S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ተስፋኹም ኣብ ጸጋ ይኹን (መበል 21 ሰንበት: ቊ.፳፩/21, 2024 ፈ | 2016 ግዕዝ)

ስለ ሓቛቑ ልብኹም ተዓጠቑ፡ ከምኡውን (ጥንቁቓት ኩኑ) ተስፋኹም ብምሉኡ ኣብ ኢየሱስ ክርስቶስ ምስ ተገልጸ እትረኽብዎ ጸጋ ይኹን።” 1ጴጥ 113 .

እዚ ዕለትዚ፡ ናይ ዘመነ ኣስተርእዮ ሳልሳይ ሰንበትዩ። ከም ስርዓት ቅድስቲ ቤተ ክርስትያንና ብኣቈጻጽራ ግእዝ፡ ካብ ጥሪ 26 ኽሳዕ ለካቲት 2 ኣብ ዘሎ ቕንያት ሰንበት ምስ ዚውዕል ዚዝመር መዝሙር ቅዱስ ያሬድ፡ተወልደ ኢየሱስዚብል ዚኸውን። እቲ ብመሰረት መዝሙር ዝተሰርዐ ንባባት ሓድሽ ኪዳን ከኣ፡ ነቲ ናይ 1ጴጥ 113-22 ንባብ ዜጠቓልል ኰይኑ፡ እዚ ኣርእስትናን መሪሕ ጥቕስናን ካብኡ ዝተወስደዩ።

ብመሰረት ናይ ቅዱስ ወንጌል ንባብ ሉቃ 236-40 ነብዪት ሃና ጓል ፋኑኤልውን፡ ልክዕ ከም ነብዪ ስምኦን፡ ብምርሒት መንፈስ ቅዱስ ናብ ህጻን ኢየሱስ ከም ዝመጸት፡ እቲ ትጽቢት ዚግበረሉ ዝነበረ፡ ነብያት ብዛዕባኡ ዝተነበዩ መድሕን ዓለም ምዃኑ ፈሊጣቶ፡ ብዛዕባኡ ንኣምላኽ ድሕሪ ምምስጋና፡ ነቶም ኣብ ከባቢኣ ዝነበሩ ምድሓን ኪርእዩን ኪረኽቡን ዚጽበዮ ዝነበሩ እስራኤላውያን፡ ብዛዕባ ህጻን ከም ዝተዛረበቶም ተገሊጹልና ኣሎ። ንሳ እቲ ህጻን መድሓኒ ምዃኑ ኽትፈልጥ ዝኸኣለት፡ እግዚኣብሄር መንፈስ ቅዱስ ስለ ዝገለጸላ፡ ኣስተርእዮ ስለ ዝሃባምበር፡ ባዕላ ዝበጽሓቶ ኣይነበረን። ንሳውን ከም ነብዪት መጠን፡ ነቲ ኻብ ኣምላኽ ዝረኸበቶ ምግላጽ (ኣስተርእዮ) ነቶም ኣብ ቀረባኣ ዘለዉ ምድሓን ኪረኽቡ ዚጽበዩ ዝነበሩ ኣካፈለቶ። ሃና ጓል ፋኑኤል ብዓል ቤታ ኣብ ዕድመ ንእስነታ ብሞት ዝተፈልያ መበለት ዝነበረት። ድሕሪ ምብልውናኣ ግና ካብ ቤት መቕደስ ከይወጸት ክሳዕ ሽምግልናኣ፡ ብጾምን ጸሎትን ዘገልገለት ኣደያ። እግዚኣብሄር ከኣ ናይ ትንቢት ውህበት ጸጋ ስለ ዝዓደላ ብእኡ በቲ ጸጋውን ንእግዚኣብሄርን ንህዝባን ተገልግሎ ነበረት። ጐይታና ንደቀ መዛሙርቱ፦

