S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

“…ብእኡ ዝኣምን ከኣ ኣይክሓፍርን ኢዩ…” (1ጴጥ 2፡6)

እዚ ሰንበት እዚ (መስከረም 3 2017) ከም መቐጸልታ ናይቲ ምስ ዘርእን ዘራእትን ዝተኣሳሰር ምንባባት ዝወሃበሉ መዓልቲ እዩ። ነቲ ምስ እግዚኣብሔር ዘለና ዝምድና ከም ግራትን ዘራእን መሲሉ ንዝምህረሉ ርኢና ኣሎና። ሎሚ ድማ ነቲ ምስ እግዚኣብሔር ከም ናይ ህንጻን ሃናጽን ዝበለ ዘለና ዝምድና ክንምልከት ኢና።

ጐይታ ኢየሱስ ክርስቶስ፡ እቲ ነደቕቲ ዝነዓቕዎ ግናኸ ርእሲ መኣዝን ዝኾነ ሕሩይን ክቡርን ህያውን እምኒ ኢዩ። ኣብ ምህናጽ ሓደ ቤት እምነ መኣዝን ኣዝዩ ወሳኒ ነገር እዩ። ኩሉ እቲ ኣብ ቤት ዝህነጽ ኣእማን፡ በዚ እምኒ እዚ ኢዩ ዝምእዘን። ዓሌት ሰብ፡ ብሓጢኣት ምኽንያት ካብ ኣምላኹ ስለ ዝተፈልየ ኣምላኽ ዘይከብረሉ ዝተበታተነ እምኒ ዀይኑ ዘመናት ኣቚጺሩ ኢዩ። ወዲ ኣምላኽ ግን፡ ሓንቲ ካብ ርኽሰትን ርስሓትን ዕጣርን ዝተቐደሰት መንቅብ ዘይብላ ቤት ክሃንጽ ምእንታኣ፡ ርእሱ በጃ ሃበ። እቲ ጽሑፍ ብኸምዚ የስፍሮ፥ከምቲ ክርስቶስ ንማሕበሩ ዘፍቀራ፡ ኣቱም ሰብኡት፡ ኣንስትኹም ኣፍቅሩ። ክርስቶስ ብቓሉ ገይሩ ብምሕጻብ ማይ ምስ ኣጽረያ ምእንቲ ኪቕድሳ፡ ርስሓት ወይስ ዕጣር ወይስ ገለ ነዚ ዚመስል ዜብላ፡ ብዘይ መንቅብ ቅድስትን ክብርትን ማሕበር ገይሩ ንእኡ ምእንቲ ኬቕውማ ኢሉ፡ ርእሱ በጃኣ ሃበ።” (ኤፌ 525-27) ቅዱስ ጳውሎስ ደጊሙ ብዛዕባ እዛ ዝተቐደስት ቤት ኣብ ካልእ ስፍራ ክዛረብ ከሎ ከምዚ ይብል ኢየሱስ ክርስቶስ ካብ ዓመጻ ዘበለ ምእንቲ ሓራ ኼውጽኣና፡ ንርእሱውን ንሰናይ ግብሪ ዚቐንእን ገንዘብ ዚዀኖን ህዝቢ ምእንቲ ኼንጽህ ኢሉ፡ ነፍሱ በጃና ኣሕለፈ።ይብለና (ቲቶ 214) እዛ ህንጻ እዚኣ፡ ብሕብረት፡ ካብ ዓመጻ ሓራ ብዝወጹ፡ ብደም ክርስቶስ ብዝደሓኑ ህዝቢ ዝቖመት ኢያ። ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ከኣ ርእሰ መኣዝና ኢዩ። እቲ በዚ ህያው እምኒ ዝኣምን፡ ኣብዛ ቤት እዚኣ ንኽብሪ ኣምላኽ ዝኸውን ህያው እምኒ ኢዩ ዝኸውን። እግዚኣብሄር ኣቦ፡ ነዚ ሕሩይን ክቡርን ዝኾነ ህያው እምኒ፡ ብእኡ ብምእማን ህያዋን ኣእማን ክንከውን ኣቐዲሙ መዲብዎ ነበረ። ብትንቢት ከኣ ከምዚ ተባሂልሉ ነበረ ስለዚ ኸኣ እንሆ፡ ኣብ ጽዮን ሕሩይን ክቡርን እምኒ መኣዝን አንብር ኣለኹ፡ ብእኡ ዝኣምን ከኣ ኣይክሓፍርን ኢዩ። (1ጴጥ 26, ኢሳ 2816) ብጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ዝኣምን ኵሉ ብርግጽ ኣይክሓፍርን ኢዩ። ምኽንያቱ ንሱ እቲ ብእኡ ምሕረት ኣምላኽ ዝተዋህበና፡ መድሓኒን ጐይታን ስለ ዝዀነ (ግብ 236) ንሱ በጃ ሓጢኣትና ዝተዋህበ፡ ካብ ሓጢኣትን ሞትን ዘድሕን መድሓኒ ኢዩ። (ማቴ 121, ሮሜ 425 ዕብ 215) ጐይታ ኢየሱስ፡ ብስሙ ምድሓንን በረኸትን ካብ ሰማይ ክወርድ እግዚኣብሄር ኣቦ ልዕል ዘበሎ ጐይታ ኢዩ። (ፊል 29-11) ስለዚ ኸኣ ጐይታ ባዕሉ ከምዚ በለ ኣምላኽ፡ በቲ ሓደ ወዱ ዝኣመነ ዂሉ ናይ ዘለኣለም ህይወት ምእንቲ ኺረክብ እምበር፡ ከይጠፍእሲ፡ ንወዱ በጃ ኽሳዕ ዚህብ፡ ክሳዕ ክንድዚ ንዓለም ኣፍቀራ። (ዮሃ 316) እምበኣር ከስ ጐይታ ኢየሱስ ነቲ ብእኡ ዝኣምን ዘየሕፍር መድሓኒ ኢዩ። ናብ ሞት ኣሕሊፉ ዘይህብ፡ ንጸላእትና ኣብ መስቀል ዝሰዓረ ንጉስ ኢዩ። (ቈላ 214-15) ትሕቲ ሕጊ ካብ ምዃን ኣውጺኡ፡ ብጸጋ፡ ብእኡ ብምእማን ውሉድ ኣምላኽ ክንከውን ዘብቅዓና ጐይታ ኢዩ። (ገላ 44-5) በዚ፡ ናይዛ ናይ ኣምላኽ ቤት፡ ርእሰ መኣዝን ዝኾነ ጐይታ ምእማን እምበኣር ኣየሕፍርን ኢዩ። ብሓቂ ንሱ ክንጽግዖ ዘለና ዘተኣማምን እምባና ኢዩ። ብሓጢኣት ካብ ዝመጽእ ከቢድ መቕጻዕቲ እነጽልለሉ ጽላልና ንሱ ኢዩ። ብእኡ ዝኣምን ብህይወት ክነብር እምበር ኣይክሓርፍን (ኣይክመውትን) ኢዩ። ንሱ ኣብቲ መንፈሳዊ ህንጻ፡ መስዋእትና እኳ ቅቡል ዝኾነሉ ስም ኢዩ። ምኽንያቱ፡ ኩሉ መንፈሳዊ መስዋእቲ ብጐይታ ኢየሱስ ክርስቶስ ኢዩ ኣብ እግዚኣብሄር ኣቦ ቅቡል ዝኸውን። (ጴጥ 25)

