣብ ምንፋሓዚብል ዜለብም ብሂል ሓዲጉልና ሓለፈ። ኣብ ኣወጣጥናኡን ኣፈጻጽማኡን ዝተበላሸወ ቃል ኪዳንን ሓዳርን ድማ፡ ጸገማቱ ኣብ ጊዜ ምውላድን ምዕባይን ናይ ቈልዑ ዚገሃድ። ኣብ ባህሊ ዅሉ ዓለም፡ ብፍላይ ግን ኣብ ባህሊ ሓበሻና፡ ሓዳር ልዑል ማሕበራዊ ኽብሪምበር፡ መንፈሳዊ ኽብሪ ኣለዎ ኺበሃል ኣይከኣልንዩ። ንቓል ኪዳንን ሓዳርን፡ ከም ትካል መፍረ ቘልዑምበር፡ ከም መንፈሳዊት ትካል፡ ከም ናይ ቤተ ክርስትያን ዝነኣሰት ኣሃዱ፡ ከም ንእሽቶ ቤተ ክርስትያን ዚርእይን ብኸምኡ ዜመሓድርን መንፈሳዊ ባህሊ ኣይሃነጽናን። ኣብ ከም ዝበለ ሃዋህው ዓብዮም ናብ ሓዳር ዝኣተው ሰብ ኪዳን፡ ብዛዕባ መንፈሳውነት ናይ ደቆም ዝዀነ ዓይነት ጾርን ሓላፍነትን እንተ ዘይተሰምዖም ኣየገርምንዩ። ምኽንያቱ ንርእሶም ብመንፈሳውነት ኣይዓበዩን፡ እዚ ኸቢድ ሓላፍነት ኣብ ዝባኖም ከም ዘሎን ብኸመይ ከም ዜተግብርዎን ዚምህሮምውን ኣይረኸቡን። ስለዓባይ በጊዕ ዕያውታ ሒዛ ትጠፍእከም ዚበሃል፡ ኵላ ተመራሪሓ ናብ ሲኦል ናብ ገሃነም ገጻ ቍልውል ትንቈትን ትሳግምን ኣላ። እዚ ከኣ ኣብ ኣብ ገነት ኤደን ዝነበረት ቀዳመይቲ ስድራ ቤት ኣትሒዙ ዝተራእየ፡ ዳርጋ ኣብ ኵሉ ስድራ ቤታት ዚደጋገም ዘሎ ናይ ውድቕቲ ስድራ ቤት ታሪኽዩ። እቶም ክልተ ወለዲ ብስሰዐን ንሕጊ ኣምላኽ ብምፍራስ ዝጀመርዎ ዕልወትን በደልን እምብዛ ገቢሉ፡ ኣብ ደቆም ግን ብግፍዕን ብጭካነን ናብ ምቅታል ዓበየ።

ንደቅና ብእምነትን ብፈሪሃ እግዚኣብሄር ሃኒጽና ኸነዕብይ ከም ዚግብእና። ኣብ ሕልናና ዝተጻሕፈ ሕጊ ሒዝና ኸም ንውለድ ቃል እግዚኣብሄር ዜረጋግጾ ሓቂ (ሮሜ 214,15) ነዚ ሓቂ እግዚኣብሄር ኣብ ብዛዕባ ኣቦና ኣብርሃም ዝተዛረበሉ ኣጋጣሚ ኣግሂዱ ገሊጽዎዩ። እዚ ኸኣ ኣብርሃምን ሳራን ከይወለዱ ኸለው፡ ገና መኻናት ከለው ዝተገልጸ መለኮታዊ ሓቂዩ። እግዚኣብሄር ኣብ ዘፍ 1817-19

ኣነ (እግዚኣብሄር) ንኣብርሃም ዝሓረኽዎ ንቤቱ፡ ብድሕሪኡ ኸኣ ንደቁ 

1 መገዲ እግዚኣብሄር ከም ዚሕልዉ ምእንቲ ኺገብሮምን

2 ጽድቅን ፍትሕን ኪግበሩ ኸኣ ምእንቲ ኺእዝዞም ኢለየ። ሽዑኸኣ ነቲ ዘተስፈኽዎ ኽፍጽመሉየ።

ብምባል ካብ ኣብርሃም ኰነ ካብ ዝዀነ ንኣምላኽ ዚፈርህ ወላዲ ዚጽበዮ እንታይ ከም ዝዀነ ብንጹር ኣፍሊጡዩ። ስለ ናይ ቃል ኪዳንን ናይ ሰብ ኪዳንን ዕላማ ዀነ ተልእኾ ምሉእ ብምሉእ መንፈሳዊ ምዃኑ ከም ጸሓይ ቀትሪ በሪሁ ኣሎ። ጽቡቕ እናተመገቡ ኺዓብዩ ጽቡቕ ክዳንን ጫማን ኪረኽቡ ጽቡቕ ትምህርቲ ኪረኽቡ፡ ሰብ ምሉእ ጥዕና ዀይኖም ኪዓብዩ፡ ናብ መርዓን ደርዓን በጺሖም ናይ ሓረግ ወለዶ ቀጻልነት ኬውሕሱ፡ ምስ ሸምገልና ድማ ጠወርትና ኪዀኑ ኢልካ ቈልዑ ኽትወልድን ከተዕብይን ምህላኽ፡ ናይ ሰብ ኪዳን ካልኣዊ ተልእኾምበር ቀዳማዊ ተልእኾ ኣይኰነን። ቀዳማዊ ተልእኾና እዚ እግዚኣብሄር ብዛዕባ ኣብርሃም ዝተዛረቦ ተልእኾዩ። እቲ ንደቅና እንገብሮ ስጋዊ ናብዮትሞ፡ ኵሎም እንስሳታት ዚገብርዎ ተግባር ወላዲዩ። እንስሳታት ባህርያዊ ተልእኾኦም ኰይንዎም ዚገብርዎ ስለ ዝገበረ፡ ሓላፍነቱ ብብቕዓት ዝፈጸመ ዀይኑ ዚሰምዖ ሰብ፡ ንርእሱ ማዕረ እንስሳታት ጥራሕ ዘይኰነ ትሕቲ እንስሳታት ዝሰርዐ ዜሕፍር ሰብዩ። ነቲ ናይ ኣርኣያ ስላሴ መልክዕካ ደርቢኻ፡ ነቲ ምስ እንስሳታት ዜመሳስለካ ስጋዊ መልክዕካ ጥራሕ ምኽባር፡ ውርደተኛ ምርጫዩ።

