S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ዓቃቢ መንበርዶ ወይስ ዓማጺ መንበር?

 

ዓቃቢ ዝብል ቃል ካብ ዐቀበ ዝብል ናይ ግእዝ ግሢ ዝወጸ እዩ። ዓቀበ ማለት ሓለወ ክኸውን ከሎ ዓቃቢ ድማ ሓላዊ፥ ብሕድሪ ንዝተዋህቦ መጽንሒ እዩ ዘስምዕ። ኣብዚ ሎሚ-ቅነ ብዛዕባ ተኣፋፊ ጉዳይ 3ይ ፓትርያርክ ሃገረ ኤርትራ ቅዱስ ኣቡነ እንጦንዮስ ዝምልከት ብሰብ እዋን ሰብ ኣሥመራ ብዝተዘርግሐ ዘጸይፍ መግለጺ፡ ንዕኦም ኣውጊዝና፥ ኣብታ ዘለዉዋ ቤት ዓጺናዮም ኣሎና። ነታ ሓዋርያዊት መንበር ከኣ ዓቃቢ ጌርናላ፡ ስለ ዝበሉ ብዙሓት ኦርቶዶክሳውያን ውሉደ-ክህነትን ምእመናንን መሪር ጓሂ ስለ ዝተሰምዖም በብዝመስሎም ኣብ መራኸቢ ብዙኃን ዓገብ ዝመልእኽቱ ይጽሕፉን ይዛረቡን ኣለዉ። ኣነ ድማ በታ ንእሽቶይ ዓቕመይ ከም መግለጺ ሓዘነይ ነዚኣ ክጽሕፍ ብሕሊናይ ተገዲደ ኣሎኹ።

ዓቃቢ መንበር ሸምናዶ በልኩም። ኣብየት ዘመን ንባዕልኹም ዓቃቢ ተሓሲምኩምሲ ንመንበርዶ ዓቃቢ ገበርኩም? ንምዃኑኸ እቲ ሕጋዊ ዋና ናበይ ምስ ከደ እዩ ዓቃቢ ዘድለየኩም? ነዘን ዝሓለፋ 4ተ ዓመታት ወይ 14ተ ዓመታትከ ደኣ መን ዓቀበኩም? እቲ ሕቶታት ብዙሕ እዩ። ይኹን እምበር በጀካ ዝፍክርን ዘደናግርን ግቡእ መልሲ ዝህብ ሰብ ግና ፍጹም ኣይተረኽበን። ግደ ሓቂኸ ዋናን ዓሰባን እንታይ የራኽቦም? በዓል ሕግን በዓል ኃይልንከ መኣስ ይሰማምዑ? ንባዕልካ ንኣቦኻ ምስማዕ እንዳ ኣበኻ፥ ስምዑኒ ምባልከ ምስ ምንታይ እዩ ክቑጸር? ብተወሳኺ ነቲ መጓሰ ኣርኣያ ደኣ ኩንዎ እምበር...ጎይቶት ኣይትኹኑ። እቲ ሓለቓ ጓሶት ምስ ተገልጸ ድማ ዘይጽምሉ ኣኽሊል ክብሪ ክትቅበሉ ኢኹም። (1 ጴጥ 5፡3-4) ዝብል ናይ ተስፋ ቃል ተሓሲምካኸ፡ ኣብ ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ክርአን ክስማዕን ዘይግብኦ ውጉዝ ሥራሕ-ዓለም ዕልዋን ኣድማን ምግባርሲ በቲ ፍትሓዊ ሓለቓ ጓሶት ዝኾነ ኢየሱስ ክርስቶስ ዘፍርድዶ ኣይኮነን?።  

