S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ዑደት ብፁዕ ኣቡነ-መቃርዮስ ኣብ ሃገረ-ሆላንድ

እቲ ብሃገረ-ስዊዲን ዝጀመረ ዑደት ብዕ-ኣቦና። ብስዊስ ሓሊፉ ሕጂ ድማ እንሆ ናብ ሃገረ-ሆላንድ በጺሑ ይርከብ ኣሎ። ናብዚ ዝተባህለ ሃገር ዝኣተወ ኣብ ዕለት 22/10/2018 ኮይኑ፣ ሕጂ ከኣ ኣብ ከተማ-ኣምስተርዳም ብምምራሕ፣ ናይቲ ኣብዚ ከተማ’ዚ ዝርከብ፣ ናይ ግብጻዊት ቤተ-ክርስቲያን መንበረ-ጵጵስና ጋሻ ኮይኑ ይርከብ ኣሎ

ኣብዚ ሃገር’ዚ ልዕሊ 10,000 ግብጻውያን ኣለዉ ተባሂሉ ስለ-ዝእመን፥ ሓደ ዓቢይ-ገዳምን 12 ኣብያተ-ክርስቲያናትን ከም-ዘለዉዎም’ዩ ዝንገር። ኣብ ሃገረ-ሆላንድ ዝርከቡ ጳጳስ ድማ ብፁዕ ኣቡነ-ኣርሳኒ እዮም ዝበሃሉ። ቀሪቡ ንዝርኣዮም ኣዚዮም ፈቃርን ሕያዋይን መፍቀር-ሰብን እዮም። ምስቲ ዘለዎም ከቢድ ግርማ-ሞጎስ፥ መንፈሳዊ-ኣቦ ምዃኖም ተሓዊሱ፥ ርእዩ ዘይፈትዎምን ዘየኽብሮን የለን። ናይ ከምዚኦም ዝኣመሰሉ ኣቦ ጋሻ ኮንካ ምርካብ ድማ፥ ድርብ ሓጎስን ሰላምን ዝህብ’ዩ ነይሩ ክበሃል ይከኣል።

ኣብ ሣልስቲ’ቲ ብፁዕ ኣቦና ኣቡነ-መቃርዮስ፥ ጋሻ ኮይኖም ናብ ቤተ-ክርስቲያን ቅድስት-ማርያም ዝበጽሑሉ። ማለት ረቡዕ 24/10/2018 ብፁዕ ኣቦና ዝመርሑዎ ቅዳሴ ተኻይዱ። ኦርቶዶክሳውያን ግብጺ ብሓፈሻ ክርኣዩ ከለዉ፥ ካብ ቤተ-ክርስቲያን ዝተፈልየ ሕይወት ኣለዎም ክበሃል ኣይከኣልን። እቲ ኣባይቶም ብመሠረቱ ክድቅሱ ከለዉ’ዮም ዝኸዱዎ ክበሃል እንተ-ዘይኮይኑ፥ እቲ ኣብያተ ክርስቲያናቶም ወርትግ ብብዝሒ ሰብ ዝተጻበበ ኮይኑ’ዩ ዝርከብ። ስለዚ’ውን ቅዳሴታቶም ዕለታዊ ደኣምበር፥ ንቀዳመ ሰንበት ጥራይ ኢሎም ዝጽበዩዎ ቅዳሴ የብሎምን።

ስለዚ’ውን ኣብዚ እዋን’ዚ፥ ብዓይነት ዝምረጻ ኣብያተ-ክርስቲያናት ንውድድር እንተ-ዝቐርባ ነይረን፥ ቅድሚ እስክንድርያዊት ቤተ-ክርስቲያን፥ ካልእ ክትምረጽ ትኽእል ምተረኽበት ኢልካ ክሕሰብ ኣይከኣልን። ብርግጽ ድማ ኣብዚ እዋን’ዚ፥ ሕይወት ዘለዋ ቤተ-ክርስቲያን ኢልካ ክትጥቀስ እትኽእል፥ ቅድሚ ግብጻዊት ቤተ-ክርስቲያን ክትሥራዕ እትኽእል ካልእ ኣላ ክበሃል ኣይከኣልን። ንሕና ከም ኦርቶዶክሳውያን ኤርትራ መጠን ድማ፥ ምንም’ኳ ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ ከቢድ ፈተና ንርከብ ብምህላውና፥ ዘይውዳእ ስቓይን ቃንዛን’ውን እንተ-ሃለወና። ኣካል’ዛ ግብጻዊት ቤተ-ክርስቲያን’ዚኣ ብምዃንና ግና፥ ሓበን ክስመዓና ዘይግባእ ኣይኮነን።

