S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ምርጫ 5ይ-ፓትርያርክ ተባሂሉ ዝግበር ዘሎ ናይ ፖለቲካ-ጸወታ

እቲ ሕግን ቀኖናን ብምትሕልላፍ፣ ኣብ 1998 ዓ/ም(2006) ብጸቕጢ ፖለቲካ፣ ተገይሩ ዝነበረ ፓትርያርክነት ኣባ-ዲዮስቆሮስ፣ ንሶም ናይ ሰማይ መጸዋዕታ መጺኡዎም ድሕሪ ምሕላፎም፣ እቲ  ብዮፍታሔ ዝምራሕ ዝነበረ መንበረ-ፓትርያርክ፣ ንዕኦም ንምትካእ ተባሂሉ ዝኾነ ነገር ክግበር ኣይተራእየን። ከመይሲ እቲ ናቶም ሽመት ብሕዝቢ ተዋሕዶ ኮነ፣ ብማኅበረ-ሰብ ዓለም ተቐባልነት ስኢኑ፣ ከቢድ መንጸግትን ተነጽሎን ኣስዒቡ ስለ-ዝነበረ፣ ደፊሮም ክኣትዉዎ ይኽእሉ`ዮም ኢልካ ክሕሰብ ዝኽእል ኣይነበረን። ስለዚ`ውን እዚ ኣርእስቲ`ዚ፣ ዝግደሰሉ ከም-ዝስኣነ ርሱዕ ኣጀንዳ ኮይኑ`ዩ፣ ተቐሚጡ ጸኒሑ ክበሃል ይከኣል።

ሕጂ ድሕሪ 6-ዓመት ኣቢሉ ግና፣ ብሃንደበት ዋና-ኣጀንዳ ኮይኑ ክለዓል ይስማዕ ኣሎ። ይኹን እምበር ንሳቶም እቶም ጳጳሳት፣ ሰብ`ዚ ሓሳብ`ዚ እንተ-ነይሮም ደኣ፣ ንምንታይ  ክሳብ ክንድ`ዚ ዝኣክል ግዜ ክጽበዩ ኣድልዩዎም-? ዝብል ሕቶ ከልዕል ግድነት`ዩ። ብርግጽ`ውን ክቐርብ ዝግብኦ ሕቶ`ዩ። ግዳስ ክኸውን ይኽእል`ዩ ኢልካ ክግመት ዝኽእል ምኽንያት`ውን ኣሎ`ዩ። ከመይሲ እቲ ካብ ሕጊ-ቀኖና ወጻኢ ተገይሩ ዝነበረ ሽመት ኣባ-ዲዮስቆሮስ፣ ብደምበ-ተዋሕዶና ተነጺጉ፣ ብማኅበረ-ሰብ ዓለም`ውን፣ ኣፍልጦ ተነፊጉዎ ኣብ ከቢድ ተነጽሎ ተሸሚሙ ምጽንሑ ስለ-ዝፍለጥ፣ ብድሕሪ`ዚ ነዚ ኣርእስቲ`ዚ ሒዞም ኣብ መድረኽ ክቐርቡ፣ እቲ ከኸትሎ ዝኽእል ተጽዕኖን ተነጽሎን ኣጸቢቖም ስለ-ዝፈልጡዎ፣ ደፊሮም ንክኣትዉዎ ይኽእሉ`ዮም ኢልካ  ክሕሰብ ዝከኣል ኣይነበረን።

ከም-ዝፍለጥ እቶም ናይ መንበረ-ማርቆስ ኣቦታት፣ ኣብ 1998 ዓ/ም (2006) ፓትርያርክ-እንጦንዮስ ሕጋዊ በዓል መንበር ኮይኖም እናሃለዉ፣ ነዚ ቀይሕ መስመር`ዚ ጥሒስኩሞ ክትሓልፉ፣ ዘኽእል ሕጋዊ-ባይታ የብልኩምን ተባሂሉ ተነጊሩዎም ከብቅዕ፣ ከምኡ`ውን እቲ “-ብኦሪየንታል ዝፍለጥ ናይ ኣብያተ-ክርስቲያናት ኦርቶዶሳዊ ኅብረት-” ነቲ ኣብ ልዕሊ ፓትርያርክ-እንጦንዮስ ዝተወስደ፣ ዘይ-ሕጋውን ዘይ-ቀኖናውን ውሳኔ፣ ኣትሪሩ ከም ዝነቐፎን ከም-ዝነጸጎን`ውን ዝፍለጥ ኮይኑ እናሃለወ፣ ሕጂ ብሃንደበት ተላዒልካ ምርጫ ከካይድ`የ ምባል፣ ንምርድኡ`ውን ዝከኣል ኣይኮነን። ከመይሲ እቲ ዋና ኣፍደገ ወይ ማዕጾ ተዓጽዩ እናሃለወ፣ ብመስኮት ዘሊልካ ወይ ሓዂርካ ክትኣቱ ከም ምድላይ ዝግበር ፈተነ ኮይኑ ስለ-ዝርከብ`ዩ።

