S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ኣብ ዋና ከተማ ናይ ሰሜን ካሮላይና ዝኾነት ከተማ ራሊይ (Raleigh) ብስም ታቦት መድኃኔ-ዓለም ዝፍለጥ ሓድሽ ናይ ኤርትራ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ብዕለት 17 የካቲት 2019 . ( የካቲት ፳፻፲፩ ..) ብቦኽሪ ጸሎተ-ቅዳሴ መንፈሳዊ ኣገልግሎቱ ብወግዒ ጀሚሩ። እዚ ብውሑዳት መንፈሳዊ ቅንእን ራእይን ዝሓደሮም ደቂ ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ዝተበግሰ ምኽፋት ናይ ባዕልና ቤት እግዚኣብሔር ዝብል ክቡር ሓሳብ ንልዕሊ ክልተ ዓመታት ዝኣክል ብዘይ መራሒ ካህን ንሕድሕዶም ብተስፋ ክተኣኻኸቡን ኣገደስቲ መደባት ከጻፍፉን ጸኒሖም እዮም ኣብዚ በጺሖም።

ናብ ክቡራን ምእመናን ህዝበ ክርስቲያን፡ ብሩኽ በዓል ልደት ጐይታናን መድሓኒና ኢየሱስ ክርስቶስን ርሑስ ሓድሽ ዓመትን ይግበረልና። ቀጺልና ንየካቲት (February 2, 2019) ናይ ኣዴና . ድንግል ማርያም ዕረፍታ እነብዕለሉ ዓመታዊ ብዓልና ምኳኑ ክንገለጽ ንፈቱ።ብተወሳኺ ኣብዚ ክቡር በዓል ኣዴና ቅድስቲ ድንግል ማርያም ተኻፈልቲ በረኸታ ክትኮኑን።

ካብዛ ብብዙሕ ክፍኣትን ሓጢኣትን ትሳቐ ዘላ ዓለም ብሓይሊ መድኃኔ ዓለም ብኣማላድነት . ድንግል ማርያምን ብጸሎት ቅዱሳንን፡ ካብ ኩለ ክፉእ ምእንቲ ክንድሕን ኣብ እንገብሮ ሓባራዊ ጸሎትን ምህለላን ምስ ስድራ ቤትኩም ክትሳተፉ/ ብስም ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ንምሕጸን።

ካብ ነዊሕ እዋን ተታሒዙ ብዝጸንሐ መደብ መሠረት፥ ብፁዕ ኣቦና ኣቡነ-መቃርዮስ፥ ናይ ኤርትራ ኦርቶዶክሳዊት ተዋሕዶ ቤተ-ክርስቲያን ዓቃቤ-መንበር። ካብ ዕለት 16-21/10/2018 ኣብ ሃገረ-ስዊስ፥ ሓዋርያዊ ተልእኮ ክፍጽሙ ቀንዮም።

እቲ ብሃገረ-ስዊዲን ዝጀመረ ዑደት ብዕ-ኣቦና። ብስዊስ ሓሊፉ ሕጂ ድማ እንሆ ናብ ሃገረ-ሆላንድ በጺሑ ይርከብ ኣሎ። ናብዚ ዝተባህለ ሃገር ዝኣተወ ኣብ ዕለት 22/10/2018 ኮይኑ፣ ሕጂ ከኣ ኣብ ከተማ-ኣምስተርዳም ብምምራሕ፣ ናይቲ ኣብዚ ከተማ’ዚ ዝርከብ፣ ናይ ግብጻዊት ቤተ-ክርስቲያን መንበረ-ጵጵስና ጋሻ ኮይኑ ይርከብ ኣሎ

ብፁዕ ኣቦና ኣቡነ-መቃርዮስ፥ ዓቃቤ-መንበር ናይቲ ኣብ ሓዋርያዊ-ሰንሰለት ጸኒዑ ዝርከብ ዘሎ መንበር፥ ማለት ኦርቶዶክሳዊት ቤተ-ክርስቲያን ኤርትራ፥ እቲ ብስዊዲን ዝጀመሩዎ ዑደት ብምቕጻል፥ ብስዊስን ሆላንድን ሓሊፎም ሕጂ ድማ እንሆ ኣብ ማንችስተር በጺሖም ይርከቡ ኣለዉ።

ብስም ኣብን ወልድን መንፈስ ቅዱስን ሓደ ኣምላኽ ኣሜን!

ነቲ ዘይርኤስ ከም ዚርእዮ ዀይኑ ተዓጊሱ ጸንዔ እሞ፡ ነቲ ዅራ ንጉስ ከይፈርሄ፡ ብእምነት ንግብጺ ሐደጋ።ዕብ. 11:27 

"መለበምን ኣይግበርካ መለበምን ኣይኽላእካ" ከም ዝበሃል፥ ኣብ ዚሓለፈ ወርሓት ናይ ኢትዮጵያ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተክርስቲያን ድሕሪ ናይ  40 ዓመት ዝቐጸለ ምግሃስ ቀኖናን ንሱ ዘስዓቦ ምፍልላይን ዕንወትን ሎሚ ኣቦታት ብሓባር ነቲ ዝፈረሰ ቀኖና ቤተክርስቲያን ተኣሚኖም ይቅረ ተበሃሂሎም ኣብ ሓንቲ ቤተ ክርስቲያን ተጠርኒፎም ሰሚዕናን ርኢናን።

ብፁዕ ኣቡነ-መቃርዮስ ዓቃቤ-መንበር ኦርቶዶክሳዊት ተዋሕዶ ቤተ-ክርስቲያን ኤርትራ። ኣብ ዕለት 13/10/2018 ኣብ ስዊዲን ከተማ-ኦብሳላ ተረኺቦም ቅዳሴ ብምሥራዕ፥ ንናይቲ ኣከባቢ ማኅበረ-ምእመናን፥ መልእኽቲ ወንጌል ከስምዑን ቡራኬ ክህቡን ክኢሎም። ስለ ዝኾነውን ነዚ ጉባኤዚ፥ ብዙሓት ካብ ርሑቕን ቀረባን ዝመጹ ምእመናን ክሳተፉዎ ስለ-ዝኸኣሉ፥ እዚ ጉባኤ ንብዙሓት ምኽንያት ምንቕቓሕን ተስፋን ኮይኑዎም ተረኺቡ ክበሃል ይከኣል።

ኣብ ዓባይ-ብሪጣንያ ከተማ-ማንችስተር፣ ንኽልተ መዓልቲ ዝቐጸለ ማለት ዕለት 7-8/ 10/2018 ኣብ ቤተ-ክርስቲያን መድኃኔ-ዓለም፣ ንማኅበረ-ምእመናን ዕግበት ክህብ ዝኸኣለ፥ ዕዉት ኢልካ’ውን ክግለጽ ዝከኣል፥ 2ይ-ዓመታዊ ጉባኤ ተኻይዱ። ነዚ ኣገልግሎት’ዚ ኢሎም ካብ ሃገረ-ኣሜሪካ ተላዒሎም ዝመጹ ድማ፥  ቀሲስ ዶክተር ተስፎም ገዛኢን ዲያቆን ዶክተር ብርሃነ ሥዩምን እዮም።

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div