S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ካልኣይ ዓመታዊ መንፈሳዊ-ጉባኤ ኣብ ዓባይ-ብሪጣንያ ማንችስተር

ኣብ ዓባይ-ብሪጣንያ ከተማ-ማንችስተር፣ ንኽልተ መዓልቲ ዝቐጸለ ማለት ዕለት 7-8/ 10/2018 ኣብ ቤተ-ክርስቲያን መድኃኔ-ዓለም፣ ንማኅበረ-ምእመናን ዕግበት ክህብ ዝኸኣለ፥ ዕዉት ኢልካ’ውን ክግለጽ ዝከኣል፥ 2ይ-ዓመታዊ ጉባኤ ተኻይዱ። ነዚ ኣገልግሎት’ዚ ኢሎም ካብ ሃገረ-ኣሜሪካ ተላዒሎም ዝመጹ ድማ፥  ቀሲስ ዶክተር ተስፎም ገዛኢን ዲያቆን ዶክተር ብርሃነ ሥዩምን እዮም።

እዞም ክልተ ንኣገልግሎት ወንጌል፥ ውፉያት ምዃኖም ብተግባር ዘመስከሩ መማህራን። ንመንፈሳዊ ተልእኮ ኢሎም ዝመጹ ዘለዉ ሕጂ ቀዳማይ እግሮም ኣይኮነን። ኣብ ዝሓለፈ ዓመት’ውን ንተመሳሳሊ ተልእኮ መጺኦም፥ ኣዚዩ ዕዉት  ክበሃል ዝግብኦ ወንገላዊ-ኣገልግሎት  ፈጺሞም ከም-ዝተመልሱ ዝፍለጥ’ዩ። እዚ ናይ ሕጂ ድማ መቐጸልታ ናይቲ ዝሓለፈ ደኣምበር፥ ሓዲሽ ሕጂ ዝጅመር ዘሎ’ዩ ዝበሃል ኣይኮነን።

ይኹን እምበር ቤተ-ክርስቲያንና፥ ማለት ቤተ-ክርስቲያን ተዋሕዶ፥ ብከቢድ ፈተና እናተፈተነት ብማእከል ሓዊ ትሓልፍ ዘላ ቤተ-ክርስቲያን ምዃና፥ እቲ ሕጂ ዘሎ ህልው ኩነታታ፥ ባዕሉ ከረጋግጾ ዝኽእል ሓቂ’ዩ። ስለ-ዝኾነ’ውን ኣብ ልዕሊ’ዛ ጥንታዊ ታሪኽ ዘለዋ ሓዋርያዊት ቤተ-ክርስቲያን እዚኣ፥ እቲ ብቐጻሊ ኣብ ልዕሊኣ ክግበር ዝርአ ዘሎ ፖለቲካዊ-ጸቕጢ፥ ንህልውናኣ ክፈታተን ኣብ ዝኽእል ሓደገኛ ኩነታት ትርከብ ምህላዋ፥ ንሕና እቶም ብጸጋ-ጥምቀት ካብ ማኅጸና ዝተወለድና ደቃ ጥራይ ዘይኮነ፥ ማኅበረ-ሰብ ዓለም’ውን ከይተረፈ ዝፈልጦ ናይ ኣደባባይ ምሥጢር’ዩ።

ስለ’ዚ እዚ ጉዳይ’ዚ ንዓና ንማኅበረ-ምእመናን ተዋሕዶ፥ ዕረፍቲ መዓልትን ድቃስ ለይትን ክህበና ዝግብኦ ኣይኮነን። ስለዚ’ውን ካብ ዝኾነ ግዜ ንላዕሊ፥ ኣብዚ እዋን’ዚ እቲ ደምበ-ተዋሕዶና ወንጌል ክስበኸሉ እዋኑን ሰዓቱን’ዩ። ስለዚ ከኣ’ዮም ቀሲስ-ተስፎምን ዲያቆን-ብርሃነን፥ ነዚ ሓዋርያዊ-ተልእኮ’ዚ ዓቢይ ግምት ብምሃብ፥ ዘለዎም ካልእ መደብ ኣወንዚፎም ንኤውሮጳ ተላዒሎም ክመጹ ዘድለዮም። ነቲ ሕዝቢ ድማ ኣዚዩ ዘዕግብን፣ ከምኡ’ውን ተስፋን ምጽንናዕን ክህብ ዝኽእል ትምህርተ-ወንጌል፥  ከመሓላልፉ ብምኽኣሎም ዘይተሓጎሰ ሰብ ኣይነበረን ክበሃል ይከኣል።

