S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ኣብ ራሊይ ሓድሽ ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ ተኸፊቱ!

ኣብ ዋና ከተማ ናይ ሰሜን ካሮላይና ዝኾነት ከተማ ራሊይ (Raleigh) ብስም ታቦት መድኃኔ-ዓለም ዝፍለጥ ሓድሽ ናይ ኤርትራ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ብዕለት 17 የካቲት 2019 . ( የካቲት ፳፻፲፩ ..) ብቦኽሪ ጸሎተ-ቅዳሴ መንፈሳዊ ኣገልግሎቱ ብወግዒ ጀሚሩ። እዚ ብውሑዳት መንፈሳዊ ቅንእን ራእይን ዝሓደሮም ደቂ ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ዝተበግሰ ምኽፋት ናይ ባዕልና ቤት እግዚኣብሔር ዝብል ክቡር ሓሳብ ንልዕሊ ክልተ ዓመታት ዝኣክል ብዘይ መራሒ ካህን ንሕድሕዶም ብተስፋ ክተኣኻኸቡን ኣገደስቲ መደባት ከጻፍፉን ጸኒሖም እዮም ኣብዚ በጺሖም።

ማሕበረ ምእመናን ከተማ ራሊይን ከባቢኡን ብዝተፈላየ እዋንን ምኽንያታትን ብስደት ካብ ኤርትራ ዝመጹ ኦርቶዶክሳውያን ኣመንቲ ነበርቲ እቲ ከተማ ኮይኖም፡ ኣብ ዝሓለፈ እዋን መንፈሳዊ ኣገልግሎታት ንኽረኽቡ ኣብ ከባቢኦም ናብ ዝርከብ ናይ ግብጽን ኢትዮጵያን ኣብያተ ክርስቲያን እናኸዱ እዮም ዝግልገሉ ነይሮም። ሎሚ ግና እቲ ‘‘ለምኑ ኽወሃበኩም እዩ፥ ድለዩ ክትረኽቡ ኢኹም፥ ማዕጾ ኳሕኩሑ ክረሓወልኩም እዩ!’’  (ማቴ 77) ዝበለ መድኃኔ-ዓለም ጎይታና ሠናይ ሓሳባት ልቦምን ባህጊ ትምኒቶምን ኣሥሚሩሎምሲ፡ ኣብ መንጎኦም ዝነብሩ ኣበ-ነፍሲ ካህን ክቡር ቀሲስ ተኽለወይን ተኽለ ብመንበረ-ጵጵስና ሃገረ ስብከት ሰሜን ኣሜሪካ ብወግዒ ስለ ዝተመደቡሎም እንሆ ቦኽሪ መንፈሳዊ ኣገልግሎቶም ሓደ ኢሎም ጀሚሮሞ ኣለዉ።

ኣብቲ ቦኽሪ ጸሎተ-ቅዳሴ ዝተሳተፉ ኣቦታት ካህናትን ዲያቆናትን ምስ ምሕበረ-ምእመናንን ልዑል ሓጎስን ምሉእ ተስፋን ስለ ዝተሰምዖም፡ ነቲ ብዙሕ ሠናይ ነገራት ዝገበረሎም ልዑል እግዚኣብሔር ኣምላኾም ብዝተፈላለየ ጥዑም-መዝሙር፥ ዕልልታን ውዳሴን ልባዊ ምስጋንኦም ናብ ኣምላኽ ከቕርቡ ዊዒሎም። ኣብቲ ቦኽሪ-ቅዳሴ ምኽፋት ሓድሽ ቤተ ክርስቲያን መድኃኔ-ዓለም ራሊይ ተወሳኺ ሓጎስን ክብርን ዝሃቦ ድማ ሥነ-ሥርዓት ጸጋ-ጥምቀት ናይ ሓደ ሕጻን ወድና ምፍጻሙ እዩ። ኣብ ዝኾነ ቦታ ቀንዲ ምኽንያት ምጅማር ሓድሽ ቤተ ክርስቲያን ድማ ኩሉ ኦርቶዶክሳዊ ኣማኒ ብቛንቍኡን ሥርዓት ቤተ-ክርስቲያኑን ከይተሸገረ ጸሎተ-ጥምቀት፥ ጸሎተ-ተኽሊል፥ ጸሎተ ፍትሓት፥ ከምኡውን ንስሓን-ቁርባንን ብቐረባ ንኽረክብ ተባሂሉ እዩ።