  ህዝቢ ኣምላኽ !! ዉጽኢት ሓጢኣት እዚ ግዝያዊ ሞት ጥራሕ ዘይኮነስ፡ ዘልኣለማዊ ሞት ዉን እዩ ዘስዕብ። እምበኣር ነዚ ተረዲእና፡ ብዛዕባ ሓጢኣት ሰባት ክንዛረብን ክንፋረድን ግዜና ካብ ምሕላፍ ወጺእና ስለ ገዛእ ርእስና እናሓሰብና ብሓጢኣትና ንብከ። ንዓና እቲ ሓርነት ዘዉህብ ሓድሽ ሰማያዊ ዉልድነት እምበር፡ እዚ ግዝያዊ ናይ ስጋ ልደት ኣይኮነን ትምክሕትና። ስለዚ ብሰንኪ ዘይምንሳሕና ታሪኽ ናይዞም ዝጠፍኡ ሰባት ከይበጽሓና ዓስቢ ሓጢኣት ሞት ምዃኑ ተረዲእና፡ ብንስሓ ነቲ ብኢየሱስ ክርስቶስ ዝርከብ ዉህበት ጸጋ ኣምላኽ ማለት ዘልኣለማዊ ህይወት ወረስቲ ክንከዉን ሓጢኣትና ተኣሚና ናብቲ ጸጋ እንረኽበሉ ዝፋን ኣምላኽ ብትብዓት ንቕረብ። ደም ወዲ ኣምላኽ ከኣ ካብ ኩሉ ሓጢኣትና ከንጽሃንና እዩ፡ ሓጢኣት የብለይን እንተበልና ግና ገዛእ ርእስና ኢና ንጥብር ዘለና። በዚ ከምዚ እንተዘይተነሳሕና ከኣ ብሓጢኣትና ክንመዉት ኢና።