ነዚ ብዝምልከት ጎይታና ኣብ ወንጌሉ፣ ከምዚ ዝስዕብ ብምባል ገሊጹዎ ኣሎ “-እቲ ናብ ደምበ-ኣባጊዕ ብኣፍ-ደገ ዘይኣቱ፣ ንሱ ሰራቕን ጉሒላን እዩ-” እምበኣር እዚ ሕጂ ምርጫ 5-ይ ፓትርያርክ ከነካይድ ኢና፣ ብምባል ዝወጽእ ዘሎ መግለጺ`ውን፣ ካብዚ ኣብ ላዕሊ ተባሂሉ ዘሎ ኃይለ-ቃል ወጻኢ፣ ካልእ ትርጉም ክርከበሉ ይከኣል`ዩ ዝበሃል ኣይኮነን። ስለዚ ከኣ`ዩ እቲ ዋና ኣፍደገ ተዓጽዩ ምህላዉ እናተፈልጠ ከሎ፣ ብመስኮት ዘሊልካን ሓዂርካን ክእቶ ዝድለ ዘሎ። እዚ ግና ቅድሚ ሕጂ ተፈቲኑ ዝፈሸለ ምዃኑ ዝፍለጥ`ዩ። እቶም ካብ ዝሓለፈ ታሪኽ ዘይመሃሩ ግና፣ እቲ ኣእጋሮም ስለ-ዝተንቀሳቐሰ ጥራይ ዝኸዱ ዘለዉ ስለ-ዝመስሎም፣ ኣብቲ ዝሓለፈ ጌጋኦም መመሊሶም ክቈማጥዑ እንተ-ተረኽቡ ዘገርም ኣይኮነን። እቲ ሕጂ ክግበር ዝርአ ዘሎ ከኣ ንሱ`ዩ።(ዮሓ-10/1)

ይኹን እምበር እቲ ብፖለቲካ እናተዘወረ ክሽክርከር ዝርከብ ዘሎ፣ ኣብ ኣሥመራ ዘሎ መንበረ-ፓትርያርክ ግና፣ ምንም`ኳ በዓል ጉዳይ መሲሉ፣ ኣብ መድረኽ ወጺኡ መግለጺ ክህብ ዝኽእል መሲሉ ይርአ እንተሎ`ውን፣ እቲ ድሕሪ መጋረጃ ዘሎ ሓቂ ግና፣ ኣብ ዕጽው ማዕጾ ክግበር ዝጸንሐን፣ ገና`ውን ዝግበር ዘሎን ናይ ፖለቲካ-ጸወታ ምዃኑ፣  ክስወሮ ዝኽእል ኣሎ ክንብል ኣይንኽእልን። ብዝተረፈ ካብ መሠረቱ ክርአ ከሎ፣ ካብ ተጽዕኖ ፖለቲካ ነፃ ዝኾነት ቤተ-ክርስቲያን ነይራትና፣ ክበሃል ከም-ዘይከኣል ግልጺ ዝኾነ ሓቂ`ዩ። ስለ`ዚ እቲ ብስም`ታ ቤተ-ክርስቲያን ክወጽእ ዝነበረን፣ ገና`ውን ዝወጽእ ዘሎ መግለጺታት ኩሉ፣ ብፖለቲካ ዝተቓመመን ዝተቓነየን ደኣምበር፣ ኣብቲ ዝግበር ኩሉ እታ ቤተ-ክርስቲያን ኢድ ሓዊሳ ወይ ተሳትፎ ነይሩዋ ትበሃል ከም-ዘይኮነት፣ ግልጺ ዝኾነ ኣደባባይ ዝወጸ ሓቂ`ዩ። እታ ቤተ-ክርስቲያን ግና፣ ናይ ዘይትፈልጦ ጉዳይ ወይ ድርሰት ተዋናይት ኮይና፣ ኣብ መድረኽ ከም-እትቐርብ ክግበር ጸኒሑ`ዩ። ሕጂ`ውን ነዚ`ዩ ዝመስል እቲ ኣብ ድሕሪ መጋረጃ ኮይኑ፣ ክግበር ዝርአ ዘሎ ናይ ፖለቲካ ጸወታ፣ እንሆ ከኣ ብጉልባብ ሲኖዶስ ተሸፊኑ ከም-ዝቐርብ ክግበር ይርአ ኣሎ።

እዚ 3-ግንቦት 2013 ዓ/ም (11/05/2021) ብስም ሲኖዶስ ወጺኡ ዘሎ መግለጺ `ውን፣ ናይቲ ሲኖዶስ`ዩ ተባሂሉ ክውሰድ ዝከኣል ኣይኮነን። ብመሠረቱ`ውን ካብ 1998 ዓ/ም (2006) ሲኖዶስ ዝበሃል ነገር ከም-ዘየሎ ዝፍለጥ`ዩ። እቲ ብጉልባብ “-ሃይማኖታዊ-ጉዳያት ዝነጥፍ ሃገራዊ-ድኅነት-” ግና፣ ብድሕሪ መጋረጃ ኮይኑ ነቲ ጉጅለ-ጳጳሳት፣ ናብ ዝደለዮ መዓዝን እናቃንዐ ክዝውሮ ከም-ዝጸንሐ ዝፍለጥ`ዩ። እዚ ከኣ ካብ ጽባሕ ነፃነት ኣትሒዙ፣ ኣብ ተግባር ክርአ ዝጸንሐ ክዉን ዝኾነ ሓቂ ምዃኑ፣ እቶም ነቲ መንበረ-ፓትርያርክ ቅርበት ዘለዎም ዉሉደ-ክህነት፣ ኣረጋጊጾም ዝፈልጡዎ ሓቂ`ዩ። ስለዚ`ውን እቲ ሲኖዶስ እንኳንዶ ወሳኒ ኮይኑ ክርከብ፣ እንታይ ይግበር ከም ዘሎ`ውን፣ ይፈልጥ`ዩ ዝበሃል ከም-ዘይኮነ፣ ግልጺ ኮይኑ ክርአ ዝጸንሐ ናይ ኣደባባይ ምስጢር`ዩ።

