S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ሕጂ ድማ ደቀየ፡ (ክርስቶስ) ኪግለጽ ከሎ ትብዓት ምእንቲ ኽንረክብ፡ በታ (ንሱ) ዚመጻላ መዓልቲውን ኣብ ቅድሚኡ ኸይንሓፍርሲ ኣብ ክርስቶስ ንበሩ። (ክርስቶስ) ጻድቕ ምዃኑ ትፈልጡ እንተ ዄንኩምሲ፡ ጽድቂ ዚገብር ዘበለ ዅሉ ኻብ እግዚኣብሄር ከም ዝተወልደውን ፍለጡ።” 1ዮሃ 228-29 .

እንሆ፡ እዚ ዕለትዚ፡ ናይ ዘመነ ኣስተርእዮ ኻልኣይ ሰንበትዩ። ነቲ ዝሓለፈ ሰሙን ብረድኤት መንፈስ ቅዱስ ብዛዕባ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ፍሉይን ሃናጽን ኣስተርእዮታት (ምግላጻት) እናሰነቕና ኣሕሊፍናዮ ኽንከውን፡ ባህጊ ቅድስቲ ቤተ ክርስትያንን ፍቓድ ኣምላኽንዩ። ናይ ዕለት መዝሙር ቅዱስ ያሬድእሙነ ኮነ ልደቱዘርእስቱ ዀይኑ ንልደት ጐይታና ዜመልክት መዝሙርዩ። እቲ በዚ መዝሙር ዝተሰርዐ ኣርባዕተ ንባባት ሓዲሽ ኪዳን ድማ፡ ነዚ ናይ ዕለት ኣርእስትናን ትምህርትናን ምንጪ ዝዀነ ናይ 1ዮሃ 222-29 ንባብ ዝሓቘፈዩ። እቲ ናይ ሉቃ 240-52 ንባብ ቅዱስ ወንጌል ድማ፡ ጐይታና ኻብ ህጻንነት ናብ 12 ዓመት ዝዕድሚኡ ቘልዓ ከም ዝበጽሐ፡ እቲ ዕብየቱ ድማ ፍሉይ ከም ዝነበረ ዜመልክትዩ። ብፍላይ ንጥቕሲ ኣርብዓ፡ ከምኡውን ጥቕሲ ሓምሳን ክልተንን ብኣትኵሮ ምስንዕዘበን፡ ብዛዕባ ገዛእ ዕብየትና ዀነ ብዛዕባ ዕብየት ደቅናን ማሕበረ ምእመናንን ኣገዳሲ ትምህርቲ ዜቕስማናየን። ፍሉይነት ናይ ዕብየቱ በዘን ዚስዕባ ነጥብታት ኪጠቓለል ዚኽእልዩ።

1. ዕብየቱ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽን ኣብ ቅድሚ ሰብን ምዃኑ፡ ፍሉይነት ኣለዎ። መብዛሕትና፡ ኣምላኽን ሰብን ዚምስክሩሉ ዕብየት ኣይነርእይን ኢና። ነቲ ሰብ ጥራሕ ዚርእዮ ኣካላዊ ዕብየትምበር፡ ነቲ ኣምላኽ ዜድህበሉ መንፈሳዊ ዕብየት ስለ ዘይንበጽሖ፡ ዕብየትና ምልኣት የብሉን። ብፍላይ ኣብቶም ዚውለዱ ደቅና ነዚ ናይ ጐይታ ዚመስል ኣብ ቅድሚ ኣምላኽን ሰብን ግሁድ ዝዀነ፡ መንፈሳውን ኣካላውን ዕብየት ብማዕረ ኺዓብዩ፡ ወለድን ኣበልገን እመልገን፡ አበ-ነፍሲ ዀኑ ቤተ ክርስትያን ብዓባያ ተወፍዮም ኪጽዕቱሉ ዚግባእ (ኤፌ 64)

