S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ዑደት ብፁዕ ኣቡነ-መቃርዮስ ኣብ ዓባይ-ብሪጣንያ

ብፁዕ ኣቦና ኣቡነ-መቃርዮስ፥ ዓቃቤ-መንበር ናይቲ ኣብ ሓዋርያዊ-ሰንሰለት ጸኒዑ ዝርከብ ዘሎ መንበር፥ ማለት ኦርቶዶክሳዊት ቤተ-ክርስቲያን ኤርትራ፥ እቲ ብስዊዲን ዝጀመሩዎ ዑደት ብምቕጻል፥ ብስዊስን ሆላንድን ሓሊፎም ሕጂ ድማ እንሆ ኣብ ማንችስተር በጺሖም ይርከቡ ኣለዉ።

ኣብ ማንችስተር ዝበጽሑ 25/10/2012 ኮይኑ፥ ብማኅበረ-ምእመናን መድኃኔ-ዓለም ቤተ-ክርስቲያን ድማ፥ ዓቢይ ናይ ክብሪ ኣቀባባል ተገይሩሎም። ብፁዕ-ኣቦና ዓርቢዮም ኣትዮም። ንጽባሒቱ ቀዳም ድማ፥ ባዕሎም ሠራዒ-ኮይኖም ዝመርሑዎ ቅዳሴ ተኻይዱ። ብዙሓት ዓበይትን ነኣሽቱን ድማ፥ ናይቲ መኣዲ ቅዱስ-ቁርባን ተሳተፍቲ ኮይኖም ምርኣይ፥ ካብቲ ዘሐጉስ ሓደ ነይሩ ክበሃል ይከኣል።

ኣብ ቤተ-ክርስቲያንና ሓደ ግጉይ-ልማድ ከም-ዝጸንሐ ዝፍለጥዩ። ማለት እቲ መኣዲ ቅዱስ-ቁርባን፥ ኣብ ዕድመ ሽምግልና ንዝርከቡ ዓበይቲ ደኣምበር፥ ነቲ መንእሰይ ወለዶ ከም-ዘይምልከቶ ኮይኑ ክርአ ጸኒሑ። እዚ ግጉይ ዝኾነ ልማድ ከኣ፥ ንቤተ-ክርስቲያንና ከቢድ ኣሉታዊ ስምብራት ገዲፉላ ከም-ዝሓልከፈ፥ እቶም ብቓንዛ ዓባይ ቤተ-ክርስቲያን ዝሳቐዩ ኩሎም፥ እቲ ምረቱ ኣጸቢቖም የስተማቕሩዎዮም እንተተባህለ ጌጋ ኣይኮነን።

ከመይሲ እቲ መንእሰይ-ትውልዲ፥ ኣካል እታ ቤተ-ክርስቲያን ከም-ምዃኑ መጠን፥ ኣብ ትሕቲ ሕቝፋን ጽላላን ክዓቢ ዝነበሮ መሰል ክሕለወሉ ስለ-ዘይከኣለ፥ ተሳታፊ መኣዲ ቅዱስ-ቁርባን ኮይኑ ክርከብ ከም-ዘይጸንሐ፥ እቲ ታሪኽ ቤተ-ክርስቲያንና ባዕሉ ከረጋግጾ ዝኽኣለ ሓቂዩ። ስለዚውን ከም ሳዕቤን እቲ ክፍጸም ዝጸንሐ ድኽመታት ኩሉ ድማ፥ እንሆ ነታ ብቅድስና ዝፍለጥ ጥንታዊ ታሪኽ ዘለዋ ዓባይ ቤተ-ክርስቲያን፥ ክቡር ዋጋ ዘኽፍላ ኮይኑ ተረኺቡ ከምዘሎ፥ እቲ ዘሎ ህልው ኩነታት ባዕሉ ከረጋግጾ ዝኽእልዩ።