እቲ ኣብ ስድራ ቤት ዘሎና መንፈሳዊ ሓላፍነትከ መዓስ’ዩ ዚጅምር፧ መሰረቱኸ እንታይ’ዩ፧ ገና ቅድሚ መውስቦ ዚጅምርምበር ተመርዒኻስ ምስ ወለድካ ኣይኰነን። ኣብ ወሊድካ ኣብ ምዕባይ ንፈሽል ዘለና፡ ነቲ ተልእኾና ብዅሊቱ ንኣትዎን ንጅምሮን ስለ ዘለናዩ። ምውሳብን፡ ምውላድን ምዕባይን፡ ብሓፈሻ ኸኣ ሓዳር፡ መንፈሳዊ እንተ ዀይኑ፡ ቅድሚ ናብ ሓዳር ምእታውካ፡ ንሓዳርካ ብመንፈሳዊ ብቕዓት ከተመሓድረሉ ዜኽእለካ መንፈሳውነት ከም ዘለካ ኸተረጋግጽ ናይ ግድንዩ። ንደቅኻ መገዲ እግዚኣብሄር ከም ዚሕልው ፍትሕን ጻድቅን ከም ዚገብሩ ጌርካ ኸተዕብዮም እንተ ዄንካ፡ ንርእስኻ ብኸምኡ ዝሓለፍካን ዝተመኮርካን፡ ነቲ ተልእኾኻ ድማ ኣብ ቈልዑን መንእሰያትን ደቅኻ ብኸመይ ከምትትግብሮትፈልጥ ሰብ ክትከውን የድልየካ። እግዚኣብሄር ብንጹር ገሊጹልና ኸም ዘሎ ድማ፡ ንሕና ዀነ ደቅና ናቱ ናይ እግዚኣብሄርምበር፡ ናይ ገዛእ ርእስና ኣይኰንናን (ሮሜ 147-10) ስለ ኽንምርዖ ዀነ ኽንወልድ ከለና፡ ንርእስና ኢልና ኽንገብሮውን ኣይግባእንዩ። ንርእሱ እቲ ንርእስኻ ኢልካ ምግባር፡ ሓጥእን ዓለወኛን ተግባርዩ። ዕልወት ኣብ ርእሲ ምዃኑ፡ እቲ እግዚኣብሄር ብዛዕባ ሓዳርካን ደቅኻን ዝኣዘዞ ጽኑዕ ትእዛዛት ከይትፍጽምውን ዚዕንቅጽዩ። ንርእስኻ ኢልካ ኣብ ዝመስረትካዮ ትሑትን ሕሱርን ዝዀነ ሓዳር፡ ብሕጊ ኣምላኽ ከተመሓድሮ ኣይመጠኑንዩ። ንኣምላኽ ኢልካ ዝተተኽለ ሓዳር፡ ሕጊ ኣምላኽ ከተተግብረሉ እትኽእል ብቑዕ ሓዳርዩ። እግዚኣብሄር ወላዳት ገይሩ ዝፈጠረና፡ ንእኡ ዚኸውን ህዝቢ ምእንቲ ኽንፈርየሉዩ። ነዚ ዕላማኡ ኣብ ብነብዪ ሚልክያስ ዝተዛረቦ ቓል ብኸም ዚስዕብ ገሊጹልና ኣሎ።

“. . . ‘ስለምንታይ ንመስዋእትና ዘይቅበሎ፧ከኣ ትብሉ ኣለኹም። ነተን ብጊዜ ንእስነትኩም ዝተመርዓኹምወን ኣንስትኹም፡ ከም ዝጠለምኩምወን ስለ ዝፈለጠዩ። ንሳተን ንጾትኩምን ሰብ ቃል ኪዳንኩምን ነበራ። ንስኻትኩም ግና ነቲ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ዝኣተኹምዎ ቓል ኪዳን ኣፍረስኩምዎ። እግዚኣብሄር ሓደ ኣካልን ሓደ መንፈስንዶ ኣይገበረኩምንዩ፧ ስለምንታይከ ነዚ ገበሮ፧ ናይ ብሓዊ ህዝቢ እግዚኣብሄር ዚዀኑ ደቂ ምእንቲ ኽትወልዱ() ኢሉዩ። እምበኣርሲ ገዛእ ርእስኹም ሓልው፡ ነታ (ብዓልቲ) ቓል ኪዳኑ ሓደ ኣይጥለማ።ሚል 214,15 .

ስለ ነቶም ብመውስቦ እንወልዶም ደቅና፡ ብሓቂ ዘርእን ደቅን ናይ ኣምላኽ ጌርና ዘይነዕብዮም እንተ ዄንና፡ ነቲ እግዚኣብሄር ፈረይትን ጸገይትን ገይሩ ዝፈጠረሉን ምስጢረ ተክሊል ዝሰርዓሉን ዕላማ፡ ብድንቍርናን ብድፍረትን ነፍርሰሉ፡ ንኺዳኑ ድማ ንጠልም ከም ዘለና ኸነስተውዕልን ከይንኽሕዶን ይግባእ።