ይኹን እምበር ኣብቲ 30-መጋቢት 2013 ዓ/ም (08/04/2021) ብስም ሲኖዶስ ወጺኡ ዘሎ መግለጺ፣ “-ሓዋርያዊ-ሰንሰለቱ ብዝዓቀበ፣ ሕጋዊ ኣገባብን ፕሮቶኮላዊ ስምምዕን-”  ብዝብል ቃል ተሰንዩ`ዩ ከም-ዝቐርብ ተገይሩ ዘሎ። ይኹን እምበር እቲ መንበረ-ፓትርያርክ፣ ነቲ ዝብሎ ዘሎ ቃል ንርእሱ፣ ዝፈልጦ መሲሉ ኣይርአን ዘሎ። ከመይሲ ካብቲ ሓዋርያዊ-ሰንሰለት ወጺኡ ብምኻድ፣ ነቲ ፕሮቶኮላዊ-ስምምዕ`ውን ኣፍሪሱዎ ይርከብ እናሃለወ፣ ብእኡ መሠረት ኢና ምርጫ ነካይድ ዘሎና ምባሉ፣ እምበርዶ እቲ ዝብሎ ዘሎ ይርድኦ`ዩ-? ዘየብል ኣይኮነን። ከመይሲ እዚ ኩሉ`ዚ ኣብቲ ንፓትርያርክ-እንጦንዮስ፣ ካብ ሥልጣኖም ኣሊናዮም ኢና ዝተባህለሉ እዋን፣ ኣጀንዳ-ፖለቲካ ንምትግባር ተባሂሉ፣ ባዕላቶም እቶም ኣብቲ መንበረ-ፓትርያርክ ዘለዉ መለካውያን ከም-ዘፍረሱዎ ርግጽ `ዩ። ሕጂ ግና ነቲ ሕያዋይ ዝኾነ ሕዝብና ከጋግዩዎ ብምድላይ፣ ነቲ ባዕላቶም ዘፍረሱዎ “-ሓዋርያዊ-ሰንሰለትን ፕሮቶኮላዊ-ስምምዕን-” ከም መምርሒ ዝቕበሉዎ ምዃኖምን፣ ኣብኡ`ውን ጸኒዖም ይርከቡ ከም-ዘለዉ`ዮም ክገልጹ ዝስምዑ ዘለዉ። 

ግዳስ እቲ ሓዋርያዊ-ሰንሰለት ዝበሃል ነገር፣ ንፓትርያርክ-እንጦንዮስ ካብ መንበሮም ብምውራድ በቲኾሞ ከብቅዑ፣ “-ሓዋርያዊ-ሰንሰለት ብዝዓቀበ-” ክብሉ ዘኽእሎም፣ ዝኾነ ሕጋዊ ወይ ቀኖናዊ ባይታ፣ ክህልዎም ከም-ዘይክእል ቁርጹ ዝተፈልጠ ጉዳይ እዩ። ከመይሲ እቲ ካብቲ ናይ “-ኦሪየንታል ኣብያተ-ክርስቲያናት ኅብረት-” ተነጺሎም ክኸዱ ዘገደዶም እኮ፣ እቲ ኣብቲ ሓዋርያዊ-ሰንሰለት ጸኒዖም ደው ክብሉ ዘይምኽኣሎም እዩ። ግዳስ እቲ ሕጂ ኣብዚ መሠረት`ዚ ረጊጽና ኢና፣ ምርጫ ነካይድ ዘሎና ምባሎም፣ እምበርዶ እቲ ዝብሉዎ ዘለዉ ይፈልጡዎ`ዮም-? ዘየብል ኣይኮነን። ይኹን እምበር በዚ ዝህቡዎ ዘለዉ መግለጺ፣ ደጊም ክዕሸወሎም ዝኽእል ሕዝቢ ዘሎ ኣይመስለናን። ከመይሲ ሎሚ ትማሊ ኣይኮነን። ከመይሲ ትማሊ ኣብ ድሕሪ-መጋረጃ ብዙሕ ዝዓይነቱ ናይ ፖለቲካ-ጸወታ ክግበር ጸኒሑዩ። ሕጂ ግና እግዚኣብሔር ይመስገን፣ እቲ ደምበ-ተዋሕዶና ነዚ ናይ 21-ሚእቲ ክፍለ-ዘመን መድረኽ፣ ዝምጥን ውሉደ-ክህነት ከፍሪ ኣብ ዝኽእለሉ ቁመና በጺሑ ይርከብ ስለ ዘሎ፣ እቲ ትማሊ ክግበር ዝጸንሐ ናይ ፖለቲካ-ጸወታ፣ ደጊምሲ ቦታ ኣለዎ ዝበሃል ኣይኮነን። ክሠርሕ`ውን ኣይክእልን እዩ። 