ብዝኾነ ብፁዕ-ኣቦና ድሕሪ ኣገልግሎት ቅዳሴ፥ ኣብ ዘስምዑዎ ስብከተ-ወንጌል፥ ማለት ከምቲ “...ገበርቲ ሰላም ውሉድ-ኣምላኽ ክበሃሉ እዮም ብፁዓንዮም...” ተባሂሉ ዘሎ። “... ንሕና ከም ክርስቲያን መጠንውን፥ እቲ ሰላም ዝብል ቃል፥ ኣብ ሕይወትና ቀዳማይ ቦታ ዝሓዘ ኮይኑ ክርከብ ዝግብኦ። ብዘይ ሰላም ከኣ እቲ ሕይወት ንርእሱ ትርጉም ክህልዎ ይኽእል ዝበሃል ከም-ዘይኮነ ምርድኡ ኣገዳሲዩ። ብዝተረፈ ነቲ ክመጽእ ዝኽእል ፈተና ኩሉ፥ ክኢልካን ተጻዊርካን ምስ-ከድካ ደኣምበር፥ ብኸምኡ ክርከብ ዝኽእል ሰላም የልቦን...” ብምባልዮም  ብፁዕ ኣቦና መልእኽቶም ዘመሓላለፉ(ማቴ. 5/9)

ብፁዕ ኣቦና ብምቕጻል “... ንሕና ኩላትና ማለት እቶም ኣገልግሎት ቤተ-እግዚኣብሔር እንርከብ ዘሎና፥ ኣብ ፈተና ዝበዝሖ ግዜ ከም-ዘሎና ርዱእዩ። ግዳስ ጎይታና ኣብ ወንጌሉ ...እንተ-ጸረፍኹምን እንተሰጎጉኹምን፥ ምእንታይ ድማ ኩሉ ክፉእ ዘበለ-ሓሶት እንተ-ተዛረቡልኩምን ብፁዓን ኢኹም... ዝበሎ ረዚን ቃል ስለዘሎ፥ እቲ ኹሉ ብጸጋ ክንቅበሎ ደኣምበር፥ ብፈተና ተዓንቀፍቲ ኮንና ክንርከብ፥ ምስቲ ክርስቲያናዊ ሕይወት ተሳንዩ ክኸደልና ዝኽእል ኣይኮነን..” ብምባዮም ብፁዕ-ኣቦና ቃለ-ምዕዳን ዘስምዑ (ማቴ.5/11)

ብምቕጻል ብፁዕ-ኣቦና፥ ንመዓርገ-ዲቁና ዝግባእ ጸሎት ብምብጻሕ፥ ንዲያቆን-ተዅሉ ኣሥመሮም “-ጳውሎስ-” ዝብል ሓዲስ ስም ብምሃብ፥ ዲያቆን ኢሎም ባሪኾሞም። ብምሉኡ እቲ ኣብቲ ቤተ-ክርስቲያን ተሳታፊ ዝነበረ ማኅበረ-ምእመናን ድማ “... ይደልዎ-! ...” ብዝብል ዜማ፥ ናይቲ ሥርዓተ-ሢመት ተሳታፊ ኮይኑ ውዒሉ። ንሕናውን በዚ ኣጋጣሚዚ፥ ንኹሎምቶም ኣብዚ ዓመት መዓርገ-ዲቁና ዝተቐበሉ፥ ዲያቆን-ሳሙኤል ተኽለ, ዲያቆን-ኣብርሃም ዘርኣይ, ዲያቆን-ጳውሎስ ኣሥመሮም ሠናይን ሰላምን ብምምናይ፥ እግዚኣብሔር ዝኸብረሉ መዓርግ ክኾነሎም ጸሎትናን ሠናይ ትምኒትናን እዩ።

ንጽባሒቱ ሰንበት ድማ፥ ብፁዕ ኣቡነ-መቃርዮስ “-ጸሎተ-ቀንዲል-” ብምብጻሕ፥ ንብምሉኡ ኣብ ቤተ-ክርስቲያን ተጋቢኡ ዝነበረ ሕዝቢ፥  ዘይተ-ቀንዲል ክቐብኡዎ ክኢሎም። ተባሪኹን ተቐዲሱንውን ነናብ ቤቱ ክምለስ ክኢሉ። ኣብ ማንችስተር ዝነበረ ኣገልግሎት ብምፍጻም ድማ፥ ዕለት 03/11/2018 ናብ ሸፈልድ ከይዶም።