በዚ መሠረት’ዚ ኣብቲ ቀዳም ዝተኻየደ መደብ፥ ቀሲስ-ተስፎም ሠራዒ ኮይኖም ዝመርሑዎ ቅዳሴ’ዩ ክካየድ ክኢሉ። ኣብዚ ቅዳሴ’ዚ ተሳተፍቲ ኮይኖም ዝወዓሉ ካህናት፥ ቀሲስ ተክለ-ማርያም ምርካ-ጽዮን, ቀሲስ-ሺኖዳ ኢዮብ, ቀሲስ-ዮናስ ተሾመ ክኾኑ ከለዉ፥ ከምኡ ድማ ኣብቲ ቅዳሴ ካብ ዝተሳተፉ ዲያቆናት፥ ዲያቆን ብርሃነ ሥዩምን ዲያቆን ጸጋ-ብርሃን ደበሳይን ክጥቀሱ ካብ ዘለዎም እዮም።

ብድሕሪ’ዚ ሓጺር ናይ ቁርሲ ዕረፍቲ ምስ-ተገብረ፥ እቲ መድረኽ ንዶክተር-ብርሃነ’ዩ ተገዲፉ። ንሶም ኣብ ፍጥረት ዓለም ብምትኳር ኣብ ዘመሓላለፉዎ መልእኽቲ፥ “....ኣብዚ እዋን’ዚ ሳይንስ ንብዙሕ ሕቶታት ክምልስ ዝኸኣለ ናይ ሥነ-ፍልጠት ዓውዲ ምዃኑ ዘከራኽር ኣይኮነን። ይኹን እምበር ሳይንስ መልሲ ክረኽበሎም ዘይከኣለ ሕቶታት ግና ምህላዎም ዝፍለጥ’ዩ። ብኣንጻሩ ንዝኾነ ሕቶ ክምልስ ዝኽእል በይኑ እግዚኣብሔር ጥራይ እዩ። እቲ ወሰኑን ዓቐኑን ክብጻሕ ዘይከኣል ናይ እግዚኣብሔር መለኮታዊ-ኃይሊ ግና፥ ንዝኾነ ሕቶ መልሲ ኣለዎ። ስለ-ዝኾነ ከኣ ክብርን ዕቤትን ልዕልናን እግዚኣብሔር ኣምላኽ፥ ከምዚ’ዩ ኢልካ ክውሰንን ክዕቀንን ዝኽእል ኣይኮነን። ስለዚ ከኣ’ዩ “-እግዚኣብሔር ንምድሪ ኣብ ባሕሪ ሰሪቱዋ፥ ኣብ ወሓይዝ’ውን ኣጽኒዑዋ እዩ’ሞ፥ ንሳን ምልኣታን፥ ዓለምን እቶም ዝነብሩዋን ናቱ እዮም-” ተባሂሉ ዘሎ ብምባል’ዮም ዶክተር ብርሃነ መልእኽቶም ዘመሓላለፉ። (መዝ. 24/1-2)

ኣብቲ ዝቐጸለ ግዜ ድማ፥ ናብ መድረኽ ዝቐረቡ ቀሲስ-ተስፎም እዮም። ንሶም ኣብቲ ክርስቲያናዊ-ሕይወት ወይ ጉዕዞ፥ ኩሉ ግዜ ፈተና ከጋጥም ከም-ዝኽእል ብምግላጽ’ዮም መልእኽቶም ዘመሓላለፉ። ማለት ከም ኣበሃህላኦም “....... ኣብቲ ክርስቲያናዊ-ሕይወት እነብር ኣለኹ ዝብል ሰብ፥ ብፈተና ክሓልፍ ናይ ግድን እዩ። ነቲ ከጋጥም ዝኽእል ፈተና ብትዕግስቲ ክትሓልፎ ከይከኣልካ ከኣ፥ ዓወት ዝበሃል ነገር ዝሕሰብ ኣይኮነን።  እዚ እዋን እዚ’ውን ቤተ-ክርስቲያንና፥ ብሓዊ እናተፈተነት ክትሓልፍ ትርከበሉ ዘላ ሰዓት’ዩ ክበሃል ይከኣል። እዚ ፈተና’ዚ ንዓና’ውን ከም ደቂ ቤተ-ክርስቲያን መጠን፥ ክተርፈልና ይኽእል’ዩ ዝበሃል ኣይኮነን። ግዳስ እቲ ቅዱስ-ጽሑፍ .....ነቲ ዝመጸካ መከራ ኣይትፍራህ። ክሳዕ ሞት እሙን ኩን። ኣነ ድማ ኣኽሊል ሕይወት ክህበካ እየ....” ስለ-ዝብል፥ ንሕና’ውን ንፈተና ፈሪህና፥ ካብቲ ደው ኢልናሉ ዘሎና መድረኽ ቤተ-ክርስቲያን ክንወርድ ኢልካ ዝሕሰብ ነገር ኣይኮነን......” እዮም ዝበሉ ቀሲስ-ተስፎም (ራእ. 2/10)