ናብቶም ደቀ መዛሙርቱ ግልጽ ኢሉ ኸኣ ንበይኖም ከም በሎም፦ነዚ ንስኻትኩም እትርእይዎ ዘለኹም ዚርእያ ኣዕይንቲ ብጹኣንየን፡ ምኽንያቱ ብዙሓት ነብያትን ነገስታትን ነዚ ንስኻትኩም እትርእይዎ ዘለኹም ኪርእዩ ተመነዩ፡ ግና ኣይረኣዩን፡ ነዚ ንስኻትኩም እትስምዕዎ ዘሎኹም ከኣ ኪሰምዑ ተመነዩ፡ ግና ኣይሰምዑን።”“ ይብሎም ነበረ (ሉቃ 1023,24 . ማቴ 1316,17) ሃና ጓል ፋኑኤል ድማ ካብቶም ነዚ ብጽእና ዝተዓደሉ ውሑዳት ነብያትን ጻድቃንን ሓንቲያ። ብስም እተረቝሐ ኻልኣያ ነብዪ፡ ነብዪ ስምኦን ጥራሕ (ሉቃ 235-25) ብዙሓት ነብያት ብዛዕባ ናይ ክርስቶስ ስቓይን ክብርን ብዙሕ ተነብዮም፡ ንእኡ ንግብሪ ምድሓኑን በዒንቶም ኪርእይዎ ተመንዮም ክነሶም፡ ብእግዚኣብሄር ስለ ዘይተመደበሎም ግን ኣይረኽብዎን። ቅዱስ ጴጥሮስ ነቲ ናይ ቅዱሳን ነብያትን ቅዱሳን መላእኽትን ባህጊ ብግሩም ቃላት ብኸም ዚስዕብ ገሊጽዎ ኣሎ።

እቶም ብዛዕባ ንኣኻትኩም ዝተመደበ ጸጋ ዝተነበዩ ነብያት፡ ብዛዕባ (ናይ ክርስቶስ) ምድሓን ብዓብይ ጥንቃቐ መርምሩ። እቲ ኣባኣቶም ሓዲሩ ብዛዕባ ስቓይ ክርስቶስን ብዛዕባ ዚስዕብ ክብሩን ዚንበይ ዝነበረ መንፈስ ክርስቶስ፡ ብዛዕባ ኣየናይ ሰብን ኣየናይ (ዘመንን) የመልክት ከም ዝነበረ ይምርምሩ ነበሩ። ኣምላኽ ከኣ ኣገልግሎቶም ንኣኻትኩምምበር፡ ንገዛእ ርእሶም ከም ዘይኰነ ገለጸሎም። ..... ነዚ ነገር መላእኽቲውን ኪርእይዎ ይብህጉዮም።” 1ጴጥ 110-12 .

ብዛዕባኡ እናተነበኻ ንእኡ እናኣገልገልካ፡ ንእኡ ኸይረኣኻዮ ኽትነብርን ብሞት ክትሓልፍን ቀሊል ኣይኰነን። ናይ ብሉይ ኪዳን ቅዱሳን፡ ነቲ ተስፋኦም ብዓይኒ ማዕዶ ኺሳለምዎምበር፡ ኪርእይዎን ተኻፈልቱ ኪዀኑን ኣይተዓደሉን (እብ 1113,39,40) ከም ነብዪ ስምኦንን ነብዪት ሃና ዝበሉ ውሑዳት ዕድለኛታት ግን፡ ነቲ ተስፋኦም በዕንቶም ኪርእይዎ በእዳዎም ኪሓቝፍዎ፡ ብዛዕባኡውን ኪንበዩን ኪምስክሩን ዕድል ረኺበምዮም።

