S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

2ይ ዘይሕጋዊ ሢመት ኣቡን ቄርሎስ፥ ዝተሓብአ ሕርሚ መርገም ኣብ ቤተ ክርስቲያን እዩ።

 ኣብዚ እዋን' ኣብ ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶን ኣብ ሕዝብን ወሪዱ ዘሎ ከቢድ ጸገምን ኣደራዕን፥ ይትረፍዶ ዓሚጽካን ገፊዕካን፥ ሓደ ኮንካውን ምስጋሩ ከቢድ ኮይኑሉ ዘሎ እዩ።

ኣባ ቄርሎስ ግና፡ ነቲ ኣብ ኤውሮጳ መጺኦም፥ ብዛዕባ ኣቡነ እንጦንዮስሕጂ ክትሕጎሱ ኢኹም፥ ዕርቂ ክኸውን እዩ! ካልእ ፓትርያርክ ኣይንሸይምን ኢና፥ ቃል ይኣትወልኩም ኣሎኹዝበልዎ ነገር ጠሊሞም፥ ብኃይሊ መንግስቲ ተኾብኪቦም፥ ናይ ብፁዕ ወቅዱስ ኣቡነ እንጦንዮስ፥ ወዲ 96 ዓመት፥ ኣክሊሎም ቀንጢጦም፥ ልብሶም ገፊፎም፥ መንበሮም ወሪሶም፥ መስቀሎም ኢዶም መንጢሎም፥ ንኣቦኦም ኣብ ሞቕሕ ቤት ማእሰርቲ ደርብዮም፥ ንሕጊ ቤተ ክርስቲያን ረጊጾም፥ ካልኣይ ዘይሕጋውን ዘይቀኖናዊን ሕርሚ ዝተሰከሙ ኣቡን ኮይኖም ኣለዉ። ነዚ ሕርሚ ተሰኪሞም ድማ ብድፍረትኣነ ናይ ፍቕርን ናይ ምሕረትን ኣቦ እየ። ኣምላኽ ፍቕርን ምሕረትን እዩ እሞ፥ ተፋቐሩኢሎም ኣብ ቤት መቕደስ ኣምላኽ ኮይኖም ተዛሪቦም ኣለዉ። እዚ ብሓቂ ንኣምላኽ ድፍረት እዩ።

ታሪኽ ብኹሕሊ ኣይጽብቕ፥ ብጸለሎ ኣይድወን!” ከም ዝበሃል ኣብዚክንዲ መጽዓንን ሓሊፉ፥ ክንዲ ማሕለኻን ተሪፉ ሎሚዶ ጽባሕ ኣምላኽ ይጽወዓኒ ኢሎም ኣብ ንስሓን መገዲ የማንን ክዳለዉሉ ዝግባእ እዋን፥ ኣብ ምዝዛም ዕድሜኦም ኣብ ከምዚ ዓይነት ዕያግ ታሪኽ ምውዳቖም ኣዝዩ ዘሕዝንን ዘጉህን ፍጻመ እዩ። ታሪኽ ቅዱስ ጽሑፍ ከም ዝሕብረና። ንጉሥ ቤልሻጽር፥ ዝዓመጾን ዝዘመቶን ንብረት እግዚኣብሔር፥ ኣብ ኣዳራሹ ኮፍ ኢሉ፥ ክዳን ተኸዲኑ፥ መልኪዑ፥ ኣብ ልዕል ዝበለ መንበር ተቐሚጡ፡ ብሰብ ክነኣድን ክድነቕን ከሎ፥ ኣምላኽ ግን ኣብ ንእሽቶ ሚዛን-ሓቂ ኣቐሚጡ ፈዂሱን ሓሲሩን ረኸቦ።

እዚ ብዕለት 13 ሰነ 2021 . ኣብ ኣሥመራ ዝተፈጸመ ናይ ዓመጽ፥ ናይ ጥልመት፥ ናይ ግፍዕን ሓሶትን ሽመት-ኣባ-ቄርሎስ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ፍንፉንን ዘይቅቡልን ምዃኑ ርዱእ ኮይኑ ኣሎ። ዝጥበር ኣምላኽ ኣኮነን ዘሎና። ህዝቢ ኤርትራ ኮነ ማሕበረ ምእመናን ድማ ድሮ ነጺግዎም ኣሎ። እንተ ቅዱስ ኣቡነ እንጦንዮስ ግና፡ ኣብ ምሉእ ማሕበረ-ክርስትና ስሞም ይጸዋዕ፡ ዝንኦም ይንገር፡ እቲ እሙን ኣምላኽ ድማ ይጓስዮም ኣሎ።

ቀኖናዊ ኣህጉረ ስብከታት፥ ኣቐዲሙ እዚ ሕርሚ እዚ ካብ ዝባን ቤተ ክርስቲያንናን ሕዝብናን ክለዓል፥ ሓቀኛ ዕርቂ ክግበር፥ ቤተ ክርስቲያን ሓዋርያውን ክርስቶሳውን ሰንሰለታ፥ ተኸቲላ ምእንቲ ክትከይድ ደጋጊምና መንፈሳዊ ጸዋዒት ከነቕርብ ጸኒሕና ኢና። ይኹን እምበር ንጸዋዒት ምእመናንን ሕዝብን ጸማም እዝኒ ተዋሂብዎ ይፍጸም ኣሎ።

ስለዚ፡ ዳግማይ ጸዋዒትና፥ ነቶም ሕጂ በዚ ናይ ዓመጽን ሕርሚምን ኢድ-ኣባ-ቄርሎስ ክትሽየሙን ክትሽለሙን ትቀራረቡ ዘሎኹም መነኮሳት ኣቦታት፥ ካብ ምስ እግዚኣብሔርን ምስ ምእመናንን ምበኣስ ክትቁጠቡ፥ ነቲዓለም ንዓይ ምውትቲ እያኢልኩም ምእንቲ ጽድቂ ክትብሉ ዝመነንክምዋ ሕይወትኩም፥ ኣብዚ ናይ መርገምን ናይ ዕንወትን ሕርሚ ከይትሳተፉ ደጊምና ጸዋዒትና ነቅርብ። ንኹሎም ውሉደ-ክህነትን ምእመናንን ድማ ካብ ንሰብ ንኣምላኽ ምእዛዝ እቲ ዝበለጸ ምርጫ እዩ እሞ፥ ነዚ ኣብ ቅድሚ ዓይኒ ኩልና ዝፍጸም ዘሎ ግህሰት-ሕጊ ዓገብ ኢልና ካብ መርገሞም ክንርሕቕ ነዘኻኽር።

እቲ ርኹስ ኣዝዩ ይርከስ፥ እቲ ቅዱስ'ውን ኣዝዩ ይቀደስ!

ቀኖናዊ ኣህጉረ ስብከታት ሰሜን ኣሜሪካ፥ ኤውሮጳን ማእከላይ ምብራቕን

22 ሰነ 2021 .. (፲፭ ሰነ ፳፻፲፫ .)

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div