ህዝቢ እስራኤል ነቲ ናይ ምውላዶም ዕላማ ብዜሰክሕ መገዲ የፍርስዎ ነበሩ። ነቶም ዝወለድዎም ደቆም ሓሪዶም ንጣኦታቶም መስዋእቲ ይገብርዎም ነበሩ። እግዚኣብሄር በዚ ተግባሮም ጕህዩ ዝተዛረቦ ቓል ከኣ፡ ኵሉ ውሉድ ንእኡ ንእግዚኣብሄር ኪውለድ ከም ዚግባእ ዚገልጽዩ።

ነቶም ንኣይ ዝወለድክዮም ኣወዳትክን ኣዋልድክን ከኣ፡ ምእንቲ ኺውሕጥዎም፡ ኣልዒልኪ (ንጣኦታት) ሰዊእክዮም። ንደቀይ ሓሪድኪ ብሓዊ (ኣሕሪርኪ) ዝወፈኽዮምሲ፡ እቲ (ዝፈጸምክዮ) ምንዝርናኺዶ ውሒዱኪዩ፧ . . . ዘምየንየንሞ፡ ኣብ ኣእዳወን ደም ኣለወን። ምስ ጣኦታተን ዘምየን፡ ነቶም ንኣይ ዝወለዳኦም ደቀን ሓዊ ኺበልዖምሲ፡ (ብሓዊ) ኣሕለፋኦም።ህዝ 1620,21 2337

ነስተውዕል፡ ዋላ ነቶም ኣምለኽቲ ጣኦት ኰይኖም ዝወለድዎም ደቂ ኸይተረፈዩ፡ንኣይ ዝወለዳኦም ደቀይዚብሎም ዘሎ። ስለ ዋላቶም ወለዲ ብናይ ኣምልኾ ምንዝርና ኻብኡ እንተ ዓለውኳ፡ ነቲቶም ደቂ ናይ እግዚኣብሄር ምዃኖም ሓቂ ግን ኪልውጥዎ ኣይከኣሉን። ስለ ኺሕተቱን ኪፍረዱን ከለው ደቆም ከም ዝሓረዱ ወለዲ ዘይኰኑስ፡ ደቂ ኣምላኽ ከም ዝሓረዱ ኣራዊት ኰይኖምዮም ዚፍረዱን ዚቕጽዑን። ኣባናውን እቲ ሓቂ ኻብኡ ዝተፈልየ ኣይኰነን። እታንምስርታ ሓዳር ናይ እግዚኣብሄርያ። እቶም በዛ ሓዳርዚኣ እንፈርዮም ደቂ ድማ ናይ እግዚኣብሄርምበር፡ ናትና ኣይኰኑን። ከምዞም እስራኤላውያን ኣጋዲምና እንተ ዘይሓረድናዮም ደቂ እግዚኣብሄር ከም ዚዀኑን ናብ መንግስተ ሰማያት ከም ዚኣትዉን መንግስቲ ኣቦኦም ከም ዚወርሱ ጌርና እንተ ዘይኣዕቢናዮም፡ ካብ ናታቶም ዚሓይሽ ኣይገበርናን። ደቂ ገሃነም ከም ዚዀኑ ጌርና እንተዕቢናዮም፡ እቲ ቐታልን ሓራድን ዝዀነ ዲያብሎስ ነቲ ንሕና ዝጀመርናዮ እኩይ ተግባር ባዕሉ ኺምልኣልናዩ። እግዚኣብሄር ከኣ ሓያል ተጸባጻብን ፈዳይ ሕነን ምዃኑ ኣይንረስዕ (ዮሃ 1010 ) ኣሽንካይ ብዛዕባቶም ብመልክዑን ምስሉን ዝፈጠሮም ደቁ፡ ብዛዕባ ዝሃበና ዅሉ ናይ ጸጋ መክሊታትውን ብዘይ ንሕስያ ኺሓትተናን ኪፈርደናንዩ። እዚ ዘይሓላፍነታዊ ኣተዓባብያ ሰንሰለታዊ መልክዕ ሒዙ ካብ ወለዶ ንወለዶ እናተመሓላለፈን እናተባዝሐን ይኸይድ ይቕጽልን ምህላዉ፡ ኣዝዩ ዜሕዝንዩ። ስለ ኽንሕተት ከለና ብዛዕባ ዅሎም ወለዶታትና ድማምበር፡ ብዛዕባቶም ብቐጥታ ኻብ ማህጸንናን ኣብራኽናን ዝፈረዩ ቐዳሞት ወለዶ ጥራሕ ኣይኰነን።

