S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ሰላመ እግዚኣብሔር ምሳኻትኩም ክኸውን ንምነ።

እቲ ክካየድ ዝጸንሐ ክፍለ ትምህርቲ ኣብ መወዳእታ ወርሒ ነሓሰ 2020 ክዛዘም እዩ። ቀጻሊ ትምህርቲ ድማ ካብ 1 መስከረም 2020 ክጅመር እዩ። በዚ መሠረት፥ ኩልኹም ተመሃሮ ኣብ መርበብ ሓበሬታ https://tewahdotheology.org/ ኣቲኹም ዘድሊ ቅጽዕታት ኣማሊእኩም ክትምዝገቡ ብመንፈሳዊ ኣኽብሮት ንሕብር።

ምምሕዳር ክፍሊ ተመሃሮ ሥነ መለኮት ተዋሕዶ።

ሰንበት ትንሳኤ - Resurrection Sunday Service Schedule

ቀዳማይ መደብ (ቀዳም ምሸት ካብ ሰዓት 7:00 - 1:00 ሰንበት ንግሆ ምብራቓዊ ኣቆጻጽራ ) 


 

ካልኣይ መደብ (ቀዳም ምሸት ካብ ሰዓት 7:00 - 1:00 ሰንበት ንግሆ ምዕራባዊ ኣቆጻጽራ - Pacific Standard Time)

ብፁዕ ኣቡነ-መቃርዮስ፥ ናይ ኤርትራ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ-ክርስቲያን ዓቃቤ-መንበር። ካብ ዕለት 09/03/2020 ኣትሒዞም፥ ኣብ ዓባይ-ብሪጣንያ፥ ሓዋርያዊ ዑደት ፈኢሞም። እዚ ዑደት’ዚ መቐጸልታ ናይቲ ብእስራኤል ዝጀመረ ዑደት ኮይኑ። ኣብ ከተማ-ማንችስተር ምስ በጽሑ ድማ፥ እቶም ናይ እንዳ መድሃኔ-ዓለም ቤተ-ክርስቲያን ማኅበረ-ምእመናን፥ ብዓቢይ ፍቕርን ኣኽብሮትን ተቐቢሎሞም።

እቲ  ብብፁዕ  ኣቡነ-መቃርዮስ እናተመርሐ፣ ኣብ ቀጻሊ ሓዋርያዊ-ዑደት ዝርከብ ዘሎ ጉጅለ ቤተ-ክርስቲያን። ብድሕሪ እስራኤልን ጀርመንን፣ እቲ ጉዕዞ ናብ ሃገረ-ሆላንድ` ኣምሪሑ። ኣብ ዕለት 04/03 ድማ እቲ ጉዕዞ ጀሚሩዎ። ብድሕሪ ናይ 6-ሰዓት ናይ መኪና ጉዕዞ ከኣ፣ ኣማስያኡ ናብቲ ኣብ ከተማ ኣምስተርዳም ዝርከብ ናይ ግብጻውያን ገዳም ክበጽሕ ክኢሉ።

እታ ናይ ጽባሕ ቤተ-ክርስቲያን ዝብል ኣበሃህላ፣ እንታይ ንምባል ይድለ ከም ዘሎ፣ ቅልጥፍ ኢሎም ክርድኡዎ ዘይክእሉ እንተሃለዉ ዘገርም ኣይኮነን። ግዳስ ግዜ ወሲዱ ዘይዓብን ዘይምዕብልን ስለ-ዘይልቦ። ኦርቶዶክሳዊት ተዋሕዶ ቤተ-ክርስቲያንና`ውን፣ ነቶም ብጸጋ-ጥምቀት ዝወለደቶም ደቃ፣ ዘለዋ ሓላፍነት ኣብ ግምት ብምእታው። ጸባ-ወንጌል እናመገበት እተዕብየሉ ተበግሶ ክትወስድ፣ ንጽባሕ ዘይበሃል ሓላፍነት ኮይኑ`ዩ ዝርከብ ዘሎ።

ካብ ዝተፈላለየ ክፍልትታት ኣመሪካ ተዓዲሞም ብዝመጹ፡ ብርክት ዝበሉ ሊቃውንቲ ኣቦታትን ብብዝሒ ምእመናን ብክብ ዝበለ ፍስሓን ሓጎስን ዝተጸንበለ ናይ ኣዴና ቅድስቲ ድንግል ማርያም ኣስተርእዮ፡ ካብ ዓርቢ ክሳብ ሰንበት (January 31 – February 2-2020) ዝተፈላለየ መንፈሳዊ መደባት ሓቚፉ ኔሩ። በዓል ኣስተርእዮ . ማርያም ብብዙሒ ህዝቢ ካብ ዝሓለፍ እዋናት ዝደመቐን ዝዓዘዝን ከማኡ ወን ካብ ኩለን ከተማታት በይ ኤርያ (Bay Area) ኣመንቲ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ክርስትና ዝተሳተፍዎ እዩ ኔር ኣብ ርእሲ ምኻንኑ ዝደመቐን ዝላዓለን ተሳትፎ ዝነበር ኣዩ ኔሩ. ኣብ ገጽ ዕዱምትን ኣባላት ቤተክርስትያንን ዝንበብ ዝነበረ ፍስሓን ሓጎስን ፍሉይ ኔሩ እዚ ዓመት ኔሩ።

እቶም ብልኡኻት ዓፈና ህግደፍ ኣብ ከተማ ጊንዳዕ ኣብ ወርሒ ሰነ 2019 . ዝተኣስሩ ገዳማውያን ኣቦታት ደብረ ቢዘን፡ ሕጂውን ገና ብዘይ ሓደ ክስን ፍርድን ኣብ ቤት ማእሰርቲ ሕጊ-ኣልቦ ሥርዓት ህግደፍ ብኸቢድ ጸቕጥን ምስኣን ጥዕናን ኣብ ሕማቕ ኩነታት ከም ዘለዉ ተፈሊጡ ኣሎ። ወላ’ኳ ብኣቦታት ደብረ-ቢዘንን ገለ ግዱሳትን ንኽፍትሑ ጻዕሪ እንተተግበረ፥ ሓለፍቲ ሃገራዊ ድሕነት ግና ተጋጊና ኢና ኢሎም ከይፈረሙን ንመሪሕነት ኣባ ሉቃስ ከይተቐበሉን ከምዘይፍትሑ እዮም ዝፍክሩሎም ዘለዉ። እቶም 5 ኣቦታት መነኮሳት ገዳም ደበረ ቢዘን፡-

ብብፁዕ ኣቦና ኣቡነ-መቃርዮስ ተመሪሑ ኣብ ሃገረ ስዊድን ክካየድ፡ ካብ ነዊሕ እዋን ብመደብ ተታሒዙ ዝጸንሐ ጉባኤ፡ “-እግዚኣብሔር ንመንን ብኸመይን እዩ ርእሱ ዝገልጽ-” ብዝብል ኣርእስቲ፣ ሊቀ ካህናት ቀሺ ተኽለማርያም ምህርካጽዮን ኣብ ዝተረኽቡሉ፡ 27 ከምኡውን 28 ታሕሳስ ኣብ ከተማ ስቶኮልም ተኻይዱ።

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div