S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ብብፁዕ ኣቦና ኣቡነ-መቃርዮስ ኣብ ሃገረ-ስዊስ ዝተገብረ ሓዋርያዊ-ዑደት

ካብ ነዊሕ እዋን ተታሒዙ ብዝጸንሐ መደብ መሠረት፥ ብፁዕ ኣቦና ኣቡነ-መቃርዮስ፥ ናይ ኤርትራ ኦርቶዶክሳዊት ተዋሕዶ ቤተ-ክርስቲያን ዓቃቤ-መንበር። ካብ ዕለት 16-21/10/2018 ኣብ ሃገረ-ስዊስ፥ ሓዋርያዊ ተልእኮ ክፍጽሙ ቀንዮም።

ብፁዕ-ኣቦና መወዳእታ ኣብ ስዊስ መጺኦም ዝነበሩሉ ግዜ 2013 እዩ ነይሩ። ብድሕሪኡ ግና ምስቲ ዘለዎም ከቢድ ሓላፍነት፥ እቲ ዑደት ኣራኽቦ ስለ-ዝሰኣኑሉ ክሳብ ሕጂ ተዘናጊዑ ክጸንሕ ግድነት ኮይኑ። ከመይሲ እቶም ኣቦ ቤተ-ክርስቲያን ዝኾኑ ፓትርያርክ-እንጦንዮስ፥ ኣብ ማሕዩር ተታሒዞም ክሳብ ዝሃለዉ እቲ ቤተ-ክርስቲያን ናይ ምምራሕ ሓላፍነት፥ ካብ ንዕኦም ሓሊፉ ዝምልከቶ ካልእ ኣካል ስለ-ዘየሎዩ።

ርግጽ ቤተ-ክርስቲያን ተዋሕዶ ንመርሕ ኣሎና ዝብሉስ  ካልኦት ጳጳሳት ምህላዎም ውን ዝፍለጥ እዩ። ግዳስ ናይቲ ፖለቲካ ኣሳሰይቲ ብምዃን፥ መራሕቲ መሲሎም ክርኣዩ ዝደልዩ ደኣምበር፥ ንቤተ-ክርስቲያን ክመርሑስ ብቕዓት ኮነ ሓላፍነት ዘለዎም ኣይኮኑን። ግዳስ “-ግዜ ዝሃቦ ሓምሓም እምኒ ይሰብር-” ከም-ዝበሃል። ናብቲ ናይ ፖለቲካ-እምባ ብምጽጋዕ፣ ነታ ወናኒት ክቡር-ታሪኽ ዝኾነት ዓባይ ቤተ-ክርስቲያን፣ ከፍርሱዋን ከዕንዉዋን ይርከቡ ኣለዉ።

ከም መቐጸልታ እዚ ዝተባህለ ኩሉ ድማዮም፣ ኣብ እዋን ኣባ-ቄርሎስ ክሳብ ኤውሮጳ ብምምጻእ፣ ካብ መዓርጎምውን ለጠቕ ኢሎም ታሕቲ ብምውራድ፣ ተልእኮ-ፖለቲካ ንምፍጻም ተዓጠቕ ተሸብሸብ ክብሉ ዝርከቡ ዘለዉ። ግዳስ ወዮ ደኣ ንሶም ሕፍረት ዝበሃል ነገር ኣይፈልጡን ኮይኖም እምበር፣ እቲ ሕዝብስ ኣብ ክንድኦም ይሓፍርን ይሓንኽን ዘሎ። ብዝተረፈ“-እግዚኣብሔር ይዛረብ ኣሎ-” ኢሎም፣ ኣብ ክንዲ ወንጌል ዝሰብኩ። መሸላ ሓሲሩ ጣፍውን ጎዲሉ ብምባል ገብሩዎ ብዘለዉ ሃለውለው፣ ደጊምሲ ክዕሸወሎም ዝኽእል ሕዝቢ ዝህሉ ኣይመስለናን።

ብዝኾነ ነዚ ኩሉ ኣብ ግምት ብምእታውዮም፣ ኣቦና ኣቡነ-መቃርዮስ፣ ነቲ ኣብ ኤውሮጳ ዘሎ በረ-ምእመናን ንምርግጋእ፣ ነዚ ኣገዳሲ ዑደት ኣብ ኤውሮጳ ከካይዱ ዝመደቡ። ኣብቲ ኣብ ሃገረ-ስዊስዘርላንድ ዝገበሩዎ ዑደት ድማ፥ ናብዚ ዝተባህለ ህልው ኩነታት ብምጥማትዮም፥ መልእኽቶም ከስምዑ ዝቐነዩ። ድሕሪ ስዊዲን ናብ ስዊስ ብምስጋር፥ መጀመርታ ጉባኤ ዘካየዱሉ ከተማ ፍሪቦርግ እዩ።

