S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

እዚ ሰሙን (ካብ መስከረም 9 ክሳዕ መስከረም 15 ግእዝ) ዘመነ ፍረ ተባሂሉ ይጽዋዕ። እቲ ምስባኽን ወንጌላትን ድማ ምስ ፍረ ዝተኣሳሰር ምንባባት እዩ ዘለዎ። ንሎሚ እምበኣር ነቲ ኣብ ወንጌል ማርቆስ ተጠቒሱ ዘሎ ምስላ ጐይታ ብዛዕባ እቲ ናብ ብጹሕ ስርናይ ዝበጽሐ ዘርኢ ዝመሃረሉ ምስላ ወሲድና ክንርእዮ ኢና።

እዚ ምስላ እዚ እቲ ካልእ መንግስቲ ኣምላኽ ዝተመሰለትሉ ምስላ እዩ። ብፍላይ ድማ ግደ ናይቲ ዘርኢ ይገልጸልና። ኣብቲ ኣቐዲምና ዝተመሃርናሉ ምስላ ዘርእን ዘራእን ግደ ናይቲ መሬት እዩ ብዝያዳ ጐሊሒ ዝረኣይ። ኣብ ሓደ ናይ ሕርሻ ኩነታት ሰለስተ መሰረታውያን ኣካላት ኣለዉ። ንሳቶም ድማ ዘራኢ፡ ዘርኢን ግራትን። እዞም ኣካላት ድማ ነናቶም ግደ ኣለዎም። እቲ ሓረስታይ ሓሪሱ፡ ዘሪኡ፡ ሓልዩ፡ ጽህዩን ማይ ኣስትዩን ኪነብር ናቱ ግደ እዩ። እታ ምድሪ ከኣ ጽቡቕ ወይ ልሙዕ መሬት ክትከውን፡ ከምኡ ድማ ካብ እምኒ (ከውሒ) እሾኽን ጥቓ መገዲ ካብ ምዃንን ክትሕሎ ግዴኣ እዩ። እቲ ዘርኢ ከኣ ነቲ ዝተዋህቦ ማይን ማዕድንን ተጠቒሙ መጀመርታ ክመውት፡ ድሕሪኡ ከኣ ክበቁልን ክዓብን ክፈርይን ናይቲ ዘርኢ ግደ እዩ (ኢሳ 51-4) ስለዚ ብፍላይ እዛ ምስላ ግደ ናይቲ ዘርኢ ትነግረና። እዚ ማለት እቲ ዘርኢ፡ ካብ ዘርኢ ክሳብ ብጹሕ እኽሊ ክሳብ ዝበጽሕ ዝሓልፎ ኵነታትን ደረጃታትን የተዅር።

እቲ ዘራኢ ለይትን መዓልትን ይድቅስን ይትንስእንዚብሎ ጊዜ ይሓልፍ ከም ዘሎ ንኽሕብር እምበርሓረስታይ ዘሪኡ ይድቅስ፡ ዋላ ሓንቲ ዝገብሮ ነገር የለንንምባል ኣይኰነን። ማለት እቲ ዘርኢ ክሳዕ ዝፈሪ መዓልታት ይሓልፍ ከም ዘሎ እዩ ዝገልጸልና ዘሎ።ንሱ ከይፈለጠ ይበቁል፡ ይዓቢውንዝብለና ዘርኡ ከም ዝበቖለ ኣይፈልጥን እዩ ዘይኰነስ፡ እቲ ዘርኢ ኣብ ውሽጡ ዝካየድ ኩነታት ወይ ከኣ መስርሕ (PROCESS) እቲ ዘራኢ ኣይፈልጦን እዩ። ናይቲ መስርሕ ውጽኢት ግን ኣዝዩ እዩ ዝከታተሎ።

