S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

“ኣምላኽ ኣብ ማእከላ አሎ፣ ኣይክትናወጽን እያ ።”መዝ 46፡4-5

22 ሰሉስ 2017 ማለት ጽባሕ’ዚ እዚ ሰንበት እዚ: ሓደ ካብቲ ኣብ ቤተ ክርስትያንና ዘሎ ዓበይቲ በዓላት ናይ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ዕርገታ ብዓል እዩ። ስለዚ ኣብ ህይወት ቅድስቲ ድንግል ማርያም ዘተዀረ ሓሳባት ክንኻፈል ኢና።

ድንግል ማርያም፡ ኣምላኽ ነቲ ብነብዩስለዚ ናብ ዓለም ኪኣቱ ኸሎ፡ ይብል፡ ስጋ ኣዳሎኻለይ እምበር፡ መስዋእቲ ሕሩድን መስዋእቲ ብልዕን ኣይደሌኻን፡ኢሉ ዝተነበዮ ትንቢት መፈጸሚት፡ ነቲ ዝደለዮ ስጋ ኣብ ምድላው፡ ኣብ ምድሪ ካብ ዝነበራ ኣንስቲ ኵለን ንላዕሊ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ሞጎስን ክብርን ዝረከበት ኣደ እያ (እብ 10:5) ንሳ እታ ነብዪ ኢሳያስእንሆ ድንግል ክትጠንስ፡ ወዲ ኸኣ ክትወልድ፡ ስሙውን ኣማኑኤል ክትሰምዮ ኢያ።ኢሉ ዝተዛረበላ ድንግል እያ (ኢሳ 714) እቲ ምልኣት ናይቲ እዚ ትንቢት ዝፍጸመሉ ዘመን ምስ በጽሔ፡ ነዚ ዓቢ ምስጢር እዚ ንምብሳር፡ ኣምላኽ ንመልኣኹ ገብርኤል ለኣኸላ። ንሱ ድማ፡ ናብቲ ንሳ ዝነበረቶ ኣትዩ ከምዚ እናበለ ኣበሰራኣቲ ምልእቲ ጸጋ፡ እግዚኣብሄር ምሳኺ እዩ እሞ፡ ባህ ይበልኪ፡ ካብ ኣንስቲ ብርኽቲ ኢኺማርያም፡ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ጸጋ ረኺብኪ ኢኺ እሞ፡ ኣይትፍርሂ። እንሆ፡ ክትጠንሲ ወዲውን ክትወልዲ፡ ስሙ ኸኣ ኢየሱስ ክትሰምይዮ ኢኺ። ንሱ ዓብዪ ኪኸውን፡ ወዲ ልዑልውን ኪብሃል እዩ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ድማ ዝፋን ኣቦኡ ዳዊት ኪህቦ እዩ። ንሱ ኣብ ቤት ያእቆብ ንዘለኣለም ኪነግስ እዩ፡ መንግስቱ ኸኣ መወዳእታ የብላን።” (ሉቃ 128, 30-33) ድሕሪ ቁሩብ ሕቶ ድማ ነቲ እቲ መልኣኽ ዘምጽኣላ ብስራትእኔኹ፡ ኣነ ባርያ እግዚኣብሄር፡ ከምቲ ዘረባኻ ይኹነለይብምባል ብምሉእ ልባ ብእምነት ተቐበለቶ (ሉቃ 134) እቲ ብመጀመርያ ዝነበረ ቃል (ኣምላኽ ወዲ ኣምላኽ) ስጋ ሰብ ክወሃሃድ ኣብ ከርሳ ሓደረ። በዚ ከምዚ መገዲ ድማ፡ እቲ ኩሉ ብእኡ ዝተፈጥረ፡ ካብቲ ዝተፈጥረ ዘበለ ድማ ብዘይ ብእኡ ዝተፈጥረ ዘየሎ፡ ወዲ ኣምላኽ ኣብ ከርሳ ሓደረ (ዮሃ 11-3) እቲ ቃል ካብ ስግኣ ስጋ ወሲዱ ሰብ ኰነ። ጸጋን ሓቅን መሊእዎ ኸኣ ኣብ ማእከልና ሓደረ። ኣምላኽ ብስጋ ካብ ድንግል ተወልደ ኣብ ማእከል ህዝቡ ድማ ተመላለሰ።