ኣብ ከተማ-ፍሪቦርግ ማለት፥ ኣብ ዕለት 20/10/2018 ክብረ-በዓል ቤተ-ክርስቲያን ኣቡነ-ኣረጋዊ ስለ-ዝነበረ፥ ማኅበረ-ምእመናን ብብዝሒ ዝርከቡሉ ኣጋጣሚ ኮይኑ ተረኺቡ። ስለዚውን ብፁዕ ኣቦና ኣቡነ-መቃርዮስ ሠራዒ ኮይኖም ዝመርሑዎ ቅዳሴ ተኻይዱ። ተሳታፊ መኣዲ ቅዱስ-ቁርባን ክኸውን ዝመጸ ሕዝቢ ብዙሕ ስለ-ዝነበረውን፥ “-እስመ-ኃያል ኣንተ-” ክበሃል ነዊሕ ሰዓታት ወሲዱ።

ድሕሪ ቅዳሴ ምፍጻሙ፥ ብልግሲ ማኅበረ-ምእመናን ቤተ-ክርስቲያን ፊሪቦርግ ዝተዳለወ መኣዲ ስለ-ዝቐረበ፥ እቲ ካብ ርሑቕን ቀረባን ዝመጸ ሕዝቢ ክሳተፍ ክኢሉ። ከምቲ ወግዑን ሥርዓቱን “-ስብሓት ለኣብ-” ተባሂሉ መኣዲ ምስ-ተላዕለ ድማ፥ ናይቲ ደብሪ ሓላፊ ዝኾኑ ቀሺ ፋኑኤል ሓጎስ። ኣቐዲሞም ብፁዕ ኣቦና ኣብቲ ክብረ-በዓል ክካፈሉ ምኽኣሎም ድሕሪ ምምስጋን፥ ነቲ በረኸት ክካፈል ኢሉ ካብ ርሑቕን ቀረባን ዝመጸ ሕዝቢ፥ ንግደቱ ንግደት ኢየሩሳሌም ክገብረሉ ተመንዮም።

ካብዚ ብምቕጻል ብፁዕ ኣቦና ኣብ ዘመሓላለፉዎ መልእኽቲ። “....ሕዝብና ነዊሕ ናይ ክርስትና ታሪኽ ዘለዎ ሕዝቢዩ። ሃይማኖት ዘለዎ ሕዝቢ ድማ፥ ብፈተና ተረቲዑ ዝወድቕ ሕዝቢ ኣይኮነን። ከም ዕድል ግዲ ኮይኑ፥ ሕዝብና ብብዙሕ ፈተና እናተፈተነ ዝሓለፈ ሕዝቢዩ። ብፈተና ተረቲዑ ዝወደቐሉ ግዜ ግና ኣይነበረን። ከመይሲ ብሃይማኖቱ ጽኑዕ ብባህሉ ድማ ጥንቁቕ ምዃኑ ታሪኽ ዘረጋግጾ ሓቂ.....” ብምባልዮም ዝተዛረቡ።

ብፁዕ-ኣቦና ዘረብኦም ብምቕጻል“.... ኣብዚ እዋን ግና ሕዝብና ከንእዶ ዘይክእል፥ ብዙሕ ብኣሉታ ከጠምቶ ዝኽእል ድኽመታት የርኢ ስለዘሎ፥ ኣብ ክንዲ ነቲ ዘሎ ሃገራዊ-ጸገም ባዕሉ ፍታሕ ዘናዲ፥ ሃገሩ ሓዲጉ ክስደድ ከም ኣማራጺ ስለ-ዝወሰዶ፥ ሕዝቢ ይብተን ሃገር ድማ ትፈርስ ኣላ። ስደት ግና ምርጫ ሕዝብና ክኸውን ኣይምተገብአን። ከመይሲ እግዚኣብሔር ዝኣክል ኣምላኽ ዘለዎ ሕዝቢ፥ ተስፋ ቈሪጹ ንስደት ከምርሕ ዝገብሮ ምኽንያት ኣሎ ክበሃል ኣይከኣልን ....” እዮም ዝበሉ ብፁዕ-ኣቦና።

ኣብ መወዳእታ ብፁዕነቶም “.... ዝኾነ ፈተናውን እንተመጸ፥ መወዳእታ ዝስዕር ግና ሕዝቢዩ። ዝተገብረ እንተ-ተገብረውን፥ ንሕዝቢ ክስዕር ዝኽእል ኃይሊ የልቦን። ኣብዚ ዓለም በብግዚኡ፥ ብዙኃት ጨካናት መራሕቲ ነይሮምዮም። ካብ ውድቀት ከምልጥ ዝኸኣለ ግና የብሎምን....” ዝብል ትሕዝቶ ዝነበሮ መልእኽቲ ብምትሕልላፍዮም ዘረባኦም ኣጠቓሊሎም።