ከምቲ ዝተጠቕሰ፡ እቲ ናይ መጀመርታ ናይቲ ዘርኢ ተራ ሙማት እዩ። እዚ ማለት እቲ ዘርኢ ዝዀነ ብጹሕ ተኽሊ ስርናይ ናይ ምዃን ተስፋ ክህልዎ እንተ ኰይኑ ክመውት ናይ ግድነት እዩ። ጐይታና ነዚ ኣመልኪቱ ንጹር ትምህርቲ ምሂሩ ኣሎ።ፍረ ስርናይ ናብ ምድሪ እንተ ዘይወደቐትን ዘይሞተትን፡ በይና እያ እትነብር። እንተ ሞተት ግና፡ ብዙሕ ፍረ ኸም እትፈሪ፡ ብሓቂ፡ ብሓቂ እብለኩም አሎኹ።”( ዮሃ 14:24) ሃዋርያትውን ብተመሳሰሊ ነዚ ሓቂ ምሂሮምና እዮም። ናብቲ ኣምላኽ ካባና ዝጽበዮ ብጹሕ ፍረ ክንበጽሕ፡ እቲ ብመጀመርታ ክንሓልፎ ዘሎና ደረጃ ናይ ሙማት ደረጃ እዩ። እዚ ሞት እዚ፡ እቲ ንርእስናን ንስጋናን እንሞቶ ሞት እዩ። ብካልእ ቛንቛ ርእስካ ምክሓድ፡ ርእስካ ምቅባጽ፡ ንስጋካን ኣንነትካን ምቕታል ተባሂሉ ተጠቒሱ ኣሎ። ከምቲ ክርስቶስ ንሓጢኣትና ሞይቱ ንጽድቕና ዝተንስአ፡ ንሕና ድማ ኣብ ናይ ክርስቶስ ሞትን ትንሳኤን እንተ ተሳቲፍና ጥራይ ኢና እቲ ናይ ክርስቶስ ህይወት ኣባና ዝዓዪ፡ ካብኡ ድማ እቲ ናይ ክርስቶስ ህይወት ዝፈርዮ ፍረ ዝርከበና።

መደብ ኣምላኽ ንዓና፡ ብዙሕን ነባርን ዝዀነ ፍረ ክንፈሪ ምዃኑ ተገሊጹልና ኣሎ (ዮሃ 15: 8, 16) እቲ መደብን ፍረን ድማ ንክርስቶስ ዝመስል ህይወት እዩ (ሮሜ 8:29) ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ዕላማ ኣምላኽ ኩሉ ሰብ ናብ ልክዕ ምልኣት ብጽሕና ክርስቶስ ክንበጽሕ ከም ዝዀነ ከምዚ ብምባል ሚሂሩና ኣሎ፥ኵላትና ናብ ሕብረት እምነት፡ ናብ ፍልጠት ወዲ ኣምላኽ፡ ናብ እኹል ሰብኣይ፡ ናብ ልክዕ ምልኣት ብጽሕና ክርስቶስ ክሳዕ እንበጽሕ፡…” (ኤፌ 413) እዚ ንክርስቶስ ዝመስል ህይወት ግና ብዘይ እቲ ናይ ክርስቶስ ህይወት ዝሕሰብውን ኣይኰነን። ነዚ ድማ እዩ ሃዋርያ ከምዚ ዝበለ፥ህይወት ኢየሱስ ኣብ ስጋና ምእንቲ ኽትግሃድውን ኵሉ ሳዕ ሞት ኢየሱስ ኣብ ስጋና ንጸውር አሎና። ማለት፥ እታ ህይወት ኢየሱስ ኣብቲ መዋቲ ስጋና ምእንቲ ኽትግሃድሲ፡ ንሕና ብህይወት ዘሎና ምእንቲ ኢየሱስ ኢልና ዅሉ ሳዕ ናብ ሞት የሕልፉና ኣለዉ። እምብኣርሲ ሞት ኣባና ይዓዪ፡ ህይወት ግና ኣባኻትኩም ትዓዪ ኣላ።” (2ቁረ 410-12) ስለዚ እታ ንክርስቶስ ክንመስሎ እትረድኣና ህይወት ኣብ ስጋና እትገሃደሉ መገዲ ሞት ክርስቶስ ኣብ ስጋና ብምጻር እያ እትፍጸም። ደጊሙ ድማ ነዚ ሕጊ ህይወት ክገልጾ ከሎ ከምዚ ይብልኣታ ዓሻ፡ እቲ ንስኻ እትዘርኦ ኸይሞተ ህይወት ኣይረክብን እዩ።” (1ቈረ 1536)

