“ስለ’ዚ ሓቛቑ ልብኹም ተዓጠቑ፡ ከምኡ’ውን (ጥንቁቓት ኩኑ)፡ ተስፋኹም ብምሉኡ ኣብ’ቲ ኢየሱስ ክርስቶስ ምስ ተገልጸ እትረኽብዎ ጸጋ ይኹን።” 1ጴጥ 1፡13 ካ.ት
እዚ ዕለት’ዚ፡ ናይ ዘመነ ኣስተርእዮ ሳልሳይ ሰንበት’ዩ። ከም ስርዓት ቅድስቲ ቤተ ክርስትያንና ብኣቈጻጽራ ግእዝ፡ ካብ ጥሪ 26 ኽሳዕ ለካቲት 2 ኣብ ዘሎ ቕንያት ሰንበት ምስ ዚውዕል ዚዝመር መዝሙር ቅዱስ ያሬድ፡ “ተወልደ ኢየሱስ” ዚብል’ዩ ዚኸውን። እቲ ብመሰረት’ዚ መዝሙር ዝተሰርዐ ንባባት ሓድሽ ኪዳን ከኣ፡ ነቲ ናይ 1ጴጥ 1፡13-22 ንባብ ዜጠቓልል ኰይኑ፡ እዚ ኣርእስትናን መሪሕ ጥቕስናን ካብኡ ዝተወስደ’ዩ።
ብመሰረት’ዚ ናይ ቅዱስ ወንጌል ንባብ ሉቃ 2፡36-40፡ ነብዪት ሃና ጓል ፋኑኤል’ውን፡ ልክዕ ከም ነብዪ ስምኦን፡ ብምርሒት መንፈስ ቅዱስ ናብ’ቲ ህጻን ኢየሱስ ከም ዝመጸት፡ እቲ ትጽቢት ዚግበረሉ ዝነበረ፡ ነብያት ብዛዕባኡ ዝተነበዩ መድሕን ዓለም ምዃኑ ፈሊጣቶ፡ ብዛዕባኡ ንኣምላኽ ድሕሪ ምምስጋና፡ ነቶም ኣብ ከባቢኣ ዝነበሩ ምድሓን ኪርእዩን ኪረኽቡን ዚጽበዮ ዝነበሩ እስራኤላውያን፡ ብዛዕባ’ቲ ህጻን ከም ዝተዛረበቶም ተገሊጹልና ኣሎ። ንሳ እቲ ህጻን መድሓኒ ምዃኑ ኽትፈልጥ ዝኸኣለት፡ እግዚኣብሄር መንፈስ ቅዱስ ስለ ዝገለጸላ፡ ኣስተርእዮ ስለ ዝሃባ’ምበር፡ ባዕላ ዝበጽሓቶ ኣይነበረን። ንሳ’ውን ከም ነብዪት መጠን፡ ነቲ ኻብ ኣምላኽ ዝረኸበቶ ምግላጽ (ኣስተርእዮ) ነቶም ኣብ ቀረባኣ ዘለዉ ምድሓን ኪረኽቡ ዚጽበዩ ዝነበሩ ኣካፈለቶ። ሃና ጓል ፋኑኤል ብዓል ቤታ ኣብ ዕድመ ንእስነታ ብሞት ዝተፈልያ መበለት’ያ ዝነበረት። ድሕሪ ምብልውናኣ ግና ካብ ቤት መቕደስ ከይወጸት ክሳዕ ሽምግልናኣ፡ ብጾምን ጸሎትን ዘገልገለት ኣደ’ያ። እግዚኣብሄር ከኣ ናይ ትንቢት ውህበት ጸጋ ስለ ዝዓደላ ብእኡ በቲ ጸጋ’ቲ’ውን ንእግዚኣብሄርን ንህዝባን ተገልግሎ ነበረት። ጐይታና ንደቀ መዛሙርቱ፦