ማእከላይ መልእኽቲ ናይ ናይ ሎሚ ኣርእስትናን መሪሕ ጥቕስናን እንታይዩ፧ እዚ ንሎሚ እንመሃሮ ትምህርቲ ብዛዕባ ምጽኣትን ብዛዕባ ሽዑ እንረኽቦ ጸጋን ዚዛረብ ምጽኣታዊ ኣርእስቲዩ። ዚበዝሕ ጊዜ፡ ብዛዕባ ኣብ ህይወትዚኣ ኸለና እንረኽቦ ምድራዊ ጸጋምበር፡ ብዛዕባ ሰማያዊ ጸጋ ኣይንሓስብን ኢና። ናይ ሓጺር ኣተሓሳስባ መሰረታዊ ጠንቂ ድማ፡ ብመሰረቱ ብዛዕባ ምጽኣት ዘይንሓስብ ምዃንናዩ። ብዛዕባ ምጽኣት ዘይንግደስን ዘይንሓስብን እንተ ዄንና ኸኣ፡ ብዛዕባ ብምጽኣቱ እንረኽቦ ዅሉ ነገራት እንሓስበሉ ምኽንያትን ድርኺትን ኣይኪህልወናንዩ። ንክርስትና ዚኣክል ዓብይ እምነት፡ ብምኽንያት ምድራዊ ተስፋ ጥራሕ ክትስዕቦ ምምራጽ፡ ንገዛእ እምነትካ ባዕልኻ ከም ምቅላልን ምልጋጽን ዚቝጸርዩ። ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ፦ኣብ ክርስቶስ ዘላትና ተስፋ፡ ኣብ (ምድራዊት) ህይወትዚኣ ጥራይ (እንተ ዚኸውን) ካብ ኵሉ ሰብ እነደንግጽ ምዀንና ኔርና።ዝበለሉ ምኽንያት ከኣ ንሱ (1ቈረ 1519 .) ካብ መደንገጽን መሕፈርን ዝዀነ ህይወት ምእንቲ ኼናግፈና ኸኣዩ፡ ቅዱስ ጴጥሮስ ብመንፈስ ቅዱስ ተደሪኹ፡ ነዚ ናይ ዕለት መሪሕ ጥቕሲ ዝጸሓፈልና። ኣብ ሰማያት ዝተዓቝረልና ማእለያ ዘይብሉ ዓብይን ክቡርን ጸጋ ኣሎ። ነታ ክርስቶስ ዝንጉሳ ሰማያዊት ዓለም ኣዚና ኽንናፍቓ ዚገብረና ኸኣ፡ ንሱ ጸጋዩ። እዚ ጸጋ እንተ ዘይተራእዩና ግን፡ ንምጽኣቱ ዀነ ነታ ሰማያዊት ሃገር ምስናይ ትሕዝቶኣ እንናፍቐሉ ዋላ ሓንቲ ምኽንያት የለን። ቅዱስ ጴጥሮስ ግን፡ተስፋኹም ብምሉኡ ኣብ ሰማያዊ ጸጋ ግበሩይብል ከም ዘሎ ነስተውዕል። ተስፋኻ እንድሕር ናብዝን ናብትን ተኸፋፊሉ፡ ልብኻውን ከምኡ ዚምቀል። እግዚኣብሄር ከኣ ምልኣት ዜፍቅር፡ ጕድለት ዘይቅበልን ዘይዕገስን ኣምላኽ ምዃኑ ኽንዝንግዖ ኣይግባእንዩ። ተስፋና ብምሉኡ ኣብ ዝተነብረልና ጸጋ ኽንገብር እንተ ዘይክኢልና፡ ብኻልእ ኣዘራርባ ሰብ ክልተ ልብን ሰብ ክልተ ጐይቶትን ንኸውን ኣለና ማለትዩ። ስለ ናብዝን ናብትን ቀልባዕባዕ ከይበልና፡ ተስፋና ብምሉኡ ኣብ ተነቢሩ ዚጽበየና ዘሎ ሰማያዊ ጸጋ ኽንገብር ይግብኣና። ናይ ዕለት ናይ ትምህርትና ማእከላይ መልእኽቲምበኣር እዚዩ።