2. ከም ኵሉ ሰብ ብቝመት፡ ማለት ኣካላዊ ዕብየት ድማ ዓበየ፡

3. ነቲ መንፈሳዊ ዕብየቱ ድማ፦

. ብመንፈስ ደልደለ

. ብጸጋ ኣምላኽ መልአን ዓበየን

. ብጥበብ ከኣ መልአን ዓበየን

ብዚብል ቃላት ተገሊጹልና ኣሎ። ስለ ናይቶም ብስጋ ዝወለድና ወለዲ ዀነ ናይ ብመንፈስ ዝወለደት ቅድስቲ ቤተ ክርስትያን ሓላፍነት እንታይ ምዃኑ፡ በዚ ኣርኣያዊ ዕብየት ናይ ጐይታና ተገሊጹ ኣሎ። ንደቅና ብዚምልከት ብዛዕባ መሰረታዊ ስጋዊ ድልየታቶም (ምግቢ፡ ክዳን፡ መጽለሊ) ብዛዕባ ትምህርቶምን ጥዕናኦምን ካብ ምሕላይ ሓሊፍና፡ ብዛዕባ መንፈሳዊ ህይወቶም ዘይንሓልይን ዘይንጽዕትን እንተ ዄንና፡ ብዛዕባ ኣስተርእዮ ጐይታ ዝዀነ ብርሃን ከም ዘይብልና ተቓሊዕና ኸም ዘለናን ክንሓፍረሉን ክንንስሓሉን ከም ዚግብኣና ኸነስተውዕል የድልየና። ምኽንያቱ ነዛ ሓላፊት ዓለም ጥራሕምበር፡ ነታ እትመጽእ ነባሪት ዓለም ከም ዘይበቕዑ ጌርና ንዅንኖምን ነቲ ዘለኣለማዊ መጻኢኦም ነጸልምቶን ኣለና ማለትዩ። እዚ ኸኣ ካብ ክርስትያን ወለዲ ዘይትጽበዮ፡ ኣስቢሕካ ኣስቢሓስ ድራር ሰይጣንን ገሃነምን ናይ ምግባር ኣረሜናዊ ተግባርዩ። ብመልክዑን ምስሉን ዝተሰርሑ ፍጡራቱዮምሞ፡ ብዕብየቶም ከኣ ንእኡ ናይ ምምሳል ሓለፋን ክብርን ዘለዎም ደቁ ምዃኖም ክንክሕዶ ዀነ ኽንዝንግዖ ዘይግባእ ሓላፍነትናዩ።

ብመሰረት ስርዓትን ሕግን ናይ ኦሪት፡ ዕድሚኡ 12 ዓመት ዝመልአ እስራኤላዊ ወዲ፡ ኣብ ዓመት ሰለስተ ጊዜ ናብ ኢየሩሳሌም ነጊዱ፡ ተኻፋሊ ናይ ኣብኡ ዚፍጸም መንፈሳዊ ኣገልግሎትን በረኸትን ናይ ምዃን መሰልን ግዴታን ኣለዎ። ናይ ዕለት ናይ ቅዱስ ወንጌል ንባብና ድማ፡ እቲዅሉ ጽድቂ ኽንፍጽም ይግብኣናዚብል መርገጺ ዝነበሮ ጐይታ፡ ኪዕረቐሉ ዜድልዮ ሓጢኣት ዘይብሉ ኽነሱ፡ ነቲ ባዕሉ ዝሓገጎ ሕጊ ኬኽብር፡ እቲ ጽሑፍ ከም ዝበሎ፡ምስ ወለዱናብ ኢየሩሳሌም ደየበ፡ ባዕሉውን፦ ንሕጊ ዀነ ንነብያት ክፍጽሞምምበር፡ ክስዕሮም ዝመጽእኩ ኣይምሰልኩም።” ብምባል ኣረጋጊጹልና (ማቴ 517 315) እቲ ኣዝዩ ዜገርም ግን ብዕድሚኡ ገና ቘልዓ ኽነሱ፡ ቦታን ጸወታን ናይ ቍልዕነት ገዲፉ ኣብ ስፍራ መምህራንን ሊቃውንትን ኪኸውን ምምራጹዩ። እዚ ተግባሩ ሓደ ኣካልን መርኣያን ናይ መስተንክር ኣስተርእዮኡዩ። በቲ ምስቶም መምህራን ዝገበሮ ምልልስ ድማ ተራ ቘልዓ ዘይምዃኑ ኣግሂዱሎምዩ።ከምወይውንእከለኺብሉ እንተ ዘይከኣሉኳ፡ በቲ ምስትውዓሉን መልሱን ኪግረሙ ግን ተዓዲሎምዮም። ነዚ ኺገብር ካብቶም መኻይዱ፡ ካብ ቅድስቲ ድንግል ወላዲቱን ቅዱስ ዮሴፍን፡ ንድሕሪት ስለ ዝተረፈ፡ ኪደልይዎ መገዲ ሓደ መዓልቲ ንድሕሪት ተመልሱ። ኣዲኡ፡በል ወደይ፡ ስለምንታይ ከም ገበርካና፧ ኣቦኻን ኣነን እናጐሃና ንደልየካ ኔርናምስ በለቶ ዝሃባንምንታይትደልዩኒ፧ ኣብ ናይ ኣቦይ ዘበለ ክኸውን ከም ዚግብኣኒዶ ኣይትፈልጡን ኢኹም፧ዚብል መልሲ ኣስተርእዮ ዚህብ ቃልዩ። ቅዱስ ወንጌል ከም ዝብሎ ግን፡ ነቲ ዘረባኡ፡ ስለ ኸኣ ንኣስተርእዮኡ፡ ዜስተውዕሎ ኣይረኸበን። መን ምዃኑን ካብ መን ምዃኑን ተልእኾኡ እንታይ ምዃኑን ግን ብዘረባኡ ዀነ ብግብሩ ኣስተርእዮ ይህብ ከም ዝነበረ ኵሉ ግዜ ኸነስተውዕል ይግብኣና።