“ናብ’ቶም ደቀ መዛሙርቱ ግልጽ ኢሉ ኸኣ ንበይኖም ከም’ዚ በሎም፦ “ነዚ ንስኻትኩም እትርእይዎ ዘለኹም ዚርእያ ኣዕይንቲ ብጹኣን’የን፡ ምኽንያቱ ብዙሓት ነብያትን ነገስታትን ነዚ ንስኻትኩም እትርእይዎ ዘለኹም ኪርእዩ ተመነዩ፡ ግና ኣይረኣዩን፡ ነዚ ንስኻትኩም እትስምዕዎ ዘሎኹም ከኣ ኪሰምዑ ተመነዩ፡ ግና ኣይሰምዑን።”“ ይብሎም ነበረ (ሉቃ 10፡23,24 ካ.ት ፣ ማቴ 13፡16,17)። ሃና ጓል ፋኑኤል ድማ ካብ’ቶም ነዚ ብጽእና ዝተዓደሉ ውሑዳት ነብያትን ጻድቃንን ሓንቲ’ያ። ብስም እተረቝሐ ኻልኣያ ነብዪ፡ ነብዪ ስምኦን ጥራሕ’ዩ (ሉቃ 2፡35-25)። ብዙሓት ነብያት ብዛዕባ ናይ ክርስቶስ ስቓይን ክብርን ብዙሕ ተነብዮም፡ ንእኡ ንግብሪ ምድሓኑን በዒንቶም ኪርእይዎ ተመንዮም ክነሶም፡ ብእግዚኣብሄር ስለ ዘይተመደበሎም ግን ኣይረኽብዎን። ቅዱስ ጴጥሮስ ነቲ ናይ ቅዱሳን ነብያትን ቅዱሳን መላእኽትን ባህጊ ብግሩም ቃላት ብኸም’ዚ ዚስዕብ ገሊጽዎ ኣሎ።
“እቶም ብዛዕባ’ቲ ንኣኻትኩም ዝተመደበ ጸጋ ዝተነበዩ ነብያት፡ ብዛዕባ’ዚ (ናይ ክርስቶስ) ምድሓን’ዚ ብዓብይ ጥንቃቐ መርምሩ። እቲ ኣባኣቶም ሓዲሩ ብዛዕባ ስቓይ ክርስቶስን ብዛዕባ’ቲ ዚስዕብ ክብሩን ዚንበይ ዝነበረ መንፈስ ክርስቶስ፡ ብዛዕባ ኣየናይ ሰብን ኣየናይ (ዘመንን) የመልክት ከም ዝነበረ ይምርምሩ ነበሩ። ኣምላኽ ከኣ ኣገልግሎቶም ንኣኻትኩም’ምበር፡ ንገዛእ ርእሶም ከም ዘይኰነ ገለጸሎም። ..... ነዚ ነገር’ዚ መላእኽቲ’ውን ኪርእይዎ ይብህጉ’ዮም።” 1ጴጥ 1፡10-12 ካ.ት
ብዛዕባኡ እናተነበኻ ንእኡ እናኣገልገልካ፡ ንእኡ ኸይረኣኻዮ ኽትነብርን ብሞት ክትሓልፍን ቀሊል ኣይኰነን። ናይ ብሉይ ኪዳን ቅዱሳን፡ ነቲ ተስፋኦም ብዓይኒ ማዕዶ ኺሳለምዎ’ምበር፡ ኪርእይዎን ተኻፈልቱ ኪዀኑን ኣይተዓደሉን (እብ 11፡13,39,40)። ከም’ኒ ነብዪ ስምኦንን ነብዪት ሃና ዝበሉ ውሑዳት ዕድለኛታት ግን፡ ነቲ ተስፋኦም በዕንቶም ኪርእይዎ በእዳዎም ኪሓቝፍዎ፡ ብዛዕባኡ’ውን ኪንበዩን ኪምስክሩን ዕድል ረኺበም’ዮም።
ማእከላይ መልእኽቲ ናይ’ዚ ናይ ሎሚ ኣርእስትናን መሪሕ ጥቕስናን እንታይ’ዩ፧ እዚ ንሎሚ እንመሃሮ ትምህርቲ ብዛዕባ ምጽኣትን ብዛዕባ ሽዑ እንረኽቦ ጸጋን ዚዛረብ ምጽኣታዊ ኣርእስቲ’ዩ። ዚበዝሕ ጊዜ፡ ብዛዕባ’ቲ ኣብ’ዛ ህይወት’ዚኣ ኸለና እንረኽቦ ምድራዊ ጸጋ’ምበር፡ ብዛዕባ ሰማያዊ ጸጋ ኣይንሓስብን ኢና። ናይ’ዚ ሓጺር ኣተሓሳስባ’ዚ መሰረታዊ ጠንቂ ድማ፡ ብመሰረቱ ብዛዕባ ምጽኣት ዘይንሓስብ ምዃንና’ዩ። ብዛዕባ ምጽኣት ዘይንግደስን ዘይንሓስብን እንተ ዄንና ኸኣ፡ ብዛዕባ’ቲ ብምጽኣቱ እንረኽቦ ዅሉ ነገራት እንሓስበሉ ምኽንያትን ድርኺትን ኣይኪህልወናን’ዩ። ንክርስትና ዚኣክል ዓብይ እምነት፡ ብምኽንያት ምድራዊ ተስፋ ጥራሕ ክትስዕቦ ምምራጽ፡ ንገዛእ እምነትካ ባዕልኻ ከም ምቅላልን ምልጋጽን ዚቝጸር’ዩ። ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ፦ “ኣብ ክርስቶስ ዘላትና ተስፋ፡ ኣብ’ዛ (ምድራዊት) ህይወት’ዚኣ ጥራይ (እንተ ዚኸውን)፡ ካብ ኵሉ ሰብ እነደንግጽ ምዀንና ኔርና።” ዝበለሉ ምኽንያት ከኣ ንሱ’ዩ (1ቈረ 15፡19 ካ.ት)። ካብ’ዚ መደንገጽን መሕፈርን ዝዀነ ህይወት’ዚ ምእንቲ ኼናግፈና ኸኣ’ዩ፡ ቅዱስ ጴጥሮስ ብመንፈስ ቅዱስ ተደሪኹ፡ ነዚ ናይ’ዚ ዕለት’ዚ መሪሕ ጥቕሲ ዝጸሓፈልና። ኣብ ሰማያት ዝተዓቝረልና ማእለያ ዘይብሉ ዓብይን ክቡርን ጸጋ ኣሎ። ነታ ክርስቶስ ዝንጉሳ ሰማያዊት ዓለም ኣዚና ኽንናፍቓ ዚገብረና ኸኣ፡ ንሱ’ዚ ጸጋ’ዚ’ዩ። እዚ ጸጋ’ዚ እንተ ዘይተራእዩና ግን፡ ንምጽኣቱ ዀነ ነታ ሰማያዊት ሃገር ምስናይ ትሕዝቶኣ እንናፍቐሉ ዋላ ሓንቲ ምኽንያት የለን። ቅዱስ ጴጥሮስ ግን፡ “ተስፋኹም ብምሉኡ ኣብ’ቲ ሰማያዊ ጸጋ ግበሩ” ይብል ከም ዘሎ ነስተውዕል። ተስፋኻ እንድሕር ናብዝን ናብትን ተኸፋፊሉ፡ ልብኻ’ውን ከምኡ’ዩ ዚምቀል። እግዚኣብሄር ከኣ ምልኣት ዜፍቅር፡ ጕድለት ዘይቅበልን ዘይዕገስን ኣምላኽ ምዃኑ ኽንዝንግዖ ኣይግባእን’ዩ። ተስፋና ብምሉኡ ኣብ’ቲ ዝተነብረልና ጸጋ ኽንገብር እንተ ዘይክኢልና፡ ብኻልእ ኣዘራርባ ሰብ ክልተ ልብን ሰብ ክልተ ጐይቶትን ንኸውን ኣለና ማለት’ዩ። ስለ’ዚ ናብዝን ናብትን ቀልባዕባዕ ከይበልና፡ ተስፋና ብምሉኡ ኣብ’ቲ ተነቢሩ ዚጽበየና ዘሎ ሰማያዊ ጸጋ ኽንገብር ይግብኣና። ናይ’ዚ ዕለት’ዚ ናይ ትምህርትና ማእከላይ መልእኽቲ’ምበኣር እዚ’ዩ።
