ኩሉ ወዲ ኣዳም ናይ ባሕርይ ስሙ ሰብ ከም ዝበሃል ዘካትዕ ኣይኮነን። ይኹን እምበር ናይ ግብሪ ስሙ ግና ዝተፈላለየ ክኸውን ዝከኣል ነገር እዩ።ምኽንያቱ ገለ ኣብ ሥራሕ ጽድቂ ገለ ድማ ኣብ ሥራሕ ጸይቂ፥ ገለ ኣብ ህንጸት፥ ገለ ድማ
ኣብ ዕንወት፥ ገለ ኣብ ሓቂ ገለ ድማ ኣብ ሓሶት ….. ወዘተ ስለ ዝዋፈሩ በብሥርሖም፡ ጥዑምን ሕሱምን፥ ርህሩህን ጨካንን፥ ጻድቃን ኃጥኣን እናተባህሉ ስም ይወሃቦም እዩ። ስለዚ እምበኣር ወዲ ሰብ ብክቡር መልክዕን ምስልን ልዑል እግዚኣብሔር ዝተፈጥረ ስለ ዝኾነ፡ ከምቲ መልክዕና ንኣምላኽ ዝመስል፡ ግብርናውን ንኣምላኽ ዘኽብር ክኸውን ሠናይ ነገር እዩ። እምበኣርከስ ነዚ “ብሓቂ ሰብ እንተ ደኣ ኮንካ” ብዝብል ኣርእስቲ ቀሪቡ ዘሎ ሓጺር ጽሑፍ ዕላማ መልእኽቱ ተረዲእና ንሠናይ ግብሪ ንተዓጠቕ።
ሀ. ንሕያውነትካ + ወስኸሉ፡
ለ. ንተንኮልካ - ኣጉድለሉ፡
ሐ. ንፍቕርኻ X ኣርብሓዮ፡
መ. ንዘሎካ -፡- ኣማቕለሉ፡
ሠ. ንኣተሓሳስባኻ = ኣመዓራርዮ፡
ነዚ ዝስዕብ ዝርዝር መብርሂ ንከታተል፡-
ሀ. ንሕያውነትካ + ወስኸሉ፡- ናይ ሕያውነት መሠረት እቲ ሕያዋይ ኣምላኽ ምዃኑ ክንፈልጦ የድሊ። ኢየሱስ ክርስቶስ ብሕያውነቱ ንልቢ ብዙሓት ሰባት ለዊጡን መሲጡን እዩ። ሕያውነት ከኣ እቲ ዝዓበየ ውህበት ጸጋ መንፈስ ቅዱስ ንደቂ ሰባት እዩ። ሕያውነት እቲ ኣብ ባሕርይ ደቂ ሰባት ክርኣ ዝግብኦ ኣገዳሲ ጠባይ ምዃኑ ክንዝንግዖ ኣይግባእን። ብመሠረት መንፈሳዊ ሕግን ትእዛዝን ናይ እግዚኣብሔር እንተ ደኣ ኮይኑ ኩሉ ሰብ ሕያዋይን ንሕድሕዱ ዘይጓዳእን ክኸውን ከም ዝግብኦ ብንጹር ተሓቢሩና ኣሎ። ኩልና ንቓል እግዚኣብሔር ኣኽቢርና ሕያዎትን ጥዑማትን እንተ ንኸውን ከኣ፡ ኣብዚ ምድሪ ዓለም ባእስን ክስን፡ ሓሶትን ኃጢኣትን፡ ኵናትን ሞትን፡ ፈጺሙ ኣይምሃለወን ነይሩ። ስለዚ እምበኣር ዝኾነ ኣማኒ ክርስቲያን ሕያዋይ ክኸውን ባህ ዘብል ጸጋ እዩ። ሓዋርያ ጴጥሮስ ብዛዕባ እዚ ኣብ “እምነትኩም ሕያውነት ወስኹ” እናበለ ይምዕደና። ስራሕ ናይቲ ሕያዋይ ሳምራዊ ክንዝክር ከሎና ብሓቂ ዘሐጉስን ንኹሉ ሰማዒ ባህ ዘብልን ሠናይ ግብሪ ምዃኑ ኣይንስሕቶን ኢና። ንሱ ነቲ ዘይፈልጦ ሰብ፡ ኣብ መገዲ ወዲቑ ምስ ረኣዮ ደንገጸሉ፡ ናብኡ ቀሪቡ ኣቝሳሉ ሰፈፈሉ፥ ዘይትን ወይንን ከኣ ኣፍሰሰሉ፥ ኣብ ኣድጉ ኣወጢሑውን ናብ ማኅደር ኣጋይሽ ወሲዱ ተኸናኸኖ። …. ክልተ ዲናር ኣውጺኡውን ከፈለሉ። እምበኣር እዚ እዩ እቲ ልባዊ ርህራሄን መንፈሳዊ ሕያውነትን ዝበሃል። ሉቃ 10፡33። እሞ ንሕናኸ ንሕያውነትና ንውስኸሉዶ ኣሎና?