ሕጂ’ሞ እንታይ’ዩ ዚግበሮ፧ እቶም ደቅና ናይ ምዕባይ ሓላፍነትና ዝወዳእናሞ፡ ነቲ ዝተዋህበና ተልእኾ ዘይፈጸምና ወለዲ ቀዳማይ ተግባርና፡ ብስቡር ልቢ ሓቀኛን ቅቡልን ንስሓ ምእታው ዚኸውን። ብህይወት ክሳዕ ዘለና ድማ ዘፍረስናዮ ንምጽጋን ዘጕደልናዮ ንምምላእ ብጸሎትን ግብራዊ ስጕምታትን ክንጋደልን ክንተግህን ይግብኣና። እቶም ገና ደቅና ኣብ ምዕባይ እንርከብ ድማ ነቲ ንኣናን ንደቅናን ዜጥፍእ ኣበሰኛ ኣተዓባብያ ብንስሓን ብግብርን ኣሪምና፡ ስድራና እትድሕነላ ናይ እምነት መርከብ ኣብ ምህናጽ ብምሉእ ሓይልናን ብዅሉ ፍቓድናን ክንጋደል፡ ዝተኸስረ ዕድላት ከነከሓሕስ ክንተግህ፡ እግዚኣብሄር ብሕያውነቱን በቲ ዜኽእል ጸጋኡን ኪድግፈና ለይትን መዓልትን ብጸሎት ክንምሕጸኖን ኣብኡ ኽንውከልን ይግብኣና። ምስ ኣብ ነፍስናን ቤተ ክርስትያንናን ተሓባቢርናን ተሓጋጊዝናን ድማ እቶም ናብ መውስቦ ገጾም ዚጐዓዙ ዘለው ደቅና፡ ንመውስቦን ንምዕባይ ደቆምን ብቑዓት ዚገብሮም መንፈሳውነት ኣብ ምስራጽን ኣብ ምስራትን ከቢድ ጻዕሪ ኽንገብር ይግብኣና። ናይ እግዚኣብሄርምበር፡ ናይ ገዛእ ርእሶም ወይ ናትና ኸም ዘይኰኑ፡ ስለ ድማ ምሉእ ዕድሚኦም ንኣምላኽ ኢሎም ጥራሕ ኪነብሩ፡ ንኣምላኽ ኢሎም ኪዋሰቡን ኪወልዱን፡ ደቆምን ደቂ ደቆምን፡ ኵሉ ዚስዕብ ወለዶታትንደቂ ኣምላኽ ኰይኖም ዚነብሩሉ ዘይብተኽ ጽኑዕ መሰረት ኪስርቱ ኸም ዚግባእ፡ ብናይ ቃል ኣስተምህሮን ብግብራዊ ኣርኣያን ከነርእዮም ይግባእ። ነዚ እንተ ዘይገበርና፡ ምውሳብና ዀነ ምውላድና፡ ናይ ጥፍኣት ተልእኾ ዀይኑ ዚተርፍ። ወለድናን ንደቅና ኣዋሊድናን፡ ድራር ስቓይ-ገሃነም ንገብሮም እንተ ዄንና፡ ከይተዋሰብካን መኻን ዄንካ ምንባርንዶ ኣይምረጽን፧ ነቶም ዝሞቱን ዀነ ነቶም ዘለና መዓልቲ ምጽኣትን ፍርድን ተመዲቡልና ኾፍ ኢሉ ይጽበየና ኣሎ። ሎሚ እንተ ብድንቍርናን እንተ ብፍላጥ ካብ ልብናን ካብ ኣዒንትናን ተኸዊሉና ዘሎ ሓላፍነትና፡ ብትንሳኤ ሙታን ኣብ ቅድሚ ምሕረት ዘይብሉ መንበር ድርዲ ደው ምስ በልና ኣብ ቅድሜና ተገቲሩ ደው ኪብልዩ። ኣብ መጋባእያቲኣ ናይ ኣኽባር ሕግን ናይ ጠበቓን ምጉት የለን። ምኽንያቱ ቀደም ዝተወድእ መስርሕ ፍርዲዩ። ሽዑ፡ ከም ኣቦታትናስጋ ወዲእካ ዓጽሚ፡ ነገር ወዲእካ ፈጽሚዝበልዎ ዚኸውን። ትግባረ ናይ ውዱእ ብይን ጥራሕ ስለ ዝዀነ፡ ኣብ ሽዑ በጺሕካ ዚርከብ ለውጢ የለን። ስለ ኢና ኣብ ምድራዊ ናይ ሓዳር ዘመንና፡ ንኣናን ወለዶታትናን ንምድሓን ዚጠቅም ኣተሓሳስባን ኣካይዳን ኪህልወና ዚግባእ።