ብዝተረፈ ኣብቲ ኣብ ኣምስተርዳም፥ ኣጋይሽ ኮንና ዝቐነናሉ ዕለታት። ብፁዕ ኣቦና ናብቲ ካብ ኣምስተርዳም ውጽእ ኢልካ፥ መንገዲ ክልተ-ሰዓት ርሒቑ ኣብ ዝርከብ ገዳም ክበጽሑ መደብ ተታሒዙ ስለ-ዝነበረ፥ ድሕሪ ኣስታት ክልተ-ሰዓት ዝወሰደ ጉዕዞ፥ በቶም ጳጳስ ብዝተኣዘዘትልና ፍልይቲ መኪና፥ ኣብቲ ገዳም ክንበጽሕ ኪኢልና። ንብፁዕ ኣቦና’ውን ብዓቢይ ኣኽብሮት ተቐቢሎሞም። ንብሙሉኡ እቲ ገዳም እናተዘዋወርና ክንርእዮ’ውን፥ ክልተ-ሰዓት ኣቢሉ ወሲዱልና። እቲ ገዳም ኣዚዩ ሰፊሕ ካብ ምዃኑ ዝተላዕለ፥ ንኹሉ ክትበጽሖ’ውን ዝከኣል ኣይኮነን።

ኣብቲ ገዳም ካብ ዝተዓዘብናዮ ሓደ፥ ብዙሓት ኣወዳትን ኣዋልድን መንእሰያት ተማሃሮ፥ ብብዝሒ ኣብኡ ኣብቲ ገዳም ክንረኽቦም ምኽኣልና እዩ። እንታይ ንምግባር ኣብቲ ገዳም ይርከቡ ከም-ዝነበሩ፥ ሓቲትና ዝረኸብናዮ መልሲ ድማ “....ንሳቶም ማለት እቶም ተማሃሮ፥ ኣብ ሆላንድ ተወሊዶም ዝዓበዩ ኮይኖም። ኣብቲ ሽዕኡ እዋን እቶም ተማሃሮ፥ ካብ ትምህርቲ ነፃ ኮይኖም ዕረፍቲ ስለ-ዝነበሩ፥ ኣብቲ ናይ ዕረፍቲ ግዚኦም፥ ቋንቋ ሃገሮምን ትምህርቲ-ክርስትናን ክመሃሩ ብማለት’ዮም፥ ናብቲ ገዳም ክመጹ ዝኸኣሉ ተባሂሉ’ዩ ዝተገለጸልና።

ግዳስ ንሕና ከም ሕዝቢ መጠን፥ እቲ ፈቐዶኡ ፋሕ ኢሉ ዝርከብ ዘሎ ተካኢ ወሎዶና፥ እዚ ከምዚ ዝበለ ዕድል ክረኽቦ ዘይምኽኣሉ፥ እቲ ውሽጥና ብሓዘን ኣይተ-ተንከፈን ክንብል ኣይንኽእልን ስለዚ’ውን ሕዝብና ካብቲ ተጻዒኑዎ ዘሎ ሕመቕ ተገላጊሉ፥ ደቁ ኣብ ትሕቲ ጽላል ቤተ-ክርስቲያን ክዓብዩሉ ዝኽእሉ፥ ተበግሶ ክገብር ካብ ምጽላይ ሓሊፍና፥ ክንብሎ ንኽእል ነገር ኣይነበረናን። ከመይሲ መንገዲ ቤተ-ክርስቲያን ከይፈለጠ ዝዓቢ ትውልዲ። ንዝኾነ ነገር ትጽቢት ክግበረሉ ዝሕሰብ’ውን ኣይኮነን። እዚ ኣዚዩ ዘፍርህ ሓደጋ’ዚ ግና፥ ነቲ ኣብ ጥዑም ድቃስ ዝርከብ ዘሎ ሕዝብና፥ ክሳብ ሕጂ ክስወጦ ዘይምኽኣሉ፥ ካብ ምግራም ሓሊፉ ዘስደምም’ውን እዩ።

ብዝተረፈ ብምኽንያት ምምጻእ ብፁዕ ኣቦና ኣቡነ-መቃርዮስ፥ ናብቲ ዓሪፍናሉ ዝነበርና ቤተ-ክርስቲያን ግብፂ’ውን፥ ቁጽሮም ብርክት ዝበሉ ኤርትራውያን-ኦርቶዶክሳውያን መጺኦም ከም-ዝነበሩ ካብ ዝጥቀስ ሓደ’ዩ። ብፁዕ ኣቦና’ውን ብፍቕርን ኣኽብሮትን ተቐቢሎሞም። ብብፁዕነቶም’ውን ኣብ ህልው ኩነታት ቤተ-ክርስቲያን ዝጠመተ፥ ኩሉ ዘጠቓለለ ትምህርቲ ተዋሂቡ። እቶም ዝመጹ ምእመናን ጥራይ ዘይኮኑ፥ ዉሉደ-ክህነት’ውን ነይሮሞም’ዮም። በቲ እቶም ናይ ፖለቲካ ልኡኻት ብምዃን፥ ኣብ ሃገረ-ሆላንድ መጺኦም “-መሸላን ጣፍን ቸሜንቶን ሓሲሩ-” ብምባል፥ ኣብ ካድረታት ፖለቲካ ተቐይሮም ዝቐነዩ ጳጳሳት ዝበሉዎ’ውን፥ ኣዚዮም ዝጐሃዩን ዘስቈርቈሩን’ዮም ነይሮም።

