S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ብስም ኣብን ወልድን መንፈስ ቅዱስን ሓደ ኣምላኽ ኣሜን!

ነቲ ዘይርኤስ ከም ዚርእዮ ዀይኑ ተዓጊሱ ጸንዔ እሞ፡ ነቲ ዅራ ንጉስ ከይፈርሄ፡ ብእምነት ንግብጺ ሐደጋ።ዕብ. 11:27 

"መለበምን ኣይግበርካ መለበምን ኣይኽላእካ" ከም ዝበሃል፥ ኣብ ዚሓለፈ ወርሓት ናይ ኢትዮጵያ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተክርስቲያን ድሕሪ ናይ  40 ዓመት ዝቐጸለ ምግሃስ ቀኖናን ንሱ ዘስዓቦ ምፍልላይን ዕንወትን ሎሚ ኣቦታት ብሓባር ነቲ ዝፈረሰ ቀኖና ቤተክርስቲያን ተኣሚኖም ይቅረ ተበሃሂሎም ኣብ ሓንቲ ቤተ ክርስቲያን ተጠርኒፎም ሰሚዕናን ርኢናን።

 

እቶም ንኣቡነ ቴዎፍሎስ (ካልኣይ ፓትርያ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተክርስቲያን ኢትዮጵያ) ዘእሰሩን ዝቐተሉን ሰበ ሥልጣን ፖለቲከኛታት ነቲ ናይ ኣምላኽ ክሕደት ዕላሞኦም ከየተግብሩ ብግልጺ ስለዝተቓወምዎም፥ጸረ ኣብዮትብዝብል ናይ ሓሶት ክሲ ከምዝኾነ ኣብ ታሪኽ ሰፊሩ ኣሎ። እቶም ድሕሪኦም ዝሰዓቡ ኣቦታት ሓዋርያዊ ሰንሰለቶም ከይሕልዉን ኣቦኦም ከየናድዩን ብሰበ ሥልጣን ዓለም ተደሊሎም ነቲ ሰማያዊ ሲመት ካብ ዓለማውያን ክቕበልዎ ፈቲኖም። ከም ሳዕቤኑ ድማ ተነጽሎ ካብ ኣኃት ኣብያተ ክርስቲያናትን ምብትታንን ምፍልላይን ኣመንታን ኮይኑ ጸኒሑ።

 

ሕማቕ ናይ ታሪኽ ኣጋጣሚ ኮይኑ ቤተክርስቲያንና ብመግዛእቲ ሓቢርናዮም ጸኒሕና፡ ሕማቕ ተሞኩሮኦም ዳማ ንደግሞ ኣለና። ካብቲ ስሕተት ተማሂርና ድሕሪ ነጻነት ሃገርና ብጎደና ሓድነትን ፍቕርን ክንዲ ንዓቢ ፖለቲከኛታት ነቲ ጌና ዘይበጻሕናዮ ናይ ጥፍኣት መደቦም ምትግባር ከይትኸልኦም ንቤተክርስቲያን ብኣጋ ዓፊኖም ሒዞማ። ኣብ ጸልማት ድላይካ ክትገብር ዝኽልክለካ ስለዘየለ ነታ መገዲ ሓቂን ሰላምን እትመርሕ ቤት ኣጸልሚቶማ። መራሕታን ኣገልገልታን ተኣሲሮም፥ ተጸሪፎም ጸሊሞም ተባሪሮም ተገሊሎም። አቲ ምግሃስ ቀኖና ቤተክርስቲያን ንጹርን ጋህድን ከሎ ካልእ ምስምሳት እናፈጠርካ፥ ሕዝብና ሓቁ ከይፈልጥ እሞ ነቲ ነውሪ ዓገብ ከይብል ኣብ ሓሸውየ ካብ ዘእትውና 27 ዓመታት ሓሊፉ። ብፍላይ ድማ ኣብዘን ዝሓለፋ 16 ዓመታት መራሕ ቤተክርስቲያንና ቅዱስ ኣቡነ እንጠንዮስ ዝርከብዎም ኣገልገልቲ ካህናትን መምህራንን ኣብ ቤት ማእሰርቲ ይሳቐዩ ኣለዉ። ንቤተ ክርስቲያን መሳርሒ ፖለቲካዊ ኣጀንድኦም፥ ባህላዊት ትካልን፥ እምበር ከም ናይ እምነት ቤትን፥ ኣምላኽ ዝምለኻላን፥  ሰብ ዝጥመቐላ፥ ዝምርዓልወላ፥ ዝፍትሓላን፥ ዝጸናንንዓላን፥ ዝንስሓላን፥ ዝቖርበላን ምዃና ተዘንጊዑ ከም መናሃርያ ፖለቲካዊ ኣጀንዳ ኮይና ኣላ። ኣብክንዲ ጳጳሳትን ካህናትን ባዕሎም ከካይድዋ ይረኣዩ ኣለዉ።