ብዝተረፈ ኣብቲ በቲ መንበረ-ፓትርያርክ ተዘርጊሑ ዘሎ መግለጺ፣ “-ሕጋዊ-ኣገባብ-” ዝብል ቃል`ውን ተጠቒሞም ኣሎዉ። ኣብዚ ክፍለጥ ዘለዎ ግና፣ እቲ ሕጂ እቲ መንበረ-ፓትርያርክ ዝኽተሎ ዘሎ መሥመር፣ ምስ ሕግን ቀኖናን ዘይቃዶ ኮይኑ እናሃለወ ከሎ፣ ሕጊ ተኸቲልና ኢና ነቲ ምርጫ ነካይዶ ዘሎና በሃልቲ ኮይኖም ክርከቡ ምድላዮም እዩ። የግዳስ ከምቲ ዝብሉዎ ዘለዉ ሕጊ ዝፈልጡ ነይሮም እንተ-ዝኾኑ`ሞ፣ ነቲ ናይ ሕጊ-ዶብ ረጊጾም ብምሕላፍ፣ ንፓትርያርክ-እንጦንዮስ፣ ካብ መንበሮም ደፊኦም ክሳብ ከውርዱዎም ዝኽእሉ ርሕቀት፣ ሰጢጦም ክኸዱ ኣይምኸኣሉን። እቲ ባዕላቶም ጠቒሶሞ ዘለዉ”-ሕጋዊ-ኣገባብ-” ግና፣ ክሳብ ክንድኡ ሰጢጦም ክኸዱ፣ ዘየፍቅደሎም ምዃኑ ክርድኡ ዘይምኽኣሎም እዩ።

እቲ ካልእ ዘገርም ድማ፣ እቲ ምርጫ “-ፕሮቶኮላዊ-ስምምዕ-” ኣብ ግምት ዘእተወ ኮይኑ፣ ከም-ዝተፈጸመ፣ ዝህቡዎ መግለጺ ምህላዉ እዩ። ግዳስ እዛ ትጥቀስ ዘላ “-ፕሮቶኮል-” ሓንትን ዘይተጋግን እያ። ንሳ ድማ እታ ኣብ ወርሒ ግንቦት 1990 ዓ/ም (1998) ኣብ መንጎ ኣብያተ-ክርስቲያናት ግብጽን ኤርትራን ዝተገብረት እያ። ኣብዛ ትጥቀስ ዘላ ፕሮኮላዊ-ስምምዕ ድማ፣ ኣብ ዓንቀጽ-11 ከምዚ ዝስዕብ ኮይኑ`ዩ ተቐሚጡ ዘሎ። “-ክልቲኤን ኣብያተ-ክርስቲያናት፣ ነቲ ንዕድመ ልክዕ ዝተቐብአ ፓትርያርክ ከውርዳ እንተደልየን፣ ብመሥርሕ ሥርዓት ቀኖና ቤተ-ክርስቲያን ዝተደገፈን፣  ብቅዱስ-ሲኖዶስ ዝተወሰነን እንተ-ዘይኮይኑ፣ ከየውርዳ ተሰማሚዐን-” ብምባል`ዩ እቲ ፕሮቶኮል ኣቐሚጡዎ ዝርከብ ዘሎ።

ናይዚ ዝተባህለ ፕሮቶኮል ዓንቀጽ-11 ግና፣ ኣብቲ ፓትርያርክ-እንጦንዮስ ብሲኖዶሶም ተጠሊሞም፣ ካብ መንበሮም ተደፊኦም ክወርዱ ዝተገደዱሉ ግዜ፣ በቶም ጳጳሳት ተጣሒሱ ከም-ዝፈርስ ዝተገብረ ምዃኑ እናተፈልጠ ከሎ፣ ሕጂ ንድሕሪት ተመሊሶም  ብመሠረት`ቲ ድሮ ባዕላቶም ዘፍረሱዎ ፕሮቶኮላዊ-ስምምዕ ኢና፣ ምርጫ ነካይድ ዘሎና ብምባል ከእምኑና ምፍታኖም፣ ብዝኾነ ተኣምር ሕዝቢ-ተዋሕዶ ክቕበሎ ኮነ ክሰምዖ ይኽእል`ዩ ዝበሃል ኣይኮነን። ብዝተረፈ ኣብቲ ሽዕኡ እዋን፣ ነቲ ቀኖና ኮነ ነቲ ፕሮቶኮላዊ-ስምምዕ ጥሒስካ ምኻድ፣ ዘኸትሎ ከቢድ ሳዕቤን ከም-ዝህልዎ፣ እቶም ናይ መንበረ-ማርቆስ ኣቦታት ዝሃቡዎ ምኽርን መጠንቀቕታን ከም-ዝነበረ ዝፍለጥ`ዩ።

ይኹን እምበር እቲ ኩሉ ግዜ፣ መምርሒ ፖለቲካ ተኸቲሉ ዝንቀሳቐስ ዝነበረ መንበረ-ፓትርያርክ ግና፣ ነቲ ቀኖና ኮነ ፕሮቶኮላዊ-ስምምዕ ጥሒስካ ምኻድ፣ ከኸትሎ ዝኽእል ሳዕቤን ምህላዉ፣ ክርዳእ ኣብ ዘኽእሎ ቁመና ነይሩ ክበሃል`ውን ዝከኣል ኣይነበረን። ብመሠረቱ`ውን ከምዚ ዝበለ ስምምዕ ምህላዉ፣ ይፈልጥ ምንባሩ ኣጠራጣሪ`ዩ። ከመይሲ ዝተጻሕፈሉ ዘንብብን ዝተኣዘዞ ዝፍጽምን ደኣምበር፣ ርእሱ ክኢሉ ደው ክብል ዝኽእል ከም-ዘይነበረ፣ እቶም ነቲ መንበረ-ፓትርያርክ ቅርበት ዝነበሮም ውሉደ-ክህነት ኩሎም፣ ኣረጋጊጾም ዝፈልጡዎ ሓቂ ምዃኑ ርግጸኛ ኴንካ ክዝረብ ዝከኣል ሓቂ`ዩ። 