እዚ ኻልኣይ ናይ ዘመነ ኣስተርእዮ ኣርእስትና ትምህርትናንከ፡ እንታይ ዚብለና ዘሎ፧ ሕፍረትን ትብዓትን ንምንታይዮም ምስ ምጽኣት ተዛሚዶም ዚለዓሉ፧ ብመሰረቱ፡ ናይ ዕለት ትምህርትና፡ ምጽኣታዊ ኣርእስቲዩ። ብዛዕባ ናይ ዕለት ኣርእስትና ንዛረብ ስለ ዘለና ደኣምበር፡ ብሓፈሻ ኣብ ቅዱስ ወንጌል ኰነ ኣብ እምነት ክርስትና፡ ንምጽኣት ዘይምልከት ኣርእስቲ ፈጺሙ የልቦን። ንምጽኣት ዘይምልከት ኣርእስቲ እንተ ተላዒሉ፡ ብዘይ ቃል-ዓለም ሕርሚዩ። ይትረፍ ኣብ ቤተ ክርስትያን ዚለዓል ኣርእስትን ትምህርትን፡ ዋላ ኣብ ማሕበራዊ ቦታናን ናብራናን እነልዕሎን እንዘራረበሉን ዛዕባታት ከይተረፈ ብምጽኣት ጐይታና ዝተማእከለ ኪኸውን ዚግባእ።ዜርካ ዜርካ ናብ ቤትካ፡ ኔርካ ኔርካ ናብ መሬትካኸም ዚበሃል፡ ንሕናውን ኣብ ዝርርባትና ዀነ ኣብ ተግባራትና፡ ብዘበልና ኣቢልና ብዝመጻእና መጺእና ብዘየገድስ፡ ንምጽኣት ጐይታ ኽንጐስያን ከነጓንያን ኣይግባእንዩ። ምኽንያቱ ካብ ፍጥረት ኣትሒዙ ክሳዕ መወዳእታ ዓለም ኣብ ምድሪዚኣ ዝነበረ ዅሉ ሰብ፡ ኣብ መዓልቲ ምጽኣት ኣብ ቅድሚ መንበር ፍርዲ ክርስቶስ ደው ምባሉ ዘይተርፍዩ። ኣብ ዘመን ምድራዊ ህይወቱ ንዝሓስቦን ዝተዛረቦን ዝገበሮን ኵሉ ድማ ኪሕተተሉን ጸብጻብ ኪህበሉን ኪፍረደሉንዩ። ንቡር ቀብሪ ዝረኸበ፡ ኣራዊት ዝበልዖ፡ ብሓዊ ሓመዅስቲ ዝዀነ፡ ባሕሪ ዝወሓጦ ዀነ ዝዀነ ኻልእ ኣማውታ ዘለዎ ሰብ በታ ዝተፈጥረላን ዝነበረላን ቍመናኡ፡ ኣብ ቅድሚ ጐይታ ደው ኪብልዩ። ዓብይ ንእሽቶ፡ ሰብኣይ ሰበይቲ፡ መንፈሳዊ ዓለማዊ፡ ኣማኒ ኣረማዊ፡ ሃብታም ድኻ፡ ምሁር መሃይም፡ ብዓል ስልጣን ተራ ሰብ፡ ሓያል ድኹም ወዘተ ዘይበሃለላ፡ ወዲ ሰብ ርእይዎን ሰሚዕዎን ዘይፈልጥ መስተንክር መለኮታዊ ፍትሒ ዚረኣየላ ዝተባረኸት መዓልቲያ። ነዛ ዕለትን ምጽኣትንዚኣ ዚርስዕን ዚጐስይን ሰብ፡ ገዛእ ርእሱ ዚርስዕን ዚዅንንን።