መልእክቶም ብምቕጻል ዶክተር-ተስፎም ሓዋርያ-ጳውሎስ “......ብወንጌል ኣይሃፍርን’የ.....” ድሕሪ ምባሉ፥ ከምኡ’ውን.......ስቓይ’ዚ እዚ ዘመን’ዚ፥ ነቲ ኣባና ክግለጽ ዝመጽእ ዘሎ ክብሪ፥ ከም-ዘይመዓራረዮ እኣምን ኣለኹ.......” ኢሉዎ ከም-ዘሎ፥ ንሕና’ውን ንዝኾነ ፈተና ስዒሩ ዝወጽእ ጽንዓት ደኣምበር፥ ተሸኒፉ ዝወድቕ እምነት ክህልወና ከም-ዘይግባእ፥ ካብ መጽሓፍ-ቅዱስ ንላዕሊ ክምህረና ዝኽእል የልቦን። እቲ ደው ክንብለሉ ዝግበኣና ዕላማ ንሱ ስለ-ዝኾነ ከኣ’ዩ፥ እቶም ቅዱስ-ፓትርያርክ ኣቡነ-እንጦንዮስ፥ ምእንቲ ክብርን ቅድስናን ቤተ-ክርስቲያን ክብሉ ኣብ ማሕዩር ተታሒዞም፥ ንዓና ኣርኣያ ንምዃን ከም ጥዋፍ ክነዱ  ዝርከቡ ዘለዉ ......” ብምባል’ዮም ቀሲስ-ተስፎም መልእኽቶም ከመሓላለፉ ዝኸኣሉ። (ሮሜ. 1/16 ፡ 8/19)

ኣብቲ ዝቐጸለ ካልኣይ መዓልቲ’ውን፥ እቲ ጉባኤ ብተመሳሳሊ መንገዲ ቀጺሉ’ዩ ውዒሉ። ማለት ዶክተር-ብርሃነ ኣብቶም ዝሓለፉ ሠለስተ-ጉባኤታት ብምትኳር፥ ማለት ኣብቲ ሽዕዑ ዘመነ-ሊቃውንቲ ተባሂሉ ዝፍለጥ ዝነበረ፥ 4-ይን 5-ይን ሚእቲ ክፍለ-ዘመን። እቶም ሽዕኡ ዝነበሩ ኣቦታት፥ ንሓድነት ቤተ-ክርስቲያን ክብሉ ዝገበሩዎ ተጋድሎ፥ ታሪኽ እናተዛረበሉ ክነብር ዘለዎ ዓቢይ ውዕለት ፈጺሞም’ዮም ሓሊፎም። እቲ ጻዕሪ’ቲ በቶም ቀዳሞት ኣቦታት ክግበር እንተ-ዘይክእል ነይሩ ግና፥ ህልውና ቤተ-ክርስቲያን ንከቢድ ሓደጋ ተቓሊዑ ምተረኽበ ነይሩ። እቶም ኣብ ጉባኤ-ንቅያን፥ ጉባኤ-ቁስጥንጥንያን፥ ጉባኤ-ኤፌሶንን ዝወዓሉ ኣቦታት ግና፥ “-ወነኣምን በኣሓቲ ቅድስት ቤተ-ክርስቲያን፥ እንተ ላዕለ ኩሉ ጉባኤ-ዘሓዋርያት-”  ብምባል፥ ኣብ ቀኖና ስለ-ዘስፈሩዎ፥ እቲ መሠረት ጠጢሑን ጸኒዑን ይርከብ ኣሎ። ዝብል ትሕዝቶ ዝነበሮ ትምህርቲ’ዮም ዲያቆን-ብርሃነ ዘመሓላለፉ።

