“ኖህ ብዛዕባ’ቲ ገና ዘይተራእየ ነገራት እግዚኣብሄር (ብራእይ) ምስ ገለጸሉ፡ ብፍርሃት እግዚኣብሄር ተደሪኹ፡ ስድራኡ እትድሕነላ መርከብ ብእምነት ሰርሐ። በዚ (ተግባሩ’ዚ) ኸኣ ንዓለም ኰነና፡ ነታ ብእምነት እትርከብ ጽድቂ ኸኣ ወረሳ።” እብ 11፡7 ካ.ት
እንሆ እዚ ዕለት’ዚ፡ ራብዓይ ሰንበት ናይ ዘመነ ክረምት’ዩ። ብመሰረት ስርዓት ቅድስቲ ቤተ ክርስትያና፡ ብኣቈጻጽራ ግእዝ፡ ካብ ሓምለ 15 (ቂርቆስ) ክሳዕ ነሓሰ 10 (ማሕበር) ዘሎ ቕንያት፡ ካልኣይ ንኡስ ክፍለ ዘመን ናይ ዘመነ-ክረምቲ ኰይኑ፡ “መብረቅ፡ ነጐድጓድ፡ ባሕር፡ አፍላግ “ ይብሃል። ካብ ሓምለ 17 ኽሳዕ ሓምለ 23 ዘሎ ዕለታት፡ ኣብ መዓልቲ ሰንበት ምስ ዚውዕል፡ ኣብ’ቲ ዕለት’ቲ ዚዝመር መዝሙር ቅዱስ ያሬድ፡ “በቀዳሚ ገብረ እግዚኣብሔር” ይኸውን። እዚ ናይ’ዚ ዕለት’ዚ ንባብ ቅዱስ ወንጌል፡ ማቴ 24፡34-51፡ ብዛዕባ ምጽኣት ጐይታና ኣገዳስን ሃናጽን መልእኽቲ ዜስንቕ’ዩ። ብፍላይ ኣብ’ቲ ተመሳሳሊ ኽፍሊ ወንጌል ናይ ሉቃ 17 22-37 እተን ብእምነት ዝደሓና ክልተ ስድራ ቤታት ናይ ኖህን ሎጥን ንትምህርትና ተጠቒሰን ኣለዋ። ኣብ’ዚ ኽፍሊ ወንጌል’ዚ ብዛዕባ’ቶም ኣብ ስድራ ቤት ኣምላኽ፡ ማለት ኣብ ቤተ ክርስትያን ዝተሸሙ፡ እሙናት መገብቲ ሃናጺ መልእኽቲ ኣቕሪቡልና ኣሎ (ማቴ 24፡45-51 ፣ ሉቃ 12፡41-46)። ኣብ’ቲ ናይ 2ጴጥ 2፡1-9 ንባብ’ውን፡ ብዛዕባ’ተን ካብ መዓት ዘምለጣ ኽልተ ስድራ ቤታት ዚገልጽ ትሕዝቶ ኣለዎ። እዚ ናይ ምጽኣት ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ስእላዊ መረዳእታ ዝዀነ ናይ ዘመነ ኖህ ታሪኽ መሳዅቲ ሰማይ ተኸፊቱ ብዝተኻዕወ ዝናምን፡ ናይ’ቲ ዓበይቲ መዓሙቝ ዓይኒ ማያት ተቐዲዱ ብዝፈሰሰ ብርቱዕ ማያትን ዝተፈጸመ ፍርዳዊ ጥፍኣት’ዩ። ኣብ ዘመን ክረምቲ ከም ምህላውና መጠን፡ ብርቱዕ ዝናም ብዛዕባ ዘውረዶ ዕንወትን ጥፍኣትን ብተደጋጋሚ እንሰምዓሉ ወቕቲ’ዩ። ንልምዓት ዝበልካዮ ንጥፍእት፡ ንበረኸት ዝበልካዮ ንመርገም ኰይኑ ኽትርእይን ክትሰምዕን ከለኻ ኣዝዩ የፍርህ’ዩ። ወቕቱ’ዩ’ ኢልና ዝናም ክንረክብ እናተተስፈና ኢድና ኣጣሚርና ኽንጽበይ ግቡእ ኣይኰነን። እግዚኣብሄር ብምሕረቱን ብኸኣልነቱን መጢኑን ለኪዑን ንበረከትን ንልምዓትን ዚኸውን ዝናም ኪህበና ምጽላይ፡ ናይ ሓደ “ንኣምላኽ እኣምንን እፈርህን’የ” ኢሉ ዚኣምን ቅኑዕ ክርትያን ሓላፍነታዊ ተግባር’ዩ። ብዛዕባ ህዝብናን ወገንናን ብሓይሊ ዝናም ተጐዲኡ፡ ሕርሻታት ተደምሲሱ፡ ብዙሓት ጥሪት እንስሳ ብውሒዝ ተገፊዐንን ሞይተንን፡ ኣባይትን ንብረትን ዓንዩ፡ ክንዲ’ዚ ዚኣኽሉ ሰባት’ውን ብውሒዝን ብበርቕን ሞይቶም ዚብል ዜና ኽንሰምዕ ከለና፡ ኣዝዩ ኼሕምመናን ኬጕህየናን ባህርያውን ጽቡይን’ዩ። ኣብ ስርዓት ቅድስቲ ቤተ ክርስትያንና ኣብ’ቲ “መስተበቍዕ” ዝተሰምየ ድጋማዊ ጸሎት፡ “በእንተ ዝናማት (ምእንቲ ዝናማት)” ዚብል ርእሱ ዝኸኣለ ኣርእስቲ ጸሎት ከም ዘሎ ዚፍለጥ’ዩ። “ሰዓታት” ኣብ ዚበጽሓሉ ኵሉ ኣጋጣሚታት ዚጽለይ ድጋማዊ ጸሎት ድማ’ዩ ኣብ ጊዜ ቅዳሴ’ውን “በእንተ ቅዱሳት” ዘርእስቱ ጸሎት ኪድገም ከሎ። ብዛዕባ ዝናማት ክንጽልይ ይእዝዝ’ዩ። ኣብ’ዚ ናይ ቤተ ክርስትያን ናይ ጸሎት መደባት ጥራሕ ዘይኰነ፡ ኣብ’ቲ ናይ ውልቂ ጸሎትና ዀነ ናይ ስድራ ቤት ጸሎትና፡ ኣብ’ቲ ኣብ ከባቢና ዄንና ምስ’ቶም ዚመስሉና ሰባት እንገብሮ ሓባራዊ ጸሎት’ውን ብዛዕባ ዝናማት ተገዲስናን ኣዘውቲርናን ክንጽልይ’ዩ ዚግባእ። ቅድስቲ ቤተ ክርስትያንና ነቲ ዓመት ብዘመናትን ንኡስ ክፍለ ዘመናትን ከፋፊላ ዝሰርዓትልና፡ ንጸሎትናን ንኻልእ ኵሉ መንፈሳዊ ህይወትናን ብእኡ ምእንቲ ኸነማእዝነሉ’ዩ። ብሰንኪ ስእነት ዝናም፡ ደርቅን ጥምየትን ዓጸቦን ምስ ተኸስተ፡ ወይ’ውን ብደምሳሲ ዝናም ዕልቕልቕን ዕንወትን ኣጋጠሙ ናይ ንብረትን ህይወትን ጥፍኣት ምስ ኰነ፡ ተመሪርካ ምጕሃይን ምብካይ፡ ዋላ ምጽላይ’ውን፡ “ድሕሪ ማይ ናብ በዓልቲ” ዝዓይነቱ፡ ናይ ዘይብሱላት ስጕምቲ’ዩ ዚኸውን። ስለ’ዚ እቶም ብኣምላኽ ዝተሰርዑ ወቕትታት፡ ነቲ ስጋዊ መነባብሮና ጥራሕ ዘይኰነ፡ ነቲ መንፈሳዊ ኣተሓሳስባናን ኣካይዳናን’ውን ኬማእዝን ከም ዚግብኦ ኽንዝንግዖ ኣይግባእን’ዩ።
ናይ’ዚ ዕለት’ዚ ኣርእስትና እንታይ’ዩ ዚብለና ዘሎ፧ ማያዊ ሓደጋታት ብወዝቢ እንተ’ጋጠመ፡ ነንስድራና ዚዀና መራኽብ ክንሰርሕ ወይ ዓዲግና ኸነጥርይ ድዩ ዚድለይ ዘሎ፧ ወይ ከኣ ከነስተውዕሎ ዝተደልየ መንፈሳዊ መልእኽቲ ኣሎ’ዩ፧ ቃል እግዚኣብሄር ብንጹር ከም ዚነግረና፡ ኵሉ’ቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ሰፊሩ ዘሎ ታሪኽ ጻድቃን ሓጥኣንን ክንመሃረሉን መለበሚ ኪዀነናን’ዩ ዝተጻሕፈ (ሮሜ 15፡4 ፣ 1ቈረ 10፡6,11)። ብፍላይ መበል 11 ምዕራፍ ናይ “መልእኽቲ ናብ እብራውያን” ጠቒሳቶም ዘላ ቅዱሳንን ፍጻመታትን ማእለያ የብሎምን። ሓደ ኻብ’ዞም ቅዱሳን ኣቦታት ከኣ፡ ኣቦና ኖህ’ዩ። እዚ ብእምነቱ ዀነ ብተኣዝዞኡ ኢንታ (መንቅብ) ዘይተረኽቦ ቕዱስ ኣቦ’ዚ፡ ክሳዕ ምጽኣት ክርስቶስ ኪዝከርን ኪስበኽን ዚነብር መስተንክር ዝዀነ መንፈሳዊ ታሪኽን ድሙቕ ኣርኣያን ዝሓደገ ኣቦ’ዩ። ፍሉይነቱ ኸኣ ብዓይነት ህይወቱ ንምልእቲ ስድራ ቤቱ ኼድሕን ኪብጀውን ዝኸኣለ ቐዳማይ ኣቦ ምዃኑ’ዩ። ነቲ ብኣዳምን ሄዋንን ዝተፈጸመ ስድራ ቤታዊ ዕንወትን ሕማቕ ኣርኣያን ዝፈወሰ ግሩም ታሪኽ’ዩ። ብዛዕባ ናይ ኖህ’ምበር፡ ብዛዕባ ደቁ ናይ ቅድሚ ማይ ኣይሂ ዝነበሮም ህይወት እንታይ ከም ዚመስል መጽሓፍ ቅዱስ ኣይትርኸልናን’ዩ። ድሕነት ናይ’ታ ስድራ ቤት ኣብ ህይወት ኖህ ዝተመስረተ ምዃኑ ግን፡ ካብ’ቲ ታሪኽ ጽቡቕ ጌርና ኽንርዳእ ንኽእል ኢና። ቅዱስ ጳውሎስ በቲ ኣብ መራሕ ጥቕስና ኣስፊርዎ ዘሎ ቓል ኬመሓላልፎ ዝደለየ መልእኽቲ ድማ ንሱ’ዩ።