እምበኣር ናይ ዕለት ኣርእስትና ምጽኣታዊ ምዃኑ፡ ጐይታናን ቅድስቲ ቤተ ክርስትያኑን ዝመኸሩልና ሰናይ ምኽሪዩ። ብዓይኒ ምጽኣት ኪረኣይ ከሎ፡ ንሕና ደቂ ሰባት ኣብ ክልተ ምድባት ኢና ንምደብ። እዚ ኸኣ፡ ብመንጽር ብጐይታና ዚወሃበና ፍርድን፡ ከምኡውን ብመንጽር ንሕና እነርእዮ ስምዒትን ማለትዩ። እዚ ምድብ ድማ በቲ ኣብ ምድሪዚኣ ዘሕለፍናዮ ዓይነት ህይወት ዚውሰንዩ። እቶም ንሰይጣንን ነዛ እክይቲ ዓለምን ስዒርና ንስጋዊ ሓጥእ ባህርይና መሊኽና፡ ብጽድቅን ቅድስናን ምድራዊ ህይወትና ዘሕለፍና ሰባት፡ ዝዀነ ይኹን ዜሻቕልን ዜሰክፍን ጕዳይ ስለ ዘይብልና፡ ምጽኣት ጐይታ ድማ ትጽቢትናን ተስፋናን ስለ ዝነበረ፡ ጐይታና ኺግለጽ ከሎ እነንጸባርቖ ስምዒት ሓጐስን ሓበንን ትብዓትን ዚኸውን። ምኽንያቱ ናይ ምስ ሰይጣንን ዓለምን ምስ ሓጢኣትን ርኽሰትን ዝገበርናዮ ኸቢድ ቃልስን ዘሕለፍናዮ መሪር ስቓይን ዓስቢ እንቕበለሉ ኽቡር ዕለትዩ። ብኣንጻሩ እቶም ብሓጢኣት ነፍሰ-ስጋና ዘማሰንና፡ ኣብ ሓጻርን ሓላፊትን ዕድመ ንፍቓድ ሰይጣንን ንፍትወት ስጋናን ዝተገዛእና፡ ብፍቕሪ ዓለም ዝዓበድና ድማ፡ ምጽኣት ጐይታ ንኣና ዘይተጸበናዮ ሓደጋን መዓትን ስለ ዝዀነ ብራዕድን ኪግለጽ ብዘይክእል ሕፍረትን ጣዕሳን ክንልለው ኢና። እዚ ዅሉ ኸኣ ገና ናይ ሊቃነ መላእኽቲ መለኸት ሰሚዕና ኻብ ናይ ሞት ድቃስ ብር ኢልና ምስ ተበራበርና ኣባና ዚኽሰት ስምዒትዩ። እቲ ብይን ተዋሂቡ ናብ ናይ ዘለኣለም መዓልቦና ምስ ኣተና ኸኣ፡ እቲ ዘየቋርጽ መሪር ስቓይ ተደሪብዎ፡ እቲ ስምዒታት ኪግለጽ ብዘይክእል ዕጽፍታት ወሲኹ ኣባይ ከም ዚበጽሕ፡ እቲ ጻድቕ ፈራዲ ንበይኑምበር፡ ሰይጣን ኣይፈልጦንዩ። ስለ ኸኣ እዚ ቕዱስ ሃዋርያ፡ ንኽልቲኡ ምርጫታት ኣብ ቅድሜና ኣቐሚጡ፡ ነታ ናይ ሕፍረት ምድብ ከይንመርጽ ዜጠንቅቐናን ዚምዕደናን ዘሎ።ምኸሮ ምኸሮ፡ እምቢ እንተ በለ መከራ ይምከሮኸይኰነና፡ ቃል ጐይታን ቃል ቅዱሳን ሃዋርያቱን እንተ ሰማዕናን እንተ ተግበርናዮን ዜሕሸና።