ጸጋ ግን እንታይ ማለት’ዩ፧ “ጸጋ” ተባሂሉ ዚጽዋዕ ገለ ፍሉይ ነገር ኣሎ ድዩ፧ ፈጺሙ የለን። ብርግጽ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስና፡ “ጸጋ ማለት እዚ ማለት’ዩ” ኢሉ ንጹር መግለጺ (Definition) ዚህብ ዋላ ሓደ ጥቕሲ’ኳ የለን። ነቲ “ጸጋ’ዩ” ዚብል ጥቕስታት ኵሉ ኣኪብካ ኣዛሚድካን ኣገናዚብካን ኽትርእዮ ኸለኻ ግን፡ ጸጋ እንታይ ማለት ምዃኑ ኽትርዳእ ፈጺሙ ዘየጸግም’ዩ። ስለ’ዚ ኸኣ ሊቃውንቲ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ከምኡ ገይሮም ኣጽኒዖም ምስ ወድኡ፡ “ጸጋ ማለት፡ ተገቢኡካ ዘይኰነስ እግዚኣብሄር ብሕያውነቱ ተደሪኹ ዚህበካ ወይ ዚገብረልካ ዅሉ ነገር ማለት’ዩ” ናብ ዚብል ቅኑዕን ቅቡልን መደምደምታ በጽሑ። ብኻልእ ኣዘራርባ “ካብ እግዚኣብሄር ዝዀነ’ሞ፡ ጸጋ ዘይኰነ ዋላ ሓንቲ ነገር የለን” ኢልና ኽንድምድም ንኽእል ኢና። ነቲ ሓሳብ ብምልኣት ንኽንርድኦ ምእንቲ ኺሕግዘና ኸኣ ገለ ገለ ኣብነታት እንተ ጠቐስና ጠቓምን ሰናይን’ዩ። “ኣምላኽ የፍቅረና’ዩ፡ ኣብ ልዕሌና ፍቕሪ ኣለዎ” እንተ ኢልና፡ እዚ ጸጋ’ዩ። ዓይነት ናይ’ቲ ጸጋ ኸኣ ፍቕሪ’ዩ። ብተደጋጋሚ ንብድል’ሞ፡ እግዚኣብሄር ብሕያውነቱ ይጾረና፡ ይዕገሰና ኸኣ፡ ድኹማትን ሓጥኣንን ጸላእቱን ከለና’ዩ ዘፍቀረና’ምበር እንፍቀር ሰባት ስለ ዝዀንና ኣይኰነን። ንበደልና እግዚኣብሄር ኪህቦ ዚግባእ ግብረ መልሲ መቕጻዕትን መቕዘፍትን’ምበር፡ ጹረትን ትዕግስትን ኪኸውን ኣይነበሮን። ንኣና እዚ ዘይግባኣና ፍቕርን ትዕግስትን’ዚ ጸጋ ኣምላኽ’ዩ። ነዛ ዝበልናያ ሓሳብ፡ ነብዪ ኤርምያስ ኣብ’ቲ መሪር ድጕዓ (መልቀሱ) ብኸም’ዚ ዚስዕብ ኣቐሚጥዋ ኣሎ። “ምሕረቱ ኣይተወድአን’ዩ’ሞ፡ ጥራስ ዘይጠፋእናስ ጸጋ እግዚኣብሄር’ዩ” ደጕ 3፡22
ቅዱስ ዳዊት፡ “ንጻድቕ ትሕልዎ ኢኻ” ዚብል ሓሳብ ኪገልጽ ምስ ደለየ፡ “ከም ብዋልታ ብጸጋ ትኸብቦ” ኢሉ ኣሎ (መዝ 5፡12)። እዚ ማለት “ጸጋ” ዝስሙ ሓደ መንፈሳዊ ሓጹር፡ ቀጽሪ ወይ መንደቕ ገይሩ ኣሎ ማለት ኣይኰነን። ወይ መላእኽቱ ኣብ ዙርያኡ ኣስፊሩሉ፡ ወይ’ውን ንኸይድፈር መጐሱ ኣብ ልዕሊኡ ኣንቢሩሉ፡ ወይ ከኣ እቶም ጸላእቱ ኸይደፍርዎ ኣብ ልቦም ፍርሃት ኣሕዲሩሎም፡ ወይ ድማ፡ እቲ ዝመኸርዎን ዝፈተንዎን ኵሉ ውዲታት ከም ዚፈሽል ብምግባር ከይተጐድአ ብደሓን ተሓልዩ ኸም ዚነብር ገይርዎ ኣሎ። ዓይነቱ ብዘየገድስ፡ እዚ ዝተጠቕሰ ዅሉ ኣብነታት “ጸጋ እግዚኣብሄር’ዩ”።
