S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ዓመታዊ ክብረ በዓል ናይ ሊቀ መላእክት ቅዱስ ሚካኤል ኤርትራ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ከተማ ሻርሎት ሰሜን ካሮላይና ከምቲ ልሙድ ዓመት መጸ ብኽብሪ ዝበዓል: ሎሚ ዓመት'ውን ቀዳም 23 ሕዳር 2019 ዓ.ፈ (፲፫ ሕዳር ፳፻፲፪ ዓ.ም) ብዝደመቐን ዝማዕረገን ኣገባብ ን10ይ ግዜኡ ተኸቢሩ ውዒሉ። እዚ ካብ ዝተፈላለየ ከተማታት ሰሜን ኣሜሪካ ብነፈርትን መካይንን ብዝመጹ ብብዝሒ ኣጋይሽ ነጋድያን፥ ምእመናን ነበርቲ ከተማ ሻርሎት፥ ውሉደ ክህነትን መንእሰያት ተመሃሮ ትምህርቲ ሰንበትን ዝተሳተፍዎ፥ ዓቢይ መንፈሳዊ ክብረ በዓል ብኃይሊ ኣምላኽን፥ ብረድኤት ቅዱስ ሚካኤል ሊቀ መላእክትን ኣብ ልቢ ነፍሲ ወከፍ ኣማኒ ተስፋን በረኸትን ብዝመልኦ ድሙቕ ኣገባብ እዩ ተኸቢሩ ውዒሉ።

መቓውሐይ ዘክሩ! ቆላ 418 ብዝብል መሪሕ ጥቕሲ ተሰንዩ፡ ብመንበረ ጵጵስና ሃገረ ስብከት ሰሜን ኣሜሪካ ዝተጸውዐ ቦኽሪ ሰላማዊ ሰልፊ ዋሽንግቶን ዲሲ ብዓርቢ ዕለት 8 ሕዳር 2019 . (፳፰ ጥቅምቲ ፳፻፲፪ .) ብጽቡቕ ኣገባብ ተፈጺሙ። እዚ ልዕሊ 30 ዝኾኑ ውሉደ-ክህነት ዝመርሕዎ ሰላማዊ ሰልፊ፡ ካብ ዝተፈላለያ ክፍለ-ግዝኣታት ሕቡራት መንግሥታት ኣሜሪካ ብመካይንን ብነፈርትን ተጓዒዞም ብዝመጹ ኦርቶዶክሳውያን ኣመንቲ፥ ግዱሳት ሰብ ሠናይ ሕሊናን ደለይቲ ፍትሕን ኤርትራውያን ኣሜሪካውያንን ከምኡውን ገለ ነበርቲ ዋሽንግቶን ዲሲ ወሲኽካ ብኣማኢት ዝቑጸር ብዝሒ ህዝቢ ተሳቲፎም ነይሮም።

መቐጸልታ’ቲ ኣብ ዝሓለፈ እዋናት ተለሚዱ ዝጸንሐ ኩሉ። ኣብዚ ሰሙን’ዚ እውን ኣብ ከተማ በርኒንግሃም፣ ንክልተ መዓልቲ ዝኸደ መንፈሳዊ ጉባኤ ተገይሩ ውዒሉ። በዚ ድማ ካብ ሎንዶንን ማንችስተርን ዝመጹ ማኅበረ-ምዕመናን፥ ምስ በርኒንግሃም ተሓዊሶም፥ ግሩም ተባሂሉ ክግለጽ ብዝኽእል መንፈስ እቲ ጉባኤ ክካየድ ክኢሉ።

ትምህርቲ ስነ መለኮት ተዋሕዶ ምስ ናይ ግብጺ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ብምትሕብባር፥ ንውሉደ ክህነትን ምእመናንን መንፈሳዊ ፍልጠቶም ንምዕባይ ኣብ 2013 ትምህርቲ ምጅማርና ዝዝከር እዩ። መፍትሒ ናይቲ ውህሉልን፡ ስቓይ ኮይኑና ዘሎ እዋናውን ፈተና ቤተክርስቲያንና ድሕረት ትምህርቲ ምዃኑ ስለ ንኣምን፡ ትምህርቲ ንምስፋሕ ዝኣክል ሕድገታት ክንገብር ከምዘሎና ንግንዘብ።

በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሃዱ ኣምላኽ፡ ኣሜን።

ካብ እግዚኣብሔር ኣቦናን ካብ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ጸጋን ሰላምን ንነፍሲ-ወከፍኩም ኣብ ዘዘሎኹሞ ኵሉ ኵርንዓት ዓለም ይብጻሕኩም። ቀጺልና መንበረ ጵጵስና ኣሕጉረ ስብከታት ሰሜን ኣሜሪካ፡ ኤውሮጳን ማእከላይ ምብራቕን፥ ብምኽንያት እዚ ሓድሽ ዓመት ንኹሉ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ውሽጥን ወጻእን ዝነብር፥ እንቋዕ ናብ ብሩኽ ብርሃነ-ዮሓንስን ናብ ሓድሽ ዓመት ዘመነ ዮሓንስን ፳፻፲፪ (2012 . ግእዝ) ብጥዕናን ሰላምን ኣብጽሓና ይብል።

ኣቐዲሙ ተታሒዙ ብዝነበረ መደብ መሠረት። ኣብ ዕለት 29 ወርሒ-10 ኣብ ሃገረ-ስዊስ ከተማ ሰንት-ጋለን ዝተባህለት ከተማ። እተን ኣብቲ ሓዋርያዊ-ሰንሰለት ጸኒዐን ዝርከባ ኣብያተ-ክርስቲያናት፥ ተጋቢኤን ከም-ዝወዓላ እቲ ዝበጽሓና ዜና ሓቢሩ ኣሎ። እዚ ጉባኤ’ዚ ካብ ነዊሕ እዋን ትጽቢት ክግበረሉ ዝጸንሐ ከም-ምዃኑ መጠን። ብብዙሕ ተስፋን ሃንቀውታን ክጽበዩዎ ዝጸንሑ ብዙሓት እዮም።

ንቅዱስ እንጦንዮስ ፓትርያርክ ዘሃገረ ኤርትራ ዝድግፍ ሰልፊ ኣብ ከተማ ስቶኮልም ሃገረ ሽወደን ተኻይዱ። እቲ “ንሕና ምስ ኣቦና” ኣብ ትሕቲ ዝብል ቴማ ብቀዳም 3 ነሓሰ 2019 ዝተኻየደ ሰልፊ፣ ውሉደክህነት ናይ ዝተፈላለያ ከተማታትን ምእመናን ዝተሳተፍዎ እዩ ኔሩ። ብተወሳኺ፥ ኣመንትን ወከልትን ካልእ እምነታትን'ውን ተረኸቢቦም ኔሮም። እቲ ሰልፊ ብስም ቅዱስ እንጦንዮስ እኳ እንተተኻየደ፣ ንኹሎም እቶም ኣብ ኤርትራ ስለ እምነቶም ተኣሲሮም ዘለዉ ወገናት ዝውክል’ዩ ክብሉ እቶም ኣዳለውቲ ገሊጾም።

"ገበርቲ ሰላም፡ ውሉድ ኣምላኽ ኪበሃሉ እዮም እሞ፡ ብጹኣን እዮም።” (ማቴ 5፡9) ኣብ ትሕቲ ዝብል መሪሕ ጥቕሲ ንመበል 21 ዓመት ክካየድ ዝቀነየ ጉባኤ ኤርትራዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ፥ መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜሪካ ብሰላም ተዛዚሙ፡፡ እቲ ጉባኤ ኣብ ከተማ ኣትላንታ ጆርጂያ ካብ ሓሙስ 25 ሓምለ ክሳብ ሰንበት 28 ሓምለ 2019 ዓ.ም እዩ ተኻይዱ። እግዚኣብሔር ረዲኡና ጉባኤና ካብቲ ዝተጸበናዮ ንላዕሊ ናይ በረኸት፣ ናይ ምጽንናዕ፣ ናይ ፍቕሪ ጉባኤ እዩ ነይሩ። ኣብ ነፍሲ ወከፍ መዓልቲ ብጸሎት ዝጀመረ መደባት ናይ ንጉሆ፣ ድሕሪ ቀትርን ምሸታዊ መደባት ተሰሪዑ እዩ ክካየድ ቀንዩ።

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div