እቲ ፍታሕ ግን እንታይዩ፧ ካብ መዋጽኦ ዘይብሉ ዘይጽወር ሕፍረት ብኸመይ ኢና ኸነምልጥ፧ ኣርእስትናን መሪሕ ጥቕስናን ብንጹርን ብዘየማትእን መገዲ መሊሱልና ኣሎ። እታ እንኮ ፍታሕን መዋጽኦን ኣብ ክርስቶስ ምንባርያ። ንሱ ዑቕባናን ዕርድናን፡ ንሱ ጸግዕናን ጽላልናን። እቲ ኣዝዩ ባህ ዜብል ድማ፡ ንሱ ባዕሉ፡ኣባይ ንበሩእናበለ ዚዕድምን ዚፈቅድን፡ ዚልምንን ምዃኑዩ። ድሕሪ ምጽኣት ኣብ ዘሎ ዘለኣለማዊ ዕድመ፡ ኣብ መንግስተ ሰማያት ብኽብርን ብሓጐስን ብዕረፍትን ምጽንናዕን ተመሊኡ፡ ምስ ክርስቶስ ኪነብር ዚኽእል፡ እቲ ኣብ ሓጻር ምድራዊት ዕድሚኡ ኣብኡ ብምንባር ዘሕለፋ ሰብ ጥራሕዩ። ነቶም ነዛ ናብራዚኣ ዝተጸየፍዋ ግና፡ ኣብ ምጽኣቱ ገጽ ንገጽ ምስ ተራኸቡ፡ከቶ ኣይፈለጥኩኹም፡ ካበይ ምዃንኩም ኣይፈልጠኩምንየ፡ ካበይ ርሓቑዚብል ኣሰንባዲ ድምጺ ኼስምዖም (ማቴ 723 ሉቃ 825) ኣብ ምድሪዚኣ ኸለና፡ ነታኣባይ ንበሩእንተ ዘይመሪጽናያ፡ ኣብ እትመጽእ ዓለም ግን ነታካባይ ርሓቑመሪጽናያ ኣለና ማለትዩ። እዚ ዓሻ ምርጫ ኸኣዩ፡ እታ ዘይትተርፍ ዓባይ መዓልቲ ምስ መጸት ብሕፍረት ክንወሓጥ ዚገብረና። ነዛኣባይ ንበሩእትብል ክብርቲ ዕድመ ምንጻግ ሕጂ ኣብ ምድሪዚኣ ኸለና ኣዝዩ እንተ ዜሕፍረና ነይሩ ግን፡ ካብ ዘለኣለማዊት ሕፍረት ከነምልጥ ምኸኣልና ኔርና።