ስድራ ቤት ኖህ ካብ’ቲ ናይ ኣምላኽ ፍርዳዊ መዓት’ያ ድሒና። ከምኡ ዝበለ ናይ ማይ ኣይሂ መዓት ኣብ ልዕሊ ምድሪ ኸም ዘይፍጽም፡ ኣምላኽ ብማሕላ ኪዳን ስለ ዝኣተወ፡ ካብ ዕልቕልቕ እተድሕነና መርከብ ክንሰርሕ ወይ ክንዕድግ ከም ዘየድልየና ርዱእ’ዩ። ኣቦና ኖህ ናይ ዕንጸይቲ መርከብ ቅድሚ ምስርሑ፡ ናይ እምነት መርከብ ምህናጹ ግን ክንዝንግዖ ዘይግባእ’ዩ። ኸነቕልበሉን ክንስዕቦን ዚድለይ ዘሎ ኣርኣያ ድማ ንሱ’ዩ። እታ ካብ ማይ ኣይሂ ዘድሓነቶ ናይ ዕንጸይቲ መርከብ፡ ዓስቢ ናይ’ታ ንኣምላኽ ዘሕጐሰትን ዘስመረትን ናይ እምነት መርከቡ’ያ። ኣብ’ቲ ዓለምና ኽንዲ ጉድ ተበላሽያትሉ ዝነበረት ኣዝዩ ሕሱም ዘመን፡ ብዘይካ ኖህን ስድራ ቤቱን ብኣምላኽ ዚኣምንን ዚእዘዝን ካልእ ሰብን ካልእ ስድራ ቤትን ኣብ ምልእቲ ዓለም ኣይነበረን። ፈውሲ ማሕላ ዚዀኑ ምናልባት ብህላውነቱ ዚኣምኑ ገለ ሒደት ሰባት ነይሮም ይዀኑ ኣበር ዝበዝሓ ዘይግብራዊት እምነት ግዲ ዀይና ግን፡ ይትረፍ መርከብ ኪሰርሑ’ምስ’ቶም እንስሳታት ናብ’ታ ናይ ኖህ መርከብ ደዪቦም ዚድሕኑሉ ኽብርን ፍቓድን ኣይረኸቡን።
ናይ ማይ ኣይሂ ጥፍኣት ኪፍጸም ከሎ፡ ኖህ ወዲ 600 ዓመት ሽማግለ’ዩ ዝነበረ። ነታ ናይ ድሕነት መርከብ በይኑ ዀይኑ ኸም ዘይሰርሓ ድማ ፈጺሙ ዘየጠራጥር’ዩ። ዋላ’ኳ ኸምኡ እንተ ዘይተጻሕፈልና፡ ነታ መርከብ ኣብ ምስራሕ፡ ንዅሉ ተጓዳእን ዘይተጓዳእን እንስሳ ኣብ ምእካብን ምምሕዳርን፡ ንርእሶም ኰነ ንዅሎም እንስሳታት ዚኸውን ቀለብ ኣብ ምእካብን፡ እቲ ዝዓበየ ግደ ናይ ስድራ ቤቱ ኸም ዝነበረ ዘየጠራጥር’ዩ። ውቅያኖስ፡ ባሕሪ፡ ወይ ቀላያት ኣብ ዘይብሉ ቦታ ኽንድኣ እትኣክል ዓባይ መርከብ ክትሰርሕ ፍቓደኛ ምዃንን ምትግባሩን ንርእሱ፡ ኣብ ደቁ’ውን ቀሊል ዘይኰነ ግብራዊ እምነት ከም ዝነበረ ዜመልክትና’ዩ። እንተ ብዓሰባ ተዓሲቦም እንተ ብወፈራ ተዓዲሞም ኣብ ምስራሕ መርከብን ኣብ ምእካብ እንስሳታትን ቀለቦምን ብኣማኢትን ብኣሽሓትን ዚቝጸሩ ሰባት ከም ዝተሳተፉ ርዱእ ሓቂ’ዩ። ምኽንያቱ እዚ ኸቢድ ዕዮ’ዚ ብሸሞንተ ኣባላት ናይ ሓንቲ ስድራ ጥራሕ ኪዕመም ኣይክእልን’ዩ። ካብ’ቶም ኣብ’ቲ ዕዮ ዝተሳተፉ ሰባት ግን፡ ንማለቱ ሓደ ሰብ’ኳ ናብ’ታ ናይ ድሕነት መርከብ ኪኣትው ዝተፈቕደሉ ሰብ ኣይነበረን። ኖህ ግን ቅድሚ መርከብ-ድሕነት ምስርሑ፡ ንድሕነት እትበቅዕ ስድራ ቤት ኣብ ምህናጽ ዝተዓወተ ዕውት ናይ ኣምላኽ ሰብ ነበረ።
ሎጥ’ውን፡ ልክዕ ከም ኖህ፡ ምስናይ ስድራ ቤቱ ናይ ምድሓን ዕድል ዝተዋህቦ ኽቡርን ዕድለኛን ሰብ’ዩ ዝነበረ። ንምድሓን እትበቅዕ ስድራ ቤት ስለ ዘይሃነጸ ግን ነተን ኣብ ቤቱ ዝነበራ ኽልተ ደናግል ደቁ ጥራሕ ደኣ’ምበር፡ ነተን ምስ ሓዳርን ዝነበራ ደቁን ንሰብኡተንን ደቀንን’ኳ ኬድሕን ኣይከኣለን። እቶም ንሰዶምን ጎመራን ኬጥፍኡ ዝተላእኩ ብኣርኣያ ሰብ ዝተጋህዱ ኽልተ መላእኽቲ፡ ኣወዳትን ኣዋልድን ደቁን መዋስብቲ ደቁን ካብ’ታ ኸተማ ኼውጽእ ዕድል ሂቦምዎ’ዮም። እንተ ዀነ ኣይሰለጦን እቶም ንደቁ ዝተመርዓው ሰብኡት ኣዋልዱ፡ ነቲ ናይ ድሕነት ዕድልን ዕድመን፡ ከም ናይ ዋዛ ዘረባ ቈጺሮም ምስማዕ ስለ ዝኣበዩ፡ ምስ ኣንስቶምን ደቆምን ተሃመኹ። እተን ደናግል ዝተባህላ’ውን፡ ሓድጊ ሰዶም ዘይተጋደፈን፡ ኣብ’ዛ ምድሪ ሰብኣይ ዚበሃል ከም ዝጸነተ ያኢ፡ ነቦኣን ብመስተ ኣደንዚዘን ካብ ኣቦአን ዚወልዳ፡ ደናግል ኪበሃላ ዘይበቕዓ ነውራማት ነበራ። ይዋኣዩ ሎጥ፡ ካብ ምውታት ኰነ ካብ ህልዋት ደቁ ዋላ ሓንቲ ኣይረብሐን (ዘፍ 19፡1-38)። ንመጓሰ ዚጥዕም’ምበር፡ ንምህናጽ ስድራ ቤት ዚኸውን ዓዲ ስለ ዘይመረጸ፡ ኣይ ካብ ስድራ ኣይ ካብ መጓሰ ካብ ኵሉ ሓዲግ ተረፈ (ዘፍ 3፡10-13)። ንናይ ሰበይቱ ናይ ጥፍኣት ታሪኽ’ውን ኣይንረስዓዮ ናይ ሎጥ ምድሓንሲ ምስ ድሕነት ኪቝጸር ይከኣልዶ፧ ንኖህ’ምበር፡ ንሎጥ መሲልና ጉድ ምእንቲ ኸይንኸውን’ዩ፡ ንድሕነት ዚበቅዕ ስድራ ቤት ክንሃንጽ ዜለብም ኣስተምህሮ ተሰሪዑልና ዘሎ።
ናይ ምሉእ ስድራ ቤት ናይ መንፈሳዊ ህይወት ሓላፍነት ብኸመይ’ዩ ናትና ናይ ወለዲ ሓላፍነት ዚኸውን፧ እቲ ሓላፍነትናን ተሓታትነትና እምብዛዶ ኣይተጋነነን፧ ጸገማትና ዚፍጠርን ዚዓብይን ዘሎ፡ ኣብ ምውላድን ምዕባይን ናይ ቈልዑ ዘይኰነስ፡ ገና ቃል ኪዳን ኪሕሰብን ኪፍጸምን ከሎ’ዩ ዚጅምር። ለቘታ ወይ ዓይበት ኪስርሑ ዝደለዩ ቀዳሞት ኣቦታት፡ ነታ ቘርበት ምስ ነፍሕዋ ምንፋሕ ኣበየቶም። ሽዑ ንሓድሕዶም ኣብ ክርክር ተጸምዱ። እታ ጸገም ኣብ ጊዜ ምንፋሕ ስለ ዝተጋህደት፡ ገሊኦም “እዛ ቘርበት ኣብ ምንፋሕ’ያ ተበላሽያ” ኢሎም ደምደሙን መጐቱን። እቶም ኣስፊሖም ዝሓሰቡን ኣርሒቖም ዝጠመቱን ለባማት ግና። “እቲ ጸገም ኣብ ጊዜ ምንፋሕ ደኣ እግሃድ’ምበር ዝተፈጥረሉስ ኣብ ጊዜ ምጥባሕ’ዩ” ኢሎም መጐቱ። እዚ ጥንታዊ ታሪኽ’ዚ ኸኣ “ቈርበት ኣብ ምንታይ ተበላሽያ፧ ኣብ ምጥባሓ፡ ኣየብምጥባሓን ኣብ ምንፋሓ” ዚብል ዜለብም ብሂል ሓዲጉልና ሓለፈ። ኣብ ኣወጣጥናኡን ኣፈጻጽማኡን ዝተበላሸወ ቃል ኪዳንን ሓዳርን ድማ፡ ጸገማቱ ኣብ ጊዜ ምውላድን ምዕባይን ናይ ቈልዑ’ዩ ዚገሃድ። ኣብ ባህሊ ዅሉ ዓለም፡ ብፍላይ ግን ኣብ ባህሊ ሓበሻና፡ ሓዳር ልዑል ማሕበራዊ ኽብሪ’ምበር፡ መንፈሳዊ ኽብሪ ኣለዎ ኺበሃል ኣይከኣልን’ዩ። ንቓል ኪዳንን ሓዳርን፡ ከም ትካል መፍረ ቘልዑ’ምበር፡ ከም መንፈሳዊት ትካል፡ ከም ናይ ቤተ ክርስትያን ዝነኣሰት ኣሃዱ፡ ከም ንእሽቶ ቤተ ክርስትያን ዚርእይን ብኸምኡ ዜመሓድርን መንፈሳዊ ባህሊ ኣይሃነጽናን። ኣብ ከም’ዚ ዝበለ ሃዋህው ዓብዮም ናብ ሓዳር ዝኣተው ሰብ ኪዳን፡ ብዛዕባ መንፈሳውነት ናይ ደቆም ዝዀነ ዓይነት ጾርን ሓላፍነትን እንተ ዘይተሰምዖም ኣየገርምን’ዩ። ምኽንያቱ ንርእሶም ብመንፈሳውነት ኣይዓበዩን፡ እዚ ኸቢድ ሓላፍነት’ዚ ኣብ ዝባኖም ከም ዘሎን ብኸመይ ከም ዜተግብርዎን ዚምህሮም’ውን ኣይረኸቡን። ስለ’ዚ “ዓባይ በጊዕ ዕያውታ ሒዛ ትጠፍእ” ከም ዚበሃል፡ ኵላ ተመራሪሓ ናብ ሲኦል ናብ ገሃነም ገጻ ቍልውል ትንቈትን ትሳግምን ኣላ። እዚ ከኣ ኣብ’ታ ኣብ ገነት ኤደን ዝነበረት ቀዳመይቲ ስድራ ቤት ኣትሒዙ ዝተራእየ፡ ዳርጋ ኣብ ኵሉ ስድራ ቤታት ዚደጋገም ዘሎ ናይ ውድቕቲ ስድራ ቤት ታሪኽ’ዩ። እቶም ክልተ ወለዲ ብስሰዐን ንሕጊ ኣምላኽ ብምፍራስ ዝጀመርዎ ዕልወትን በደልን እምብዛ ገቢሉ፡ ኣብ ደቆም ግን ብግፍዕን ብጭካነን ናብ ምቅታል ዓበየ።