 

እቲ ዘሕዝን ግና ኣባጊዕ ተዃሉ ክጋናዘዩለን ከለዉ እቶም ሓለውቲ ኣባጊዕ ካብቲ ዓሰባ ዝገብሮ ማለት ገዲፍካየን ምህዳም፥ ዝገደደ ኣሕሊፎም ምሃብን መራሕቲ ቤተክርስቲያን ጳጳሳትን ካህናትን ባዕላቶም ኣባጊዕም ከሳቕዩ ክትርኢ ዘገርም ፍጻሜ ሓሊፉ። ኣብቲ ናይ ሓቂ ቀኖና ቤተክርስቲያን ደው ዝበለ ሕዝቢ ብገለ ኣጋጣሚ ናብተን ንሳቶም ዘለዉወን ቦታ እንተኸደ፥  ነቲ ዝህብዎ ዘይቅቡልን ዘይመንፈሳዊን ኣገልግሎት ክነፍግዎ ተራእዮም። ክፍታሕ ንዝመጸ ኣይንፈትሕን፥ ክምርዖ ንዝመጸ ኣይነመርዑን፥ ዝሞተ ኣይንቐብርን ዝብል፥ ጓሳ ወይ ዓሰባ ተራእዩ ኣይፈልጥን።

 

ዝኸበርኩም ኣቦታት ካህናት፥ ብፍላይ ኣብ ወጻኢ ዓዲ እትርከቡ፥ መገድኹም ከይተቕንዑ ነቲ ብሕድሪ ዝተዋህበኩም ቀኖና ቤተ ክርስቲያን፡ ከይትሕልዉ ዘግድደኩም ምኽንያት የለን። ኣባጊዕኩም ምሕላውን ዕያውትኹም  ምምጋብን ዝተዋህበኩም ሕድሪ፥ ነባጊዕኩም ካብቶም ንንስሓን ቁርባንን ዝኽልክሉ ተዃሉ ምንጋፍ፥  ፍቕረንን ሰላመንን ዝዘርግ ኔው ክትብልዎ፥ ኣብ ክንድአን ክትጽረፉን ክትዋረዱን እዩ ዝግባእ ዝነበረ። እቲ ዝተፈጸመ ምግሃስ ቀኖና ቤተክርስቲያን ኣጸቢቕኩም ትፈልጥዎ ኢኹም። ኩሉኹም ተሓዚኹም ይሓዘልኩም እምበር ኣብ በበይንና ኣብ  እንራኸበሉ ኩሉ ጊዜእታ ሓቂ ንሳ እያ፥ ግና ፈሪሕናእናበልኩም ክሳብ መዓስ ክትሕንክሱ። ፈራሕ ጓሳ የለን ዝተዋህበኩም ስልጣን ኣብ ክንዲ ኣባጊዕካ ክሳብ በጃ ንምሕላፍ እዩ ዝበጽሕ።

 