ጸጋ ግን እንታይ ማለትዩ፧ጸጋተባሂሉ ዚጽዋዕ ገለ ፍሉይ ነገር ኣሎ ድዩ፧ ፈጺሙ የለን። ብርግጽ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስና፡ጸጋ ማለት እዚ ማለትኢሉ ንጹር መግለጺ (Definition) ዚህብ ዋላ ሓደ ጥቕሲ የለን። ነቲጸጋዚብል ጥቕስታት ኵሉ ኣኪብካ ኣዛሚድካን ኣገናዚብካን ኽትርእዮ ኸለኻ ግን፡ ጸጋ እንታይ ማለት ምዃኑ ኽትርዳእ ፈጺሙ ዘየጸግምዩ። ስለ ኸኣ ሊቃውንቲ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ከምኡ ገይሮም ኣጽኒዖም ምስ ወድኡ፡ጸጋ ማለት፡ ተገቢኡካ ዘይኰነስ እግዚኣብሄር ብሕያውነቱ ተደሪኹ ዚህበካ ወይ ዚገብረልካ ዅሉ ነገር ማለትናብ ዚብል ቅኑዕን ቅቡልን መደምደምታ በጽሑ። ብኻልእ ኣዘራርባካብ እግዚኣብሄር ዝዀነሞ፡ ጸጋ ዘይኰነ ዋላ ሓንቲ ነገር የለንኢልና ኽንድምድም ንኽእል ኢና። ነቲ ሓሳብ ብምልኣት ንኽንርድኦ ምእንቲ ኺሕግዘና ኸኣ ገለ ገለ ኣብነታት እንተ ጠቐስና ጠቓምን ሰናይንዩ።ኣምላኽ የፍቅረናዩ፡ ኣብ ልዕሌና ፍቕሪ ኣለዎእንተ ኢልና፡ እዚ ጸጋዩ። ዓይነት ናይ ጸጋ ኸኣ ፍቕሪዩ። ብተደጋጋሚ ንብድልሞ፡ እግዚኣብሄር ብሕያውነቱ ይጾረና፡ ይዕገሰና ኸኣ፡ ድኹማትን ሓጥኣንን ጸላእቱን ከለና ዘፍቀረናምበር እንፍቀር ሰባት ስለ ዝዀንና ኣይኰነን። ንበደልና እግዚኣብሄር ኪህቦ ዚግባእ ግብረ መልሲ መቕጻዕትን መቕዘፍትንምበር፡ ጹረትን ትዕግስትን ኪኸውን ኣይነበሮን። ንኣና እዚ ዘይግባኣና ፍቕርን ትዕግስትን ጸጋ ኣምላኽዩ። ነዛ ዝበልናያ ሓሳብ፡ ነብዪ ኤርምያስ ኣብ መሪር ድጕዓ (መልቀሱ) ብኸም ዚስዕብ ኣቐሚጥዋ ኣሎ። ምሕረቱ ኣይተወድአንሞ፡ ጥራስ ዘይጠፋእናስ ጸጋ እግዚኣብሄርደጕ 322

ቅዱስ ዳዊት፡ንጻድቕ ትሕልዎ ኢኻዚብል ሓሳብ ኪገልጽ ምስ ደለየ፡ከም ብዋልታ ብጸጋ ትኸብቦኢሉ ኣሎ (መዝ 512) እዚ ማለትጸጋዝስሙ ሓደ መንፈሳዊ ሓጹር፡ ቀጽሪ ወይ መንደቕ ገይሩ ኣሎ ማለት ኣይኰነን። ወይ መላእኽቱ ኣብ ዙርያኡ ኣስፊሩሉ፡ ወይውን ንኸይድፈር መጐሱ ኣብ ልዕሊኡ ኣንቢሩሉ፡ ወይ ከኣ እቶም ጸላእቱ ኸይደፍርዎ ኣብ ልቦም ፍርሃት ኣሕዲሩሎም፡ ወይ ድማ፡ እቲ ዝመኸርዎን ዝፈተንዎን ኵሉ ውዲታት ከም ዚፈሽል ብምግባር ከይተጐድአ ብደሓን ተሓልዩ ኸም ዚነብር ገይርዎ ኣሎ። ዓይነቱ ብዘየገድስ፡ እዚ ዝተጠቕሰ ዅሉ ኣብነታትጸጋ እግዚኣብሄር