ንደቅና ብእምነትን ብፈሪሃ እግዚኣብሄር ሃኒጽና ኸነዕብይ ከም ዚግብእና። ኣብ ሕልናና ዝተጻሕፈ ሕጊ ሒዝና ኸም ንውለድ ቃል እግዚኣብሄር ዜረጋግጾ ሓቂ’ዩ (ሮሜ 2፡14,15)። ነዚ ሓቂ’ዚ እግዚኣብሄር ኣብ’ቲ ብዛዕባ ኣቦና ኣብርሃም ዝተዛረበሉ ኣጋጣሚ ኣግሂዱ ገሊጽዎ’ዩ። እዚ ኸኣ ኣብርሃምን ሳራን ከይወለዱ ኸለው፡ ገና መኻናት ከለው ዝተገልጸ መለኮታዊ ሓቂ’ዩ። እግዚኣብሄር ኣብ ዘፍ 18፡17-19
“ኣነ (እግዚኣብሄር) ንኣብርሃም ዝሓረኽዎ ንቤቱ፡ ብድሕሪኡ ኸኣ ንደቁ
1ይ መገዲ እግዚኣብሄር ከም ዚሕልዉ ምእንቲ ኺገብሮምን
2ይ ጽድቅን ፍትሕን ኪግበሩ ኸኣ ምእንቲ ኺእዝዞም ኢለ’የ። ሽዑኸኣ ነቲ ዘተስፈኽዎ ኽፍጽመሉ’የ።”
ብምባል ካብ ኣብርሃም ኰነ ካብ ዝዀነ ንኣምላኽ ዚፈርህ ወላዲ ዚጽበዮ እንታይ ከም ዝዀነ ብንጹር ኣፍሊጡ’ዩ። ስለ’ዚ ናይ ቃል ኪዳንን ናይ ሰብ ኪዳንን ዕላማ ዀነ ተልእኾ ምሉእ ብምሉእ መንፈሳዊ ምዃኑ ከም ጸሓይ ቀትሪ በሪሁ ኣሎ። ጽቡቕ እናተመገቡ ኺዓብዩ ጽቡቕ ክዳንን ጫማን ኪረኽቡ ጽቡቕ ትምህርቲ ኪረኽቡ፡ ሰብ ምሉእ ጥዕና ዀይኖም ኪዓብዩ፡ ናብ መርዓን ደርዓን በጺሖም ናይ ሓረግ ወለዶ ቀጻልነት ኬውሕሱ፡ ምስ ሸምገልና ድማ ጠወርትና ኪዀኑ ኢልካ ቈልዑ ኽትወልድን ከተዕብይን ምህላኽ፡ ናይ ሰብ ኪዳን ካልኣዊ ተልእኾ’ምበር ቀዳማዊ ተልእኾ ኣይኰነን። ቀዳማዊ ተልእኾና እዚ እግዚኣብሄር ብዛዕባ ኣብርሃም ዝተዛረቦ ተልእኾ’ዩ። እቲ ንደቅና እንገብሮ ስጋዊ ናብዮት’ሞ፡ ኵሎም እንስሳታት ዚገብርዎ ተግባር ወላዲ’ዩ። እንስሳታት’ኳ ባህርያዊ ተልእኾኦም ኰይንዎም ዚገብርዎ ስለ ዝገበረ፡ ሓላፍነቱ ብብቕዓት ዝፈጸመ ዀይኑ ዚሰምዖ ሰብ፡ ንርእሱ ማዕረ እንስሳታት ጥራሕ ዘይኰነ ትሕቲ እንስሳታት ዝሰርዐ ዜሕፍር ሰብ’ዩ። ነቲ ናይ ኣርኣያ ስላሴ መልክዕካ ደርቢኻ፡ ነቲ ምስ እንስሳታት ዜመሳስለካ ስጋዊ መልክዕካ ጥራሕ ምኽባር፡ ውርደተኛ ምርጫ’ዩ።
እቲ ኣብ ስድራ ቤት ዘሎና መንፈሳዊ ሓላፍነትከ መዓስ’ዩ ዚጅምር፧ መሰረቱኸ እንታይ’ዩ፧ ገና ቅድሚ መውስቦ ዚጅምር’ምበር ተመርዒኻስ ምስ ወለድካ ኣይኰነን። ኣብ’ቲ ወሊድካ ኣብ ምዕባይ ንፈሽል ዘለና፡ ነቲ ተልእኾና ብዅሊቱ ንኣትዎን ንጅምሮን ስለ ዘለና’ዩ። ምውሳብን፡ ምውላድን ምዕባይን፡ ብሓፈሻ ኸኣ ሓዳር፡ መንፈሳዊ እንተ ዀይኑ፡ ቅድሚ ናብ ሓዳር ምእታውካ፡ ንሓዳርካ ብመንፈሳዊ ብቕዓት ከተመሓድረሉ ዜኽእለካ መንፈሳውነት ከም ዘለካ ኸተረጋግጽ ናይ ግድን’ዩ። ንደቅኻ መገዲ እግዚኣብሄር ከም ዚሕልው ፍትሕን ጻድቅን ከም ዚገብሩ ጌርካ ኸተዕብዮም እንተ ዄንካ፡ ንርእስኻ ብኸምኡ ዝሓለፍካን ዝተመኮርካን፡ ነቲ ተልእኾኻ ድማ ኣብ ቈልዑን