S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

እዚ ሰሙን (ካብ መስከረም 9 ክሳዕ መስከረም 15 ግእዝ) ዘመነ ፍረ ተባሂሉ ይጽዋዕ። እቲ ምስባኽን ወንጌላትን ድማ ምስ ፍረ ዝተኣሳሰር ምንባባት እዩ ዘለዎ። ንሎሚ እምበኣር ነቲ ኣብ ወንጌል ማርቆስ ተጠቒሱ ዘሎ ምስላ ጐይታ ብዛዕባ እቲ ናብ ብጹሕ ስርናይ ዝበጽሐ ዘርኢ ዝመሃረሉ ምስላ ወሲድና ክንርእዮ ኢና።

እዚ ቀዳማይ ሰሙን ናይዚ ወርሒ (1 - 8 መስከረም ግእዝ) ዮሃንስ ተባሂሉ ይጽዋዕ። ዝተነበልና ናይ ወንጌል ክፍሊ ድማ ነቲ ዮሃንስ መጥምቕ ዝመስከሮ ምስክርነት ዝምልከት እዩ። ኻብዚ ተበጊስና ድማ ንኣገልግሎት ዮሃንስን ኣገዳስነቱ ኣብ ህይወትና ኣስፊሕና ክንመሃር ኢና።

እዚ ሰንበት እዚ (መስከረም 10, 2017 ጳጉመን 5 2009) መወዳእታ መዓልቲ ዓመት ኣብቲ ቤተ ክርስትያን እትኽተሎ ናይ ግእዝ ዓውደ ኣዋርሕ እዩ። ብእኡ መንጽር ድማ፡እቲ ዝተነበ መልእኽቲ ነቲ ናይ ዘመን መወዳእታ ዝኹነ ምምጻእ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ዝምልከት እዩ።

እዚ ሰንበት እዚ (መስከረም 3 2017) ከም መቐጸልታ ናይቲ ምስ ዘርእን ዘራእትን ዝተኣሳሰር ምንባባት ዝወሃበሉ መዓልቲ እዩ። ነቲ ምስ እግዚኣብሔር ዘለና ዝምድና ከም ግራትን ዘራእን መሲሉ ንዝምህረሉ ርኢና ኣሎና። ሎሚ ድማ ነቲ ምስ እግዚኣብሔር ከም ናይ ህንጻን ሃናጽን ዝበለ ዘለና ዝምድና ክንምልከት ኢና።

እዚ ናይ ሎሚ ሰንበት (ነሓሰ 27, 2017) ዝንበበልና ናይ ወንጌል ክፍሊ ካብቲ ጐይታ ነቶም ሰብዓ ልኡካት ወንጌል ክሰብኩ ልኢኽዎም ምስ ተመልሱ፡ ካብ ዝነበሮም ዝርርብ ዝተወስደ እዩ። ኣብዚ ክፍሊ እዚ፡ እቶም ኣርድእቲ ነቲ ዝሃቦም ሓይልን ስልጣንን ተጠቂሞም ነቲ ናይ ወንጌል ዕዮ ብግቡእ ፈጺሞም ብሓጐስ ከም ዝተመልሱ ኢና እንዕዘብ። ጸብጻብ ልእኮኦም ክነግርዎ ምስ መጹ ድማ፡ እቲ ኣብ ልቦም ዓቢ ቦታ ሒዙ፡ ንልቦም ባህታ መሊእዎ ዝነበረ ነገር፡ኣጋንንቲ ከይተረፈ ብስምካ ይግዝኡና ኣለዉብምባል ገለጽሉ። እንተዀነ ጐይታ ጠመተ ኣዒንቶም ካብዚ ነገር ኣልዒሎም ናብቲ ዝዓበየ ነገር ምእቲ ክገብሩግናኸ ስምኩም ኣብ ሰማይ ስለ እተጻሕፈ ደኣ፡ ኣዚኹም ተሐጐሱ እምበር፡ መናፍስቲ ስለ እተመልኩልኩም፡ በዚ ኣይትተሐጐሱ።ብምባል መለሰሎም። ንሎሚ እምበኣር ካብዚ ክፍሊ ገለ መንፈሳዊ ንህይወትና ዝኸውን ሓቅታት ክነስተብህል ኢና።

22 ሰሉስ 2017 ማለት ጽባሕ እዚ ሰንበት እዚ: ሓደ ካብቲ ኣብ ቤተ ክርስትያንና ዘሎ ዓበይቲ በዓላት ናይ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ዕርገታ ብዓል እዩ። ስለዚ ኣብ ህይወት ቅድስቲ ድንግል ማርያም ዘተዀረ ሓሳባት ክንኻፈል ኢና።

22 ሰሉስ 2017 ማለት ጽባሕ’ዚ እዚ ሰንበት እዚ: ሓደ ካብቲ ኣብ ቤተ ክርስትያንና ዘሎ ዓበይቲ በዓላት ናይ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ዕርገታ ብዓል እዩ። ስለዚ ኣብ ህይወት ቅድስቲ ድንግል ማርያም ዘተዀረ ሓሳባት ክንኻፈል ኢና።

እዚ ሰንበት እዚ (ነሓሰ 13 2017) ከም መቐጸልታ ናይቲ ምስ ኽራማት፡ ዘርእን ዘራእትን ዝተኣሳሰር ምንባባት ዝወሃበሉ መዓልቲ እዩ። ካብቲ ብመዓልቲ ሰንበት ደቀ መዛሙርቲ ኢየሱስ ብሰንበት ናብ ግራት ዘራእቲ ኣትዮም እናመሓዉ ክበልዑ ምስ ረኣይዎም እቶም ናይ ሕጊ ምሁራት ዝበሃሉ ፈርሳውያን ንዘልዓልዎ ተቓውሞ ብጐይታ ዝተዋህቦም መልሲ፡ ዝተወስደ እዩ።

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div