ለ. ንተንኮልካ - ኣጉድለሉ፡- ተንኮለኛ ምዃን ናብቲ ኣምላኽ ዝደልዮ ቅኑዕ ሕይወት ኣየብጽሕን እዩ።ብኣንጻሩ ግና ካብ ኣምላኽ ዘርሕቅ ሕማቕ ስራሕ ኃጥኣን እዩ። ናይ ተንኮል ፍሕሶ ከኣ ካብቲ ቀናእ ሰይጣን ዝምንጩ ከም ዝኾነ ምፍላጡ የድሊ። ኣብ ኦሪት ዘፍጥረት እንተ ኣንበብና ካብ ኩሉ ኣራዊት መሮር ተመን ኣዝዩ ጎራሕ ነበረ ይብለና። በዚ ምኽንያት ከኣ ካብ ኩሉ እንስሳ ዘቤትን ኣራዊት መሮርን “ርጉም ኩን” ተባሂሉ ተረግመ። ዘፍ 3፡1,14። ካብ ተንኮል ዝርከብ ክሳራ እምበር ረብሓ ዝበሃል የሎን። ነቢይ ኤርምያስ “ልቢ ወዲ ሰብ ኣዝዩ ሕሱምን ተንኮለኛን እዩ፡ መንከ ክርድኦ ይኽእል? እናበለ ብዛዕባ ኣብ ልቢ ዘሎ ተንኮል የጠንቅቕ። ኤር 17፡9። ኣብ ምስላ ሃገርናውን “ምስ ጎራሕ ኣይትመራራሕ፡ እቲ ቀዳማይዶ ወይስ ዳሕረዋይ ከይብሉኻ” ይበሃል።ስለዚ እምበኣር ነቲ በብግዚኡ ዲያብሎስ ኣብ ልብና ዝዘርኦ ተንኮል ከነውጽኦ የድሊ። ብተወሳኺ ሓዋርያ ጳውሎስ ነቲ ኤሊማስ ዝበሃል ጠንቋሊ “ኣታ ኩሉ ተንኮልን ኩሉ ክፍኣትን ዝመልኣካ ወዲ ዲያብሎስ ነቲ ቅኑዕ መገዲ እግዚኣብሄር ካብ ምጥዋይሲ ካንዶ ኣይትዓርፍን ኢኻ?” ኢሉ ገንሖ።ግ.ሓዋ 13፡10። ካብዚ እንመሃሮ ድማ ተንኮለኛ ምዃን እግዚኣብሔር ዝጸልኦን መርገም ዝምጽእን ሕማቕ ጠባይ ምዃኑ ክንዝክር ይግብኣና። እሞ ንሕናኸ ንተንኮልና - ነጉድለሉዶ ኣሎና?