ካብ ህይወት ኣዴና ቅድስቲ ድንግል ማርያም ክንወስዶ እንኽእል ትምህርቲ ብዙሕ እዃ እንተዀነ ንሎሚ ግና ሓደ ክንጠቕስ ኢና - ብእምነታ እትልለ ኣደ ምንባራ። ብዘይ እምነት ንኣምላኽ ከስምሮ ዝኽእል የልቦን ኢሉ ቃል ኣምላኽ ስለ ዘረጋግጸልና፡ ንድንግል ማርያም፡ ኣብ ከምዚ ዝበለ ንኣምላኽ ዘስምር ህይወት ክትርኸብ ዘኽኣለ ከመይ ዝበለ ዓቢ እምነት ከም ዝነበራ ንምግማቱ’ውን እንተዀነ ኣየጸግምን እዩ። ብዛዕባ ዕቤት እቲ ዝነበራ እምነት ንምርዳእ ግና፡ ካብ ምግማት ሓሊፍና ኣብቲ ብግልጺ ሰፊሩ ዘሎ ጽሑፋት ምምልኻት እኹል እዩ። እቲ ኣቐዲምና ዝጠቐስናዮእኔኹ፡ ኣነ ባርያ እግዚኣብሄር፡ ከምቲ ዘረባኻ ይኹነለይዝብል ጥቕሲ ካብቲ ብቐዳምነት ክንጠቕሶ እንኽእል ጥቕሲ እዩ። ኣብዚ ጥቕሲ ድንግል ማርያም፡ ቅድሚ እዚ ብስራት ሒዙላ ዝተጋህደ መልኣኽውን እንተዀነ ንርእሳ ከም ባርያን ንብረትን እግዚኣብሔር ትርእያ ከም ዝነበረት ክትርእይ ከለካ፡ ክሳብ ክንደይ ዓባይ ናይ እምነት ሰብ ከም ዝነበረት እዩ ዘመልኽተና። እቲ ስዒቡ ዝመጸከምቲ ዘረባኻ ይኹነለይዝበለቶ ቃላት ድማ ባህርያዊ ውጽኢት ናይቲ ብዛዕባ ገዛእ ርእሳ ዝነበራ ትክኽለኛ ናይ እምነት ኣተሓሳስባ እዩ ዝነበረ። ከም ኣካል ናይቲ ብስራት ዀይኑ ዝተነግራ ምጥናስ ናይታ መኻንን ዕለታ ዝሓለፋን ኤልሳቤጥ ከም ርጉጽ ኣሚና ድማ ምስቶም ዝሕጐሱ ክትሕጐስ ተቐላጢፋ ካብ ገሊላ ናብ ዝባን ይሁዳ ናብ ሓንቲ ዓዲ ደየበት። ናብ ቤት ዘካርያስ ኣትያ ንኤልሳቤጥ ሰላም ምስ በለታ ኸኣእቲ ህጻን ኣብ ከርሳ ተሰራሰረ። ንኤልሳቤጥ ድማ መንፈስ ቅዱስ መልኣ።” (ሉቃ 140-41) እዛ ቅድስቲ ኣደ፡ ኣብ ውሽጣ ንጐይታ ኢየሱስ ክርስቶስ ሒዛ እምበር ጥራያ ስለ ዘይመጸት፡ ነታ ቤት ንበረኸት ምኽንያት ዀነት። ማለት፡ እቲ ህጻን ንሱ ኸኣ ቅዱስ ዮሃንስ መጥምቕ ምምጻእ እቲ ድሒሩ ዝእውጆ ኢየሱስ ክርስቶስ ርእዩ ተሰራሰረ። እወ፡ እቲ ድሒሩእቲ መርዓት ዘላቶ፡ ንሱ መርዓዊ እዩ። እቲ ደው ኢሉ ንእኡ ዚሰምዖ ዓርኪ መርዓዊ ግና ብድምጺ እቲ መርዓዊ ኣዝዩ ይሕጐስ።ኢሉ ብእኡ ዝተሓጐሰ ዮሃንስ፡ ሕጂ ገና ኣብ ከርሲ ኣዲኡ ከሎ ብምምጻእ እቲ ኣብ ከርሲ ኣዲኡ ዘሎ ኢየሱስ ተሓጐሰ (ዮሃ 329) ንኤልሳቤጥ ከኣ መንፈስ ቅዱስ መልኣ። እዚ ኹሉ ብምኽንያት እቲ እዛ ቅድስቲ ኣደ ጸይራቶ ዘላቅዱስ ወዲ ኣምላኽኢዩ ዝዀነ። ብድሕርዚ ቅድስቲ ኤልሳቤጥ ብዓቢ ድምጺ ዓው ኢላ በለትንስኺ ኻብ ኣንስቲ ብርኽቲ ኢኺ፡ ፍረ ኸርስኺውን ብሩኽ እዩ።” (ሉቃ 142) ብርግጽ ድንግል ማርያም ካብ ኣንስቲ ብርኽቲ ኢያ። እቲ መልኣኽውን ቅድሚ ብስራት ምንጋሩ ኣብቲ ክቡር ሰላምታኡ ከምዚ ኢልዋ ነበረኣቲ ምልእቲ ጸጋ፡ እግዚኣብሄር ምሳኺ እዩ እሞ፡ ባህ ይበልኪ፡ ካብ ኣንስቲ ብርኽቲ ኢኺ፡” (ሉቃ 128) ካብ ኣንስቲ ብድንግልና ብዘይ ሰብኣይ ዝጠነሰት የላን፡ ፍጡር እንተ ዘይዀይኑ ኸኣ ንፈጣሪ ዝወለደት የላን፡ ኣደ መድሓኒ ክትከውን ጸጋ ዝተዋህባውን የላን። እዚ ኹሉ ነዴና ቅድስቲ ድንግል ማርያም ተዋህባ። ስለዚ እምበኣር እዚ ዓቢ ጸጋን በረኸትን ኢዩ እሞ፡ ምልእቲ ጸጋን ካብ ኣንስቲ ኸኣ ዝተባረኸትን ኢያ። ነዚ ምስክርነት እዚ ዝሃበ ብኣፍ ኤልሳቤጥ፡ መንፈስ ቅዱስ ኢዩ። ኤልሳቤጥ፡ፍረ ኸርስኺውን ብሩኽ ኢዩክትብል፡ ንናይ መድሓኒና ክብሪውን መስኪራ ኢያ። ነዚ ብሩኽ ጐይታ ጸይራ ስለ ዝመጸታ ኸኣ በለትኣደ ጐይታይ ናባይ ክትመጺኸ፡ እዚ ካበይ ኮነለይ፧ እንሆ፡ ድምጺ ሰላምታኺ ምስ ሰማዕኩ ኣብ ከርሰይ ሕጻን ተሰራርሰረ። እቲ ካብ እግዚኣብሄር እተነግረላ ቓል ክፍጸም ኢዩ እሞ፡ እታ ዝኣመነት ብርኽቲ ኢያ።” (ሉቃ 143-45) ኤልሳቤጥውን ብደገፍ እቲ ዝመልኣ መንፈስ ቅዱስ ኣማኒነት ድንግል ኣረጋገጸት። ክብሪ ናይዛ ቅድስቲ ኣደ እምበኣር፡ ኣደ እቲ መድሓኒ ንሱ ኸኣ ክርስቶስ ጐይታ፡ ብምዃና ኢዩ። ኣዴና ቅድስቲ ድንግል ማርያም ነዚ ክብሪ እዚ ክትወስድ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ጸጋ ረኺባ ኢያ፡ ነቲ እተነግረላ ቓል ክትኣምን ከኣ ድሕር ኣይበለትን። ስለዚ ንሕናውን ማርያም ብጽእቲ ኢኺንብላ ኣለና። ክብሪ ድንግል ማርያም ካብ ላዕሊ እምበር ካብ ምድሪ ኣይኰነን። ስለዚ ኸኣ ከም ኤልሳቤጥ ብመንፈስ ቅዱስ እንተ ዘይኰይኑ፡ እቲ ልክዕ ክብራ ክነግር ዝኽእል የልቦን። ከምቲ ንሳ ባዕላ፡ በቲ ኣምላኽ ዝገበረላ ዓብዪ ነገር ምኽንያትእንሆ፡ ካብ ሕጂ ኩሎም ወልዶ ብጽእቲ ክብሉኒ ኢዮም።” (ሉቃ 147-49) ዝበለቶ፡ ነዛ ኣደ እቲ ዝግበኣ ክብሪ ክንህባ፡ ብመንፈስ ቅዱስ ክንድገፍ የድሊ ኢዩ። እታ ማሕበር ህያው ኣምላኽ ዝዀነት ቅድስቲ ቤተ ክርስቲያን፡ ብዛዕባ እዛ ንመድሓኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ዝወለደት ክብርቲ ኣደ ኣዝያ ኢያ እትግደስ። ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዘይተመዝገበ ከይተረፈ፡ ማለት እቲ ቅድሚ ንጐይታ ምውላዳ ዝነበረ ታሪኻን ብድሕሪኡውን ኩነታት ዕረፍታን ፍልሰተ ስጋኣን ብውርሻ/ትውፊት ሰኒዳቶ ትርከብ። እዛ ቅድስቲ ኣደ እትዓርፈሉ ግዜ ምስ በጽሐ፡ ወዳ ኢየሱስ ክርስቶስ ነታ ንጽህቲ ነፍሳ ተቐበላ። ብዛዕባ እቲ ቅዱስ ስጋኣ ኸኣ፡ እቲ ንጐይታ ዝጾረ ቅዱስ ስጋ ኣብዚ ምድሪ ክተርፍ ፍቓድ ኣምላኽ ስለ ዘይነበረ፡ ካብዛ ምድሪ እዚኣ ብመልኣኽቲ ተወስደ፡ ዓረገ። እዚ ዕለት እዚ እምበኣር፡ ስጋ ቅድስቲ ድንግል ማርያም ካብዛ ምድሪ ዝፈለሰሉ ወይ ቦታ ዝቐየረሉ እንዝክረሉ ዕለት ኢዩ።