ሕራይ፡ ምንባርሲ ምነበርና፡ ግና ከመይ ጌርና ኢና ኣብኡ ኽንነብር እንኽእል፧ ኣበይ ምስ ረኸብናዮ ኢና ኣብኡንነብር፧ ብዛዕባ ዝዀነ ዓይነት ኣርእስቲ ኺለዓል ከሎ፡ ኵሉ ጊዜ ግደ ኣምላኽን ግደ ሰብን ከም ዘሎ ኣይንዘንግዕ። እቲ ብምሉእ እምነት እንካፈሎ ምስጢራተ ቤተ ክርስትያንዩ፡ ብስራሕ መንፈስ ቅዱስ ኣካል ሰብነት ክርስቶስ ብምግባር ኣብኡ ዜንብረና። ብዘይካ ምእማንን ምክፋልን፡ እቲ ዝተረፈ ዅሉ ኻልእ ተግባር ናይ ኣምላኽምበር፡ ናትና ኣይኰነን፡ ብኸመይ ከም ዚገብሮ ኽንፈልጦ ኣይንኽእልን ኢና፡ ክንፈልጦ ኣይድልየናን ከኣዩ።ምስጢርዝተባህለሉ ምኽንያት ከኣ ንሱዩ። ክንፈልጦ ዚከኣልናን ዚጠቕመናን እንተ ዚኸውን ኸኣ ኣይምሓብኣልናን ነይሩ። ነቲ ሓደን ቅዱስን ወዱ በጃ ህይወትና ኪኸውን ኣሕሊፉ ኸም ዝሃበልና ኣይንረስዕ። በቲ ኣብ ምስጢራት ምክፋልና ጥራይ ክንተኣማመን ግን ኣይንኽእልን ኢና። ይሁዳውን ኣብ ኵላተን ተኻፊሉዩ። ግን ከኣ ንጐይታኡ ኸም ጤለ በጊዕ ንመሸጣ ደኣ ተወዓዓለሉ። ነታ ናትካ ግደን ሓላፍነትን ጸዪቕካን ኣበላሺኻን ከተብቅዕ፡ እታ ናይ ጐይታ ግደ ክትጽብቐልካ ምጽባይ ግን፡ ዓሻ ትጽቢትዩ። ስለ ጥዕና ልብና ብምልኣት ኽንሕልው ክሳዕ ዝኸኣልና፡ ካብ ፍጹምን እሙንን ኣምላኽ ክንዲ ፍረ ኣድሪ ኸም ዘይትጐድለና ሚእቲ ሚእታዊት ርግጸኛታት ንኹን።

ኣብኡ ንነብር ምህላውናን ዘይምህላውናንከ ብኸመይ ኢና ንፈልጥ፧ እቲ ቐንዲ ቝም ነገር ኣብ ዓቕምና ዝዀነ ሕቶ ዘሎ። ብዛዕባኣ ምእንቲ ኸይንደናገር ከኣ ጐይታና ብንጹር መሊሱልና ኣሎ። ኣባይ ንበሩ፡ ኣነውን ኣባኻትኩም ክነብርየ። ጨንፈር ኣብ ጕንዲ ወይኑ እንተ ዘይነበረ፡ ካብ ርእሱ ኺፈርይ ከም ዘይክእልን ንስኻትኩምውን ኣባይ እንተ ዘይነበርኩም ከምኡ ኢኹም። እቲ ጕንዲ ወይኒ፡ ኣነየ፡ ጨናፍር ከኣ ንስኻትኩም ኢኹም፡ እቲ ኣባይ ዚነብር፡ ኣነውን ኣብኡ፡ ንሱ ብዙሕ ፍረ ዚፈርይ ምኽንያቱ ብጀካይ ሓንቲ ኽትገብሩ ኣይትኽእሉን ኢኹም። ...... ነቲ ኣባይ ዘሎ ፍረ ዘይፈርይ ዅሉ ጨንፈርን (ኣቦይ) ይቘርጾ፡ ነቲ ፍረ ዚፈርይ ጨንፈር ግና፡ ብዙሕ ምእንቲ ኺፈርይ፡ (ኣቦይ) የጽርዮ። .... ኣባይ ዘይነብር ዘበለ ከም ጨንፈር ንወጻኢ ተደርብዩ ይነቅጽ፡ ኣኪቦም ድማ ናብ ሓዊ ይድርብይዎሞ፡ ይነድድ።ዮሃ 152,4-6 .

