S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ዑደት ብፁዕ ኣቡነ-መቃርዮስ ኣብ ሃገረ-ስዊዲን

ብፁዕ ኣቡነ-መቃርዮስ ዓቃቤ-መንበር ኦርቶዶክሳዊት ተዋሕዶ ቤተ-ክርስቲያን ኤርትራ። ኣብ ዕለት 13/10/2018 ኣብ ስዊዲን ከተማ-ኦብሳላ ተረኺቦም ቅዳሴ ብምሥራዕ፥ ንናይቲ ኣከባቢ ማኅበረ-ምእመናን፥ መልእኽቲ ወንጌል ከስምዑን ቡራኬ ክህቡን ክኢሎም። ስለ ዝኾነውን ነዚ ጉባኤዚ፥ ብዙሓት ካብ ርሑቕን ቀረባን ዝመጹ ምእመናን ክሳተፉዎ ስለ-ዝኸኣሉ፥ እዚ ጉባኤ ንብዙሓት ምኽንያት ምንቕቓሕን ተስፋን ኮይኑዎም ተረኺቡ ክበሃል ይከኣል።

ይኹን እምበር ሕዝብና ሕዝቢ-ተዋሕዶ ግና፥ ኣብ ጉዳይ ቤተ-ክርስቲያኑ ክሳብ  ክንድቲ ብእወንታ ክጥቀስ ዝኽእል፥  ተገዳስነት ጸኒሑዎ ኢልካ ክምስከረሉ ዝከኣል ኣይኮነን። ከመይሲ ነዚ ጉዳይ ከም ርሑቕ ዘመድ፥ ኣብ ማዕዶ ኮይኑዩ ክርእዮ ጸኒሑ። ከም ሳዕቤኑ ድማ እታ ወናኒት ክቡር ታሪኽ ዝኾነት ቅድስቲ ቤተ-ክርስቲያንና፥ ናተይ ዝብል ዋና ከም-ዝሰኣነ ንብረት፥ ንሓደጋ ዝተጋለጸት ኮይና ክትርከብ ኣየገደዳን ክንብል ኣይንኽእልን። ግዳስ ከምኡ ኢልና ክንዛረብ ምርር ዝብለና እንተኾነ፥ እዚ ግልጺ ዝኾነ ሓቂ ግና ሓቢእና ክንሓብኦ እንተደለናውን፥ ክኾነልና ዝኽእል ኣይኮነን።

ሕጂ ግና ተስፋ ክህብ ዝኽእል ምንቕቓሕ፥ ክርአ ጀሚሩ ኣሎ ክበሃል ይከኣል። ከመይሲ ኣብዚ እዋን ተጸዊዑ ዝሰምዕ ሕዝቢ ክርከብ ምኽኣሉ፥ ከም ሓደ ዓቢይ ነጥበ-መቐይሮ ክውሰድ ዘይግብኦ ኣይኮነን። ስለዚ ድማ ኣብ ከተማ-ኦብሳላ ዕዉት ጉባኤ ክግበር ዝተኻእለ። ከመይሲ እቲ ኣውያት ኣእዊኻውን፥ ቀባሪ ክትረክብ ምኽኣል ንርእሱ፥ ከም ሓደ ዓቢይ-ዕድል ዝቝጸርዩ።

ብዝኾነ እቲ ብብፁዕ ኣቡነ-መቃርዮስ፥ ኣብ ከተማ-ኦብሳላ ዝተገብረ ጉባኤ፥ ብኹሉ መዐቀኒ ዕዉት ነይሩ ተባሂሉ ክግለጽ ይከኣልዩ። ከመይሲ እዚ ጉባኤ ካብ ካልእ ፍሉይ ዝገብሮ፥ ብተበግሶን ተገዳስነትን ማኅበረ-ምእመናን ዝተገብረ ምዃኑዩ። ከም ዓይነት ተበግሶን መንፈሳዊ-ምንቕቓሕን  ድማ፥ ተለሚዱ ዝጸንሐ ዝበሃል ኣይኮነን። ብዝኾነ ኣብቲ ብድሕሪ ቅዳሴ ዝተገብረ ኣገልግሎት፥ ብፁዕ-ኣቦና ኣብ ዕርቅን ሰላምን ይቕሬታን ዝጠመተ ትምህርቲዮም ሂቦም። እዚ ኣርእስቲ ነቲ ሕጂ ዘሎ ህልው ኩነታትና፥ ወይ ማኅበራዊ-ሕይወት ሕዝብና ዝምልከት ብምንባሩ ድማ፥ ብተገዳስነትን ብዓቢይ ኣቓልቦን ዝተኸታተሉዎ ብዙሓትዮም ክበሃል ይከኣል። ብዝተረፈ ንብፁዕ-ኣቦና ኣብ ቅዳሴ ዝተራድኡዎም። ካህን ተክለ-ማርያም ምርካ-ጽዮን፥ ቀሲስ ዮናስ ወልደ-ሩፋኤል፥ ዲያቆን ዮሓንስ ገብረ-ሕይወትን እዮም።