ኣብ ሞት ክርስቶስ ከይተሳተፍና፡ ማለት ሞት ክርስቶስ ኣብ ስጋና ከይጾርና፡ ህይወት ክርስቶስ ኣባና ክትገሃድ ከም ዘይትኽእል ርኢና ኣሎና። እቲ ክንጾሮ ዘሎና ሞት ክርስቶስ ግና እንታይ እዩ፧ ዝብል ሕቶ ክንምልሶ ናይ ግድነት እዩ። ሃዋርያ ቅዱስ ጴጥሮስ ነዚ ሓሳባት ክገልጾ ከሎ ከምዚ ይብለናደጊም ክርስቶስ ምእንታና ሓሳረ መከራ ካብ ጸገበስ፡ ብስጋኡ መከራ ዚጸግብ፡ ንሱ ንሓጢኣት ሒዲግዎ እዩ እሞ፡ እቲ ብስጋ ዝተረፈ ዘመን ንፍቓድ ኣምላኽ እምበር፡ ንፍትወት ሰብ ምእንቲ ኸይትነብሩ፡ ንስኻትኩምውን ነዚ ሓሳብ እዚ ኸም ኣጽዋር ጌርኩም ሐዝዎ።” (1ጴጥ 11-2) ሞት ክርስቶስ ምጻር ማለት እምበኣር ሓጢኣት ንኸይንገብር ንእንሃልፎ ኵሉ ዓይነት መከራ እዩ ዘመልክት። ሓደ ሰብ ከም ክርስትያን ኰይኑ መከራ ዝጸግብ፡ ሓጢኣት ንኽገብር ፍቓደኛ ስለ ዘይከውን እዩ። እንተ ዘይኰነስ ዓለም ነቲ ናታ ትፈትዎ እያ እሞ ምፈተወቶ። ነዚ ኣብ ሞንጎ መከራን ሓጢኣትን ዘሎ ምርጫ ዘመልኽት ሓሳብ፡ ኣብቲ ኤሊሁ ንእዮብ ዝተዛረቦ ቃልት ንረኽቦ ኢና። ንሱ ከምዚ ይብሎ፥ካብ መከራ ንሓጢኣት መሪጽካ ኢኻ እሞ፡ ናብኡ ኸይትምለስ ተጠንቀቕ ደኣ።” (ኢዮ 3621) እዚ ጽሑፍ እዚ ነቲ መከራን ሓጢኣትን ዝቅመጥልይ ክልተ ዘይራከብ ጫፋት ዘብርህ መግለጺ እዩ። ንሓጢኣት ክሓድግ ዝመርጽ መከራ ኣለዎ። እንተዀነ (እቶም ኣዕሩኽቱ ደኣ ብግቡእ ኣይተረድእዎን እምበር) እዮብሲብመከራ ድኣ እሓልፍ እምበር ሓጢኣትሲ ኣይገብርንብምባል ነቲ ጻድቕ ምዃኑ ቀጥ ኣቢሉ ክሕዞ መሪጹ ነበረ (ኢዮ 275)