እምበኣር፡ ኣብ ክርስቶስ ናይ ምንባር ንጹር መለለዪ፡ ፍረ ምፍራይን ጥራሕ ዘይኰነ፡ ብዙሕ ፍረ ምፍራይናዩ። ኣብ ጥቅሲ 2 ሰፊራ ዘላ ነጥቢ ግን ኣይንስሓታ!! ኣብ ክርስቶስ እናነበረ ዘይፈርይ ተበላጺውን ኣሎ። ነዚ ተበላጺዚ፡ እቲ ባዕሉ ኣብ ክርስቶስ ዝተኸሎ እግዚኣብሄር ኣቦ፡ ባዕሉ ሰሊዑ ኺቘርጾን ኪድርብዮንዩ። ንፍረ ብዚምልከት፡ ኣብ እግዚኣብሄር ዋጋ ዕዳጋ ዚበሃል የልቦን!! ኣብ ክርስቶስ ናይ ምንባርካ ምልክት ወይ መርትዖ ፍረዩ። ንሱ ጥራሕ ግን ኣይኰነን። ኣብ ክርስቶስ ምንባር ንኽትቅጽል ውሕስነት ዚዀነልካውን ፍረዩ። ኪስዕብ ዝግብኦ ኣገዳሲ ሕቶ ግን ኣሎ።

ኣብ ክርስቶስ ዚነብር ሰብ ዜፍርዮ ፍረ እንታይዩ፧ መሪሕ ጥቕስና ነዚ ሕቶ መሊሱልናዩ። ኣብ ጕንዲ ወይኒ ዚነብር ጥዑይ ጨንፈር፡ ወይኒ ጥራሕ ዜፍርይ። በለስ፡ ቱፋሕ፡ ብርቱኻን ኣየፍርይንዩ። ኣብ ጻድቕ ክርስቶስ ዚነብር ክርስትያን ከኣ፡ ጽድቂ ጥራሕ ዜፍርይ። ናይ ክርስቶስ ወይኒ እንታይ ምዃኑ፡ ኣብ ምሉእ ሓድሽ ኪዳን ብዝርዝርን ብተደጋጋምን ተገሊጹልና ኣሎ። በብእዋኑ ድማ ኣብ መድረኻት ኣብያተ ክርስትያንና ይስበኸልና ኣሎ።

እቲ ዜሕዝን ግና፡ጽድቂ ምግባርዚብል ሓሳብ ገና ኺብገስ ከሎ፡ ትንፋስ ክሳዕ ዚሓጽረና ዓቕልና ዜጽብበልና። ገና ኸይፈተንናዮ ኸለናውን ሕልናና ዕርብ ይብለና። ምኽንያቱ ኣብ ለቢስናዮ ዘለና ስጋ ሰናይ ነገር ከም ዘየለ፡ በቲ ዘላደየና ተመክሮና ጽቡቕ ጌርና ንፈልጥ ኢና። ኣብ ልዕል ኢልና ዘንበብናዮ ቓል ግና፡ብጀካይ ሓንቲ ኽትገብሩ ኣይትኽእሉን ኢኹምዚብል ቃል ምንባብና ንዘክር። ጽድቂ ናይ መለኮት ደኣምበር ናይ ሰብ ምህዞን ተግባርን ኣይኰነን። ባዕላትና ኽንገብሮ ስለ ዘይንኽእል ከኣዩ፡ ኣብ ክርስቶስ ናይ ምንባር ኣገዳስነት እምብዛ ዕዙዝ ዝዀነ። ኣብ ክርስቶስ ምስ እንነብር፡ እቲ ዜኽእል ጸጋ ናባና ይውሕዝሞ፡ ጽድቂ ተጨኒቕና ዓቕልና እናጸበበና እንቃዓ እናተንፈስና ንገብሮ ዘይኰነስ፡ ደስ ኢሉና ተዛኒና እንገብሮ ባህርያዊ ትዕድልትና ይዀነልና። ትምኒት ስጋ ብሓጢኣት ዚገዝእ። ስለ ኢና ሰናይ ክንገብር እናደለናስ፡ ንእኡ ገዲፍና ሓጢኣት እነዘውትር (ሮሜ 75-22) ጸጋ ግና ብጽድቂ ዚገዝእ። ንጸጋ ተገዚእና ጽድቂ ምእንቲ ኽንፈርይ ከኣዩ፡ ክርስቶስ ምልኣት ጸጋ ሒዙ ዝተገልጸ። ቅዱስ ወንጌል ድማ፦ ንሕና ዅላትና ኻብ ምልኣቱ ጸጋ ኣብ ልዕሊ ጸጋ ተቐበልና፡ ...... ብዅሉ ጥበብን ብዅሉ ኣእምሮን ነዚ ጸጋኡ ናባና ኣውሓዞ .... ጸጋ ጐይታና (ኣባይ) ብዘይ ልክዕ ዓዘዘ” እናበለ ኣረጋጊጹልና ኣሎ (ዮሃ 116,17 ኤፌ 18-10 1ጢሞ 114)