ንስሓ፡ ሓደ ኻብ’ቶም ዝዓበዩ ጸጋታት ኣምላኽ’ዩ። መቕጻዕቲ’ውን፡ ይኽበድ ይቕለል፡ ጸጋ እግዚኣብሄር’ዩ። ናብ ገሃነም ዜፋንወካ ደኣ ኣይኹን’ምበር፡ ሞት’ውን ዓብይ ጸጋ’ዩ (ኢሳ 57፡1,2)። እግዚኣብሄር ብቐጥታ ባዕሉ ጥራሕ ዘይኰነ፡ ብሰባት ገይሩ ዚህበካን ዚገብረልካን ኵሉ’ውን፡ ጸጋ እግዚኣብሄር’ዩ። ብመሰረት’ዚ መግለጺና’ምበኣር፡ እቲ ኣብ ሰማያት ተኣርኒቡልና ዘሎ ዅሉ ሓጐስ፡ ምጽንናዕ፡ ዕረፍቲ፡ ኽብሪ ወዘተ ድማ ጸጋ ኣምላኽ’ዩ። እታ መንግስተ ሰማያት ንባዕላ’ውን ጸጋ’ያ። ስለ’ዚ ቅዱስ ጴጥሮስ ንዅሉ ኺዝርዝሮ ስለ ዘይክእልን ስለ ዘየድልዮን፡ “ጸጋ” ብ’ትብል ወርቃዊት ቃል ጥቕልል ኣቢሉ ኰፍ ኣበለልና። እምበኣር ናብራ ዅሉ ሰብ፡ ብፍላይ ከኣ ናብራ ናይ’ቲ ሓቀኛ ክርስትያን ብጸጋ ኣምላኽ ዝተመልአ’ዩ። ነዛ ምድራዊት ዕድሚኡ ብጸጋ ኣምላኽ ይዘልቃ፡ ናብ’ታ ዘለኣለማዊት ህይወቱ ምስ ተሰጋገረ ድማ ዓይኒ ብዘይረኣየቶ፡ እዝኒ ብዘይሰምዓቶ፡ ኣብ ልቢ ሰብ ከኣ ብዘይተሓስበ ፍሉይን ክቡርን ጸጋታት ተመሊኡ ይነብራ። ጸጋን ክርስትያንን ንሓንቲ ኻልኢት’ኳ ኣይንፈላለዩን’ዮም። ሓቀኛ ክርስትያን ብናይ ጸጋ ጽጋብ’ዩ ዚነብር፡ ኣዝዩ ዜሐጕስ ከኣ፡ ነቲ ጸጋኡ የለልዮን ይፈልጦን’ዩ። “ሰማያዊ፡ ምድራዊ” እናበልና ኸይፈላለና፡ ብመሰረቱ ጸጋ ንመን’ዩ ዚወሃብ፧ ብመጠኑን ብዓይነቱን ደኣ ይፈላለይ ይኸውን’ምበር፡ ካብ እግዚኣብሄር ጸጋ ዘይቅበል ሰብ፡ ዋላ ሓደ የልቦን። ንርእሳ’ዛ ኣብ ምድሪ እንነብረላ ዘለና ህይወት’ኮ፡ ካብ እግዚኣብሄር ብኸምኡ ብዘይ ዝዀነ ዋጋ፡ ከይተገብኣና ዝተወሃብናያ ጸጋ ኣምላኽ’ዩ። ብርሃን ጸሓይ፡ ዝናም ሰማይ፡ እንበልዖ ምግቢ ወዘተ’ኮ ጸጋ ኣምላኽ’ዩ። ብዛዕባ’ቲ እንምገቦ ዅሉ፡ “ብጸጋ ይጸግቡ ኣለዉ” ተባሂሉልና ኣሎ (መዝ 104፡27,28)። ብዛዕባ’ቲ ዜድሕን ጸጋ ኣምላኽ ድማ፦