ብፁዕ-ኣቦና ኣብ ዝሃቡዎ ትምህርቲ “..... ንሕና ከም ክርስቲያን መጠን ብፍቕሪ ክንነብር ኢና ተጸዊዕና። ኣብቲ ፍቕሪ ዘለዎ ሰላምውን ኣሎ። ብዘይ ፍቕሪ ሰላም ግና ተረካቢ ኣይኮነን። ደቂ ኣምላኽ ናይ ምዃን ክብሪውን፥ በዚ መንገዲ ኣቢልካ ምስ-ከድካ ዝርከብ። ስለዚ ጎይታናውን “-ገበርቲ ሰላም ውሉድ-ኣምላኽ ክበሃሉዮም እሞ ብፁዓንዮም-” ኢሉ ዝምህረና። (ማቴ. 5/9)

ብፁዕ-ኣቦና ቀጺሎም ኣብ ዘስምዑዎ ቃል “.....ህልዊ ኩነታት ሃገርናን ቤተ-ክርስቲያናን፥ ኣብ ዘየቕስን ሃዋህው ይርከብ ከምዘሎ፥ ንማንም ክስወሮ ዝኽእል ኣይኮነን። ዝኾነ ጸገም ድማ ብምኽርን ምርድዳእን ዝፍታሕ። ኣብዚ እዋን ኣብ ሕዝብና ግና፥ ፍቕርን ሰላምን ኣሎ ክበሃል ኣይከኣልን። እቲ ከም ሕዝቢ መጠን ዘሎና ዝዓበየ ጸገም ድማ እዚዩ። ከመይሲ ኩሉ ነገርናን ኣከያይዳናን ክርአ ከሎ፥ ሓደ ቋንቋ እንዛረብ ሕዝቢ መሲልና ኣይንርአን ዘሎና። ፍቕርን ሰላምን ዘይብሉ ሕዝቢ ድማ፥ ሓሳርን መከራን ክተርፈሉ ይኽእል ዝበሃል ኣይኮነን.....” ዝብል ትሕዝቶ ዝነበሮ ትምህርቲዮም ኣስሚዖም።

ብምቕጻል ብፁዕ ኣቡነ-መቃርዮስ “.....ብዘይ ዕርቅን ይቕሬታን እቲ ክርስቲያናዊ-ሕይወት ንርእሱ፥ ትርጉም ኣለዎ ክበሃል ዝከኣል ኣይኮነን። ስለ ናብ ሕድገትን ይቕረ ምብህሃልን ኣቢልና ክንጥምት ክንክእል ኣሎና። እግዚኣብሔር ብምሕረቱ ክዕረቐና ንደሊ እንተደኣ ኮንና ከኣ፥ ብጀካ ይቕረ ምብህሃል ካልእ ኣማራጺ ኣሎና ክንብል ኣይንኽእልን። ስለዚ ከኣ “-መሓርቲ ምሕረት ክረኽቡዮም እሞ ብፁዓንዮም-” ተባሂሉ ዘሎ፥ ብምባልዮም ብፁዕነቶም ዝተላበዉ።

ከምዚ ድማ እቲ ኣብ ከተማ-ኡፕሳላ ዝተገብረ ጉባኤ፥ ብዓወት ክፍጸም ኪኢሉ። እዚ ጉባኤ ዕዉት ንክኸውን፥ ዝከኣሎም ዘበለ ኩሉ ዝገበሩ ሰባት ምህላዎም ከይጠቐስናዮ ክንሓልፍ ኣይንኽእልን። እዚ ማለት ድማ ነዚ ቅዱስ ዝኾነ ሓሳብ ዘበገሱን፥ ገንዘቦምን ጉልበቶምን ግዚኦምውን ዝሠውዑ ኣለዉ። ንሳቶም ድማ ቀሲስ ዮናስ ወልደ-ሩፋኤል, ኣቶ ረዘነ ተስፋ-ጽዮን, ዶክተር ቴድሮስ ኣማኑኤልን እዮም። ስለ ዝወሰዱዎ ተበግሶን ዝገበሩዎ ኣበርክቶን ድማ፥ እቲ ሕያው ኣምላኽ ዘይውዳእ ጸጋን በረኸትን ክህቦም፥ ጸሎትናን ሠናይ ትምኒትናን እዩ። ብዝተረፈ ብፁዕ ኣቦና ኣብዚ መዓልቲ እውን፥ ንመንእሰይ ባስልዮስ ተስፋ-ማርያም ናይ ኣናጉኒስጢስ መዓርግ ብምሃብ ባሪኾሞ። ከምቲ ሥርዓቱ ድማ “-ይደልዎ-” ብምባል ተዘሚሩሉ። ንዝዓበየ ናይ ክህነት መዓርግ ክበጽሕ ድማ ጸሎትና እዩ።