ኣብዚ ምስላ እዚ ከም እንርእዮ፡ እቲ ዘርኢ ናብ ፍረ ንምብጻሕ ዝሕለፍ ደረጃታትከም ዘለዎ እዩ። ዝዀነ ዝተዘርአ ዘርኢ ንዕለቱ ናብ ፍረ ኣይበጽሕን እዩ። ጊዜ ዝሓትት ነገር እዩ። እቲ እንጾሮ ሞት (መከራ) ትዕግስቲ ከም ዝምህረና ድማ ርዱእ ነገር እዩ። እግዚኣብሄር ብቐሊል ይኹን ከቢድ መከራ ክንሓልፍ ዚፈቕደሉን ንኸምኡ ዝበለ ኵነታት ኣሕሊፉ ዚህበሉን ዕላማ፡ ክንሳቐይ ኪርእየና ከሎ ባህ ስለ ዚብሎ ኣይኰነን። እንታይ ደኣ፡ ብዘይካ ኣብ ጸበባ ኣብ ካልእ ኵነታት ኪግለጹ ዘይክእሉ ባህርያቱ ምእንቲ ኸነጥርይ እዩ። ዓቕምኻን ዓቕልካን ዚፈታተን ኵነታት እንተ ዘየጋጠሙኻ፡ ነታ ንነፍስኻ እተጥርይን እተድሕንን ትዕግስቲ እተጥርየሉ ዕድል ክህልወካ ኣይክእልን እዩ። ሃዋርያ ጳውሎስ ነዚ ኣመልኪቱ ከምዚ ይብለና፥ግናኸ ብጸበባ ድማ ንመካሕ እምበር፡ እቲ ጸበባስ ትዕግስቲ ኸም ዜምጽእ ስለ ዝፈለጥና፡ በዚ ጥራይ ኣይኰነን። ትዕግስቲ ድማ ምፍታን፡ እቲ ምፍታንውን ተስፋ፡” (ሮሜ 53-4) ትዕግስቲ ውጽኢት ጸበባ ምዃና ርዱእ ነገር እዩ። ምኽንያቱ መከራን ጸበባብ ኣብ ዘይብሉ ትዕግስቲ ከም ኣመርውን ክፍለጠሉ ዝኽእል ዕድል የብሉን። ዀይኑ ድማ፡ እዛ ውጺት ናይ ጸበባ ዝዀነት ትዕግስቲ ብወገና፡ ናይ ኵሉ ናይ ጽድቂ ፍረ መብቖሊት ባይታ እያ። እቲ ጽሑፍ ብከምዚ ይገልጾ፥ቅጽዓት ዘበለስ ንጊዜኡ ንጓሂ እምበር፡ ንሓጐስ ከም ዚኸውን ኣይመስልን እዩ፡ ንዳሕራዩ ግና ነቶም ዝለመድዎ ናይ ሰላም ፍረ ጽድቂ እዩ ዚፈሪ።” (እብ 1211) ነዚ ድማ እዩ ኣብቲ ዝተነበልና ክፍሊ ናይ መልእኽቲ ያእቆብእንሆ፡ ነቶም እተዐገሱ ብጹኣን እዮም ንብሎም አሎና።ዝብል ተጻሒፉልና ዘሎ (ያእ 5:11) እቲ መከራ ንሓጢኣት ሞይትና ናይ ጽድቂ ፍረ ንኽንፈሪ እዩ ዕድል ዝፈጥረልና። እቶም ብትዕግስቲ ዝቕበልዎ ድማ፡ ተማቐልቲ እቲ ኣምላኻዊ ባይህርይ (ቅድስና ኣምላኽ) ይዀኑ። ካብዚ ዝዓቢ ብጽእና ድማ የልቦን።