“ግናኸ ብመስፈር ውህበት ክርስቶስ ንነፍሲ ወከፍ ሰብ ጸጋ ተዋሂቡ’ዩ፡” ተባሂሉልና ኣሎ (ኤፌ 4፡7)። ቅዱስ ዮሃንስ ሃዋርያ’ውን፦ “ጸጋን ሓቅን ግን ብኢየሱስ ክርስቶስ መጸ፡ እምበኣር ንሕና ዅላትና ካብ ምልኣቱ ጸጋ ኣብ ልዕሊ ጸጋ ተቐበልና።” ብምባል ኣረጋጊጹልና ኣሎ (ዮሃ 1፡16,17)። ዋላ ንሓጥኣንን’ውን ጸጋኡ ኣብዚሑ ኸም ዚህብ ኣይንዘንግዕ። እቲ ቕዱስ ጳውሎስ “ኣብ’ቲ ሓጢኣት ዝዓዘዞ ግና፡ ኣብኡ’ቲ ጸጋ ኣዝዩ ዓዘዘ፡” ዝብሎ ሃዋርያዊ ቓል ኵሉ ጊዜ ኺዝከር ዚግብኦ’ዩ (ሮሜ 5፡20)። እግዚኣብሄር ንሓጥኣን ጸጋኡ ዘየዕዝዝ እንተ ዚኸውን፡ ንሓጢኣቶም ብቑዕ ምኽንያት ምሃለዎም፡ እግዚኣብሄር ከኣ ኣብ ልዕሊ ሓጥኣን ዚፈርደሉ ምኽንያት ምስኣነ ነይሩ። ብጸጋኡ ንሓጢኣት ምኽንያት ስለ ዝኸልአ ግና፡ ነቲ ኽቡር ጸጋኡ ረጊጹ ንሓጢኣት ንዘንገሰ ዅሉ፡ ምሕረት ብዘይብሉ ፍርዲ ይፈርድ። ነቲ ዝተዋህቦ ጸጋ ተጠቒሙ ብንስሓ ንዝተመልሰ ግን፡ ብዓብዪ ምሕረት ተቐቢሉ ናይ ዘለኣለም ህይወትን ክብርን ይጽግዎ። ስለ’ዚ ፍልልያት ዚፍጠር ዘሎ ኣብ ዕደላ ጸጋ ዘይኰነስ፡ ኣብ ምሕደራን ኣጠቓቕማን ናይ ጸጋ’ዩ። ስለ’ዚ ኸኣ ቅዱስ ጳውሎስ፦ “ጸጋ ኣምላኽ ንኸንቱ ኸይትቕበሉ፡ ንሕና መዓይይቲ (ኣምላኽ) ኴንና፡ ንምዕደኩም ኣለና። ኢሉ በቲ ደም ክርስቶስ ዝዋግኡ ጸጋ ኣምላኽ ከይንሓጥእ ኣጠንቀቐና (2ቈረ 6፡1)። ኣርኣያ ምእንቲ ኪዀነና ኸኣ፡ ብዛዕባ’ቲ ንእኡ ዝተዓደላ ጸጋ፦
“እቲ ዀይነዮ ዘለኹ ግና፡ ብጸጋ ኣምላኽ’የ ዀይነዮ ዝለኹ፡ እቲ ንኣይ ዝሃበኒ ጸጋ ኸኣ ከንቱ ኣይኰነን፡ እኳ ደኣ ሓለፋ ዅላቶም ጸዓርኩ። እንተ ዀነ፡ እቲ ኣባይ ሓዲሩ ዘሎ ጸጋ ኣምላኽ’ዩ’ምበር፡ ኣነ ኣይኰንኩን።” ብምባል ብቕንዕናን ብትብዓትን ተኣመነ (1ቈረ 15፡10 ካ.ት)። ነቶም ብዛዕባ ጽድቂ ብዝነበሮም ኣረኣእያ ንጸጋ ኣምላኽ ዝነዓቑ ሰባት ንኼለብም ከኣ፡ “ኣነስ ጸጋ ኣምላኽ ኣይንዕቅን’የ” ኢሉ ጸሓፈሎም (ገላ 2፡21)። ንጸጋ ኣምላኽ ናብ ርኽሰት ዚልውጥዎ ስሑታት ሰባት ከም ዘለዉ ሃዋርያ ቅዱስ ይሁዳ’ውን ጽሒፉልና ኣሎ (ይሁ 4)። እዚ ጠቓቒስናዮ ዘለና ኣዕናዊ ምሕደራ ጸጋ፡ መሪር ዝዀነ ዘለኣለማዊ ሳዕቤን ዘለዎ’ዩ። እቶም ኣብ ምድሪ ኸለዉ ብመስፈር ክርስቶስ ንዝተዋህቦም ጸጋ ኣምላኽ ዝነዓቑ፡ ዚባኸኑ፡ ዘራኸሱ፡ ብዛዕባ’ቲ ሰማያዊ ጸጋ፡ ይትረፍ ምሉእ ተስፋ፡ ቅንጣብ ተስፋ’ኳ ኣይህልዎምን’ዩ። ኣብ ልዕሊ ሓጢኣት ምእንቲ ኽትዕወት፡ ጸጋ ተዋሂቡናስ፡ ኣብ ልዕሊ’ቲ ረዳኢና ጸጋ ኽንሓጥእ እንተ መረጸናን እንተ ውዒልናዮን፡ እንታይ ካልእ ተስፋ ኺህልወና ይኽእል!! ንሕና ኸም ዝደለናዮ ምሕጣእ ምእንቲ ኽንቅጽል፡ ምእንታና ኻልእ ሓድሽ ጸጋዶ ኺመሃዝ ዀይኑ፧ እምበኣር በቲ ኣምላኽ ብሕያውነቱ ዝሃበና፡ ንኣና ፈጺሙ ዘይግብኣና፡ ክቡር ደም ክርስቶስ ዝዋግኡ ጸጋ ኣምላኽ ከይንሓጥእ ንጠንቀቕ!!
ኣብ ጸጋ ኣምላኽ ምሉእ ተስፋ ኽንገብር ዜኽእለና እንታይ’ዩ፧ ብኻልእ ኣዘራርባ፡ ንሕና ኽንገብሮ እንኽእል እንታይ ኣሎ፧ ናይ’ዚ ሕቶ’ዚ መልሲ ኣብ’ቲ መሪሕ ጥቕስና ብንጹር ሰፊሩ ኣሎ። እታ ቐዳመይቲ ዕጡቓት ምዃን፡ እታ ኻልኣይቲ ድማ ጥንቁቓት ምዃን’የን። እቲ ‘ንዕጠቖ ኣካልና ድማ ልብና’ዩ። “ሓቛቑ ልብኹም” ዚብል ቃል፡ ልብና ወይ ሕልናና ሕቘ ኸም ዘለዎ ንኼመልክት ዝተባህለ ኣይኰነን። ኣብ’ቲ ስጋዊ ኣካልና፡ እቲ ዝደልደለ ኽፍሊ ናይ ሰብነትና ዓንዲ ሕቘና’ዩ። ክብድ ዝበለ ስራሕ ኽንሰርሕ ክንደልይ ከለና ወይ ድማ ንውግእ ዚኸይድ ሰብ፡ ምእንቲ ኺጸንዓሉ ኢሉ ብገለ ነገር ንሕቘኡ ይዕጠቖ’ዩ። ስለ’ዚ ንቅዱስ ጴጥሮስ “ልብኹም ኣጽንዑ ኣደልድሉ” ንምባል’ዩ ዝተጠቕመሉ። ዕጣቕ ልቢ፡ ሓቂ ምዃኑ ኸኣ ኣብ ኤፌ 6፡14 ተገሊጹልና ኣሎ። ኣምላኽ ኣብ ዝፈቐዶ መዓልቲ ኽንመሃሮ ኢና’ምበር፡ ሓቂ ኣዝያ ሓያል ኣጽዋር ናይ ክርስትያን’ያ። ሓቂ፡ መለኮታዊት ባህርይ’ያ። ስለ’ዚ ሓቂ ተዓጢቕና ማለት፡ ነቕ ዘይብል ሓያል መንፈሳዊ ህይወት ሃኒጽና ኸም ዘለና ርዱእ’ዩ። ሓቂ ዝደርበየ ሰብ፡ ሓሶት’ዩ ዚዕጠቕ። ሓሶት ከኣ ኣጽዋር ሰይጣን’ያ። ኣብ ኢድካ ዘሎ ጸጋ ኣጽኒዕካ ኽትሕዝ ክትረድኣካ ዘይኰነስ ክትድርብዮን ከተራኽሶን’ያ ትገብረካ። ስለ’ዚ ልብና ብሓቂ ዓጢቕና፡ ኣብ ኢድና ዘሎ ጸጋ ኽንዕቅብን ክንግልገለሉን ነቲ ኣብ ሰማይ ዚጽበየና ዘሎ ጸጋ ድማ ምሉእ ተስፋ ኽንገብር