ይኹን እምበር ኣብዚ ዝሓለፈ ቀረባ ዕለታት፣ንምርጫ ተባሂሉ ተገይሩ ኣብ ዝነበረ ጉባኤ፣ ክበሃል ከም-ዝተሰምዐ፣ እቲ ንመዓርጉ ከዋርድ ኣብ ዝኽእል ተግባር፣ ታሕቲ ወሪዱ ዝርከብ ዘሎ ቀሺ ሳሙኤል ጸጋይ፣ ነቲ ምስ ግብጻዊት ቤተ-ክርስቲያን ዝተገብረ ፕሮቶኮላዊ-ስምምዕ፣ ሕልፍ ሕልፍ ኢሉ ክጠቕሶ ተሰሚዑ እዩ። “-ዓንቀጽ-11-” ግና ንማለቱ፣ ክትንክፋ ወይ ግልጽ ኢሉ ክርእያ`ውን ኣይደለየን፣ የግዳስ ጎቦ ገይሩዋ ብድህጸት ክሓልፋ`ዩ ዝተራእየ። ስለምንታይ-? ንዝብል ሕቶ፣ “-እቲ ሕጂ ምርጫ ተባሂሉ ዝካየድ ዘሎ ኩሉ፣ ዘይሕጋውን ዘይቀኖናውን ምዃኑ፣ እዛ ዓንቀጽ`ዚኣ ብግልጺ ኣቃሊዓቶ ስለ-እትርከብ እያ-” እቲ መጋበርያ ፖለቲካ ብምዃን፣ ቤተ-ክርስቲያን ኣብ ምፍራስ ተዋፊሩ ዝርከብ ዘሎ ቀሺ-ሳሙኤል ግና፣ ንማለቱ `ውን ትንክፍ ከብላ ዝደሊ ኮይኑ ኣይተራእየን።

እዚ ግና ተኸዊልካን ተሸፋፊንካን ክሕለፍ ዝከኣል ኣይኮነን። ከመይሲ እቲ ከኽትሎ ዝኽእል ሳዕቤን ስለ-ዝተፈልጠ`ዩ፣ እቲ ብዮፍታሔ ዝተመርሐ ጉጅለ-ጳጳሳት፣ ኣብ 1990 ዓ/ም (2006) ከይወዓለን ከይሓደረን ናብ ግብጺ በሪሩ ክኸይድ ዝተገደደ። ተሓቢእካን ተኸዊልካን ዝሕለፍ መንገዲ ክርከብ ዝኽእል ስለ-ዝመሰሎ`ውን፣ ንመራሕቲ ቤተ-ክርስቲያን ግብጺ ንምግጋይ ዝተገብረ ፈተነ ምንባሩ፣ ኣደባባይ ዝወጸ ግልጺ ዝኾነ ሓቂ `ዩ። እቶም ናይ መንበረ-ማርቆስ ኣቦታት ግና፣ በዓል ዮፍታሔ ከም-ዝሓሰቡዎ፣ ብቐሊል ክዕሸዉ ዝኽእሉ ኮይኖም ኣይተረኽቡን። 

ስለዚ`ውን ነቲ ፓትርያርክ-እንጦንዮስ ካብ ሥልጣኖም ኣሊናዮም ኢና ዝብል ኣበሃህላ፣ ብመሠረተ ሓሳቡ`ዮም ኣትሪሮም ክነጽጉዎ ዝተረኽቡ። ነቲ ናይ ኣሥመራ ውሳኔ ንኽቃወሙ ካብ ዘግበሮም ምኽንያት ከኣ፣ ነቲ “-ሕጋዊ-ቀኖናን ፕሮቶኮላዊ-ስምምዕን-” ዝጠሓሰ ኮይኑ ብምርካቡ እዩ፣ እቲ ብሳምቡእ-ፖለቲካ ዘተንፍስ ዝነበረ መንበረ-ፓትርያርክ ግና፣ ካብቲ ብድሕሪ መጋረጃ ዝወሃቦ ዝነበረ ፖለቲካዊ መምርሒ ወጻኢ፣ ዝኾነ ነገር ክብል ወይ ክገብር ዘኽእል ዓቕሚ ወይ ኣፍልጦ ነይሩዎ ስለ-ዘይበሃል፣ ነቲ ብድሕሪ መጋረጃ ዝወሃቦ ፖለቲካዊ-መምርሒ ተኸቲሉ፣ ኣብ 1999 ዓ/ም (2007) ሓደ ሕግን ቀኖናን ዝሰዓረ ምርጫ-ፓትርያርክ ካብ ምክያድ፣ ንድሕሪት ዝምለስ ኮይኑ ኣይተረኽበን። ከም ሳዕቤን እዚ ኩሉ`ዚ ከኣ`ዩ፣ ከቢድ ተነጽሎ ኣስዒቡሉ ኣብ ክንደይ ጉባኤታት ክሳተፍ ኢሉ ምስ ከደ፣ ማዕጾ ዘይክፈተሉ ኮይኑ ንድሕሪት ክምለስ ዝጸንሐ።  