ንስሓ፡ ሓደ ኻብቶም ዝዓበዩ ጸጋታት ኣምላኽዩ። መቕጻዕቲውን፡ ይኽበድ ይቕለል፡ ጸጋ እግዚኣብሄርዩ። ናብ ገሃነም ዜፋንወካ ደኣ ኣይኹንምበር፡ ሞትውን ዓብይ ጸጋ (ኢሳ 571,2) እግዚኣብሄር ብቐጥታ ባዕሉ ጥራሕ ዘይኰነ፡ ብሰባት ገይሩ ዚህበካን ዚገብረልካን ኵሉውን፡ ጸጋ እግዚኣብሄርዩ። ብመሰረት መግለጺናምበኣር፡ እቲ ኣብ ሰማያት ተኣርኒቡልና ዘሎ ዅሉ ሓጐስ፡ ምጽንናዕ፡ ዕረፍቲ፡ ኽብሪ ወዘተ ድማ ጸጋ ኣምላኽዩ። እታ መንግስተ ሰማያት ንባዕላውን ጸጋያ። ስለ ቅዱስ ጴጥሮስ ንዅሉ ኺዝርዝሮ ስለ ዘይክእልን ስለ ዘየድልዮን፡ጸጋትብል ወርቃዊት ቃል ጥቕልል ኣቢሉ ኰፍ ኣበለልና። እምበኣር ናብራ ዅሉ ሰብ፡ ብፍላይ ከኣ ናብራ ናይ ሓቀኛ ክርስትያን ብጸጋ ኣምላኽ ዝተመልአዩ። ነዛ ምድራዊት ዕድሚኡ ብጸጋ ኣምላኽ ይዘልቃ፡ ናብ ዘለኣለማዊት ህይወቱ ምስ ተሰጋገረ ድማ ዓይኒ ብዘይረኣየቶ፡ እዝኒ ብዘይሰምዓቶ፡ ኣብ ልቢ ሰብ ከኣ ብዘይተሓስበ ፍሉይን ክቡርን ጸጋታት ተመሊኡ ይነብራ። ጸጋን ክርስትያንን ንሓንቲ ኻልኢት ኣይንፈላለዩንዮም። ሓቀኛ ክርስትያን ብናይ ጸጋ ጽጋብ ዚነብር፡ ኣዝዩ ዜሐጕስ ከኣ፡ ነቲ ጸጋኡ የለልዮን ይፈልጦንዩ።ሰማያዊ፡ ምድራዊእናበልና ኸይፈላለና፡ ብመሰረቱ ጸጋ ንመን ዚወሃብ፧ ብመጠኑን ብዓይነቱን ደኣ ይፈላለይ ይኸውንምበር፡ ካብ እግዚኣብሄር ጸጋ ዘይቅበል ሰብ፡ ዋላ ሓደ የልቦን። ንርእሳ ኣብ ምድሪ እንነብረላ ዘለና ህይወትኮ፡ ካብ እግዚኣብሄር ብኸምኡ ብዘይ ዝዀነ ዋጋ፡ ከይተገብኣና ዝተወሃብናያ ጸጋ ኣምላኽዩ። ብርሃን ጸሓይ፡ ዝናም ሰማይ፡ እንበልዖ ምግቢ ወዘተ ጸጋ ኣምላኽዩ። ብዛዕባ እንምገቦ ዅሉ፡ብጸጋ ይጸግቡ ኣለዉተባሂሉልና ኣሎ (መዝ 10427,28) ብዛዕባ ዜድሕን ጸጋ ኣምላኽ ድማ፦