ሐ. ንዘሎካ -፡- ኣማቕለሉ፡- ወዲ ሰብ ኣብዚ ዓለም ብህይወት ከሎ ካብ ምሃብ ንላዕሊ ዘሐጉሶ ነገር የሎን። ካብ ህቡኻ ክትህብ፥ ካብ ከፍቅሩኻ ዝያዳ ከተፍቅር ምድላይ ከኣ ዓቢይ ጸጋ እዩ። ብዛዕባ እዚ ሓዋርያ ያዕቆብ እቲ ንጹህን ርኽሰት ዘይብሉን ኣምላኾ “ንገዛእ ርእስኻ ካብ ርኽሰት ዓለም እናሓሎኻ ንዘኽታማትን መበለታትን ኣብ ጊዜ ጸባባኦም ምርዳእ እዩ” ይብል። ያዕ 1፡27።እቲ ቅዱስ ጽሑፍውን “ካብቲ ዝቅበልሲ እቲ ዝህብ ኣዝዩ ይባረኽ” እዩ ዝብለና። ግ ሓዋ 20፡35። ስለዚ እምበኣር እንተ ሃብና ኢና ኣዚና ንባረኽ።ምእንቲ ክትርዳእ ንኻልኦት ክትረድእ፥ ምእንቲ ክትወሃብ ንኻልኦት ክትህብ ከኣ ብሓቂ ክርስቲያናዊ ሥራሕ ቅዱሳን እዩ።“ሃቡ ወይትወሃበክሙ” ዝብል መንፈሳዊ ምኽሪ ከም ዘሎውን ክንዝክር ይግብኣና። ንዘሎካ ፥ ኣማቕለሉ ክንብል ከሎና፡ ነቲ ትፈትዎ ሰብ ጥራይ ሃቦ ማለት ኣይኮነን። እንታይ ደኣ ከምቲ ቅዱስ ጽሑፍ ዝብሎ “ጸላኢኻ እንተ ጠመየ እንጌራ ኣብልዓዮ፡ እንተ ጸምአውን ማይ ኣስትዮ” ዝብል ትእዛዝ ብሓቂ ክንትግብሮ ይግብኣና። 1ዮሓ 3፡17 ብተወሳኺ ንዘሎካ ኣማቕለሉ ማለት ከኣ ነቲ እግዚኣብሔር ዝሃበካ ሓላፊ ሃብትን ምድራዊ በረኸትን ተኻፊልካ ብልዓዮ፥ በቒቕካ ንጻጸን ቁንቍነን፡ ንሰረቕትን ዓመጽትን፥ ኣይትዕቆሮ ማለት ምዃኑ ኣይንዘንግዕ ። ሓዋርያ ጳውሎስ ብዛዕባ እዚ “እቶም ኣመንቲ ገበርቲ ሠናይ ክኾኑ፥ ብሠናይ ግብሪ ኪህብትሙ፡ ለጋሳትን መማቐልትን ኪኾኑ ኣዝዝ” ይብል። 1ጢሞ 6፡18። እሞ ንሕናኸ ንዘሎና-፡- ነማቕለሉዶ ኣሎና?
መ. ንፍቕርኻ X ኣርብሓዮ:- ፍቕሪ ናይ ኩሉ ሠናይ ነገር መሠረት እያ። እግዚኣብሔር ማለት ከኣ ፍቕሪ ማለት እዩ። ብዛዕባ ፍቕሪ ሓዋርያ ጳውሎስ “ኩሉ ገንዘበይ ንድኻታት እንተ ዝዕድል፥ ሰብነተይ ከኣ ንምንዳድ ኣሕሊፈ እንተ ዝህብ፥ ግና ፍቕሪ እንተ ዘይህልወኒ ሓንቲ እኳ ኣይጠቕመንን እዩ” ይብል። 1ቆሮ 13፡3። ስለ ዝኾነ እምበኣር ንሕና ንሕድሕድና ክንፋቐር ኢየሱስ ክርስቶስ ብሕድሪ ዝሃበና ክቡር መልእኽቲ ሰላም እዩ። ሓቀኛ ፍቕሪ ኣብ ልቢ ኩሉ ሰብ እንተ በዚሑን እንተ ሰፊሑን ከኣ ሰላም ዝሰፈኖ ሕጉስ ሕይወት ንረክብ። በዚ ምኽንያት ንሕናውን ነቲ ካብ ኣምላኽ ዝተቐበልናዮ ጸጋ ፍቕሪ ከነስፍሖ ክርስቲያናዊ ግዴታ ከም ዘሎና ኣይንዘንግዕ። ካብ ውልቀሰብ ጀሚሩ ክሳብ ስድራ-ቤትን፥ ሃገርን፥ ብደረጃ ቤተ ክርስቲያንን