ዝኸበርኩም ኣቦታት፥ ዝተዋህበኩም ሥልጣን ብመንፈስ ቅዱስ ዝተዋህበ ሰማያውን ዘልዓለማውን እምበር ምድራውን ጊዚያውን ኣይኮነን። ስለዚ ነዞም ጽባሕ ዝሓልፉ ሰበስልጣን ዓለም ፈሪሕኩም ወይ ጊዚያዊ ረብሓ ጠሚትኩም ዝተዋህበኩም መሐለዊ ኣባጊዕ በትሪ ሙሴ ኣብዘይ መዓልኡ ኣይተውዕልዎ። ምእመናን ኩሉኽም እውን መታን ናብ ዓዲ ክትመላለሱን ምድራዊ ኣባይቲ ክትሰርሑን ኢልኩም ካብቲ ሰማይዊ ቤት ትተርፉ ኣለኹም። ነቶም ቀኖና ቤተ ክርስቲያን ግሂሶም ብግጉይ መንገዲ ዝመርሑኹም ከተለለይዎምን ኣይፋልኩምን ክትብልዎምን ይግባእ። ካብኡ ሓሊፍኩም መሳርሒ ናይ ዓመጽ ኣይትኹኑ። እዚ ሓሶት እናፈኾሰ ይኸይድ ኣሎ፡ ንስኹም ድማ ድምጺ እቲ ሓቀኛ ጓሳ ከተለልዩን ክትስዕብዎን ትጽውዑ ኣለኹም።

 

ዝኸበርኩም ኣቦታት ጳጳሳት፥ ካህናትን፥ ብሓፈሻ ምእመናን፥ ብፍላይ ድማ ኣብ ወጻእ ሃገራት እትርከቡ፡ ነቲ ሓቂ እናፈለጥክም በቲ ኣብ ላዕሊ ዝጠቐስናዮ ምስምሳት ተጎልቢብኩም ንቤተ ክርስቲያንኩም ኣብ ምዕናው ተብርክቱ ዘለኹም ስቓይ ሕዝብኹም ተጋድዱን ተናውሑን ዘለኹም፥ ሎሚ ይኣክል ክትብሉ ናብ ዕርቂ ሰላም ክትጽዕቲቱ ሃገረ ስብከት ሰሜን ኣመሪካ መጻዋዕታኣ ተቕርብ ኣላ። ቤተክርስቲያን ከም ኣደ መጠን ልዕሊ ኩሎም ሰበ-ሥልጣን እዛ ዓለም እዚኣ ኮይና ትምዕድ፥ ተጸናንዕ፥ ትግስጽን፥ ትምህርን። ስሌኦም ድማ ትጽልን እምበር፥ ናቶም መሳርሒ ክትክወን ኣይግባእን እዩ። ስለዚ ንኹራ ንጉሥ ከይፈራሕኩም ብእምነት ነቲ ናይ ሓሶት መንገዲ ክትሓድግዎ ካብ ጎረባብትና ክንመሃር፥ ኣቦና ቅዱስ ፓትሪያርክ ኣቡነ እንጠንዮስ ብሕይወት ከለዉ ይቕረ በሉልና ክንብሎም፥ ሓዋርያዊ ሰንሰለትና ክቕጽል ክጽዕቱ ብስም ቅድስቲ ቤተክርስቲያን ንጽውዓኩም። ካብ ልኡኽ ናይ መንፈስ ቅዱስ ምዃን ገዲፍካ ናይ ሰባት ልኡኽ ምዃን ሞት እዩ እሞ፥ ብዘይ ውዓል ሕደር ኣብ ውሽጥኹም ኮይኑ ተመለሱ ዝብለኩም ዘሎ መንፈስ ኣምላኽ ስምዕዎ። ሕጂ ኣበይ ኣለኻ እምበር ትማሊ ኣበይ ኔርካ ዝብል ኣምላኽ ኣይኮነን ዘሎና እሞ ነቲ ዝሓለፈ ገዲፍና ናብ መጻኢ ብምምዕዳው ነዛ ቤተ ክርስቲያንና ብሓባር ነድሕና። በላዒቶ ውሒዶማስ ንሕና ድማ ባዕልና ኣይነዕንዋ። ቤተ ክርስቲያንናን ሃገርናን ዝኸድኦ ዘለዋ መንገዲ ኣሰካፊ እናኾነ ይኸድ ኣሎ። ሎሚ ናብቲ ዝሰምዕ ኣምላኽ ንመለስ ኣብ ሓቂ ደው ንበል። ዝሓለፈ ይኣክል።

 

ክብርን ምስጋንን ንኣምላኽ ይኹን

 

ኣምላኽ ቤተ ክርስቲያንናን ሃገርናን ይባርኽ። ኣሜን

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div