እምበኣር እዚ ኢዩ እቲ ብቅድስቲ ድንግል ማርያምሓያልተባሂሉ ዝተመስገነ ኣምላኽ። ንሱ ሕጂውን ከም ሓያል ጅግና ምሳና ኢዩ። (ኤር 2011) እግዚኣብሄር ልዕሊ ኩሉ ኩነታት ልዕል ዝበለ ኣምላኽ ኢዩ፡ ኩሉ ሽግርና ክፈትሓልና እንውከሎ ሓይልና ንሱ ጥራይ ኢዩ (መዝ 1248) ስለዚ እምበኣር ነቲ ዓቢ ግብርታት እቲ ሓያል ኣምላኽ እናስተንተና፡ ምስ ድንግል ማርያም ኴንናስሙ ቅዱስኢዩ ኢልና ነመስግኖ። ጐይታ ኢየሱስ ዝመሃረና፡ ኩሉ ግዜውን እንጽልዮ ጸሎትና፡ በዚ ኢዩ ዝጅምር።ኣብ ሰማያት እትነብር ኣቦና፡ ስምካ ይቀደስ” (ማቴ 69) እቲ ንድግል ማርያም ብሓይሉ ዘጽለለ ልዑል ኣምላኽ ኣቦና ቅዱስ ኢዩ፡ እቲ ካብኣ ዝተወልደ ወዲ እቲ ልዑል፡ ጐይታ ኢየሱስ ክርስቶስውን ቅዱስ ኢዩ፡ እቲ መንፈስ ኣምላኽውን ቅዱስ ኢዩ። (ኢሳ 63, ሉቃ 135 ማቴ 118) “ኣምላኽ ኣብ ማእከላ አሎ፣ ኣይክትናወጽን እያእዚ ኣምላኽ እዚ ኣምላኽና ኢዩ፡ ብዓብዪ ቅልጽሙ ኸኣ ንዘለኣለም ክመርሓና ኢዩ። እምበኣር ምስቲ ዘማራይ ሓቢርና ከምዚ ንበል እግዚኣብሄር ሓይለይ፣ ኤፍቅረካ እየ። እግዚኣብሄርሲ ኸውሔይ፣ ዕርደይ፣  መናገፍየይ፣ ኣምላኸይ፣ ዝሀድመሉ ጸግዔይ፣ ዋልታይ፣ ቀርኒ ምድሓነይ፣ ልዕል ዝበለ ኸውለይ እዩ።” (መዝ 181-2)