ብዝተረፈ ንብፁዕነቶም ካብ ማኅበረ-ምእመናን፥ ብዙሕ ዝተፈላለየ ሕቶታት ቀሪቡሎም ምንባሩ ካብ ዝጥቀስ ሓደ እዩ። ማለት ኣብ ህልው ኩነታት ሃገርና ዝምልከት ትሕዝቶ ዘለዎ ኮነ፥ ንቤተ-ክርስቲያንና ብዝምልከት ብርክት ዝበሉ ሕቶታት ቀሪቦሙሎም ነይሮም እዮም። ንኹሉውን በብመልክዑ መልሲ ሂቦሙሉ።

ንምጥቃስ ዝኣክል “.....ኣብዚ ሕጂ ዘሎናዮ ሳምንቲ፥ ክልተ ኣቡናት ናብ ሃገረ-ሆላንድ መጺኦም ምህላዎም ንርኢ ኣሎና። እዞም ክልተ-ጳጳሳት እዚኣቶም ግና፥ መንፈሳውያን ኣምሲሉ ከርእዮም ዝኽእል ቃላት ኣይንሰምዓሎምን ዘሎና። ጣፍ ሓሲሩ ብምባልውን፥ ምስ መዓርገ-ጵጵስና ክሰማማዕ ዘይክእል ዘረባ ክዛረቡ ይስምዑ ኣለዉ። እዚ ጉዳይ ከኣ ንኹሉ ዘዘራርብ ኣርእስቲ ካብ ምዃን ሓሊፉ፥ ንቤተ-ክርስቲያንናውን ብኣሉታ ዘጠምታ ኮይኑ ይርከብ ኣሎ። ነዚ ብኸመይ ኢኹም ንስኹም ትርእዩዎ-?.....” ዝብል ሕቶ ቀሪቡሎም።

ብፁዕ-ኣቦና ነዚ ሕቶ ክምልሱ ከለዉ፥ ሕዝብናኮ “-ኣይትብከ እንድዩ ዘብክየኒ-” ዝብል ምስላ ኣለዎ። እዚ ማለት ድማ ፓትርያርክ-እንጦንዮስ፥ ኣብ ማሕዩር ተታሒዞም እናሃለዉ፥ ቤተ-ክርስቲያንናውን ብጸቢብ ተታሒዛ እናሃለወት፥ ዝዝረብ ከም-ዝተሳእነ ያኢ፥ ቸሜንቶን ሓሩጭን  ሓሲሩ ኢሎም ክዛረቡ ዘይምሕፋሮም፥ ብጣዕሚ ዘገርምን ዘስደምምን እዩ። ብዝተረፈ ሕዝቢ ይብተን፥ ሃገርውን ትፈርስ ኣላ ኣብ ዝበሃለሉ ዘሎ  ኣብዚ እዋንዚ፥ እቶም ጳጳሳት ሓላፍነት ዘይስምዖም ኮይኖም ክርከቡ ካብ ምርኣይ፥ ዘሕዝን ነገር ኣሎ ክበሃል ኣይከኣልን....” ብምባልዮም ብፁዕ ኣቡነ-መቃርዮስ ዝገለጹዎ።  

ብዝተረፈ ንቀሲስ-ዮናስ ብዝምልከት፥ ብፍሉይ ክንዛረብ ዘገድደና ድማ ሓደ ምኽንያት ኣሎ።  ከመይሲ ንሶም እዞም ካህን እዚኦም፥ ኣብዚ እዋን ኣለዉና ካብ እንብሎም፥ ዉሑዳትን ስሑላትን ካህናትና እንተኾኑ። እቲ ንብዓባያ ቤተ-ክርስቲያን ተዋሕዶ ክሳቕያ ዝርከብ ዘሎ ፈተና፥ ንዕኦምውን ተሪፉሎም ክበሃል ኣይከኣልን። ንበይኖም ዝተቓለሱዎ ዓመታት ድማ ዉሑድ ኣይኮነን። ሕጂውን ኣብ ከቢድ ቃልሲዮም ዝርከቡ ዘለዉ። ነዚ ኩሉ ኪኢሎም፥ ንክብርን ዕቤትን ሕያው-ኣምላኽ ኢሎም ብጽንዓት ደው ክብሉ ብምኽኣሎም ድማ፥ “-በልዎ ለእዚኣብሔር ግሩም ግብርከ-” ካብ ምባል ሓሊፍና፥ ክንብሎ እንደሊ ካልእ ነገር የልቦን።

ይትባረ እግዚኣብሔር ኣምላከ-ኣበዊነ

ስቡሕኒ ውእቱ ወልዑልኒ ውእቱ ለዓለም

(ዘኣንበሳ ማርቆስ)

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div