ከምቲ እቲ ሓረስታይ ምህርቱ ክሳብ ዚሓፍስ ብትዕግስቲ ክጽበ ዝግብኦ፡ ንሕናውን ነቲ ኣባና ዝተዘረአ ዘርኢ ባህሪ ኣምላኽ፡ ኣባና ዓብዩ ክሳብ ዝበጽሕ ትዕግስቲ ክንዕተቕ ናይ ግድነት እዩ። ኣብቲ ምስላ ከም እንርእዩ መጠን ናይቲ ዝሓለፈ ግዜ፡ ንመጠን ዕቤት እቲ ተኽሊ መለኽዒ ከም ዝነበረ እዩ። እቲ ዘርኢ ስርናይ በስቢሱ ምስ ሞት፡ ሓዲሽ ህይወት ዘለዎ ተኽሊ ይወጽእ። እዛ ደረጃ እዚኣ ነቲ ውልዶ ህይወት ሓደ ክርስትያን እያ እትውኽል። እዛ ውልዶ ህይወት ክርስትያ ግና ካብዚ ናይ ጮማ ቡቕሊ ደረጃ ናብ ሰዊት ካብኡ ቀጺሉ ድማ ናብ ብጹሕ ተኽሊ ስርናይ ክትዓቢ ትጽቢት ይግበረላ እዩ። እቲ ዘራኢ ከኣ ለይትን መዓልትን እናተንስኤን እናደቀሰን ነዚ ደረጃታት ዕቤት እናተኻታተለ ንቐውዑ ይጽበ። እቲ ስርናይ ብጹሕ ምስ ኰነ ቀውዒ ኣትዩ እዩ እሞ ብድሕርዚ እቲ ሓረስታይ ኢዱን ማዕጺዱን ልኢኹ ፍሪኡ ይእክብ (ማቴ 937 ዮሃ 435 ራእ 1415) ኣብቲ ምስላ ዘራኢ ከም ዝተመልከትትናዮ እቲ ዘራኢ እቲ ወዲ ሰብ ዝኹነ ጐይታናን መድሃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ እዩ። ንሱ ነቲ ኣባና ዝዘርኦ ንዕኡ ናብ ምምሳል ዘዕብየና ቃሉ ክሳብ ዝፈሪ ይጽበየና ኣሎ። እቲ ቀውዒ ድማ ምጽኣት ወዲ ኣምላኽ እዩ። ነቲ ዝበጽሐ እክሉ ዝእክበሉ መዓልቲ! እቲ ዝመጽእ ክመጽእ ኣይክድንጉን ድማ እዩ። ከምቲ ንገሊኣቶም ዝመስሎ ጐይታ ንተስፍኡ ኣየደንጉዮን እዩ። ጐይታ ዝድንጐይሉ ዘሎ ግና ኩሉ ሰብ ብንስሓ ናብኡ ተመሊሱ፡ ንክርስቶስ ዝመስል ናይ ጽድቂ ህይወት ምእንቲ ክፈሪ እዩ። እታ መዓልቲ ዓጺድ፡ ንስርናዩ ኰነ ንኽርዳዱ ብማዕረ እያ ክትመጾም። እቲ ቁም ነገር እምበኣር ኣብታ መዓልቲ ዓጺድ ስርናይ ኰንካ ምርካብ እዩ። ስርናይ ኰንካ ናይ ምርካብ ምስጢር ድማ ካብ ናይ ስርናይ ዘርኢ ዝበቖልካ ተኽሊ ኣብ ምዃን እዩ ዘሎ። መጽሓፍ ቅዱስ ነዚ ዘርኢ እዚ፡ ዘርኢ ኣምላኽ፡ ወይ ባህሪ ኣምላኽ ኢሉ ይጽውዖ (1ዮሃ 39 2ጴጥ 14) ካብ ኣምላኽ ዝተወልደ ዘርኢ ኣምላኽ ኣብኡ ይነብር። ገበርቲ ሰላም ድማ እዮም። ነዞም ገበርቲ ሰላም ዝኹኑ ውሉድ ኣምላኽ ድማ እቲ ፍረ ጽድቂ ተዘሪእዎም ከም ዘሎ ቃሉ ይነግረና (ማቴ 59 ያእ 3:18) ስለዚ ንርእስና መርምር እሞ ናብ ክርስቶስ ይዓቢ ኣለኹዶ ንሕተትን፡ ብእኡ ንንበርን (1ዮሃ 228)

ብጸጋ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ፍቕሪ ኣምላኽን ሕብረት መንፈስ ቅዱስን ምስ ኩላትና ይኹን።

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ኤርትራ መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜሪካ

ዕለት፥   ሰንበት መስከረም 24, 2017          መስከረም 14, 2009 (ግእዝ)

 

ናይቲ መዓልቲ ስብከት

መዝ 67፡6

ምድሪኒ ትሁብ ፍሬሃ። ወይባርከነ እግዚኣብሔር ኣምላኽነ። ወይባርከነ እግዚኣብሔር።

ምድሪ ፍሬኣ ሂባ፣ እግዚኣብሄር ኣምላኽና ኺባርኸና እዩ።

ኣብ ጊዜ ቅዳሴ ዝንበቡ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ንባባት

ንባብ

ኣንባቢ

2ቈረ 9፡1-ፍጻሜ

ዲያቆን

ወንጌል፡  ማር 4፡24-39

ያእ 5፡1-10

ንፍቀ ዲያቆን

ቅዳሴ፡ ወልደ ነጎድጓድ (ኃቤከ)

ግሃ 19፡21-ፍጻሜ

ንፍቀ ካህን

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div