ጸሎትን በረኸትን ኣዴና ቅድስቲ ድንግል ማርያም ምስ ኩላትና ይኹን። ርሑስ በዓል።

ጸጋ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ፍቕሪ ኣምላኽን ሕብረት መንፈስ ቅዱስን ምስ ኩላትና ይኹን።

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ, መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜሪካ

ዕለት፥     ሰንበት ነሓሰ 20, 2017     ነሓሰ 14, 2009 (ግእዝ)

ናይቲ መዓልቲ ስብከት

መዝ 464-5

ቀደሰ ማኅደሮ ልዑል። እግዚኣብሔር ውስተ ማዕከላ ኢትትሐወከ። ወይረድኦ እግዚኣብሔር ፍጽመ።

"...ነታ ቕድስቲ ቦታ ማሕደር እቲ ልዑል ዜሐጕስ ርባ አሎ። ኣምላኽ ኣብ ማእከላ አሎ፣ ኣይክትናወጽን እያ

ኣብ ጊዜ ቅዳሴ ዝንበቡ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ንባባት

ንባብ

ኣንባቢ

ሮሜ 831-ፍጻሜ  

ዲያቆን

ወንጌል  ማቴ 2626-31

2ዮሃ 21-7

ንፍቀ ዲያቆን

ቅዳሴ ዘእግዚእነ

ግሃ 112-15

ንፍቀ ካህን

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div