እዚ ሕጂ ይግበር ኣሎ ዝበሃል ዘሎ ምርጫ ወይ “ሽመት” እውን፣  ኣብ ውሽጢ ሃገር ኮነ ኣብ ወጻኢ ዓለም፣ ከቢድ ተቓውሞን ተነጽሎን ከጋጥሞ ደኣ`ዩ ዝስማዕ ዘሎ እምበር፣ ዛጊት ሕጋዊ ኣፍልጦ ክህቦ ዝኽእል ኣካል ተረኺቡ ክበሃል ኣይተሰምዐን። እዚ ክግበር ዝርከብ ዘሎ ኩሉ ከኣ፣ ነታ ቤተ-ክርስቲያን ንምብታንን፣ ነቲ ማኅበረ-ምእመናን ተዋሕዶ ቅሳነት ንዘይምሃብን እንተ-ዘይኮይኑ፣ ካብቲ ዝሓለፈ መንጸግትን ተነጽሎን፣ ነፃ ክኾኑ ዝኽእልሉ ዕድል ክረኽቡ ዝሕሰብ ኣይኮነን። ብዝተረፈ እቶም ብድሕሪ መጋረጃ ኮይኖም ነታ ቤተ-ክርስቲያን፣ ከሽከርክሩዋ ዝርከቡ ዘለዉ ሰብ-ፖሎቲካ`ውን፣ እቲ ዝግበር ዘሎ ቃልሲ ብዓወት እቲ ኦርቶዶክሳዊ-ደምበ ከም-ዝዛዛም፣ ይጠፍኦም`ዩ ዝበሃል ኣይኮነን። “-ዓቕሉ ዝጸበቦስ መቓብር ኣቡኡ ይፍሕትር-” ከም-ዝበሃል ስለ-ዝኾነ ግና፣ ካብ ዓቕሊ ጽበት ዝተላዕለ፣ ከንቱ ፈተነ ኣብ ምግባር ይርከቡ ምህላዎም ከገርም ዝኽእል ኣይኮነን።

ብዝተረፈ እቲ በቲ መንበረ-ፓትርያርክ ተዘርጊሑ ዘሎ ጽሑፍ ከም-ዝሕብሮ፣ ኩሉ ነገር ንምግባር ዘኽእል ምሉእ ነፃነት ዘለዋ፣ ቤተ-ክርስቲያን`ያ ዘላትና ንምባል፣ ነቲ ነፃ ኢና ዝብል ኣበሃህላ፣ ድምቕ ኢሉ ከም-ዝረአ ንምግባር፣ ፈተነ ከም-ዝተገብረ ግልጺ ኮይኑ ዝርአ ዘሎ ጉዳይ`ዩ። ግዳስ ዝኾነ ነፃነት ኣብ ትሕቲ ሕጊ እምበር፣ ሕጊ ዘይገዝኦ ነፃነት ከም-ዘየልቦ ክርድኡ ዝኸኣሉ ኣይመስሉን። ስለ`ዚ ከኣ`ዩ እቲ ብኦሪየንታል ዝፍለጥ፣ ናይ ኦርቶዶክሳውያን ኣብያተ-ክርስቲያናት ኅብረት፣ ንፓትርያር-እንጦንዮስ ንምውራድ ዝወሰድኩሞ ውሳኔ፣ ቀኖና ዝሰዓረ`ዩ ብምባል ክቃወመኩም ዝርከብ ዘሎ።

ብዓቢኡ እቲ መንበረ-ማርቆስ`ውን፣ ብጀካ`ቲ ምስተን ናይ ኦሪየንታል ኣብያተ-ክርስቲያናት ኅብረት ኮይኑ ክገብሮ ዝርከብ ዘሎ ተቓውሞ፣ ብዝተፈልየ ድማ ንሱ እቲ ዓቢይ-መንበር፣ እቲ ንሱ ብፍሉይ ምስ ናይ ኤርትራ ኦርቶዶክስ ቤተ-ክርስቲያን ዝገበሮ “-ፕሮኮላዊ-ስምምዕ-” ኣይተኸብረን ተጣሒሱ`ዩ ዘሎ ብምባል፣ ነቲ ኣብ ልዕሊ ፓትርያርክ-እንጦንዮስ ዝተወስደ ስጉምቲ፣ ኣትሪሩ ተቓዊሙዎ`ዩ ገና`ውን ክቃውሞ`ዩ ዝርከብ ዘሎ። ከም እኩብ ድምር ናይ`ዚ ኩሉ`ዚ ከኣ`ዩ፣ ሕጂ እቲ ኣብ ኣሥመራ ዘሎ መንበረ-ፓትርያርክ፣ ብኹሉን ካብ ኩሉን ተነጺሉ ዝርከብ ዘሎ። እዚ ሓቂ`ዚ ከኣ ሓቢእካ ክሕባእ  ዝኽእል ኣይኮነን። እሞ ኣበየናይ ባይታ ረጊጽካ ደኣ`ዩ፣ ልዑላውነትን ነፃነትን ስለ-ዘሎና፣ ኣይንኽሰስን ኣይንውቀስን ኢና ክበሃል ዝደለ ዘሎ-?!

ይኹን እምበር እቲ ካብ 1998 ዓ/ም(2006) ጀሚሩ፣ ንቤተ-ክርስቲያንና ኣጋጢሙዋ ዝርከብ ዘሎ ከቢድ ተነጽሎን መንጸግትን፣ ንምኽዋል ስለ-ዝተደልየ ግና፣ ዓለም ተቐቢሉናን ኣፍልጦ ሂቡናን`ዩ ዝብል፣ ግጉይ ስእሊ  ናብቲ ሕዝቢ ንምትሕልላፍ ተባሂሉ፣ ምስዘ`ን ኣብ ታሕቲ ኣስማተን ተጠቒሰን ዘለዋ ማለት፦  

  1. ቤት-ምኽሪ ኣብያተ-ክርስቲያናት ዓለም (WCC)
  2. ጉባኤ ኣብያተ-ክርስቲያናት መላእ ኣፍሪቃ (AACC)
  3. ማኅበር ቤት-ምኽሪ ክርስቲያናት መላእ ኣፍሪቃ (FECCLAHA)

ኣባላት ብምዃን ኅብረት ኣሎና`ዩ ክብሉ፣ ኣብቲ መግለጺኦም ጠቒሶሞ ኣለዉ። ብምቕጻል`ውን እቲ ካባና ዝድለ ኣበርክቶ ኣብ ምግባር፣ ንርከብ ኣሎና በሃልቲ ኮይኖም ኢና ንርእዮም ዘሎና። ግዳስ እዞም ኣብ ላዕሊ ተጠቒሶም ዘለዉ ኩሎም፣ ናይ ርሑቕ ኣዝማድ ደኣ`ዮም እምበር፣ ኣካል እቲ ኦርቶዶክሳዊ ደምበ`ዮም ዝበሃሉ ኣይኮኑን። ንሕና ግና ደቂ መንበረ-ማርቆስ ኢና ክሳብ ዝበልና፣ ካብቲ ኦሪየንታል ብምባል ዝፍለጥ ኦርቶዶክሳዊ ኅብረት ዝፍለ፣ ካልእ ህልውና ወይ መንነት ኣሎና ክንብል ንኽእል ኣይኮናን። እቲ ኣብ ኣሥመራ ዝርከብ ዘሎ መንበረ-ፓትርያርክ ግና፣ ነቲ ክስገር ዘይግብኦ ቀይሕ-መሥመር ብምትሕልላፍ፣ ኣብ ልዕሊ ፓትርያርክ-እንጦንዮስ ዝፈጸሞ ገበን ኣሚኑ ይቕሬታ ሓታቲ ኮይኑ ኣብ ክንዲ ዝርከብ፣ ኣጀንዳ ፖለቲካ ንኸተግብር ክብል፣ መንገዲ ገዲፉ ብጓል-መንገዲ`ዩ፣ ሕጂ`ውን ኮለል ክብል ምርጭኡ ገይሩ ዝርከብ ዘሎ።

እዚ ኩሉ`ዚ ግና ካብ ዓቕሊ ጽበት ዝተላዕለ፣ ንምትላል ተባሂሉ ዝግበር ዘሎ ከንቱ ፈተነ እንተ-ዘይኮይኑ፣ እቲ ዋና ቤተ-ክርስቲያን ዝኾነ ሕዝቢ-ተዋሕዶ፣ ክቕበሎ ይኽእል`ዩ ኢልካ ዝሕሰብ ኣይኮነን። ከመይሲ ከምቲ “-ክሰርቀኒ ዝረኣኹዎ ክምልሰለይ ነይኣምኖ-” ዝበሃል። ሕጂ`ውን እቲ  “-ሲኖዶስ-” ብዝብል ስም፣ ኣብቲ ላዕለዋይ ናይ መንበረ-ፓትርያርክ ሓላፍነት ተቐሚጡ ዝርከብ ዘሎ ኣካል፣ ንቤተ-ክርስቲያን ተዋሕዶ ዝውክል ኮይኑ ክርከብ፣ ብዝኾነ መዐቀኒ እንተ-ተራእየ`ውን፣ ሞራላዊ ብቕዓት ኣለዎ ዝበሃል ኣይኮነን። ስለዚ`ውን እቲ ብጉልባብ ፖለቲካ ተሸፋፊኑ፣ ክግበር ዝጸንሐ ናይ ፖለቲካ-ጸወታ፣ ብድሕሪ ሕጂ ክቕጽል ይኽእል`ዩ ኢልካ ተስፋ ምግባር፣ ነቲ ኣብ ባይታ ዘሎ ክውንነት፣ ከተንብቦ ካብ ዘይምኽኣል ዝብገስ ጸገም እንተ-ዘይኮይኑ፣ ድሕሪ ደጊም ንላግጺ ዝኸውን መድረኽ፣ ክርከብ ይኽእል`ዩ ዝብል ኣረኣእያ የብልናን። የግዳስ “-ውረድ ዘይበቕልኻ፣ ልቐቕ ዘይርስትኻ-” ዝበሃለሉ ግዜ ርሑቕ ስለ-ዘይኮነ፣ እቲ ዝቕጽል ዕማም ሕሳብ ምውርራድ ምዃኑ፣ እቶም ብዕድል ቤተ-ክርስቲያን ክጻወቱ ዝጸንሑ ኩሎም፣ ክዝንግዑዎ ይኽእሉ`ዮም ክንብል ኣይንኽእልን።