ግናኸ ብመስፈር ውህበት ክርስቶስ ንነፍሲ ወከፍ ሰብ ጸጋ ተዋሂቡዩ፡” ተባሂሉልና ኣሎ (ኤፌ 47) ቅዱስ ዮሃንስ ሃዋርያውን፦ጸጋን ሓቅን ግን ብኢየሱስ ክርስቶስ መጸ፡ እምበኣር ንሕና ዅላትና ካብ ምልኣቱ ጸጋ ኣብ ልዕሊ ጸጋ ተቐበልና።” ብምባል ኣረጋጊጹልና ኣሎ (ዮሃ 116,17) ዋላ ንሓጥኣንንውን ጸጋኡ ኣብዚሑ ኸም ዚህብ ኣይንዘንግዕ። እቲ ቕዱስ ጳውሎስኣብ ሓጢኣት ዝዓዘዞ ግና፡ ኣብኡ ጸጋ ኣዝዩ ዓዘዘ፡ዝብሎ ሃዋርያዊ ቓል ኵሉ ጊዜ ኺዝከር ዚግብኦ (ሮሜ 520) እግዚኣብሄር ንሓጥኣን ጸጋኡ ዘየዕዝዝ እንተ ዚኸውን፡ ንሓጢኣቶም ብቑዕ ምኽንያት ምሃለዎም፡ እግዚኣብሄር ከኣ ኣብ ልዕሊ ሓጥኣን ዚፈርደሉ ምኽንያት ምስኣነ ነይሩ። ብጸጋኡ ንሓጢኣት ምኽንያት ስለ ዝኸልአ ግና፡ ነቲ ኽቡር ጸጋኡ ረጊጹ ንሓጢኣት ንዘንገሰ ዅሉ፡ ምሕረት ብዘይብሉ ፍርዲ ይፈርድ። ነቲ ዝተዋህቦ ጸጋ ተጠቒሙ ብንስሓ ንዝተመልሰ ግን፡ ብዓብዪ ምሕረት ተቐቢሉ ናይ ዘለኣለም ህይወትን ክብርን ይጽግዎ። ስለ ፍልልያት ዚፍጠር ዘሎ ኣብ ዕደላ ጸጋ ዘይኰነስ፡ ኣብ ምሕደራን ኣጠቓቕማን ናይ ጸጋዩ። ስለ ኸኣ ቅዱስ ጳውሎስ፦ ጸጋ ኣምላኽ ንኸንቱ ኸይትቕበሉ፡ ንሕና መዓይይቲ (ኣምላኽ) ኴንና፡ ንምዕደኩም ኣለና። ኢሉ በቲ ደም ክርስቶስ ዝዋግኡ ጸጋ ኣምላኽ ከይንሓጥእ ኣጠንቀቐና (2ቈረ 61) ኣርኣያ ምእንቲ ኪዀነና ኸኣ፡ ብዛዕባ ንእኡ ዝተዓደላ ጸጋ፦