ኣብ ቅዱስ ወንጌል ጎይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ባዕሉ፡ እቲ ናብ ደምበ ኣባጊዕ ብኣፍ ደገ ዘይኣቱ፥ ብኻልእ ወገን ዝሓኵር፥ ንሱ ሰራቕን ጕሒላን ከም ዝኾነ ብሓቂ ብሓቂ እብለኩም ኣሎኹ።ዮሓ 10፡1-18። ዝብል ጽሑፍ እዩ ሓዲጉልና። ሰንበት ዕለት 25 ሚያዝያ 2004 ዓ.ም.ፈ ኣብ በዓለ ሲመት 3ይ ፓትርያርክ ኣብ ጸሎተ-ቅዳሴ ባዕሎም ቅዱስ ኣቦና እንጦንዮስ ዘንበብዋ ቃል ወንጌል ድማ እዛ ናይ ዮሓንስ ወንጌል 10፡1-18 ከም ዝነበረት ናይ ዓይኒ ምስክር እየ። ብዝኾነ ንዋና ብኃይሊ ኣሢርካ፥ ንዓሰባ ኣውፊርካ፥ ድኅነት መንጓሰኻ ኣብ ከቢድ ሓደጋ ከም ዝኣቱ ንእሙን ጓሳ ብቐሊሉ ይርድኦ እዩ። ምኽንያቱ እቲ ሕያዋይ ጓሳ ሕይወቱ በጃ ኣባጊዑ ኣሕሊፉ ይህብ። እቲ ጓሳ ዘይኮነ በዓል ዓስቢ ግና እተን ኣባጊዕ ዘይጥሪቱ ስለ ዝኾና ቶዅላ ክመጽእ እንተረኣየ ሓዲግወን ስለ ዝሃድም እዩ። ስለዚ ንሕና ቃል ቅዱስ ፓትርያርክና እምበር ቃል ካልኦት ኣይንሰምዕን ኢና። 

እቲ ኣዝዩ ዝሕዝንን ዘገርምን ከኣ እዞም ሕጂ ንቅዱስ ፓትርያርክና ዝኸሱን ዝወቕሱን ዘለዉ ኣቡናትና፡ ቅዱስ ኣቡነ እንጦንዮስ ባዕሎም ብሓዋርያዊ ሲመት ካብ ኣባ (ተራ መነኮስ) ናብ ማዕርግ ጵጵስና ዘሰጋገርዎም ደቆም ዝነበሩ እዮም ኣብ ልዕሊ መንፈሳዊ ኣቦኦም ክሳብ ክንድዚ ዝጭክኑ ዘለዉ። ከምዚ ምስ ኣጋጠመ ድማ እዮም ኣቦታትና፡ እግዚኣብሔር ክጸልእ፥ ምኽሪ ይኸልእ! ክብሉ ዝምስሉ። እንተ እቶም ብድሕሪ መጋረጃ ተሓቢኦም ነቲ ኵሉ ክፍኣት ክኣልሙ ዝሓድሩ ዘለዉ  ሰብ እዋንን ናይ ፖለቲካ ሰበ-ሥልጣንን ግና ኃያል እግዚኣብሔር ባዕሉ ከከም ግብሮም ከም ዝፈድዮም ኣቐዲሙ ሓቢሩና እዩ። ስለዚ እቲ ብኣሥመራ ዝዝርጋሕ ዘሎ፡ ዓቃቢ መንበር ጌርና፥ 5ይ ፓትርያርክውን ክንሸይም ኢና ዝብል ሕማቕ ዜና፡ ዳግም ንዕንወት ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን እምበር ንዕብየት ቤተ ክርስቲያን ተባሂሉ ዝተማህዘ ብፍጹም ኣይኮነን። በዚ መሠረት ድማ እየ ዓቃቢ መንበርዶ ወይስ ዓማጺ መንበር ዝበልኩ። ስለዚ ኩሉ ኦርቶዶክሳዊ ኣማኒ ኣብ ውሽጥን ወጻእን ዝነብር ድማ ብትሪ ክቃወሞን ክዅንኖን ይግባእ።

እመቦ ዘይተሉ ኖላዌ እኩየ ሞቱ ክሱት በቅድሜሁ! ሓደኳ ንዓመጸኛ ጓሳ ዝስዕብ እንተሎ፥ ሞት ኣብ ቅድሚኡ ኣሎ! (ዲድስቅልያ ዘ7ቱ ፍትሓ-ነገሥት ገጽ 39)

ቀሲስ ሓለፎም ዓንደማርያም

 

ቅዱስ ሚካኤል ናይ ኤርትራ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ሻርሎት ሰሜን ኣሜሪካ

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div