መርከብ እምነትን ድሕነትን ክንሃንጸሉ ዝተመደበልና ዘመን ትዕዝብቲምበር፡ ብዕዳ ደም ደቅናን ብዕዳ ኽብሪ ኣምላኽን ክንሕተተሉ ዝተሰርዓልና ኣይኰነን። ካብ ኣቦና ኖህ ግብራዊ ትምህርቲ ንቕሰም። ብእምነትናን ብጽድቅናን ንዓለም እንዅንን ብልህታት ንኹንምበር፡ ብምድራውን ስጋውን ሰይጣናውን ኣተሓሳስባ፡ ንኣናን ንዘርእናን ኣይንዀንን!! ዘለናዮ ኽፉእ ዘመን ድሮ ኣብ ኣፈፌት ምጽኣት፡ ኣብ ኣፍደገ መጋባእያ ሰማይ ከም ዝበጻሕና የግህደልና ኣሎሞ፡ ብፈሪሃ-እግዚኣብሄር፡ በታ ናይ መጀመርታ ጥበብ ተመሪሕናን ተደሪኽናን፡ ምርጫን ስጕምትን ናይ ብልህታት ነልዕል!! ስድራና እትድሕነላ መርከብ እምነት ንህነጽ!!

ጸጋ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ፍቕሪ ኣምላኽን ሕብረት መንፈስ ቅዱስን ምስ ኩላትና ይኹን።

ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ - መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜርካ

28 ሓምለ 2024 | ሓምለ 21, 2016 ግዕዝ (መበል 46 ሰንበት: ቊ.፵/46)

ምስባክ

መዝ.መዝ.፷፬(፷፭)፡፱

ሐወፅካ ለምድር ወአርወይካ። ወአብዛኅኮ ለብዕላ። ፈለገ እግዚአብሔር ምሉእ ማያተ።

ዓዲ፡ መዝ.፻፵፮(፻፵፯)፡፰-፱

ዘያበቍል ሣዕረ ውስተ አድባር። ወሐመልማለ ለቅኔ ዕጓለ እመሕያው።ዘይሁቦሙ ሲሳዮሙ ለእንስሳ።

ንባባት

ኣንባቢ

እብ 11፡1-10

ዲያቆን

2 ጴጥ 2፡1-9

ንፍቅ ዲያቆን

ግብ 17፡21-ፍጻመ

ንፍቅ ካህን

ማቴ 24፡36-ፍጻመ

ሰራዒ ካህን

ቅዳሴ ፦ ዘ፫፻ት-ግሩም መዝሙር፦ በቀዳሚ ገብረ እግዚአብሔር

   

 

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div