እቲ ዀይነዮ ዘለኹ ግና፡ ብጸጋ ኣምላኽ ዀይነዮ ዝለኹ፡ እቲ ንኣይ ዝሃበኒ ጸጋ ኸኣ ከንቱ ኣይኰነን፡ እኳ ደኣ ሓለፋ ዅላቶም ጸዓርኩ። እንተ ዀነ፡ እቲ ኣባይ ሓዲሩ ዘሎ ጸጋ ኣምላኽምበር፡ ኣነ ኣይኰንኩን።ብምባል ብቕንዕናን ብትብዓትን ተኣመነ (1ቈረ 1510 .) ነቶም ብዛዕባ ጽድቂ ብዝነበሮም ኣረኣእያ ንጸጋ ኣምላኽ ዝነዓቑ ሰባት ንኼለብም ከኣ፡ኣነስ ጸጋ ኣምላኽ ኣይንዕቅንኢሉ ጸሓፈሎም (ገላ 221) ንጸጋ ኣምላኽ ናብ ርኽሰት ዚልውጥዎ ስሑታት ሰባት ከም ዘለዉ ሃዋርያ ቅዱስ ይሁዳውን ጽሒፉልና ኣሎ (ይሁ 4) እዚ ጠቓቒስናዮ ዘለና ኣዕናዊ ምሕደራ ጸጋ፡ መሪር ዝዀነ ዘለኣለማዊ ሳዕቤን ዘለዎዩ። እቶም ኣብ ምድሪ ኸለዉ ብመስፈር ክርስቶስ ንዝተዋህቦም ጸጋ ኣምላኽ ዝነዓቑ፡ ዚባኸኑ፡ ዘራኸሱ፡ ብዛዕባ ሰማያዊ ጸጋ፡ ይትረፍ ምሉእ ተስፋ፡ ቅንጣብ ተስፋ ኣይህልዎምንዩ። ኣብ ልዕሊ ሓጢኣት ምእንቲ ኽትዕወት፡ ጸጋ ተዋሂቡናስ፡ ኣብ ልዕሊ ረዳኢና ጸጋ ኽንሓጥእ እንተ መረጸናን እንተ ውዒልናዮን፡ እንታይ ካልእ ተስፋ ኺህልወና ይኽእል!! ንሕና ኸም ዝደለናዮ ምሕጣእ ምእንቲ ኽንቅጽል፡ ምእንታና ኻልእ ሓድሽ ጸጋዶ ኺመሃዝ ዀይኑ፧ እምበኣር በቲ ኣምላኽ ብሕያውነቱ ዝሃበና፡ ንኣና ፈጺሙ ዘይግብኣና፡ ክቡር ደም ክርስቶስ ዝዋግኡ ጸጋ ኣምላኽ ከይንሓጥእ ንጠንቀቕ!!

ኣብ ጸጋ ኣምላኽ ምሉእ ተስፋ ኽንገብር ዜኽእለና እንታይዩ፧ ብኻልእ ኣዘራርባ፡ ንሕና ኽንገብሮ እንኽእል እንታይ ኣሎ፧ ናይ ሕቶ መልሲ ኣብ መሪሕ ጥቕስና ብንጹር ሰፊሩ ኣሎ። እታ ቐዳመይቲ ዕጡቓት ምዃን፡ እታ ኻልኣይቲ ድማ ጥንቁቓት ምዃንየን። እቲንዕጠቖ ኣካልና ድማ ልብናዩ።ሓቛቑ ልብኹምዚብል ቃል፡ ልብና ወይ ሕልናና ሕቘ ኸም ዘለዎ ንኼመልክት ዝተባህለ ኣይኰነን። ኣብ ስጋዊ ኣካልና፡ እቲ ዝደልደለ ኽፍሊ ናይ ሰብነትና ዓንዲ ሕቘናዩ። ክብድ ዝበለ ስራሕ ኽንሰርሕ ክንደልይ ከለና ወይ ድማ ንውግእ ዚኸይድ ሰብ፡ ምእንቲ ኺጸንዓሉ ኢሉ ብገለ ነገር ንሕቘኡ ይዕጠቖዩ። ስለ ንቅዱስ ጴጥሮስልብኹም ኣጽንዑ ኣደልድሉንምባል ዝተጠቕመሉ። ዕጣቕ ልቢ፡ ሓቂ ምዃኑ ኸኣ ኣብ ኤፌ 614 ተገሊጹልና ኣሎ። ኣምላኽ ኣብ ዝፈቐዶ መዓልቲ ኽንመሃሮ ኢናምበር፡ ሓቂ ኣዝያ ሓያል ኣጽዋር ናይ ክርስትያንያ። ሓቂ፡ መለኮታዊት ባህርይያ። ስለ ሓቂ ተዓጢቕና ማለት፡ ነቕ ዘይብል ሓያል መንፈሳዊ ህይወት ሃኒጽና ኸም ዘለና ርዱእዩ። ሓቂ ዝደርበየ ሰብ፡ ሓሶት ዚዕጠቕ። ሓሶት ከኣ ኣጽዋር ሰይጣንያ። ኣብ ኢድካ ዘሎ ጸጋ ኣጽኒዕካ ኽትሕዝ ክትረድኣካ ዘይኰነስ ክትድርብዮን ከተራኽሶን ትገብረካ። ስለ ልብና ብሓቂ ዓጢቕና፡ ኣብ ኢድና ዘሎ ጸጋ ኽንዕቅብን ክንግልገለሉን ነቲ ኣብ ሰማይ ዚጽበየና ዘሎ ጸጋ ድማ ምሉእ ተስፋ ኽንገብር ይግብኣና። በቲ እኩይትመሓደር ኣብ ዘላ እክይቲ ዓለም ንነብር ስለ ዘለና ኸኣ፡ ልዑል ጥንቃቐ ኽንገብር ይግብኣና። ሰይጣን ዕጣቕ ልብና ፈቲሑ፡ ጸጋና ኣደርብዩ ጉድ ከይገብረና፡ ብዘየባትኽ ጸሎትን ብልዑል መንፈሳዊ ንቕሓትን ክንጥንቀቕ ይግባእ። ጸጋ ኣምላኽ ብጥንቃቐ ኽንነብር ዚምህረና (ቲቶ 211-13) እዚ እንተ ገበርና ምድራዊ ጸጋና ኽንዕቅብ፡ ሰማያዊ ተስፋና ድማ ብዘይ ጥርጥር ክንወርስ ኢና።

