“ዝጸበቦ እንተሎ ይጸሊ” (ያዕ 5፡13) ተባሂሉ ከምዝተጻሕፈ ቤተ ክርስቲያንና ተዋህዶ ብግዜ ጸበባ ይኹን ብእዋን ራህዋ ምስ እግዚኣብሔር ትራኸበሉን ትጠርዓሉን ጎደና-እምነት
![]()
ሰንበት 5 ጥቅምቲ 2014፡ ንዝኽሪ ቦኽሪ ዓመት ኤርትራውያን ግዳያት ላምፐዱሳ፡ ኣብ ኩለን ኣህጉረ ስብከታትና ጸሎት ፍትሓት ክካየድ እዩ።
እዚ፥ ስምረት ገዳማት ኤርትራ ኣብ ልዕሊ ኣቶ ዮፍታሄ ድሜጥሮስን ቀሺ ሃብቶም ርእሶምን ዝኣወጅዎ ውግዘት ምኽንያት ብምግባር ዝወጽአ ዘሎ መግለጺ ኣህጉረ ስብከታት ሰሜን ኣሜሪካ፥ ኤውሮጳን ማእከላይ ምብራቕን እዩ።
በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሓዱ ኣምላክ ኣሜን።
እምበኣርሲ ሕጂ’ውን ብጾምን ብብኽያትን ብቑዝማን፣ ብምሉእ ልብኹም ናባይ ተመለሱ፣ ክዳንኩም ዘይኮነስ ልብኹም ደኣ ቅደዱ ይብል እግዚኣብሔ። ንሱ ንኹራ ደንጓዪ ብምሕረት ከኣ ምሉእ ካብ ክቐጽዕ ኪምሕርን ኪርኅርኅን እዩ ዚፈቱ እሞ። ናብ እግዚኣብሔር ኣምላኽኩም ተመለሱ። ኢዮኤል 2፣ 2፣12-13።
![]()
ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ፡ በቲ ኣብ ልዕሊ ደቃ ዝወረደ ሞት ሓዘና እናገለጸት፣ ንሰንበት 6 ጥቅምቲ 2013 ስለቶም ህልቂት ዘጋጠሞም ዜጋታትና ኣብ ኩለን ኣብያተ ክርስትያናት ጸሎት ፍትሓት ክግበር ተመዲቡ ኣሎ። በዚ መሰረት: ኣብ ሃገረ ስብከት ሰሜን ኣሜሪካ: ሃገረ ስብከት ኤውሮጳ: ሃገረ ስብከት ማእከላይ ምብራቕ: ዝርከባ ኣብያተክርስትያን (ዝርዝር ኣብያተ ክርስትያን) ጸሎት ፍትሓት ክገብራ እየን:: ኣምላኽ ንስቓይናን መከራናን መወዳእታ ክገብረሉ፣ ህይወቶም ንዝሰኣኑ ዜጋታትና ኣብ መንግስተ ሰማያት ክቕበሎም፣ ንስድራ ቤቶም ድማ ምጽንናዕ ክህብ ብሓፈሽኡ ስለ ህዝብና ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ክንጽሊ እና። ኤርትራውያን ምእመናን ብዘይ ኣፈላላይ፣ ኣብቲ ናይ ጸሎት መደብ ክትሓብሩና ድማ ብመንፈሳዊ ኣኽብሮት ንምሕጸን።
እግዚኣብሔር ጸሎትና ይቀበል።
ብፁዕ ኣቡነ መቃርዮስ ሊቀ ጳጳስ ኤርትራዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ።
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