 እምበኣር ኣብዚ ናይ ጥፍኣትን ክሕደትን ዘመን ንምእማንና ከነጽንዕ ይግባእ፡ ከምቲ ጽሑፍ ዝብሎ፡ እምበኣርሲ ናብ ዕረፍቱ ምእታዉ ተስፋ ካብ ዝተርፈልና፡ ምናልባት ሓደ ካባኻትኩም ንድሕሪት ተሪፉ ከይህሉ ንፍራሕ .. ስለዚ ሓደ እኳ ናይቲ ዘይምእዛዝ ኣርኣያ ወሲዱ ከይወድቕ ናብታ ዕረፍቲ እቲኣ ክንኣቱ ንጋደል።(እብ 41-11) ከምቲ ገሊኣቶም ዝመስሎም፡ ጐይታ ይዕገሰና ደኣ ኣሎ እምበር፡ ንተስፋ ምጽኣቱስ ኣየደንጉዮን እዩ። እምበኣር ንጐይታ ኢየሱስ ንሱ ወዲ ኣምላኽ ምዃኑ ብምእማንና ንዓለም ንስዓራ። ምኽንያቱ እቲ ጽሑፍ ከምዚ ኢዩ ዝብልካብ ኣምላኽ እተወልደ ዘበለ ኩሉ ንዓለም ይስዕራ፡ እታ ንዓለም እንስዕረላ ስዕረት ከኣ፡ ንሳ እምነትና ኢያ። ንዓለም ዝስዕራ ኸኣ፡ እቲ ንኢየሱስ ንሱ ወዲ ኣምላኽ ምዃኑ ዝኣምኖ እንተ ዘይኰይኑስ፡ መን ኢዩ፧ (1ዮሃ 54-5)

 ስለዚ ሕጂውን እምበኣር ብእኡ ዝኣምን ኣይሓፍርን ኢዩ።ነዚ ዝነበረ ናይ ክራማት ናይ ጸልማት ጊዜ ሰጊርና ብሃይሉ፡ ናብ ብርሃን ወርሒ መስከረም ኣብ ምእታው ንቃረበሉ ዘለና ጊዜ፡ ከምቲ እቲ ሓረስታይ፡ ናይቲ ዝጻመዮ፡ ክራማት ምሉእ፡ ክሓፍስ፡ ምህርቱ ከእትዉ፡ ምድላዉ ከም ዝቅጽል፡ ሎምውን ንሕና፡ ህይወትና ብጸሎትን ጾምን፡ ምንባብን መዓልታዊ እንዳተመራሕና፡ ናብቲ ቤተ ጐይታ ዝኣዘዘና መኣዲ ተካፈልቲ ክንከውን ይግባኣና።ተካፈልቲ ናይታ ንጽበያ ዘሎና መንግስተ ሰማያት ክንኸውን ሎሚ ከምቲ ኣብ ቅዳሴ ዝተሰብከ መዝሙር ዳዊት እግዚኣብሄር፣ ኣንጊህካ ንድምጸይ ትሰምዖ ኢኻ፣ ኣንጊሄ ልበይ ናባኻ ኣቕኒዔ ኤማዕዱ አሎኹ። ክንብሎ እግዚኣብሔር ይሓግዘና። ኣምላኽ ይደግፈና። ኣሜን።

ጸጋ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ፍቕሪ ኣምላኽን ሕብረት መንፈስ ቅዱስን ምስ ኩላትና ይኹን።

 

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ኤርትራ መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜሪካ 

ዕለት፥ ሰንበት ነሓሰ 3, 2017   ነሓሰ 28, 2009 (ግእዝ)

 

ናይቲ መዓልቲ ስብከት

መዝ 5፡3

እስመ ኀቤከ እጼሊ እግዚኦ። በጽባሕ ስምዐኒ ቃልየ። በጽባሕ እቀውም ቅድሜከ ወኣስተርኢ ለከ።

“ዎ እግዚኣብሄር፣ ኣንጊህካ ንድምጸይ ትሰምዖ፡ ኢኻ፣ ኣንጊሄ ልበይ ናባኻ ኣቕኒዔ ኤማዕዱ አሎኹ።”

ኣብ ጊዜ ቅዳሴ ዝንበቡ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ንባባት

ንባብ

ኣንባቢ

ሮሜ 13፡ 1-ፍጻሜ

ዲያቆን

ወንጌል፡  ማቴ 4፡ 12-17

1ጴጥ 2፡2-11

ንፍቀ ዲያቆን

ቅዳሴዘእግዚእነ። (ነኣኵተከ)።

ግሃ 27፡33--ፍጻሜ

ንፍቀ ካህን

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div