እምበኣር ተስፋናን ትጽቢትናን ናበይ የድህብ ከም ዘሎ ንመርምር።በዓል ክልተ ኣእጋርኢልካ ብኽልተ መሳልል ከም ዘይድየብ፡ ናብ ሰማይን ምድርን ቀልባዕባዕ ክንብል መሪጽና፡ ካብ ክልቲኡ ሓዲግ ከይንተርፍ ንጠንቀቕ። በቲ ኣብ ምድሪ ዝተዓደለና ጸጋ እሙናት ኴንና፡ ምሉእ ተስፋና ግን ኣብ ጐይታ ብምጽኣቱ ዜጐናጽፈና ሰማያዊ ጸጋ ጌርና ኸም ዘለና ነረጋግጽ። ብናይ ዓለም ጭራሕምራሕ ቀልብና ኣይሰረቕ!! ብዛዕባ ሰማያዊ ጸጋ ብንጹር ራእይ ንጐዓዝ!!

ጸጋ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ፍቕሪ ኣምላኽን ሕብረት መንፈስ ቅዱስን ምስ ኩላትና ይኹን።

ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ - መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜርካ

ለ(የ)ካቲት 2024 | ጥሪ 26, 2016 ግዕዝ (መበል 21 ሰንበት: ቊ.፳፩/21)

ምስባክ

 መዝ. መዝ.፺፯(፺፰)፡፪-፫

“አርአየ እግዚአብሔር አድኅኖቶ። ወበቅድመ አሕዛብ ከሠተ ኪዳኖ። ወተዘከረ ሣህሎ ለያዕቆብ።”

ዓዲ፡  መዝ.፵፯(፵፰)፡፰

“በከመ ሰማዕነ ከማሁ ርኢነ። በሀገረ እግዚአ ኃያላን በሀገረ አምላክነ። እግዚአብሔር ሣረራ ለዓለም።”

ንባባት

ኣንባቢ

ሮሜ 1፡1-12

ዲያቆን

1 ጴጥ 1፡13-22

ንፍቅ ዲያቆን

ግብ 19፡1-10

ንፍቅ ካህን

ሉቃ 2፡36-40

ሰራዒ ካህን

ቅዳሴ ፦ ዘዲዮስቆሮስ | መዝሙር፦ ተወልደ ኢየሱስ

   

 

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div