ብዝተረፈ ኣብቲ ቀሺ-ሳሙኤል ጸጋይ፣ ከንብቦ ዝቐነየ ጽሑፍ ከም-ዝተሰምዐ፣ እቶም ኣብቲ መንበረ-ፓትርያርክ ተሳተፍቲ ኮይኖም ዝነበሩ ሰባት፣ ሓደ ብሓደ ኣስማቶም ክጽውዕ ተሰሚዑ`ዩ። ነቶም ኣብኡ ተሳተፍቲ ኮይኖም ዝወዓሉ ኮለኔላት ግና፣ ከም ተራ ገባር ብዘይ መዓርግ`ዩ ኣስማቶም ክጽውዖ ዝተሰምዐ። ስለምንታይ-? ዝብል ሕቶ ብምልዓል እቲ ጉዳይ እንተ-ተራእየ ግና፣ እቲ ምኽንያት ርዱእ`ዩ። ከመይሲ እቲ ዝተኻየደ ምርጫ፣ ብዘይ ተጽዕኖ ፖለቲካ`ዩ ተኻይዱ ዝብል መልእኽቲ ንምትሕልላፍ ስለ-ዝተደልየ ምዃኑ ርዱእ`ዩ። እዚ ግና ነቲ ደምበ-ተዋሕዶና ከዐሽዎ ዝኽእል ኣይኮነን። ከመይሲ ቤተ-ክርስቲያን ተዋሕዶ፣ ካብ 1983 ዓ/ም(1991) ጀሚራ፣ ኣብ ትሕቲ ፍጹም ተጽዕኖ-ፖለቲካ ተታሒዛ ከም-እትርከብ፣ ግልጺ  ዝኾነ ኣደባባይ ወጺኡ ዝተቓልዐ ምሥጢር`ዩ።

ይኹን እምበር ነዚ 5ይ-ምርጫ ተባሂሉ፣ ዝግበር ዘሎ ናይ ፖለቲካ ጸወታ ግና፣ ሕጂ`ውን በቲ ኦሪየንታል ተባሂሉ ዝፍለጥ፣ ናይ ኦርቶዶክስ ኣብያተ-ክርስቲያናት ኅብረት፣ ከቢድ ተቓውሞ ኣጋጢሙዎ ከም ዘሎ ዝፍለጥ`ዩ። እቲ ብተጽዕኖ-ፖለቲካ ዝዝወር መንበረ-ፓትርያርክ ግና፣ ካብቲ ዝወሃቦ ፖለቲካዊ-መምርሒ ወጻኢ፣ ዝኾነ ነገር ክብል መሰል ኣለዎ ዝበሃል ኣይኮነን። ንሳቶም ግና ወነንቲ ልዑላውነታ ዘረጋገጸት ነፃ ቤተ-ክርስቲያን ስለ-ዝኾንና፣ ግበሩን ኣይትግበሩን ኢሉ ከገድደና ዝኽእል የልቦን፣ በሃልቲ ኮይኖም`ዮም ዝርከቡ  ዘለዉ። እዚ ግና ልጓሙ ከም-ዝበተኸ ፈረስ፣ ክንዕንድር ግደፉና ንምባል እንተ-ዘይኮይኑ፣ ንሕጊ ዘይግዛእ ልዑላውነትን ነፃነትን የልቦን።

ይኹን እምበር ከምቲ ኣብ መጽሓፈ-ዕዝራ “-ንሳቶም ዝመርጹሉ ዕድል ረኺቦም ክነሶም፣ ነቲ ልዑል ኣምላኽ ነዓቑዎ፣ ንሕጉ`ውን ኣርከሱዎ። ካብ መንገዱ`ውን ዘንበሉ። ነቶም ቅዱሳን ኣገልገልቲ ኣምላኽ`ውን ኣጋፍዑዎም-” ተባሂሉ ዘሎ፣ ማለት ኣብ ክንዲ ጌጋኦም ተኣሚኖም፣ ብንስሓ ኣቢሎም ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ዝቐርቡ፣ ኣብቲ ናይ ፖለቲካ-ጨፈቃ ጥሒሎም፣ መመሊሶም`ዮም ክቋማጥዑ ዝርከቡ ዘለዉ። ሕዝቢ-ተዋሕዶ ግና “-እቲ ዝገብሩዎ ኣይፈልጡን እዮም እሞ ይቕረ በለሎም-” ካብ ምባል ሓሊፉ፣ ምስኣቶም ክቋየቕ ከጥፍኦ ዝደሊ ግዜ የልቦን። ከመይሲ እቲ ጉዳይ ብይግባይ ናብ መንበረ-ፀባዖት ቀሪቡ ዘሎ ስለ-ዝኾነ፣ እቲ ሕያው ኣምለኽ ባዕሉ መልሲ ክሳብ ዝህብ፣ ንኽንጽበ ዘኽእል ትዕግስቲ ይሃበና ኢልና ክንጽሊ ጥራይ`ዩ እቲ ካባና ዝድለ`ሞ፣ እቲ ናይ ሰማይ መልሲ ኣብ ዝመጸሉ ግዜ፣ ብሕይወት ጸኒሕና ኣመስገንቲ ኴንና ክንርከብ፣ ናይቲ ሕያው ኣምላኽ ቅዱስ ፍቓድ ይኹነልና። ኣ  ሜ  ን-!! (2-ዕዝ-8/56-57)

ሊቀ-ካህናት ተክለ-ማርያም ምርካ-ጽዮን

ሃገረ-ስብከት ኤውሮጳ, ጀርመን

1-ሰነ 2013 ዓ/ም (8 ሰነ 2021)

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div