ብፁዕ ኣቡነ-መቃርዮስ’ውን፥ ነዚ ጉዳይ’ዚ ኣብቲ ዝሃቡዎ ትምህርቲ ክትንክፉዎ ግድን’ዩ ነይሩ። ብፁዕነቶም ከም-ዝበሉዎ “.... ርእሱ ዝተቘርጸ ኣካል ሕይወት ክህልዎ ከም-ዘይክእል፥ ፓትርያርክ ዘይብላ ቤተ-ክርስቲያን’ውን፥ ሕይወት ኣለዋ ክትበሃል ትኽእል ኣይኮነትን። ስለዚ እቶም ካብ 14-ዓመት ኣትሒዞም፥ ኣብ ማሕዩር ዝርከቡ ዘለዉ ቅዱስ ፓትርያርክ-እንጦንዮስ፥ ክሳብ ዝፍትሑ ኣውያትና ኮነ ተቓውሞና ቀጻሊ እዩ። ብዝተረፈ እዞም ኣብዚ ዘሎናዮ ሃገረ-ሆላንድ ዝቐነዩ ክልተ-ጳጳሳት፥ ክብሉዎ ዝቐነዩ ተሰሚዑ እዩ። እቲ ዘጋጠሞም ሕዝባዊ-ተቓውሞ ድማ ዘይረኣዮ የልቦን። ከም ጨርቂ ፈዅሶም ክዋረዱ ኢና ዝረኣና። ክንደይ ደኣ ከይርድኦም እምበር፥ እቲ ዝንገርሲ እቲ ሕዝቢ ነጊሩዎም እዩ....” ብምባል’ዮም ብፁዕ ኣቦና ዝተዛረቡ።

እቶም ኣብቲ ጉባኤ ዝተሳተፉ ተቐማጦ ሆላንድ። ናብ ብፁዕ ኣቦና ብብዝሒ ክመጽእ ዘይከኣለ፥ መዓልቲ ሥራሕ ብምዃኑ ምኽንያት ስለ-ዝኾነ፥ ኣብ ዝኾነ ግዜ ተመሊሶም ክመጹዎም’ዮም እቶም ተጋባእቲ ሓቲቶም። ብዝተረፈ ብወገን ተጋባእቲ ብዙሕ ሕቶታት ቀሪቡ ነይሩ’ዩ። ብፁዕ ኣቦና’ውን ንኹሉ መልሲ ክህቡሉ ኪኢሎም እዮም። ብድሕሪ ጉባኤ ብልግሲ’ቲ ቤተ-ክርስቲያን ዝቐረበ ናይ ድራር መኣዲ ስለ-ዝነበረ፥ ኩሎም እቶም ተጋባእቲ ብሓባር ድሕሪ ምምጋቦም፥ እቲ መደብ ብጸሎት ብፁዕነቶም ተፈጺሙ።

ንጽባሒቱ ሓሙስ 25/10/ ድማ፥ ኣብ ሃገረ-ሆላንድ ዝነበረ መደብ ተዛዚሙ፥ እቲ ጉዕዞ ድማ ንተመሳሳሊ ኣገልግሎት ናብ ማንችስተር ኣቕኒዑ። ኣብ ሃገረ-ሆላንድ ኣብ ዝቐነናሉ ግዜ፥ እቲ ኣዚዩ ምቕሉል ዝኾነ፥ ብትሕትና ዝፍለጥ ባህርያት’ውን ዘለዎ፥ ዲያቆን ፍጹም-ብርሃን ታደለ፥ እቲ መደብ ንኽቃናዕ ዝገበሮ ኣበርክቶ ኣዚዩ ብዙሕ ስለ-ዝኾነ፥ እቲ ሕያው ኣምላኽ ክባርኾን ኣብ ኩሉ ጉዕዞ-ሕይወቱ ‘ውን ክሰንዮን፥ ጸሎትናን ሠናይ ትምኒትናን እዩ።

ስብሓት ለእግዚኣብሔር ኣምላከ-ኣበዊነ

ስቡሕኒ ውእቱ ወልዑልኒ ውእቱ ለዓለም

(ዘኣንበሳ-ማርቆስ)

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div