ደጊም ርእስኻ መርሚርካ ምርጫኻ ምትኽኻል ዚተርፈና። ጐይታና ብኽብሪ ኺግለጽ ከሎ፡ ርእስና ኣቕኒዕና ብትብዓትን ብሓበንን ክንቕበሎዶ፡ ወይስ ርእስና ደፊእና ብፍርሃትን ብሕፍረትን ተዋሒጥና ኽንቕበሎ፡ ሓዲኡ ንምረጽ!! እዚ ምርጫ ሓንሳእ ጥራሕ ዚግበር ኣይኰነን። መዓልቲ መጸ ኣብ ነፍስ ወከፍ ሰዓትን ኵነታትን እንገብሮ ዘየቋርጽ ናይ ዕድመ ምሉእ ምርጫዩ። ግብራዊ ምርጫ ድማምበር፡ ወረቐት ኣብ ሳጹን ምርጫ እናእተኻ፡ ወይ ኢድካ ኣልዒልካ ዚግበር ኣይኰነን። ምጽኣት ጐይታ እናሓሰብካምበር ነንዕለቱ ዘጋጥመካ ዅነታት ኸም ዝመርሓካ ዚግበር ምርጫውን ኣይኰነን። ካብ ዘለኣለማዊ ሕፍረት ምእንቲ ኽንድሕን፡ ኣብ ክርስቶስ ዘይምንባር ነውርና ንግበሮ፡ ሎሚ ንሕፈረሉ!!

ጸጋ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ፍቕሪ ኣምላኽን ሕብረት መንፈስ ቅዱስን ምስ ኩላትና ይኹን።

ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ - መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜርካ

28 ጥሪ 2024 | ጥሪ 19, 2016 ግዕዝ (መበል 20 ሰንበት: ቊ.፳/20)

ምስባክ

 መዝ. ፻፲፯(፻፲፰)፡፳፮-፳፯

“እግዚአብሔር እግዚእ አስተርአየ ለነ። ግበሩ በዓለ በትፍሥሕት በኅበ እለ ያስተሐምምዎ። እስከ አቅርንቲሁ ለምሥዋዕ።”

“እቲ ብስም እግዚኣብሄር ዚመጽእ ብሩኽ’ዩ፡ ካብ ቤት እግዚኣብሄር ንባርኸኩም ኣሎና። እግዚኣብሄር ኣምላኽ’ዩ፡ ንሱውን ኣብረሃልና፡ ነቲ መስዋእቲ በዓል ዓመት ክሳዕ ኣቕርንቲ መሰውኢ ብገመድ እሰሩ።”

ንባባት

ኣንባቢ

2 ቈረ 1፡13-ፍጻመ 

ዲያቆን

1 ዮሃ 2፡22-ፍጻመ

ንፍቅ ዲያቆን

ግብ 13፡20-27 

ንፍቅ ካህን

ሉቃ 2፡41-ፍጻመ

ሰራዒ ካህን

ቅዳሴ ፦ ዘዲዮስቆሮስ | መዝሙር፦ እሙነ ኮነ ልደቱ

   

 

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div