ኣብ ካልኣይ መዓልቲ ኣብ ዝነበረ መደብ ድማ፥ ካህን ተክለ-ማርያም ምርካ-ጽዮን “-ህልው ኩነታት ቤተ-ክርስቲያንና፥ ብመንጽር’ቲ ዝሓለፈ ታሪኽና ክግምገም  ከሎ-” ብዝብል ኣርእስቲ ዘቕረቡዎ መደብ’ዩ ነይሩ። ንሶም ክዛረቡ ከለዉ “.....እቲ ሕጂ ኣብ ጠቕላላ ኣገልግሎት ቤተ-ክርስቲያና፥ ዝርአ ዘሎ ድኽመታት ኩሉ፥ እኩብ ድምር ናይቲ ዝሓለፈ ኩሉ ታሪኽና ደኣምበር፥ ትማልን ሎምን ዝተኸስተ ተርእዮ’ዩ ዝበሃል ኣይኮነን። ማለት እቶም ብደገ እናተላእኩ ክመጹና ዝጸንሑ ጳጳሳት፥ ምስ ቋንቋናን ባህልናን ሥርዓትናን ዝፋለጡ ብዘይ-ምንባሮም፥ እዚ ንዘመናት ተጻዊርናዮ ዝተጓዓዝና ድኽመት’ዚ ከኣ’ዩ፥ ናይ ታሪኽ በሰላ ኮይኑ ተለጢፉና ዝርከብ ዘሎ። ከም ሳዕቤን’ዚ ከኣ’ያ ቤተ-ክርስቲያንና “-ምውላድ እምበር ምዕባይ ዘይትኽእል-”  ተባሂላ ክትውቀስ ዝጸንሓትን ሕጂ’ውን ዘላን......” እዮም ዝበሉ እቶም ካህን።

ዘረባኦም ብምቕጻል “.....ኣብዚ ሕጂ ዘሎ እዋን ድማ፥ ብመንገዲ ትምህርቲ-ሰንበት ቈልዑት ንምምሃር ኢልካ፥ ኣብ ኩለን ኣብያተ-ክርስቲያናት ዝግበር ጻዕሪ ምህላዉ ዝፍለጥ’ዩ። ይኹን እምበር ነዚ መደብ’ዚ ክመርሕን ከወሃህድን ተባሂሉ፥ ዝቘመ ማእከል ብዘይ ምህላዉ፥ ፍንው ብዝኾነ ኣገባብ በብመገድኻ፥ ክግበር ዝርአ ዘሎ ኣገልግሎት፥ ውጽኢታዊ ኮይኑ ክርከብ ትጽቢት ክግበረሉ ይኽእል’ዩ ዝበሃል ኣይኮነን። ስለ’ዚ ሓደ ንኹልና ጠርኒፉ ክሕዘና ዝኽእል ማእከል፥ ዝቘመሉ ተበግሶ ኣብ ምውሳድ ኣቢልና ክንሓስብ፥ እቲ ዘሎ ህልው ኩነታት የገድደና ኣሎ። ስለዚ ብዕቱብ ክንጥምቶን ቀዳምነት ሂብና ክንሠርሓሉን ዘሎና ጉዳይ ምዃኑ፥ ኦርቶዶክሳዊ ግዴታናን ሓላፍነትናን እዩ ......” ብምባል’ዮም ካህን ተክለ-ማርያም መልእኽቶም ደምዲሞም።

ብዝተረፈ እዚ ጉባኤ’ዚ፥ ኣብያተ-ክርስቲያናት ማንችስተር, ሎንዶን, በርኒንግሃም, ሸፈልድ’ውን ብኣባልነት ተሳቲፈንኦ ውዒለን እየን። ኣብቲ ዝተኻየደ ናይ ክልተ መዓልቲ መደብ ከኣ። ማኅበረ-ምእመናን ማንችስተር፥ ነቲ ኣብቲ ጉባኤ ተሳታፊ ዝነበረ ሕዝቢ ንምቕባል፥ ዘርኣዩዎ ልግስን ምቕሉልነትን ክንደይ’ኳ ክምስገኑ ዝግብኦም’ዩ። ብዝተረፈ ናይዚ ዝተኻየደ መደብ’ዚ፥ ኣወሃሃዲ መድረኽ ኮይኖም ዝወዓሉ፥ ዲያቆን ዮሓንስ ገብረ-ሕይወት’ዮም። እዚ ብቅዳሴን መዛሙርን ምህልላን ጸሎትን ተሰንዩ፥ ንክልተ መዓልቲ ዝተኻየደ መደብ’ዚ ከኣ፥ ንልዑል እግዚኣብሔር ክብርን ምስጋናን ብምሃብ፥ ንሴብሖ እናተባህለ ብዕልልታን መዛሙርን ክፍጸም ክኢሉ።

ይትባረክ እግዚኣብሔር ኣምላከ-ኣበዊነ-!!!

ሥቡሕኒ ውእቱ ወልዑልኒ ውእቱ ለዓለም

(ዘኣንበሳ ማርቆስ) 

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div