መንእሰያትን ደቅኻ ብኸመይ ከም ‘ትትግብሮ ‘ትፈልጥ ሰብ ክትከውን የድልየካ። እግዚኣብሄር ብንጹር ገሊጹልና ኸም ዘሎ ድማ፡ ንሕና ዀነ ደቅና ናቱ ናይ እግዚኣብሄር’ምበር፡ ናይ ገዛእ ርእስና ኣይኰንናን (ሮሜ 14፡7-10)። ስለ’ዚ ኽንምርዖ ዀነ ኽንወልድ ከለና፡ ንርእስና ኢልና ኽንገብሮ’ውን ኣይግባእን’ዩ። ንርእሱ እቲ ንርእስኻ ኢልካ ምግባር፡ ሓጥእን ዓለወኛን ተግባር’ዩ። ዕልወት ኣብ ርእሲ ምዃኑ፡ እቲ እግዚኣብሄር ብዛዕባ ሓዳርካን ደቅኻን ዝኣዘዞ ጽኑዕ ትእዛዛት ከይትፍጽም’ውን ዚዕንቅጽ’ዩ። ንርእስኻ ኢልካ ኣብ ዝመስረትካዮ ትሑትን ሕሱርን ዝዀነ ሓዳር፡ ብሕጊ ኣምላኽ ከተመሓድሮ ኣይመጠኑን’ዩ። ንኣምላኽ ኢልካ ዝተተኽለ ሓዳር፡ ሕጊ ኣምላኽ ከተተግብረሉ እትኽእል ብቑዕ ሓዳር’ዩ። እግዚኣብሄር ወላዳት ገይሩ ዝፈጠረና፡ ንእኡ ዚኸውን ህዝቢ ምእንቲ ኽንፈርየሉ’ዩ። ነዚ ዕላማኡ’ዚ ኣብ’ቲ ብነብዪ ሚልክያስ ዝተዛረቦ ቓል ብኸም’ዚ ዚስዕብ ገሊጹልና ኣሎ።
“. . . ‘ስለምንታይ’ዩ ንመስዋእትና ዘይቅበሎ፧’ ከኣ ትብሉ ኣለኹም። ነተን ብጊዜ ንእስነትኩም ዝተመርዓኹምወን ኣንስትኹም፡ ከም ዝጠለምኩምወን ስለ ዝፈለጠ’ዩ። ንሳተን ንጾትኩምን ሰብ ቃል ኪዳንኩምን ነበራ። ንስኻትኩም ግና ነቲ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ዝኣተኹምዎ ቓል ኪዳን ኣፍረስኩምዎ። እግዚኣብሄር ሓደ ኣካልን ሓደ መንፈስንዶ ኣይገበረኩምን’ዩ፧ ስለምንታይከ ነዚ ገበሮ፧ ናይ ብሓዊ ህዝቢ እግዚኣብሄር ዚዀኑ ደቂ ምእንቲ ኽትወልዱ(ሉ) ኢሉ’ዩ። እምበኣርሲ ገዛእ ርእስኹም ሓልው፡ ነታ (ብዓልቲ) ቓል ኪዳኑ ሓደ’ኳ ኣይጥለማ።” ሚል 2፡14,15 ካ.ት
ስለ’ዚ ነቶም ብመውስቦ እንወልዶም ደቅና፡ ብሓቂ ዘርእን ደቅን ናይ ኣምላኽ ጌርና ዘይነዕብዮም እንተ ዄንና፡ ነቲ እግዚኣብሄር ፈረይትን ጸገይትን ገይሩ ዝፈጠረሉን ምስጢረ ተክሊል ዝሰርዓሉን ዕላማ፡ ብድንቍርናን ብድፍረትን ነፍርሰሉ፡ ንኺዳኑ ድማ ንጠልም ከም ዘለና ኸነስተውዕልን ከይንኽሕዶን ይግባእ።
ህዝቢ እስራኤል ነቲ ናይ ምውላዶም ዕላማ ብዜሰክሕ መገዲ የፍርስዎ ነበሩ። ነቶም ዝወለድዎም ደቆም ሓሪዶም ንጣኦታቶም መስዋእቲ ይገብርዎም ነበሩ። እግዚኣብሄር በዚ ተግባሮም’ዚ ጕህዩ ዝተዛረቦ ቓል ከኣ፡ ኵሉ ውሉድ ንእኡ ንእግዚኣብሄር ኪውለድ ከም ዚግባእ ዚገልጽ’ዩ።
“ነቶም ንኣይ ዝወለድክዮም ኣወዳትክን ኣዋልድክን ከኣ፡ ምእንቲ ኺውሕጥዎም፡ ኣልዒልኪ (ንጣኦታት) ሰዊእክዮም። ንደቀይ ሓሪድኪ ብሓዊ (ኣሕሪርኪ) ዝወፈኽዮምሲ፡ እቲ (ዝፈጸምክዮ) ምንዝርናኺዶ ውሒዱኪ’ዩ፧ . . . ዘምየን’የን’ሞ፡ ኣብ ኣእዳወን ደም ኣለወን። ምስ ጣኦታተን ዘምየን፡ ነቶም ንኣይ ዝወለዳኦም ደቀን ሓዊ ኺበልዖምሲ፡ (ብሓዊ) ኣሕለፋኦም።” ህዝ 16፡20,21 ፣ 23፡37