ንፍቕሪ ኣምላኽ እንተ ኣስፊሕናዮ፡ እቲ ቀንዲ ጸላኢና ዝኾነ ሰይጣን ንጽልኢ ዝኸውን ቦታ ከቶ ኣይክረክብን እዩ። እዚ ብዓይንና ንርእዮን ብእዝንና ንሰምዖን ዘሎና ናይዛ ዓለም ሥጋውን መንፈሳውን ዕንወት ከኣ ፈውስን ምሕረትን ብቕልጡፍ ከም ዝርከብ ዘጠራጥር ኣይኮነን። ምኽንያቱ ንፍቕርኻ ኣርብሓዮ ማለት ተወሳኺ መልእኽቱ ንጽልኢ ካብ ልብኻ ኣውጽኣዮ ማለት ምዃኑ ንርዳእ። ፍቕሪ ከኣ ዓቃል እያ፥ ፍቕሪ ለዋህ እያ፥ ፍቕሪ ኣይትቐንእን እያ፥ ፍቕሪ ኣይትጀሃርን እያ፥ ኣይትዕበን እያ። ፍቕሪ ስዲ ኣይኮነትን፥ ንዓይ ይጥዓመኒ ብዚብል ኣይትምራሕን እያ። ፍቕሪ ኣይትቝጣዕን፥ ኣይትቕየምን እያ።ብሓቂ ትሕጎስ፥ ንኹሉ ትጸውር፥ ንኹሉ ትኣምን ብኹሉ ተስፋ ትገብር፥ ንኹሉ ትዕገስ። 1ቆሮ 13፡4። ኣምላኽ ፍቕሪ እዩ፥ እቲ ኣብ ፍቕሪ ዚነብር ከኣ ኣብ ኣምላኽ ይነብር፥ኣምላኽውን ኣብኡ ይነብር። 1ዮሓ 4፡16። እሞ ንሕናኸ ንፍቕርና X ነርብሖዶ ኣሎና?
ሠ. ንኣተሓሳስባኻ = ኣመዓራርዮ፡- ዝተመዓራረየ ሓሳብ ክንብል ከሎና። ሚዛናዊ ዝኾነ ወይ ቅኑዕ ዝኾነ ሓቀኛ ሓሳብ ማለት እዩ። ሓሳባት ኣብ ኣእምሮና ተጠኒሶም ኣብ ስራሕና ዝውለዱ ወይ ዝትግበሩ ፍጻመታት እዮም። ንኣተሓሳስባና ኣንተ ኣመዓራሪናዮ ዝጠቅምን ዝጎዳን፥ ሕማቅን ጽቡቕን፥ ጽድቅን ኃጢኣትን፥ ሓቅን ሓሶትን፥ ተረዲእና ነቲ ክቡር ዝኾነ ሓሳብ ክንትግብር ይሕግዘና። ኣብ ትንቢት ኢሳይያስ “ ክቡር ሰብ ክቡር ሓሳብ ይሓስብ፡ ኣብ ክቡር ነገር ከኣ ይጸንዕ” ይብለና። ኢሳ 32፡8። ብኣንጻሩ ድማ “እቲ ክፉእ ካብ ክፉኣት እዩ ዝወጽእ” ዝብል ጽሑፍ ኣሎ። በዚ መሠረት ዘይተመዓራረየ ሓሳባት ናብ ርኽሰትን ኃጢኣትን፡ ናብ ውድቀትን ሞትን ዝወስድ ጎደና ጸልማት ምዃኑ ክበርሃልና ኣለዎ። ሓዋርያ ጳውሎስ ብዛዕባ ዝተመዓራረየ ሓሳብ “ኣሕዋተየ ሓቂ ዘበለ፡ ርዝነት ዘለዎ ኩሉ፥ ቅኑዕ ዘበለ፥ ንጹህ ዘበለ፥ ተፈታዊ ዘበለ፥ ሠናይ ዜና ዘለዎ ኩሉ ….. ብዛዕባ ነገርዚ ሕሰቡ” ይብለና። ፊሊ 4፡8 ስለዚ እምበኣር ንዕለታዊ ሥራሕናን መንፈሳዊ ሕይወትናን ብመስትያት እምነት ርኢና፡ ሓንቲ ሓሳብ ብምሕሳብ፥ ብሓንቲ ፍቕሪ ብምትእስሳር፥ ብሓደ መንፈስ ንሓደ ዕላማ ብምዕያይ ኣብ ሠናይን ክቡርን ነገር ክንጸንዕ ልዑል እግዚኣብሔር ጸጋኡን መንፈሱን የሕድረልና።
ዕዝራ ጸሓፊ
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