ይግብኣና። በቲ እኩይ ‘ትመሓደር ኣብ ዘላ እክይቲ ዓለም ንነብር ስለ ዘለና ኸኣ፡ ልዑል ጥንቃቐ ኽንገብር ይግብኣና። ሰይጣን ዕጣቕ ልብና ፈቲሑ፡ ጸጋና ኣደርብዩ ጉድ ከይገብረና፡ ብዘየባትኽ ጸሎትን ብልዑል መንፈሳዊ ንቕሓትን ክንጥንቀቕ ይግባእ። ጸጋ ኣምላኽ ብጥንቃቐ ኽንነብር’ዩ ዚምህረና (ቲቶ 2፡11-13)። እዚ እንተ ገበርና ምድራዊ ጸጋና ኽንዕቅብ፡ ሰማያዊ ተስፋና ድማ ብዘይ ጥርጥር ክንወርስ ኢና።
እምበኣር ተስፋናን ትጽቢትናን ናበይ የድህብ ከም ዘሎ ንመርምር። “በዓል ክልተ ኣእጋር’የ” ኢልካ ብኽልተ መሳልል ከም ዘይድየብ፡ ናብ ሰማይን ምድርን ቀልባዕባዕ ክንብል መሪጽና፡ ካብ ክልቲኡ ሓዲግ ከይንተርፍ ንጠንቀቕ። በቲ ኣብ ምድሪ ዝተዓደለና ጸጋ እሙናት ኴንና፡ ምሉእ ተስፋና ግን ኣብ’ቲ ጐይታ ብምጽኣቱ ዜጐናጽፈና ሰማያዊ ጸጋ ጌርና ኸም ዘለና ነረጋግጽ። ብናይ ዓለም ጭራሕምራሕ ቀልብና ኣይሰረቕ!! ብዛዕባ’ቲ ሰማያዊ ጸጋ ብንጹር ራእይ ንጐዓዝ!!
ጸጋ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ፍቕሪ ኣምላኽን ሕብረት መንፈስ ቅዱስን ምስ ኩላትና ይኹን።
ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ - መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜርካ
4 ለ(የ)ካቲት 2024 | ጥሪ 26, 2016 ግዕዝ (መበል 21 ሰንበት: ቊ.፳፩/21) |
||
ምስባክ መዝ. መዝ.፺፯(፺፰)፡፪-፫ “አርአየ እግዚአብሔር አድኅኖቶ። ወበቅድመ አሕዛብ ከሠተ ኪዳኖ። ወተዘከረ ሣህሎ ለያዕቆብ።” ዓዲ፡ መዝ.፵፯(፵፰)፡፰ “በከመ ሰማዕነ ከማሁ ርኢነ። በሀገረ እግዚአ ኃያላን በሀገረ አምላክነ። እግዚአብሔር ሣረራ ለዓለም።” |
ንባባት |
ኣንባቢ |
ሮሜ 1፡1-12 |
ዲያቆን |
|
1 ጴጥ 1፡13-22 |
ንፍቅ ዲያቆን |
|
ግብ 19፡1-10 |
ንፍቅ ካህን |
|
ሉቃ 2፡36-40 |
ሰራዒ ካህን |
|
ቅዳሴ ፦ ዘዲዮስቆሮስ | መዝሙር፦ ተወልደ ኢየሱስ |
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