ንጽባሒቱ ድማ ብፁዕ-ኣቦና፥ ኣገልግሎቶም ኣብ ከተማ-ዙሪክዮም ቀጺሎም ዝወዓሉ። ኣብዚ መዓልቲ እቲ ኣብ ቤተ-ክርስቲያን መድኃኔ-ዓለም ዝተኻየደ ኣገልግሎት፥ ንግሆ ብጸሎተ ነግህ ዝጀመረ ኮይኑ። ኣቐዲሙ ተሰሪዑ ብዝነበረ መደብ መሠረት፥ “-ሥርዓተ-ቀንዲል-” ምድላው ነይሩ። እዚ ሥርዓት ንሕሙማን ተባሂሉ ብዝጽለ ጸሎት ዝዳሎ ፈውሲ-ሕሙማን እዩ። እቲ ልዕሊ ሓደ ሰዓት ዝወሰደ ሥርዓተ-ጸሎት ምስ-ተፈጸመ ድማ፥ ብፁዕ-ኣቦና ነቶም ውሉደ-ክህነት ቀቢኦም ምስ ወድኡ። እቶም ካህናት ድማ ብግዲኦም፥ ነቲ ኣብ ቤተ-ክርስቲያን ዝነበረ-ሕዝቢ ቀቢኦሞ። ከምዚ ድማ እቲ መደብ ክፍጸም ክኢሉ። ከምዚ እውን ብልግሲ ማኅበረ-ምእመናን ዙሪክ፥ ዝተዳለወ መኣዲ ቀሪቡ ምስ-ተበልዐ “-ስብሓት ለኣብ-” ተባሂሉ ክዛዘም ክኢሉ። 

ብድሕሪ ብፁዕነቶም ቃለ-ቡራኬን ቃለ-ምዕዳንን ኣስሚዖም ምስ-ፈጸሙ፥ እቲ ተኣኪቡ ዝነበረ ሕዝቢ ክሓትት ዕድል ተዋሂቡዎ። እቲ ዝበዝሕ ዝቐረበ ሕቶታት ድማ፥ “....ብምድግጋም ሃገረ-ስብከት ኤውሮጳ ፈሪሱ ዝብሉ ወገናት ኣለዉ። እዚ ድማ ብዙሕ ዘዛርብ ጉዳይ ኮይኑ፥ ካብ ነዊሕ እዋን ኣትሒዙ ናይ ዘይምስምማዕ ምኽንያት ኮይኑ ይርከብ ኣሎ። ስለ እዚ ኣብ ትሕቲ ጽላልኩም ዝርከብ ዘሎ ሃገረ-ስብከት፥ ኣሎ ዲና ክንብል-? ወይሲ የሎን-?....” ዝብል ሕቶ ቀሪቡሎም።

ብፁዕ ኣቦና ኣብ ዝሃቡዎ መልሲ ግና፥ “.... እቲ ሃገረ-ስብከት ፈሪሱ ዝብሉ እንተደኣልዮም ተጋግዮም ኣለዉ። ኣነ እዚ ሃገረ-ስብከት ኣብ ሥርሑ ከምዘሎ ዝፈልጥ። ሕጂ ኮነ ጽባሕ ድማ ክነብር እዩ። ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ኣፍራሲ ሓሳባት ኣቢልካ ምጥማት ድማ ዘድሊ ኣይኮነን። የግዳስ ነቲ ሕዝቢ ኣብ ክንዲ ናብ ነገር ምምርሑ፥ መንገዲ ድኅነት ኣቢልና ክንመርሖ ዝድለ። ስለዚ እዚ ከምዚ ዝኣመሰለ ዘይሓናጺ ሓሳብ ተቐባልነት የብሉን....” ብምባልዮም ብፁዕ ኣቦና ዘረብኦም ዝደምደሙ።

በዚ ኣገባብ ድማ፥ እቲ ኣብ ሃገረ-ስዊስ ክግበር ዝቐነየ ዑደት ተፈጺሙ፥ ብፁዕ-ኣቦና ሰኑይ 22/10/2018 ጉዕዞኦም ናብ ሃገረ-ሆላንድ ቀጺሎም። ጉዕዞ ሆላንድ ሒዝና ድማ ኣብ ዝመጽእ ሰሙን ከም-እንመጽእ ቃል እናኣቶና፥ ንሎሚ ኣብዚ ንፋነወኩም ኣሎና።

ስብሓት ለእግዚኣብሔር ኣምላከ-ኣበዊነ

ስቡሑኒ ውእቱ ወልዑልኒ ውእቱ ለዓለም

(ዘኣንበሳ-ማርቆስ

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div