ኣቦና ዳዊት ናብ ቤት እግዚኣብሔር ንኺድ ምስ በሉኒ ተሓጎስኩ! ኢሉ ከም ዝዘመሮ፡ ካብ ናብ ቤት እግዚኣብሔር ምዃድ ንላዕሊ ብሓቂ ዘሐጉስን ባህ ዘብልን ነገር የልቦን። ምኽንያቱ  ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ኣፍ-ደገ ሰማያትን መኅደረ መለኮት፡ ዓውደ-ምሕረትን ብምዃና እያ። (ዘፍ 2816) ኣብዚ ሕጂ እዋን ኦርቶዶክሳዊት ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያንና ኣብ ውሽጥን ወጻእን ብብዙሕ ሽግርን ከቢድ ፈተናን ትሓልፍ ከም ዘላ ኩሉ ሰብ ዝፈልጦ ሓቂ እዩ። ይኹን እምበር ብሓባር ንፍሕሶ ሰይጣን ንምብታኽ፡ ቅልስና ምስ ሕልቅነትን ሥልጣናትን ናይ ጸልማት ኣማሓደርቲ ክፉኣት መናፍስትን ምዃኑ ፈሊጥና መንፈሳዊ ኣጽዋር ሓቅን ጽድቅን ክንዓጥቕ ይግባእ(ኤፈ 611-12)

ስለዚ ኩልና ኦርቶዶክሳውያን ምእመናን ካብ ዘየድሊ ምፍልላይን ፖለቲካዊ-ሻራን ርሒቕና ብፍቕርን ምክብባርን ተጸዋዊርና ኣብ ቤት እግዚኣብሔር ብነጻነት ከነገልግልን ክንግልገልን መንፈሳዊ ግዴታና ምዃኑ ብልቦና ክንቕበሎ ኣሎና። በዚ ኣጋጣሚ ነቲ ሥነ-ሥርዓት ምኽፋት ሓድሽ ቤተ ክርስቲያን ንምምዕራግ ኢሎም ካብ ቅዱስ ሚካኤል ናይ ኤርትራ ኦርቶክዶስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ካብ ከተማ ሻርሎት ንዝመጹ ውሉደ-ክህነትን ማሕበረ ምእመናንን ምስ ኩሎም መዘምራን ንዝገበርዎ ሞራላዊ ተሳትፎ ብልቢ እንዳ ኣመስገንና፡ ልዑለ-ባሕርይ መድኃኔ ዓለም ጎይታና ንነፍሲ ወከፍ ኣማኒ ዓስቢ-ጻምኦም ክህቦም ንኣምላኽ ንልምን። ሠናይ ምጅማር ንኦርቶዶክሳውያን ምእመናንን ካህንን መድኃኔ-ዓለም ቤተ ክርስቲያን ራሊይ ሰሜን ካሮላይና።

 

ክብርን ምስጋናን ንልዑል እግዚኣብሔር ይኹን!!!

ንብፁእ ወቅዱስ ሣልሳይ ፓትርያርክ ኣቡነ እንጦንዮስ ብጥዕናን ሰላምን ይሓልወልና!

ንብፁእ ኣቡነ መቃርዮስ ኣብዚ ናይ ፈተና እዋን፡ ዕድመን ጥዕናን ሂቡ፡ ኣብ ኣገልግሎቶም ኣሳልጦ ይሃበልና!

ንቤተክርስትያንናን ሃገርናን ድማ ሰላሙ የስፍን።

 

ልኡኽ ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div