ነስተውዕል፡ ዋላ ነቶም ኣምለኽቲ ጣኦት ኰይኖም ዝወለድዎም ደቂ ኸይተረፈ’ዩ፡ “ንኣይ ዝወለዳኦም ደቀይ” ዚብሎም ዘሎ። ስለ’ዚ ዋላ’ቶም ወለዲ ብናይ ኣምልኾ ምንዝርና ኻብኡ እንተ ዓለው’ኳ፡ ነቲ’ቶም ደቂ ናይ እግዚኣብሄር ምዃኖም ሓቂ ግን ኪልውጥዎ ኣይከኣሉን። ስለ’ዚ ኺሕተቱን ኪፍረዱን ከለው ደቆም ከም ዝሓረዱ ወለዲ ዘይኰኑስ፡ ደቂ ኣምላኽ ከም ዝሓረዱ ኣራዊት ኰይኖም’ዮም ዚፍረዱን ዚቕጽዑን። ኣባና’ውን እቲ ሓቂ ኻብኡ ዝተፈልየ ኣይኰነን። እታ ‘ንምስርታ ሓዳር ናይ እግዚኣብሄር’ያ። እቶም በዛ ሓዳር’ዚኣ እንፈርዮም ደቂ ድማ ናይ እግዚኣብሄር’ምበር፡ ናትና ኣይኰኑን። ከም’ዞም እስራኤላውያን ኣጋዲምና እንተ ዘይሓረድናዮም’ኳ ደቂ እግዚኣብሄር ከም ዚዀኑን ናብ መንግስተ ሰማያት ከም ዚኣትዉን መንግስቲ ኣቦኦም ከም ዚወርሱ ጌርና እንተ ዘይኣዕቢናዮም፡ ካብ ናታቶም ዚሓይሽ ኣይገበርናን። ደቂ ገሃነም ከም ዚዀኑ ጌርና እንተ’ዕቢናዮም፡ እቲ ቐታልን ሓራድን ዝዀነ ዲያብሎስ ነቲ ንሕና ዝጀመርናዮ እኩይ ተግባር ባዕሉ ኺምልኣልና’ዩ። እግዚኣብሄር ከኣ ሓያል ተጸባጻብን ፈዳይ ሕነን ምዃኑ ኣይንረስዕ (ዮሃ 10፡10 )። ኣሽንካይ ብዛዕባ’ቶም ብመልክዑን ምስሉን ዝፈጠሮም ደቁ፡ ብዛዕባ ዝሃበና ዅሉ ናይ ጸጋ መክሊታት’ውን ብዘይ ንሕስያ ኺሓትተናን ኪፈርደናን’ዩ። እዚ ዘይሓላፍነታዊ ኣተዓባብያ ሰንሰለታዊ መልክዕ ሒዙ ካብ ወለዶ ንወለዶ እናተመሓላለፈን እናተባዝሐን ይኸይድ ይቕጽልን ምህላዉ፡ ኣዝዩ ዜሕዝን’ዩ። ስለ’ዚ ኽንሕተት ከለና ብዛዕባ ዅሎም ወለዶታትና ድማ’ምበር፡ ብዛዕባ’ቶም ብቐጥታ ኻብ ማህጸንናን ኣብራኽናን ዝፈረዩ ቐዳሞት ወለዶ ጥራሕ ኣይኰነን።
ሕጂ’ሞ እንታይ’ዩ ዚግበሮ፧ እቶም ደቅና ናይ ምዕባይ ሓላፍነትና ዝወዳእና’ሞ፡ ነቲ ዝተዋህበና ተልእኾ ዘይፈጸምና ወለዲ ቀዳማይ ተግባርና፡ ብስቡር ልቢ ሓቀኛን ቅቡልን ንስሓ ምእታው’ዩ ዚኸውን። ብህይወት ክሳዕ ዘለና ድማ ዘፍረስናዮ ንምጽጋን ዘጕደልናዮ ንምምላእ ብጸሎትን ግብራዊ ስጕምታትን ክንጋደልን ክንተግህን ይግብኣና። እቶም ገና ደቅና ኣብ ምዕባይ እንርከብ ድማ ነቲ ንኣናን ንደቅናን ዜጥፍእ ኣበሰኛ ኣተዓባብያ ብንስሓን ብግብርን ኣሪምና፡ ስድራና እትድሕነላ ናይ እምነት መርከብ ኣብ ምህናጽ ብምሉእ ሓይልናን ብዅሉ ፍቓድናን ክንጋደል፡ ዝተኸስረ ዕድላት ከነከሓሕስ ክንተግህ፡ እግዚኣብሄር ብሕያውነቱን በቲ ዜኽእል ጸጋኡን ኪድግፈና ለይትን መዓልትን ብጸሎት ክንምሕጸኖን ኣብኡ ኽንውከልን ይግብኣና። ምስ ኣብ ነፍስናን ቤተ ክርስትያንናን ተሓባቢርናን ተሓጋጊዝናን ድማ እቶም ናብ መውስቦ ገጾም ዚጐዓዙ ዘለው ደቅና፡ ንመውስቦን ንምዕባይ ደቆምን ብቑዓት ዚገብሮም መንፈሳውነት ኣብ ምስራጽን ኣብ ምስራትን ከቢድ ጻዕሪ ኽንገብር ይግብኣና። ናይ እግዚኣብሄር’ምበር፡ ናይ ገዛእ ርእሶም ወይ ናትና ኸም ዘይኰኑ፡ ስለ’ዚ ድማ ምሉእ ዕድሚኦም ንኣምላኽ ኢሎም ጥራሕ ኪነብሩ፡ ንኣምላኽ ኢሎም ኪዋሰቡን ኪወልዱን፡ ደቆምን ደቂ ደቆምን፡ ኵሉ ዚስዕብ ወለዶታትን “ደቂ ኣምላኽ ኰይኖም ዚነብሩሉ ዘይብተኽ ጽኑዕ መሰረት ኪስርቱ ኸም ዚግባእ፡ ብናይ ቃል ኣስተምህሮን ብግብራዊ ኣርኣያን ከነርእዮም ይግባእ። ነዚ እንተ ዘይገበርና፡ ምውሳብና ዀነ ምውላድና፡ ናይ ጥፍኣት ተልእኾ ዀይኑ’ዩ ዚተርፍ። ወለድናን ንደቅና ኣዋሊድናን፡ ድራር ስቓይ-ገሃነም ንገብሮም እንተ ዄንና፡ ከይተዋሰብካን መኻን ዄንካ ምንባርንዶ ኣይምረጽን፧ ነቶም ዝሞቱን ዀነ ነቶም ዘለና መዓልቲ ምጽኣትን ፍርድን ተመዲቡልና ኾፍ ኢሉ ይጽበየና ኣሎ። ሎሚ እንተ ብድንቍርናን እንተ ብፍላጥ ካብ ልብናን ካብ ኣዒንትናን ተኸዊሉና ዘሎ ሓላፍነትና፡ ብትንሳኤ ሙታን ኣብ ቅድሚ’ቲ ምሕረት ዘይብሉ መንበር ድርዲ ደው ምስ በልና ኣብ ቅድሜና ተገቲሩ ደው ኪብል’ዩ። ኣብ’ታ መጋባእያ’ቲኣ ናይ ኣኽባር ሕግን ናይ ጠበቓን ምጉት የለን። ምኽንያቱ ቀደም ዝተወድእ መስርሕ ፍርዲ’ዩ። ሽዑ፡ ከም’ቲ ኣቦታትና “ስጋ ወዲእካ ዓጽሚ፡ ነገር ወዲእካ ፈጽሚ” ዝበልዎ’ዩ ዚኸውን። ትግባረ ናይ’ቲ ውዱእ ብይን ጥራሕ ስለ ዝዀነ፡ ኣብ ሽዑ በጺሕካ ዚርከብ ለውጢ የለን። ስለ’ዚ ኢና ኣብ’ዚ ምድራዊ ናይ ሓዳር ዘመንና፡ ንኣናን ወለዶታትናን ንምድሓን ዚጠቅም ኣተሓሳስባን ኣካይዳን ኪህልወና ዚግባእ።
መርከብ እምነትን ድሕነትን ክንሃንጸሉ ዝተመደበልና ዘመን ትዕዝብቲ’ዩ’ምበር፡ ብዕዳ ደም ደቅናን ብዕዳ ኽብሪ ኣምላኽን ክንሕተተሉ ዝተሰርዓልና ኣይኰነን። ካብ ኣቦና ኖህ ግብራዊ ትምህርቲ ንቕሰም። ብእምነትናን ብጽድቅናን ንዓለም እንዅንን ብልህታት ንኹን’ምበር፡ ብምድራውን ስጋውን ሰይጣናውን ኣተሓሳስባ፡ ንኣናን ንዘርእናን ኣይንዀንን!! ዘለናዮ ኽፉእ ዘመን ድሮ ኣብ ኣፈፌት ምጽኣት፡ ኣብ ኣፍደገ መጋባእያ ሰማይ ከም ዝበጻሕና የግህደልና ኣሎ’ሞ፡ ብፈሪሃ-እግዚኣብሄር፡ በታ ናይ መጀመርታ ጥበብ ተመሪሕናን ተደሪኽናን፡ ምርጫን ስጕምትን ናይ ብልህታት ነልዕል!! ስድራና እትድሕነላ መርከብ እምነት ንህነጽ!!
ጸጋ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ፍቕሪ ኣምላኽን ሕብረት መንፈስ ቅዱስን ምስ ኩላትና ይኹን።
ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ - መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜርካ።
28 ሓምለ 2024 | ሓምለ 21, 2016 ግዕዝ (መበል 46 ሰንበት: ቊ.፵፮/46) |
||
ምስባክ መዝ.መዝ.፷፬(፷፭)፡፱ ሐወፅካ ለምድር ወአርወይካ። ወአብዛኅኮ ለብዕላ። ፈለገ እግዚአብሔር ምሉእ ማያተ። ዓዲ፡ መዝ.፻፵፮(፻፵፯)፡፰-፱ ዘያበቍል ሣዕረ ውስተ አድባር። ወሐመልማለ ለቅኔ ዕጓለ እመሕያው።ዘይሁቦሙ ሲሳዮሙ ለእንስሳ። |
ንባባት |
ኣንባቢ |
እብ 11፡1-10 |
ዲያቆን |
|
2 ጴጥ 2፡1-9 |
ንፍቅ ዲያቆን |
|
ግብ 17፡21-ፍጻመ |
ንፍቅ ካህን |
|
ማቴ 24፡36-ፍጻመ |
ሰራዒ ካህን |
|
ቅዳሴ ፦ ዘ፫፻ት-ግሩም | መዝሙር፦ በቀዳሚ ገብረ እግዚአብሔር |
|
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