ናይ ሸፈልድ ቤተ-ክርስቲያን ሓላፊ ዝኾኑ ካህን፥ ማለት ቀሲስ ዮናስ-ተሾመውን፥ ንብፁዕ ኣቦና ብኽብሪ ተቐቢሎሞም። ጸሎተ-ነግህ ብምብጻሕውን ነቲ ሕዝቢ ባሪኾሞ። ካብዚ ብምቕጻል ከኣ ብፁዕ ኣቦና፥ ብዛዕባ ፓትርያርክ-እንጦንዮስ ንዝቐረበሎም ሕቶ ክምልሱ ከለዉ “... ቅዱስ ፓትርያርክ-እንጦንዮስ፥ ምእንቲ ክብሪ ቤተ-ክርስቲያን ክብሉ ሠማዕትነት ይቕበሉ ኣለዉ። ንዝኾነ ነገር ግና መወዳእታ ኣለዎ። እቲ ጸሎቶምን ዝገብሩዎ ዘለዉን ተጋድሎ ከኣ፥ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሔር ዘይበጽሕ ብከንቱ ዝተርፍ ኣይኮነን። ስለዚውን ኣብ ዋዜማ ትጽቢት እንገብረሉ ዘሎና ትንሣኤ ቤተ-ክርስቲያን፥ ንርከብ ምህላውና ክንጠራጠር ዝገብረና ዋላ ሓንቲ ምኽንያት የልቦን...” ብምባልዮም ብፁዕ ኣቦና ዝተዛረቡ።

ካብዚ ብምቕጻል ብፁዕነቶም፥ ንጽባሒቱ 04/11/ እዮም ናብ ከተማ ሎንዶን ዑደቶም ዘምርሑ። ኣብ ቤተ-ክርስቲያን ቅድስት-ማርያም ምስ-በጽሑ ድማ፥ እቶም ማኅበረ-ምእመናን ብናይ ደብሪ ሓላፊ ዝኾኑ፥ ቀሲስ-ሺኖዳ ኢዮብ ተመሪሖምዮም “-ባርከነ ኣባ-መቃርዮስ-” እናበሉ ብማሕሌትን ጣዕመ ዝማሬን ዝተቐበሉዎም። ጸሎተ-ነግህ ድሕሪ ምብጻሕ ድማ፥ ብፁዕ ኣቦና ናብ ስብከተ-ወንጌልዮም ዘምርሑ።

እቲ ብፁዕ-ኣቦና ዘመሓላለፉዎ መልእኽቲ፥ ኣብቲ ሕጂ ዘሎ ህልው ኩነታት ሃገርናን ሕዝብናን ዝጠመተ ብምንባሩ ድማ፥ ንኣቓልቦ ማኅበረ-ምእመናን ብብዙሕ ዝሰሓበ ነይሩ ክበሃል ይከኣል። እቲ ስብከት ኣብቲ “-ነገርኩምሲ እወ-! እወ-!-” ወይ ድማ “-ኣይኮነን-! ኣይኮነን-! ደኣ ይኹን-”  ዝብል ኣርእስቲ ዘተኮረ ኮይኑ ቀሪቡ። ብፁዕ-ኣቦና ከም-ዝበሉዎ “....ኣብዚ እዋን ጸገም ሕዝብና ኮይኑ ዝርከብ ዘሎ፥ ንኹሉ “-እወ-” ኢልካ ምቕባል ከም ልሙድ ስለ-ዝተወስደ፥ መወዳእታ ኣለዎ ንዘይበሃል ሕሰምን መከራን ዝተቓልዐ ኮይኑ ዝርከብ ዘሎ ስለዚ....” ብምባልዮም ብፁዕነቶም ዝመሃሩ። (ማቴ.5/37)

ስብከቶም ብምቕጻል ብፁዕ-ኣቦና “.... እወ ክበሃል ኣብ ዘይግብኦ እዋን ግና፥ እወ ኣይበሃልን እዩ። ሕዝብና ግና “-ኣይፋል-” ምባል ዝጠፍኦ ሕዝቢ ኮይኑ ዝርከብ ዘሎ። ብዝተረፈ እንስሳ ጥራይ ዝጸዓኑዎ ዝጸዓን እምበር፥ ደቂ-ሰብ ከም መአከብ ጐሓፍ፥ ኩሉ ዝቕበሉ ኮይኖም ክርከቡ ቅቡል ኣይኮነን። እቲ ሕጂ ኣብ ሕዝብና ዝርአ ዘሎ ድኽመት ግና ብኣንጻሩ እዩ። ከመይሲ ጎይታና “-ነገርኩምሲ እወ-! ወይ ኣይኮነን-! ደኣ ይኹን-” ብምባል ኣጠንቂቑ ዘሎ። ስለ ከኣዮም ሕዝበ-እስራኤልውን ንትእዛዝ ንጉሥ-ሮብዓም ኣይንቕበልን ኢሎምእምቢብምባል፥ ክነጽግዎ ዝተረኽቡዮም ዝበሉ ብፁዕ ኣቦና። (1ነገ.12/4-16)

ነዚ ብምኽታል፥ ነቲ ምስ ኢትዮጵያ ዝተገብረ ዕርቂ ኣመልኪቱ ዝቐረበ ሕቶ ነይሩዩ። ብፁዕ ኣቦና ኣብ ዝሃቡዎ መልሲ “....እቶም ናይ ኢትዮጵያ መራሒ ዝኾኑ ዶክተር-ዓቢይ፥ ናይ ሰላም ሰብ ምዃኖም ካብ ተግባሮም ንላዕሊ ክዛረብ ዝኽእል ሰብ የልቦን።  ይኹን እምበር እቲ ክግበር  ዘለዎ ዕርቅን ሰላምን፥ ምስቲ በዓል ጉዳይ ዝኾነ ሕዝቢ-ኤርትራ ደኣምበር፥ ምስ ዝኾነ ካልእ ኣካል ዝግበር ዕርቂ፥ ሕጋውነት ወይ ተቐባልነት ክህልዎ ይኽእል ዝብል እምነት የብልናን። ስለዚ እቲ ናይ ዕርቅን ሰላምን መሥርሕ፥ ነዚ ሓቂ ኣብ ግምት ዘእተወ ክኸውን ዝግባእ....” እዮም ዝበሉ ብፁዕ ኣቦና።

ኣብ መወዳእታ ከኣ ካብ ሃገር-ጀርመን ዝመጹ ዲያቆን-ቶማስ ኣልዓዛር። ኣብቲ ብሃገረ-ስብከት ሰሜን-ኣሜሪካ ተመሪሑ፥ ዝካየድ ዘሎ መንፈሳዊ-ኮለጅ። ናይ ነገረ-መለኮት ትምህርቲ ተኸታቲሎም ብዲፕሎም ስለ-ዝተመረቑ። እቲ ምስክር ወረቐት ካብ ኢድ ብፁዕ ኣቡነ-መቃርዮስ ተቐቢሎሞ። እቲ ጉባኤ ቤተ-ክርስቲያን ድማ፥ ይደልዎ-! እናበለ ነቲ ሥነ-ሥርዓት ከሰንዮ ክኢሉ። ከምዚሎም ድማ ብፁዕ-ኣቦና፥ ኣብ ሃገረ-ስብከት ኤውሮጳ ክገብሩዎ ዝቐነዩ ሓዋርያዊ ዑደት ፈጺሞም፥ ሰሉስ 06/11/2018 ድማ፥ መንገዶም ናብ ሰሜን-ኣሜሪካ ኣቕኒዖም፥ ክኸዱ ክኢሎም። 

(ዘኣንበሳ-ማርቆስ)

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div